ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብወተሃደራዊ ዓቕሚ እንክነጻጸራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ ንርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ሶማሊላንድ ድማ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕራ ክትጥቀም ከምእተፍቅደላ ስምምዕ ድሕሪ ምፍርራመን ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ጸሓይ ወቒዕዎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ንሃገሩ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ ከምዝዀነ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተገበረ ስምምዕ ብፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ብርቱዕ ግብረመልሲ ተዋሂብዎ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ እቲ ውዕል ወግዓዊ ኣብ ዝተገበረሉ ጽባሕ፡ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ መደረ ኣሰሚዑ።
እቲ ፕረዚደንት መጀመርያ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝነበረ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ዘዘንተወ ኰይኑ ክልተኤን ሃገራት ኣብ ታሪኸን ግጭትን ኲናትን ከምዘይተፈለየን ኣዘኻኺሩ።
ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብ1 ጥሪ 2024 ሓድሽ ነገር ኣጋጢሙ'ዩ፡ ግን ድማ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ሶማልያ ናይ ምምቕቓል ሓይሊ ዘለዎ ሰብ የለን፣ ኣቦታትና ቅድሚ ሕጂ ስለዝኣበዩ ኢና ክሳዕ ሎሚ ሓቢርና ንነብር ዘለና" ኢሉ።
እስኪ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሶማልያን ኢትዮጵያን ንርአ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ሶማሊያ
ብመሰረት እቲ ብጋዜጣ ግሎባል ፋየርፓወር ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ ብዝሒ ህዝቢ ሶማልያ ልዕሊ 12 ሚልዮን እዩ።
ቍጽሪ ናይቶም ናብ ሰራዊት ክጽንበሩ ዝኽእሉ ሰባት 2.8 ሚልዮን ዝግመት ኰይኑ፡ እዚ ድማ ካብቲ ሓፈሻዊ ህዝቢ 24 ሚእታዊ እዩ።
1.7 ሚልዮን ሶማሊያውያን ናብ ሰራዊት ንምጽንባር ምሉእ ብቕዓት ኣለዎም።
በብዓመቱ ናብ ሰራዊት ናይ ምጽንባር ዕድመ ዝበጽሑ ሰባት ኣስታት 124 ሽሕ እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ሶማልያ ኣስታት 17,500 ወተሃደራት ከምዝዀኑ ጸብጻብ ጋዜጣ ግሎባል ፋየርፓወር ይሕብር። ንወተሃደራዊ ሓይሊ ሶማል ዝኸውን ዕቑር ሓይሊ ኸኣ የለን።
እታ ጋዜጣ ሎሚ ዓመት ሶማልያ ዝተዳለዋ ታንክታት ከምዘይብላ ጽሒፋ። እንተዀነ ሶማልያ 65 ድሩዓት ወተሃደራዊ መካይን ከምዘለዋ ኣረጋጊጹ።
ሶማልያ ባዕላ እትመርሖ መዳፍዕ የብላን።

ምንጪ ስእሊ, VILLA SOMALIA
ሓይሊ ባሕሪ
ጠቕላላ ሃብቲ ሓይሊ ባሕሪ ሶማልያ 3 ክኸውን ከሎ፡ ብዝሒ ሓይሊ ባሕሪ ሶማልያ ድማ ኣስታት 300 ከምዝዀነ ኣብታ ጋዜጣ ይግለጽ።
11 ጀላቡ ስሩዕ ዳህሳስ ባሕሪ የካይዳ።
ሶማልያ መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ኣዕነውቲ፡ ሳብማሪን፡ ጸረ-መራኽብን መጽረይቲ ነተጕትን የብላን።
ሓይሊ ኣየር
ሶማልያ ኣብዚ እዋን ሓይሊ ኣየር ከምዘይብላ፡ በብዓመቱ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሃገራት ዓለም ዝግምግም ጋዜጣ ዘቕርቦ ሓበሬታ የመልክት። እንተዀነ ቍጽሪ ሓይሊ ኣየር ሶማልያ 300 ወተሃደራት ምዃኑ ኣብታ ጋዜጣ ተገሊጹ።
ወተሃደራዊ ወጻኢታት
ኣብ ሶማልያ ንንጥፈታት ምክልኻል ዝተመደበ ባጀት ኣስታት 64 ሚልዮን ዶላር እዩ።
ጂኦግራፊያዊ ኣገዳስነት ሶማልያ
ስፍሓት መሬት 637,657 ትርብዒት ኪ.ሜ.
ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ መሬት 3,025 ኪ.ሜ.
ምስ ካልኦት ሃገራት እትካፈሎ ዶብ 2,385 ኪ.ሜ.
ሶማልያ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል መስመራት ማይ የብላን።
ኣብዚ ዓመት’ዚ ሶማልያ ካብቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝጸንሐ እገዳ ኣጽዋር ከም ዝተላዕለላን እዚ ድማ ኣጽዋር ክትገዝእ ዘኽእላ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ሓሙሽተ ሓያላት ሃገራት ሓንቲ እያ። ኢትዮጵያ ብመዳይ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ካብ ግብጺ፡ ኣልጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይጀርያን ቀጺላ ካብ ኣፍሪቃ ኣብ መበል ሓምሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።
ብመሰረት እቲ ብጋዜጣ ግሎባል ፋየርፓወር ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ልዕሊ 113 ሚልዮን ይግመት።
ቍጽሪ ናይቶም ናብ ሰራዊት ክጽንበሩ ዝኽእሉ ሰባት ልዕሊ 54 ሚልዮን ዝግመት ኰይኑ፡ እዚ ድማ ካብቲ ሓፈሻዊ ህዝባ 48 ሚእታዊት ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።
ኣስታት 34 ሚልዮን ሰባት ናብ ሰራዊት ንምጽንባር ምሉእ ብቕዓት ኣለዎም።
በብዓመቱ ናብ ሰራዊት ናይ ምጽንባር ዕድመ ዝበጽሑ ሰባት ኣስታት 2 ሚልዮን ሰባት እዮም።
ኣብዚ እዋን ዝንቀሳቐሱ ወተሃደራዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣስታት 150 ሽሕ ወተሃደራት ከምዝዀነ ጸብጻብ ጋዜጣ ግሎባል ፋየርፓወር የመልክት።
ሓይሊ ኣየር
23 ነፈርቲ ውግእ
26 መሰልጠኒ ነፈርቲ
31 ሄሊኮፕተራት
6 ሄሊኮፕተራት መጥቃዕቲ
ኢትዮጵያ ንፍሉይ ስርሒታት ዝዀነ ነፈርቲ የብላን
ሓይሊ ምድሪ
468 ታንክታት
6,240 ድሩዓት መካይን
100 ርእሱ ክኢሉ ዝጓዓዝ መዳፍዕ
319 ተጐታቲ መዳፍዕ
183 ተወንጨፍቲ ሮኬታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓይሊ ባሕሪ
ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ከምዘይብላ፡ በብዓመቱ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሃገራት ዓለም ዝግምግም ጋዜጣ ዘቕርቦ ሓበሬታ የመልክት።
እዚ ማለት ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ይዅን መራኽብ የብላን።
ወተሃደራዊ ወጻኢታት
ኣብ ኢትዮጵያ ንንጥፈታት ምክልኻል ዝተመደበ ባጀት 358 ሚልዮን ዶላር እዩ።
ጂኦግራፊያዊ ኣገዳስነት - ኢትዮጵያ
ስፍሓት መሬት 1,104,300 ትርብዒት ኪ.ሜ.
ኢትዮጵያ ኣብ ገማግም ባሕሪ መሬት የብላን።
ምስ ካልኦት ሃገራት እትዳወቦ ዶብ 5,925 ኪ.ሜ.




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







