ቅልውላው ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዝምድና ሃገራት እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, PM ABIY, GETTY, VILLA SOMALIA
ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዞባታት ኣዝዩ ንግጭት ተቓላዒ ከባቢ ምዃኑ ‘ፈንድ ፎር ፒስ’ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ዘይርጉኣት ሃገራት ሓንቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሶማልያ እያ።
ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝሞቱሉ ኲናት ዘአንግድ ዞባ እዩ።
ብተወሳኺ መሰል ዜጋታት ብምግሃስ ዝፍለጡ መራሕቲ ሃገራት እውን ኣብዚ ዞባ ይርከቡ።
ኣብዚ ዞባ’ዚ ወጥሪ ዘይጠፍኣሉ ምኽንያት ብሰንኪ ውሽጣዊ ጉዳያት እተን ሃገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጐ ሃገራት ዘሎ ምትፍናን’ውን እዩ።
ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, FANA BROADCASTING CORPORATE
ካብቲ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ዝቐተለ፡ ብቢልዮናት ዝግመት ንብረት ዘዕነወ ኲናት ሓድሕድ ዘይሓወየት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ድማ ናብ ካልእ ወጥሪ ኣትያ ኣላ።
እታ ሃገር ዘለዋ ድሌት ወደብ ባሕሪ ምስ ሶማልያ ናብ ወጥሪ ክትኣቱ ዝገበረ እዩ። ብሰንኪ ግድብ ህዳሰ ተቐይማ ዝጸንሐት ግብጺ ድማ ኣብዚ ጉዳይ ኢዳ ከምእተእቱ ኣአንፊታ ኣላ።
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ምስታ ካብ ሶማልያ ዝተፈልየት ነጻ ሃገር ምዃና እትገልጽ ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ከምዝፈረመት ይዝከር።
እቲ ኣብ 1 ጥሪ ዝተኸተመ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ኣብ ግብሪ እንተ ውዒሉ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ገማግም ባሕሪ ክትረክብ እያ፤ ኣምሳያኡ ድማ ነታ ንገዛእ ርእሳ ነጻ ሃገር ኢላ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ከምትህብ የመልክት።
እዚ ስምምዕ ግን ንሶማልያ ኣዝዩ ኣቘጢዕዋ እዩ፤ ኣብ ልኡላውነታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምዃኑ ብምግላጽ ኣትሪራ ከምዝተቓወመት ይፍለጥ።
ሶማልያ ግዝኣተይ እትብላ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ነቲ መረዳድኢ ሰነድ ድሕሪ ምፍርራመን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዲፕሎማስያዊን ፖለቲካውን ወጥሪ ዓሲሉ ይርከብ።
ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ዝጸንሐትን ብኣኽረርቲ ጕጅለታት ዝተሃሰየትን ሶማልያ፡ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ዘጋጥማ ዘሎ "ወራር" ደገፍ ንምድላይ ገጻ ናብ ሃገራት እቲ ዞባ ኣቕኒዓ ኣላ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናብ ኣስመራ ብምጋሽ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተማኺሩ እዩ። ብድሕሪ’ዚ ካብ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ብዝቐረበሉ መጸዋዕታ መሰረት፡ ናብ ግብጺ ኣቕኒዑ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያትን ዞባዊ ድሕነትን ከምዝተዘራረቡ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣልሲሲ እውን፡ “ግብጺ ዝዀነት ሃገር ንሶማልያ ይዅን ድሕነታ ኣብ ስግኣት ከተእቱ ኣይትፈቅድን” ድሕሪ ምባል “ንግብጺ ኣይትፈትንዋ፤ ብፍላይ ሓው ህዝቢ ጣልቃ ክንኣቱ እንተሓቲቱና” ብምባል ሶማልያ ደገፍ ግብጺ እንተሓቲታ ግብጺ ኣብ ጐድና ደው ክትብል ድልውቲ እያ ክብል ተሰሚዑ።
