ፕረዚደንት ሓሰን፡ ኢትዮጵያ 'ንልኡላውነትን ሓድነትን ሶማልያ ሓደጋ እያ' ኢሉ

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኢትዮጵያ "ንሉኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ሓደጋ እያ" ብምባል ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ድርድር ከምዘይህሉ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሓሰን ብረቡዕ 10 ሚያዝያ 2023 ንበዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ኣመልኪቱ ኣብ ዘስመዖ መደረ እዩ ሓደጋነት ኢትዮጵያ ዝተሓሳሰበ ።

እቲ ንኣስታት 24 ደቓይቕ ዝወሰደ መደረ እቲ ፕረዚደንት ንውሽጣውን ዞባውን ጉዳያት ዝተንከፈ እዩ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ምስ ሶማልያ ኣብ ምስሕሓብ ዘአተዋ ጉዳይ እውን ሓደ ካብቶም ትኹረት ሂቡ ዘልዓሎም ዛዕባታት ነይሩ።

ብሰንኪ እቲ ኣፍደገ-ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈረመ መረዳድኢ ሰነድ፡ ኣብ ሞቓድሾ ዝነበረ ኣምባሳደራ ክትስሕብ ዝተገደደት ኢትዮጵያ ምስታ ሃገር ኣብ ወጥሪ ኣትያ ትርከብ።

"መራሕቲ ኢትዮጵያ ናብ ልቦም ክምለሱ ኣለዎም" ዝበለ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ጐንጺ ትፅሕትር ዘላ ኢትዮጵያ እምበር ሶማልያ ከምዘይኰነት ንዓለም የፍልጥ ከምዘሎ ሓቢሩ።

“ንሕና ዝዀነ ክፋል ኢትዮጵያ ንደሊ ኣይበልናን።ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ኣይንህቦን ኣይበልናን፤ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ስምምዕ ተዘይፈጸምና ኣይበልናን” ብምባል ምስ ኢትዮጵያ ግጭት ትቕስቅስ ዘላ ሶማልያ ከምዘይኰነት ተዛሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መደረኡ፡ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ረብሓታተን ንምስራሕ "እንኮ ኣማራጺ" ከምዝዀነ ጠቒሱ፤ "ልኡላውነትናን ሓድነትናን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ናይ ሓባር ረብሓ ግን ክህልወና ኣይክእልን” ኢሉ።

ሓሰን ሸኽ፡ "ንዓለም እንብሎ ዘለና፡ ንሕና ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ስግኣት ኣይኰንናን። ንሳቶም ግን እዮም። እዚ ክኸውን ድማ ፈጺምና ኣይንፈቅድን ኢና" ብምባል ከሲሱ።

ሶማልያ፡ ምስ ኢትዮጵያ ክትዘራረብ ከምዘይትኽእልን ልኡላውነታ ንልዝብ ከምዘይትግብሮን ዝገለጸ ፕረዚደንት ሓሰን፡ “ንሕና ኣንጻር ዘተ ይዅን ልዝብ ኣይኰናን ዘለና። መሬትና ክውሰድ ወይ ልኡላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ግን ኣይንፈቅድን ኢና" ኢሉ።

ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ነዚ መደረ ዘቕረበ፡ ሃገሩ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና በቲኻ፡ ኣምባሳደርን ዲፕሎማሰኛታትን ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ክወጹ ድሕሪ ምእዛዛ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣምባሳደር ሶማልያ’ውን ናብ ሞቓድሾ ክምለስ ትእዛዝ ተዋሂብዎ።

ንኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ወጥሪ ዘእተወ ስምምዕ ኣዲስ ኣበባን ሃርጌሳን ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊላንድ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ዘኽእል ስምምዕ ድሕሪ ምፍርራመን እዩ።

ሶማሊላንድ ድማ ከም ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክትረክብ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ፈለማ ጥሪ ዝተፈረመ ምርድዳእ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ተግባር ናብ ዝውዕል ስምምዕ ከምዝቕየር ኣብቲ ዝተፈረመሉ መዓልቲ ተገሊጹ ነይሩ።

እንተዀነ፡ እቲ ስምምዕ ምርድዳእ ካብ ዝፍረም ኣርባዕተ ኣዋርሕ’ኳ እንተሓለፎ፡ ብዛዕባ ኵነታት ኣተገባብራኡ ብወግዒ ዝተባህለ ነገር የለን።