ኢትዮጵያ - ሶማልያ፡ ንኵነታት 1977 ኣብ ዘዘኻኽር ወጥሪ

ወተሃደራት ሶማል ኣብ ስልጠና 1977

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ሶማል ኣብ ስልጠና - 1977

መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ሶማልያ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብፖሊስ ባንድ ሶማልያ ዝተዳለወ፡ ገለ ወገናት “ቀስቃሲ” ክብሉ ዝገለጽዎ፡ ሙዚቃ ይፍንዋ ኣለዋ።

ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ፡ ኢትዮጵያ ምስታ ነጻነታ ዝኣወጀት ሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ስምምዕ ብምኽታማ፡ እቲ ደርፊ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንዝጸንሐ ታሪኻዊ ቂምታ ዘለዓዕል እዩ።

ገለ ካብ ትሕዝቶኡ ነቲ ቅድሚ 50 ዓመት - ኣብ 1977 - ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንዝተኻየደ ኲናት ይጠቅስ።

“ሰላም እንተዘይደሊኹም፡ ኣብ 1977 ንዝገበርናዮ ከነዘኻኽረኩም ኢና፡” ይብል።

ኣብቲ ግጭት፡ ወተሃደራት ሶማልያ፡ በቲ ዝሓሸ ዕጥቂ ዝነበሮ ሰራዊት ኢትዮጵያ ቅድሚ ምድፍኦም፤ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብምእታው ሰፊሕ ግዝኣት ተቘጻጺሮም ነይሮም።

ክልቲኦም ወገናት ከምዝተዓወቱ እዮም ዝገልጹ።

እቲ ‘ኣብ 1977 ዝገበናዮ ዘክሩ’ ዘርእስቱ ከምኡ’ውን ካልኦት ክልተ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰራ ደርፍታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሶማላውያን ብብዝሒ ተዘርጊሐን ኣለዋ።

ሶማሊላንድ ኣብ 1991 እያ ካብ ሶማልያ ናጽነታ ኣዊጃ፤ ዛጊት ግን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይረኸበትን።

ሶማሊላንድ ገለ ክፋል ገማግም ባሕሪ ንኢትዮጵያ ክተካሪ ዝገብር እቲ ስምምዕ፡ ንሶማሊላንድ ከም ግዝኣታ ንእትርእያ ሶማልያ ኣቘጢዑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገርን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣቦታቶም ንብዙሕ ዓመታት ንኢትዮጵያ ከምዝተዋግኡን ንሃገሮም ከምዝተኸላኸሉን ብምግላጽ፡ ንሳቶም’ውን ከምኡ ክገብሩ ከምዝግደዱ ተዛሪቦም።

“ንህዝብና ዝመቓቕል ሰብ ጸላኢና እዩ፡ ክንቃለሶ ኣለና፤ ንወለዶታት ክንዋግኦም ጸኒሕን ኢና፤ ሎሚ’ውን ንሕና ኢና ኣይተለወጥናን፡” ኢሉ ፕረዚደንት ማሕሙድ።

መሪሕነት እታ ሃገር’ውን ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ጸጥታኡ ስግኣት ምዃና ገሊጹ።