እዚ ርእይቶ ድማ ኣብ መንጐ እተን ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ኣብ ምትህልላኽ ዝርከባ ሃገራት ካልእ ጐንጺ ፈጢሩ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ብዘይካ ሶማልያን ግብጽን ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ኤርትራ ኣጠናኺራቶ ዝነበረት ዝምድና ናብ ምትፍናን ከምዘምርሐ ይንገር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ተመሓይሹ ነይሩ፤ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ኣንጻር "ናይ ሓባር ጸላኢ" ዝበላኦ ህወሓት ክሳብ ምውጋእ በጺሐን።
እንተዀነ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ዘብቅዐ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምስ ተኸተመ፡ ምሕዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ኣይመስልን።
ዋላ’ኳ ብዛዕባ ህሉው ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ወግዓዊ መግለጺ እንተዘይሃለወ፡ ኣብዚ እዋን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ኣምባሳደራት የብለንን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ወግዓዊ ዑደት ኲናት ትግራይ ቅድሚ ምጅማሩ ክልተ ሰሙን ኣቐዲሙ እዩ ነይሩ።
ብኻልእ መዳይ ኣሃዛት ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክትዎ፡ ኣስታት 20 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮ እዩ።
ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ዝጸንሐት ሶማልያ፡ ኣንጻር እስላማዊ ጕጅለ - ኣልሸባብ - ትቃለስ እያ ዘላ። እዛ ካብ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘይተፈልየት ሃገር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተገብረ ስምምዕ ካልእ ሕማም ርእሲ ኰይኑዋ ኣሎ።
ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ብናይ ገዛእ ርእሳ ሓይሊ ምዕጋት ዘይከኣለትን ወተሃደራት ጎረባብቲ ሃገራት ናብ መሬታ ከተእቱ ዝተገደደት ሶማልያ፡ መራሕታ ድሕሪ ስምምዕ ኢትዮ-ሶማሊላንድ ዝተፈጠረ ወጥሪ ብሓይሊ ንምፍታሕ ንኲናት ምልዕዓል የካይዱ ከምዘለዉ ይስማዕ ኣሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ጠቕላላ 18.7 ሚልዮን ህዝቢ ሶማልያ እቶም 8.3 ሚልዮን ተጸበይቲ ረድኤት ምዃኖም ይገልጽ። 1.5 ሚልዮን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ሶማልያ ብሕጽረት መግቢ ዝተሃሰዩ እዮም።
ኣብ ርእሲ’ቲ ሰብኣዊ ቅልውላውን ጸገም ጸጥታን፡ ኣብ ፖለቲካ ሶማልያ ቀዳምነት ዝተወሃቦ ጉዳይ ሶማሊላንድ ንሓድነት እታ ሃገር ከም ብድሆ’ዩ ዝቝጸር።
ስለዚ፡ ሶማሊላንድ ነቲ ስምምዕ ስዒቡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክትረክብ እያ ዝብል ሓሳብ ኣብ ፖለቲካ ሶማልያ ሕማም ርእሲ ፈጢሩ ኣሎ።
ብተወሳኺ ሶማልያ ምስታ ብደቡባዊ ምዕራብ እትዳወባ ኬንያ ዘለዋ ናይ ባሕሪ ምስሕሓብ ፍታሕ ኣይረኸበን።
እቲ ብተፈጥሮኣዊ ጋዝን ነዳድን ሃብታም ተባሂሉ ዝግለጽን ልዕሊ 100 ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕን ህንዳዊ ውቅያኖስ ብዝምልከት ዘሎ ምስሕሓብ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ምትፍናን ኣስዒቡ ጸኒሑ እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝያዳ ንሶማልያ ዝድግፍ ውሳነ እኳ እንተ ኣጽደቐ፡ ኬንያ ግን ነቲ ውሳነ ምሉእ ብምሉእ ብምንጻጋ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ግጭት ይቕጽል ኣሎ።
ሱዳን
ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ትሕቲ ሓያል ቅልጽም ዑመር ኣልበሽር ዝነበረት ሱዳን፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ዳርፉር ሕማቕ ስም'ኳ እንተትረፈት፡ ብተዛማዲ ምርግጋእ ዝነበራ ሃገር እያ ነይራ።
ኣልበሽር ብህዝባዊ ሰውራ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፡ እታ ሃገር ብናይ ስልጣን ቍርቍስ ተወጢራ እያ ጸኒሓ። ብድሕሪኡ ጐደናታት ካርቱምን ኡምድሩማንን ሲቪላዊ ምሕደራ ክትከል ብዝጠልቡ ዜጋታት ክዕለቕለቑ ጀሚሮም።
ኣልበሽር ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ኣትሒዙ ኣብ ዘለዉ ዓመታት፡ ዘይምርግጋእ፡ ፖለቲካዊ ወጥሪን ልዑል ዋጋ መነባብሮን እቲ ህዝቢ ከማርር ካብ ምግባሩ ሓሊፉ፡ እታ ኣብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ናብ ኲናት ሓድሕድ ጥሒላ ኣላ።
ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን መራሒ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ)ን ሃገር ብኸመይ ክትመሓደር ከምዘለዋ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ስለዘይከኣሉ፡ ናይ ስልጣን ቃልሲ ጀሚሮም።
ብመሰረት ኣሃዛት ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ልዕሊ 7 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉን ብውሕዱ 13 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ድማ ቀቲሉን እዩ።
ጀነራል ኣልቡርሃንን ጀነራል ሕሜቲን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራትን ውድባትን ኢደን ናብቲ ኲናት ኣእትየን ክብሉ ክኸሱ ጸኒሖም እዮም።
ምክትል ጀነራል ኣልቡርሃን ዝዀነ ጀነራል ያሲር ኣልዓጣ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብመንገዲ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ዩጋንዳን ቻድን ኣቢላ ንሓምዳን ዳጋሎ ወተሃደራዊ ደገፍ ትገብረሉ ምህላዋ ከሲሱ ነይሩ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዩጋንዳን ግን ነዚ ክሲ ነጺገናኦ እየን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ውድብ ልምዓት መንግስታት ሰሜናዊ-ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሑ ምጽውዑ ንኣልቡርሃን ኣቘጢዕዎ።
ንምንታይ ሕሜቲ ናብ ኣኼባ መራሕቲ ይዕደም ብዝብል ንኢጋድ ዝነቐፈ ኣልቡርሃን፡ ሱዳን ካብ ኣባልነት ኢጋድ ክትወጽእ ገይሩ።

ጅቡቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነኣሰት ሃገር ጅቡቲ ምስታ ብሰሜን እትዳወባ ኤርትራ ግዝኣታዊ ክርክር ኣለዋ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ራስ ዱሜራ ዝተባህለ እምባን ዱሜራ ዝተባህለት ደሴትን ብዝምልከት ክካሰሳ ጸኒሐን እየን።
ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ፡ ጅቡትን ኤርትራን ኣብ ዝዳወባሉ ሙሳ ዓሊ ዝተባህለ ኣኽራናዊ ከባቢ፡ ካልእ ምንጪ ግጭት ኤርትራን ጅቡትን እዩ።
ሰራዊት ቐጠር ኣብ ዱሜራ ዓስኪሩ ከምዝነበረ ክልቲአን ሃገራት ይገልጻ። ይዅን እምበር፡ ዳርጋ ቅድሚ 7 ዓመት፡ ዶውሓ ምስቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሓይሊ ናብ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ድሕሪ ምእታዋ ሰራዊታ ካብቲ ከባቢ ድሕሪ ምውጻኣ፡ ኣብ መንጐ ጅቡትን ኤርትራን ወጥሪ ኣንጸላልዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ድሕሪ ምስሓብ ሰራዊት ቐጠር፡ ኤርትራ ሰራዊታ ናብቲ ቦታ ኣዋፊራ ክትብል ጅቡቲ ከሲሳ ነይራ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ከባቢ ስለዘሎ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2018 ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታተን ናብ ንቡር ንምምላስ'ኳ እንተተሰማምዓ፡ ግዝኣታዊ ጠለባተን ግን ክሳዕ ሕጂ ፍታሕ ኣይረኸበን።
