ሶማልያ ንስምምዕ ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን 'ትንኰያ' ክትብል ገሊጻቶ

ምንጪ ስእሊ, SOMALIA GOVERNMENT
ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝበጽሐቶ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ሕጋዊ መሰረት ከምዘይብሉን ተግባር "ትንኰያ" ከምዝዀነን ሶማልያ ኣተሓሳሲባ።
መንግስቲ ሶማልያ፡ ሎሚ ሰሉስ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ዩ እቲ ስምምዕ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ገሊጹ።
ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ቅድሚ 30 ዓመት ካብ ሶማልያ ተፈልያ ርእሰ ምምሕዳር እኳ እንኣወጀት ሕብረት ኣፍሪቃ ይዅን ሕቡራት ሃገራት ከም ሃገር ኣፍልጦ ኣይሃብዋን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ትማሊ ምስ ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትረክብ ዘኽእል ሰነድ ከምዝኸተመት’ዩ ገሊጹ፤ ገለ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ’ውን ኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝዀነት ኣቓሊሐን።
ነዚ ስዒቡ ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ ንናጽነት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ ከምዝተሰማምዐት ይግለጽ።
ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ዲኤታ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ነቲ ስምምዕ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ከም ሃገር ክትርአ ዘኽእላ “ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ” ካብ ኢትዮጵያ ንምርካብ ኣብ ስምምዕ ምብጽሓ ብምግላጽ ንዘውጽኣቶ መግለጺ ከምዝቕበሎ ኣፍሊጡ።
ኣምባሳደር ምስጋኑ ዘመሓላለፎ እዚ መልእኽቲ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ ምዃና ኣመልኪቱ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋሃበ ናይ ፈለማ ርእይቶ እዩ።
እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ወደባት ከምዘድልዮ ዝገለጸ ኣማኻሪ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብግደኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ዝተጀመረ ዝርርብ ከምዘሎ ብምጥቃስ "ብፍላይ ምስ ኤርትራ ብዝርዝር ዝርርብ ተጀሚሩ ኣብ ገለ ቦታ ደው ኢሉ ኣሎ፡" ኢሉ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ እቲ ዝተኸተመ ውዕል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እቲ ሰነድ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ብዘተኣማምን ደረጃ ንኽትጥቀም ዘለዋ ባህጊ ግሁድ ንምግባር መንገዲ ክጸርግ’ዩ” እዩ ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ንሃገሩ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ሓደ ሓባራዊ ናይ ምርድዳእ ሰነድ፡ ከም መግለጺ ዕላማ ዝቑጸር ኰይኑ፡ ናብ ሕጋዊ ቀያዲ ውዕል ክመርሕ ይኽእል።
እቲ ምዕባለ ብኽልቲኡ ወገን ከም ሓደ ዓብዪ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ እዩ ዝርአ ዘሎ።
ንሶማሊላንድ ከም ኣካል ግዝኣታ እትርእያ ሶማልያ ግን ነቲ ስምምዕ በትሪ ተቓዊማ ኣላ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣምባሳደራ እውን ምጽውዓ ኣፍሊጣ።
መንግስቲ ሶማልያ እቲ ስምምዕ "ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉን" ንልኡላውነት እታ ሃገር ዝጥሕስን ምዃኑ እዩ ገሊጹ።
እቲ ዝወጸ መግለጺ ወሲኹ "ነዚ ስጉምቲ ከም ነገር ምጽሕታር ይቖጽሮን... ነቲ ድሮ ምስ ብዙሕ ብድሆታት ዝቃለስ ዘሎ ዞባ ሰናይ ጉርብትና፡ ሰላምን ምርግጋእን ዘዐንቅፍን እዩ" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ሓምዛ ዓብዲ ባሬ፡ ህዝቢ ህድእ ኢሉ ክጸንሕ’ውን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
"ንምክልኻል ሃገር ተወፋይነት ከምዘለና ከረጋግጸሎም እደሊ። ሓደ ክፋል መሬትና፡ ባሕርናን ኣየርናን ክጥሓስ ስለዘይክእል ብኹሉ ሕጋዊ መንገዲ ክከላኸሎ እየ" ክብል ብታህዋኽ ኣብ ዝተዳለወ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ሶማልያ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ክዝትዩ ከምእትደሊ ገሊጻ ኣላ።
ዝርዝረ ናይቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ናብ ህዝቢ ኣይተዘርግሐን ዘሎ።
ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሴ ቢሂ ኣብዲ፡ እቲ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ንሶማሊላንድ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ከም እትህብ ዝገልጽ ክፍሊ ከምዘጠቓለለ ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ታሪኻዊ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ባሕራ ናብ ባሕሪ ክትኣቱ ዘረጋግጽ'ዩ፡ እዚ ድማ ንሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝህብ ኰይኑ ንሃገርና ርኡይ ዲፕሎማስያዊ ምዕራፍ ምዃኑ ዘመልክት'ዩ" ኢሉ።
እቲ ሚኒስትሪ ወሲኹ፡ ሶማሊላንድ "ንሓይልታት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ን50 ዓመታት ዝተኻረየ 20 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ገምገም ባሕሪ” ብምሃብ ኣብ ክንድኡ ካብታ ሃገር ኣፍልጦ ከምእትረከብ እውን ነቲ ፕረዚደንት ብምጥቃስ ገሊጹ'ሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







