ዩክሬይን ኣብዚ ዓመት እንተተሳዒራ እንታይ ክመስል ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮማንደር ጥሙር ሓይልታት ብሪጣኒያ ነበር ጀነራል ሰር ሪቻርድ ባሮንስ፡ ዩክሬይን ኣብዚ ዓመት ኣብቲ ኲናት ክትስዓር ከም እትኽእል ኣጠንቂቑ።
እቲ ምኽንያት ድማ፡ “ዩክሬይን ኣይዕወትን ናብ ዝብል ስምዒት ክትኣቱ” ስለ እትኽእል እዩ ይብል።
“ኣብዚ ደረጃ እንተበጺሓ ክኣ፡ ሰባት ስለ ምንታይ ድሕሪ ሕጂ ክቃለሱን ክሞቱን ይደልዩ፤ ነቲ ዘይትከላኸሎ ንምክልኻል ጥራይ?” ኢሉ።
ዩክሬይን ገና ኣብቲ ደረጃ እቲ ኣይበጽሐትን ዘላ።
ሓይልታት እታ ሃገር ግን፡ ሕጽረት ኣጽዋር፣ ወተሃደራትን ናይ ኣየር መከላኸሊታትን ይገጥሞም ኣሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ሩስያ ንመጥቃዕቲ ትዳሎ ኣላ።
ስለዚ፡ እቲ ኲናት እንታይ’ዩ ክመስል ዝኽእል? ስትራቴጂካዊ ዕላማታቱኸ እንታይ ክዀኑ ይኽእሉ?
“ቅዲ እቲ ካብ ሩስያ ክመጽእ ዝኽእል መጥቃዕቲ ግልጺ’ዩ። ሩስያ ኣብ ቅድመ ግንባር ክትሃርም ንርኢ ኣለና፤ ኣብ መዳፍዕ፡ ተተኮስትን ብኣጠቓቕማ ሓድሽ ኣጽዋር ዝተደልደለ ትርፊ ሰባትን ብልጫ ሓሙሽተ ንሓደ ክትጥቀም ንርኢ ኣለና” ይብል ባሮንስ።
እዚኦም ድማ፡ ኣብ መከላኸሊ ዩክሬይን ዕንወት ዘውርድ ዘሎ፡ ኣብ እዋን ሶቭየት ዝተሰርሐ “ዓባስ ቦምባ” መምርሒ ጂፒኤስን 1500 ኪሎ ዝምዘን ልዑል ነታጒን ዝተገጠመሉ ኣጸዕዋር ይርከብዎም።
“ኣብዚ ሓጋይ፡ ምናልባት መስመራት ዩክሬይን ንምስባር ንምፍታንን ንእሽቶ መኽሰብ ሒዝካ ንቕድሚት ካብ ምግስጋስ ንላዕሊ ዝዓለመ ዓብዪ መጥቃዕቲ ሩስያ ክንርኢ ንኽእል ኢና” ይብል።
“ከምኡ እንተዀይኑ ድማ ሓይልታት ሩስያ ናብቲ ሓይልታት ዩክሬይን ደው ከብሎም ዘይክእል ከባቢታት ዩክሬይን ደፊኦም ክኣትውሉ ዝኽእል ሓደጋ ክስዕብ ይኽእል” ኢሉ።
ግን ኣበይ?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሩስያ ዩክሬይን ኣበይ ከተጥቅዕ ከምእትኽእል ብልክዕ ፈሊጣ ነይራ፤ እዚ ድማ፡ ካብ ኣንፈት ዛፖሪዚዛ ናብ ባሕሪ ኣዞቭ ነበረ።
በዚ መሰረት፡ ሰራዊት ሩስያ መደብ ኣውጺኡ ንገስጋስ ዩክሬይን ኣህሲሱዎ።
ሕጂ፡ ሩስያ ወተሃደራታ ተዕጥቕን ቀጻሊ መጥቃዕቲ ኪቭ ኣበይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል እናበለት ትሓስብን ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ እታ ኵዕሶ ኣብ ካልእ ሸነኽ እያ ዘላ።
“ሓደ ካብቲ ዩክሬናውያን ዘለዎም ብድሆታት፡ ሩስያውያን ሓይልታቶም ኣበይ ክዋፈሩ ከም ዝኽእሉ ክመርጹ ምኽኣሎም’ዩ። ኣዝዩ ነዊሕ ቅድመ ግንባር’ዩ፤ ዩክሬናውያን ድማ ነዚ ኹሉ ክከላኸሉ ክኽእሉ ኣለዎም” ይብል ላዕለዋይ ተመራማሪ ውግእ መሬት ኢንስቲትዩት ዩናይትድ ሰርቪስስ (ሩሲ) ዝዀነ ዶ/ር ጃክ ዋትሊንግ።
ሓይልታት ዩክሬይን ክኣ ነዚ ክገብሩ ኣይኽእሉን።
“ሰራዊት ዩክሬይን ክስዓር’ዩ፤ እቲ ሕቶ ክንደይን ኣየናይን ህዝቢ’ዩ ክጽሎ ዝብል’ዩ” ይብል ዶ/ር ዋትሊንግ።
