ሶማልያ ኣምባሳደራ ካብ ኢትዮጵያ ጸዊዓ

ምንጪ ስእሊ, @WARFAK1
ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ድሕሪ ዝተፈረመ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ህጹጽ ኣኼባ ዘካየደ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማልያ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከብ ኣምባሳደሩ ጸዊዑ።
ኣብቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሃምዛ ኣብዲ ባረ ዝተመርሐ ኣኼባ፡ መንግስቲ ሶማልያ ነቲ ስምምዕ፡ ናብ ዝያዳ ምትፍናን ዝመርሕ ከም ስግኣት ዞባዊ ጸጥታን ዘምርግጋእን ከም ዝርዮን ነቲ ስምምዕ ከምዘይቅበሎን ኣስሚሩሉ።
ካቢነ ሚኒስተራት ሶማልያ፡ ኣብቲ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ መንግስቲ ሶማልያ ንግዝኣታዊ ሓድነት እታ ሃገር ከኽብር ከም ዝቃለስን፡ ሶማሊላንድ፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ኣካል ሶማልያ ከም ዝዀነትን ብምግላጽ ነቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተገብረ ውዕል ነጺግዎ።
እቲ ሓድነትን ህድኣትን ህዝቢ ሶማልያ ዝጸውዐ ኣቦ መንበር ሚኒስተራት ሶማልያ ሃምዛ ኣብዲ፡ ኣምባሳደር ሶማላያ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሩ ከም ዝተጸውዐ ኣፍሊጡ’ሎ።
ነዚ ኵነታት ምርኩስ ብምግባር፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሸኽ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ንኣተሓሕዛ እቲ ጉዳይ ዝምልከት መርገጽን መግለጽን መንግስቲ ሶማልያ ንባይቶ ሃገሩ ከቕርብ ትጽቢት ይግበር።
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትረክብ ዝሕግዛ ዝፈረመቶ ውዕል፡ ብጽሒት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሂባ፡ 20 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ገምገም ባሕሪ ንምውሳድ ከምዝዀነ ይፍለጥ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ትማሊ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትረክብ ዘኽእል ስምምዕ ከምዝተፈራረመት’ዩ ገሊጹ፤ ገለ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ’ውን ኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝዀነት’የን ኣቓሊሐን።
እቲ ሰነድ ስምምዕ ምስ ተኸተመ ካብ ፖለቲከኛታት ሶማልያ፡ ሶማሊላንድን ማሕበረሰብ ክልቲኤንን ዝተፈላላየ ግብረ መልሲ’ዩ ዝወሃብ ዘሎ።
ብዙሓት ኣብ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝሰርሑ ሶማልያውያን ፖለቲከኛታት እቲ ሰምምዕ ዘይሕጋውን ዘይቅቡልን ምዃኑ ክገልጹ ተሰሚዖም እዮም።
ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጂ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ “እቲ ኢትዮጵያ ብስስዐ ካብ ሪፓብሊክ ሶማልያ መሬትን ባሕርን ንምርካብ ዝገበረቶ ስምምዕ፡ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ዘየመዛዘነን ንናጽነትን ሓድነትን ሃገር ዝግህስን’ዩ” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