ደቡብ ሱዳን
ደቡብ ሱዳን ናጻ ሃገር ቅድሚ ምዃና፡ ኣብ መንጐ እቶም ዝበዝሑ ዓረብ-ኣስላም ዝዀኑ ሰሜን ሱዳናውያንን እቶም ዝበዝሑ ክርስትያን ዝዀኑ ደቡብን ነዊሕ ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ተኻይዱ እዩ።
ደቡብ ሱዳን ኣብ 2005 ናጽነታ'ኳ እንተረኸበት፡ ዝምድና ካርቱምን ጁባን ግን ኵሉ ግዜ ስሙር ኣይነበረን።
ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ምስሕሓብ ካብ ዝፈጥሩ መዳያት፡ ግዝኣታዊ ጠለባትን ሊዝን ክፍሊትን ሻምብቆ ነዳዲን ይርከብዎም።
እታ ወደብ ዘይብላ ደቡብ ሱዳን ሰፊሕ ሃብቲ ነዳዲ ኣለዋ። እንተዀነ፡ እቲ ነዳዲ ብሱዳን ኣቢሉ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝሓልፍ መስመር ነዳዲ እዩ ናብ ዕዳጋ ዝቕርብ።
ሱዳን ብግዝኣታ ብሻምብቆ ዝሓልፍ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ዝዓበየ ብጽሒት ክትረክብ ዘቕረበቶ ጠለብ ንጁባ ስክፍታ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሓይልታት ህጹፍ ደገፍ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነቲ ንሶም ብዝቈጻጸርዎም ከባቢታት ዝሓልፍ ሻምብቆ ነዳዲ ክፍሊት እንተዘይፈጺሙ፡ ዋሕዚ እቲ ነዳዲ ከምዘቋርጹ ኣፈራሪሖም።
ካልእ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ምስሕሓብ ካብ ዝፈጠረሉ ምኽንያት ድማ ብባህርያዊ ጸጋታት ዝሃብተመት ክልል ኣቢየ እያ።
ደማዊ ታሪኽ ግጭት ዘለዎም ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻርን ብሰንኪ እቲ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ መረጻ ኣብ ምትህልላኽ ኣትዮም ይርከቡ።
ፕረዚደንት ኪር ኣብ ዝቕጽል መረጻ ንውድቡ ወኪሉ ክወዳደር ምዃኑ ዘፍለጠ ክኸውን ከሎ፡ ምክትሉ ሪክ ማቻር ድማ እቶም ነቲ መረጻ ከካይዱ ብፕረዚደንት ዝተመዘዙ ኣባላት ኮሚሽን መረጻ ፈተውቲ ናይቲ ፕረዚደንት ምዃኖም ይገልጽ።
ብዘይካ’ቲ ፖለቲካዊ ወጥሪ፡ ኣብ ሱዳን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው’ዩ ዘሎ። ኣሃዛት ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክትዎ፡ ካብ 11 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ደቡብ ሱዳን፡ እቶም 9.5 ሚልዮን ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት እዮም።
ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራ ኣብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጉዳያት ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን እወታዊ ዝምድና የብላን።
ካብዚ ብተወሳኺ ቅድሚ 25 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዶባዊ ግጭት ብዝምልከት ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣልጀርስ ዛጊት ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ንኤርትራ ብሓያል ቅልጽም ክመርሓ ጸኒሑ’ዩ።
መንግስቲ እታ ሃገር እውን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዒ ዜጋታትን ይኽሰስ።
ኤርትራ ቍጽሮም ዘይነዓቕ መንእሰያት ካብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ግዴታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃዲሞም ዝሓሸ ናብራ ክደልዩ ዝሃድሙላ ሃገር ኰይና ኣላ።
ካብዚ ብተወሳኺ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናትን ትካላትን እታ ሃገር እገዳ ዝተገብረላ ሃገር እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







