ሱዳን፡ እቲ ዝተረሰዐ ኲናትን ኣብ ዓለምና ዝኸፍአ ቅልውላው ጥምየትን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ሱዳን ናብ ኲናት ሓድሕድ ዘእተዋ፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን (RSF) ዝተወልዐ ጐንጺ ሓደ ዓመትኰይንዎ ኣሎ።
እቲ ግጭት ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም’ዩ ጀሚሩ፡ እዚ ናብ መላእ እታ ሃገር ክልሕም እንከሎ ሞት ኣሽሓት ሰባት፡ ሰፊሕ ዕንወት ኣባይትን ትሕተ ቕርጽን ኣስዒቡ።
ላዕለዋይ በዓል መዚ ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሱዳን ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ቅልውላው ጥምየት ዘለዋ ሃገር ኰይና እያ ኢሉ።
“ኣብ ኢድና መቕዘፍቲ ኣሎ፡ ስግኣተይ ካብዚ ዝኸፍአ ክኸውን’ዩ ዝብል’ዩ” ክብል ኣብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣተሓባባሪ ህጹጽ እዋን ሱዳን ዝዀነ ሚኪኤል ዳንፎርድ ገሊጹ።
ኣስታት 18 ሚልዮን ሰባት “ሕሱም ጥምየት ከም ዘለዎምን እዚ ኣሃዝ ናብ 25 ሚልዮን ክዓቢ ከም ዝኽእልን ወሲኹ ሓቢሩ። እዚ ኣሃዝ ንልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ሱዳን ዝውክል’ዩ።
ክኢላታት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ 220 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ’ዮም ክብሉ የጠንቅቑ።
ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን መላፍንቱ ዝነበሩ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን ዝነበረ ምትፍናን ቃልዕ ክወጽእ ምስ ጀመረ፡ እቲ ኲናት ብ15 ሚያዝያ 2023 ተወሊዑ።
እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ዓለምለኻዊ ደገፍ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ውጥን ነይሩዋ።
ኣብቲ ውግእ ኣስታት 14 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ዝነግሩ ወግዓዊ ኣሃዛት ሕቡራት ሃገራት ኣለው፤ ክኢላታት ግን እዚ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑን እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእልን ይገልጹ።
ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ካብ ገዛኦም ክሃድሙ ዝተገደዱ ኰይኖም፡ ብዙሓት ኣብ ውሽጢ ሃገር ክመዛበሉ እንከለዉ ካልኦት ድማ ዶብ ሰጊሮም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ሃዲሞም።
ዝፈረሰት ታሪኻዊት ከተማ
ርእሰ ከተማ ካርቱም ኣብ ጥቓኣ ምስ ዝርከባ ከተማታት ኡምዱርማንን ባሕርን ብሓባር ዓባይ ካርቱም ይፈጥራ። ቅድሚ እቲ ኲናት ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት ዝነብሩላ ከተማ ነይራ።
ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ሰፊሕ ክፋል እታ ከተማ እኳ እንተተቘጻጸሩ ሰራዊት ሱዳን ከጥቅዕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኡምዱርማን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ተሌቪዥን መንግስቲ ተቘጻጺሩ።
ብቢቢሲ ቨሪፋይን ቢቢሲ ዓረብኛን ዝተገምገሙ ስእልታትን ምስልታትን ኣብ ድኳናት፡ ሆስፒታላት፡ ዩኒቨርሲቲታትን ባንክታትን ዝወረደ ጉድኣት የርእዩ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ብሃልሃልታ ሓዊ ዝነደደ ፍሉጥ ህንጻ ኩባንያ ነዳዲ ፔትሮልየም ዓባይ ኒል ናይል ዝርከቦም ዝዓነው ህንጻታት ይርከብዎም።
ብሰንኪ እቲ ጐንጺ፡ ኣስታት ሰለስተ ሆስፒታላትን ሓደ ዩኒቨርሲቲን ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ጉድኣት በጺሑዎም ይርከብ።
ዶክተር ኣላ ኢል-ዲን-ኣል-ኑር ንቢቢሲ ዓረብ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ሆስፒታላት ከቢድ ሕጽረት ቀረባት ሕክምና ከም ዘጋጠሞም ገሊጹ።
“ከም ዶካትር ውሕስነት ኣይስምዓናን። ቀረባት ሕክምናን ናውቲታቶምን ተዘሚቶም’ዮም” ኢሉ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ዝወረደ ዕንወት ሰብኣዊ ኵነታት ክጋደድ ገይሩዎ’ዩ ይብል።
“ሕጽረት መግቢ ክጋደድ ይገብር ኣሎ” ክብል ዳንፎርድ ይዛረብ።
ቢቢሲ ቨሪፋይን ቢቢሲ ዓረብኛን ኣብ ካርቱም ንዝተፈጥረ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለዉ ተወሳኺ ኣብነታት ዕንወት ገምጊሞም።
ንከተማታት ኡምዱርማንን ባሕርን ዘራኽብ ድልድል ሻምባት ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ፈሪሱ። እዚ፡ ኣብ ዙርያ ሩባ ኒል ተዋጋእቱ ኣጽዋርን ንምንቅስቓስ ንዝጥቀሙሉ ዝነበረ ሓይሊ ዳዕመ ሰሪዕ ስትራተጂያዊ ቦታ ነይሩ።
