ወጥሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እንታይ እዋናዊ ምዕባለታት ኣለዉ?

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES: @ABIYAHMEDALI: REUTERS
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዙሕ ፖለቲካዊ ለውጥታትን ወጥሪታትን ተራእዩ እዩ።
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክካየዱ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም ፍጻመታት ድማ ኣኼባታት ኢጋድን ሊግ ዓረብን፡ ከምኡ’ውን ዑደት ካይሮ ብዙሕ ኣቓልቦ ክስሕብ’ዩ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ኣዘራራቢ ስምምዕ እቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይዞም ፍጻመታት ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
ብመሰረት’ቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕር ክትረክብ እያ፤ ንርእሳ ከም ነጻ ሃገር ዝኣወጀት ኰይኑ ግን ካብ ዝዀነ ኣካል ወግዓዊ ኣፍልጦ ዘይረኸበት ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከምትረክብ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ይዅን’ምበር እዚ ጉዳይ ክንዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ ወጥሪ ፈጢሩ ይርከብ።
ንሶማሊላንድ ከም ናይ ገዛእ ርእሳ ግዝኣት እትቘጽር ሶማልያ በቲ ስምምዕ ኣዝያ ተቘጢዓ እያ፤ መንግስቲ እታ ሃገር፡ እቲ ስምምዕ ሕጋዊ መሰረት ከምዘይብሉን ተግባራዊ ከምዘይኰነን ይገልጽ።
ድሕሪ እዚ ስምምዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መራሕቲ እቲ ዞባን ወከልቶምን ዝግብርዎ ዑደትን ዘተን ወሲኹ ኣሎ። ዝተፈላለያ ሃገራት እውን እቲ ወጥሪ ክዝሕል ጻውዒት ክገብራ ጸኒሐን እየን።
ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ መንጐ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ ሃገራት እዚ ዞባን ካልኦትን ብዝሓቘፉ ትካላት ህጹጽ ኣኼባ ተጸዊዑ ኣሎ።
ካብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብተወሳኺ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት እውን ከምዝዝተየሉ ይንገር ኣሎ።
ኣኼባ ኢጋድ
ውድብ ልምዓት መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ንሓሙስ 18 ጥሪ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊ እዩ፤ እዚ ኣኼባ ኣብ ካምፓላ ዩጋንዳ ከምዝካየድ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ናብ ኣባል ሃገራት ኢጋድን ኣብ ጅቡቲ ናብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት እቲ ትካልን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮዌሪ ሙሰቨኒ ነቲ ኣኼባ ከአንግድ ከምዝተሰማምዐ ዕላዊ’ኳ እንተገበረ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ዝዀነት ኣባል ኢጋድ ኣብቲ ኣኼባ ከምትሳተፍ ዝዀነ መረጋገጺ የለን።
እዚ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምቅላል ዝተጸውዐ ኣኼባ፡ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ሶማልያ ተረርቲ ርእይቶታት ኣብ ዝህቡሉ ዘለዉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ሓምዛ ዓብዲ ባረ ምስ ኢትዮጵያ ኲናት ንምጅማር ድልዋት ኢና ክብል ተሰሚዑ እዩ።
“እንተዘይገዲፍኩምና፡ ከምትገድፉና ዝገብረኩም ነገር ከነርእየኩም ኢና። . . .ሓንቲ ኢንች ናብ መሬት ሶማልያ ክኣትዉ እንተፈቲኖም፤ ሬሳታት ሒዞም ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም" እዩ ኢሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር።
ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ንኢትዮጵያ "ጸላኢት" ሶማልያ ክብል ገሊጽዋ’ዩ።
ኣብ ሓደ መስጊድ ድሕሪ ዝተኻየደ ስነስርዓት ጸሎት፡ “ቅድሚ ሕጂ ዝገበርዎ ፈተነታት ወራር ተኸላኺልና ኢና። ቅድሚ ሕጂ ስዒርናዮም ኢና። ሕጂ'ውን ክንስዕሮም ኢና" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ እዋን ኣቦ መንበር ኢጋድ ዝዀነ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ዝጸውዖ ህጹጽ ኣኼባ፡ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን እውን ተወሳኺ ኣጀንዳ ምዃኑ ይጥቀስ።
ኢጋድ ነቶም ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዝሳተፉ ዘለዉ ክልተ ወተሃደራዊ መራሕቲ ፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሑ እኳ እንተጸውዐ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ግን ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይሳተፍ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሌተናል ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይሳተፍ ሓቢሩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሱና፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይሳተፍ፡ ብኣንጻሩ ሌተናል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ ግን ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፍ ምዃኑ ኣብ ኤክስ ገጹ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ሕሜቲ ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፍ ምዃኑ ዘየሐጐሶ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት ውሽጣዊ ጉዳይ ስለዝዀነ እቲ ዞባዊ ውዳብ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ኢዱ ብምእታው ልኡላውነት ሱዳን ክጥሕስ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።
ኣኼባ ሊግ ዓረብ
ሊግ ዓረብ እውን ኣብዚ ሰሙን ካልእ ኣኼባ ጸዊዑ ኣሎ፤ ረቡዕ 17 ጥሪ 2024 ብዛዕባ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ክዝቲ እዩ።
ኣጀንዳ ኣኼባ ሊግ ዓረብ፡ እቲ "ዘይሕጋዊ" ስምምዕ ኢትዮ-ሶማሊላንድ ኣብቲ ዞባ ዘሕድሮ ጽልዋ ኣመልኪቱ ከምዝዝቲ ኣናዶሉ ማዕከን ዜና መንግስቲ ግብጺ ሜና ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ሊግ ዓረብ ኣቐዲሙ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝኸተማኦ ስምምዕ ከምዝቃወምን ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ደው ከምዝብልን ገሊጹ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ልኡላውነት ሶማልያ ዘዳኽም ዝዀነ ይዅን ስምምዕ "ኣይንቕበልን" ክብል ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል እቲ ሊግ ጋማል ሮሽዲ፡ "ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ኣብ ጉዳይ ወደባት ብሓባር ክሰርሓ ምውሳነን፡ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማልያ 'ቅቡል ኣይኰነን' ኢሉ ምግላጹ ሊግ ዓረብ ምሉእ ብምሉእ ይድግፎ’ዩ" ኢሉ።
ዑደት ካይሮ
ካልእ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ትጽቢት ዝግበረሉ ፍጻመ፡ መራሕቲ ሶማልያን ኤርትራን ኣብ ካይሮ ዘካይድዎ ዑደት’ዩ።
እቶም መራሕቲ ናብ ካይሮ ዝገሽሉ ዕለት ብወግዒ’ኳ እንተዘይተገለጸ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ብዕድመ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ናብ ካይሮ ክገሹ ተኽእሎ ከምዘሎ ገለ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንወግዓዊ ምብጻሕ ናብ ካይሮ ክመጽእ ካብ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ዕድመ ከምዝተገብረሉ ተገሊጹ እዩ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ናብ ሶማልያ ዝለኣኾ ልኡኽ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ካይሮ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ ከምዝተዓደመ ምግላጹ ይዝከር።
መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን ኣብ ካይሮ ዝገብርዎ ዑደት ዕለቱን ከምኡ’ውን ብተናጸል ድዩ ወይ ድማ ብሓባር ክሳዕ ሕጂ ብወግዒ ኣይተገልጸን።
ድሕሪ ስምምዕ ኢትዮ-ሶማሊላንድ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝገበሮ እንኮ ናይ ወጻኢ መገሻ ናብ ኤርትራ ከምዝዀነ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