ሩስያ፡ በየናይ ኣንፈት መጥቃዕቲ ከተጽዕቕ ኣለዋ ዝብል ውሳነ ሰራዊታ እኳ እንተዀነ፡ ዘለውዋ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ግን ብሰለስተ ሰራሕቲ ቦታታት ኣቢልካ ምርኣይ ይከኣል።
ሃርኪቭ
“ሃርኪቭ፡ ብርግጽ ተቓላዒት’ያ” ይብል ዶ/ር ዋትሊንግ።
ኣብ ዩክሬይን ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ዝዀነት ሃርኪቭ፡ ንዶብ ሩስያ ኣዝያ ዝቐረበት እያ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መዓልታዊ ብመጥቃዕቲታት ሚሳይል ሩስያ ትህረም ዘላ ኰይና፡ ዩክሬይን ነቲ ናብኣ ዘቕንዐ መጥቃዕቲታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ ክሩዝን ባለስቲክን ሚሳይላት ንምክልኻል እኹል ምክልኻል ኣየር ከተቕርብ ኣይክኣለትን።
ጀነራል ባሮንስ፡ “ኣብዚ ዓመት ዝካየድ መጥቃዕቲ፡ ካብ ዶንባስ ምውጻእ ከም ቀዳማይ ዕላማ ክኸውን’ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ኣዒንቶም ክኣ ኣብታ ካብ ዶብ ሩስያ 29 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ሃርኪቭ ክኸውን እዩ” ኢሉ።
ሃርኪቭ ኣብ ኢድ ሩስያ እንተኣትያ፡ ዩክሬይን ክትቕጽል ድያ? ተንተንቲ እወ፤ ግን ድማ ንቁጠብኣን ሞራላን ኣዕናዊ ጽፍዒት ክኸውን ይኽእል’ዩ ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶንባስ
ምብራቓዊ ዩክሬይን ብጠቕላላ ዶንባስ ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ። እዚ ከባቢ ካብ 2014 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ጀሚሩ ኣብ ኲናት’ዩ ጸኒሑ።
ብ2022፡ ሩስያ ንኽልተ ዞባታት እቲ ከባቢ ዝዀና ዶነትስክን ሉሃንስክን ጐቢጣ።
ንዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ክኣ፡ እቲ ዝበዝሐ ናይ መሬት ውግእ ኣብዚ ከባቢ እዩ ተኻይዱ።
ዩክሬይን ሓይላ ጸንቂቓ፡ ጸጋታታን ሓይሊ ሰባን ኣኪባ ንከተማታት ባክሙትን ኣቭዲቭካን ንምሓዝ ላዕልን ታሕትን ትብል።
ኣዝዮም ብሉጻት ተዋጋእታ ሓዊሱ ክልቲአን ከተማታት ስኢና።
ኪቭ፡ እቲ ዝገበረቶ ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ሩስያውያን ዘይተመጣጠነ ልዑል ክሳራ ከም ዘውረደ ትገልጽ።
ልክዕ’ዩ፤ ኣብዘን ቦታታት ዘሎ ዓውደ ውግእ “መፍሓሪ ስጋ” ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ።
ሞስኮ ግን ኣብቲ ውግእ ከተውፍሮ እትኽእል ብዙሕ ተወሳኺ ሰራዊት ኣለዋ - ዩክሬይን የብላን።
ኣብ ኤውሮጳ ኣዛዚ ሓይልታት ኣመሪካ ጀነራል ክሪስቶፈር ካቮሊ፡ ኣመሪካ ብኣግባቡ ዝያዳ ኣጽዋርን ተተኮስትን ናብ ዩክሬይን እንተዘይሰዲዳ፡ ሓይልታት ዩክሬይን ኣብ ዓውደ ውግእ ብዓሰርተ ንሓደ ክብለጹ ምዃኖም ኣጠንቂቑ።