ኣብ ጥሪ 2024፡ ካብ ካርቱም ብኣንፈት ሰሜን ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ ኣልጀይሊ፡ ውግእ ከም ዝተኻየደ ድሕሪ ምግላጹ፡ ብሓዊ ከም ዝተቓጸለ ይፍለጥ።
እዚ ትካል ነዳዲ፡ ካብ ቀንዲ ጠንቅታት ናይቲ ኣብ መንጐ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ዝተፈጥረ ቍርቍስ ስልጣን ዝነበረ እዩ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል ትዕዝብቲ ግጭትን ከባቢን ዝዀነ ተመራማሪ ሊዮን ሞርላንድ፡ ካብ ሕዳር 2023 ክሳብ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለየ ፍጻመታት 32 ዓበይቲ መኽዘን ታንክታት ከም ዝተሃስያ ገሊጹ።
“ዝለሓዀ ነዳዲ ብዘይ ዝዀነ ጸገም ናብ ትሕቲ መሬት ማይን ናብ ኒል ገጽ ናብ ዘለው ሕርሻዊ ከባቢታትን ክበጽሕ ይኽእል'ዩ። እዚ ሓድሽ ብከላ፡ ነቲ ኣብቲ ቦታ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ብከላ መሬት ከጋድዶ'ዩ፤ እዚ ድማ ድሮ ሰፊሕ ምንባሩ ብሳተላይት ዝተረኽበ ምስሊ ይሕብር” ኢሉ።
ብሳተላይት ዝተላዕሉ ኣሳእል ከም ዘመልክትዎ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከባ ሰለስተ መኽዘናት ማይ ባዶ ምዃነን ይሕብሩ። እዚ ብኸመይ ከም ዘጋጠመ ንጹር ኣይኰነን።
ነባሪ ካርቱም ወዲ 31 መሓመድ ሓሰን መሓመድ፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣገልግሎት ማይን መብራህትን ከም ዝተቛረጸ ተዛሪቡ።
“ጽሩይ ማይ ወይ ንምስታይ’ውን ዘይምችእ ናይ ሩባ ማይ ክንረክብ ነዊሕ ንጓዓዝ፤ እዚ ኸኣ ሕማማት ክሰፍሑ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ።”
ኣብ መጀመርታ እቲ ውግእ፡ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዓቢይ ሜዳ ውግእ ተራጸምቲ ሓይልታት ድሕቲ ምዃኑ፡ በረራታት ደው ብምባሉ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ኣብ ዝግበር ቀረብ ሓገዝ ጽልዋ ኣሕዲሩ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ መጀመርታ 48 ሰዓታት ናይቲ ግጭት ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተወስዱ ሓያሎ ቪድዮታት ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ ሓደ ብ15 ሚያዝያ ዝተቐድሐ ምስሊ ካብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይቲ ነፈርቲ ዝዓርፋሉ መገዲ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብቲ ጽርግያ ክጓየዩን ኣብ ጥቓ ቀንዲ ህንጻታት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኰይኖም ክተኩሱን የርኢ።
ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይቲ ነፈርቲ ዝዓርፋሉ መገዲ ብውሑዱ ሓንቲ ነፋሪት ብሓዊ ክትነድድን ብርቱዕ ትኪ ክወጽእን ይርኣይ።
ኣብ ሳልሳይ ምስሊ ድማ፡ ከምታ ብሓዊ ትነድድ ዝነበረት ዝበላ ካልኦት ነፈርቲ ኣብ ምብራቓዊ ኣንፈት እቲ መገዲ ኣየር ይርኣያ።
ክልቲኦም ተራጸምቲ ወገናት፡ ኣብ ካርቱም ንዝበጽሐ ሰፊሕ ዕንወት ይኽሰሱ፤ ግን ንሓድሕዶም ይካሰሱ።
መወዳእታኡ ካብ ርእየት ዝርሓቐ
ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሱዳን’ውን ውግእ ይካየድ’ዩ ዘሎ፤ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ - ኣብ ዳርፉር።
ዳርፉር፡ ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መንጐ ኣፍሪቃውያንን ዓረብ ማሕበረሰብ ሱዳንን ሓያሎ ጐንጺታት ዝርኣየ ከባቢ እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ማእከል ምጽዋር ሓበሬታ - ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝምወል ጕጅለ መጽናዕቲ - ኣብ ምዕራብ ሱዳን ልዕሊ 100 ዓድታት ከም ዝተቓጸላ ኣረጋጊጹ።
ሱዳናዊ ተንታኒ ቍጠባ ዋኤል ፋህሚ፡ እቲ ኲናት ኣብ ቍጠባን ስርዓተ መግብን ዘስዓቦ ጽልዋ ኣዕናዊ ምዃኑ ገሊጹ።
“ቍጠባ ብፍርቂ ነክዩን ኣስታት 60 ሚእቲ ምንቅስቓስ ሕርሻ ጠጠው ኢሉን” እዩ ኢሉ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ፡ ሕጂ ኣብ ሱዳን ዘጋጥም ዘሎ ትራጀዲ እዩ ይብል።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንኽግበር ሓያለ ዓለምለኻዊ ጻዕሪታት'ኳ እንተተገብሩ፡ ፈሺሎም እዮም።
ሕጂ’ውን ዳግማይ ጸቕጢ ንምግባር ኣብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ ጅዳ ዝርርብ ንምጅማር ጻዕሪታታት ይካየዱ ኣለው።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