ብዙሒ ኣገዳሲ እዩ። ሰራዊት ሩስያ ዝጥቀመሉ ሜላታት፡ ኣመራርሓን ኣጽዋርን ካብ ናይ ዩክሬይን ዝንእስ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
እንተዀነ ብብዝሒ ብፍላይ መዳፍዕ ሓለፋ ስለ ዘለዎ፡ ነባሪ ኣማራጺኡ ንሓይልታት ዩክሬይን ናብ ሸነኽ ምዕራብ ንድሕሪት ምድፋእ ክኸውን’ዩ። በዚ ክኣ ዓድታት ክቆጻጸር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዛፖሪዝዝያ
እዚ ከባቢ’ውን ንሩስያ ኣዝዩ ዘሻሚ ሽልማታ እዩ።
ከተማ ደቡብ ዩክሬይን ዝዀነት ዛፖሪዝዝያ፡ ኣብቲ ሰላም ዝነበረሉ ግዜ ልዕሊ 700 ሽሕ ሰባት ይነብሩላ ነይሮም።
ብዝገርም ኩነታት ክኣ፡ ንግንባራት ሩስያ ኣዝያ ዝቐረበትን ንሓደጋ ዝተቓልዐትን እያ።
ምስ’ዚ ኩሉ ግን እታ ከተማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢድ ዩክሬይን ብናጽነት ትነብር ምህላዋ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ጎኒ ሩስያ ከም ዘላ እሾኽ እያ ትርአ።
እቲ ሩስያ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዛፖሪዝዝያ ንኣንፈት ደቡብ ዝሃነጸቶ ምክልኻል ግን፡ ካብ ዩክሬይን መጥቃዕቲ ክፍነዎ ይኽእል’ዩ ዝብል ትጽቢት ስለ ዘሎ ሕጂ ሩስያ ካብኡ ገስጋስ ክትገብ ከጸግማ ይኽእል።
እቲ ብሰለስተ ንጣብ መከላኸሊታት ዝቖመ መስመር ሱሮቪኪን ዝበሃል ኰይኑ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየን ብጽዑቕን ነተጉቲ ዝተኣሳሰረ እዩ።
ሩስያ ነዚ ብኸፊል ክትፈርሶ ትኽእል፤ ግን ምድላዋታ ክኽሸፍ ይኽእል።
ስትራቴጂካዊ ዕላማ ሩስያ እዚ ዓመት ግዝኣታዊ ዘይክኸውን ይኽእል። ብቐንዱ መንፈስ ውግእ ዩክሬይን ምጭፍላቕን ንምዕራባውያን ደገፍታ እዚ ኲናት ዝተኸስረ ዕላማ ምዃኑ ንምእማንን ጥራይ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ዶክተር ጃክ ዋትሊንግ፡ ዕላማ ሩስያ “ስምዒት ተስፋ ምቑራጽ ንምፍጣር ምፍታን” እዩ ኢሉ ይኣምን።
እቲ ኲናት፡ “ንኽልቲኡ ወገን ከመይ ይኸይድ ብዘየገድስ፡ መጥቃዕቲ ሩስያ ነቲ ግጭት ብወሳኒ መገዲ ክውድኦ ኣይክእልን'ዩ። "እቲ ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎ ውጽኢት ሩስያ መኽሰብ ክትረክብ'ያ- ሙሉእ ግን ኣይኸውንን። ክሳብ ሩባ [ድኒፕሮ] ክኸትት ዝኽእል ዓብዪ ሓይሊ ኣይክህልዋን . . . ረብሓ እቲ ኲናት ግን ናብ ሩስያ ገጹ ከብል ይኽል” ኢሉ ይግምት።
ወሲኹ፡ ኣብ ሓደ ነገር ርግጸኛ እየ፤ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ደው ከብል’ዩ ዝብል ሓሳብ የብለይን ይብል።
ነቲ ልክዕ ከም ሓደ ተቛማሪ ዝርእዮ መራሒ፡ ምዕራባውያን ንዩክሬይን ንነብሳ ክትከላኸለላ እትኽእል እኹል መገዲ ከቕርባ ኣብ ዘይክእላሉ ደረጃ በጺሐን ክርኢ ይጽበ ከም ዘሎ ይገልጽ።
ድሕሪ እቶም ዝተኻየዱ ዋዕላታት ኔቶን መደረታትን ክኣ እዚ ዝዀነሉ ዕድል ዘሎ ይመስል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







