ኢትዮጵያ ንርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህባ ከምዝተሰማምዐት ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, ETH MFA
እታ ካብ ሶማልያ ተነጺላ ርእሰ ምምሕዳራ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ ሃገር ንኽትከውን ዘኽእላ “ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ” ካብ ኢትዮጵያ ንኽትረክብ ከምዝተሰማምዐት ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝቕበሎ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ድኤታ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ሓቢሩ።
መልእኽቲ ኣምባሳደር ምስጋኑ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትረክብ ኢላ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህባ ስለምዃና ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሃበ ፈላማይ ወግዓዊ ርእይቶ እዩ።
ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ መዓስከርን ኣገልግሎት ንግዲ ባሕርን ንምክያድ ዘኽእላ ኣፍደገ ባሕሪ እትረኽበሉ ውዕል ምስ ሶማሊላንድ ከምዝተፈራረመት ዕላዊ መግለጺ ዝሃበት ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ እዩ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሂን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ከምዝተፈራረሙ ብዕሊ ኣፍሊጦም’ዮም።
ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ፊርማ ንማዕከናት ዜና መግለጺ ዝሃበ ኣማኻሪ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ብመሰረት እቲ ውዕል ኢትዮጵያ ን50 ዓመታት ዝጸንሕ ገምገም ባሕሪ ብሊዝ ክትወስድ ከምዝዀነት ተዛሪቡ።
ኢትዮጵያ ድማ ንሶማሊላንድ ኣኽሰብቲ ካብ ዝዀኑ ትካላት ልምዓት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢትዮ ቴሌኮምን ብጽሒት ክተካፍላ ከምዝተሰማምዐት ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ሓቢሩ።
ድሕሪ እቲ ስምምዕ መደረ ዝገበረ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሂ ግን፡ ሃገሩ 20 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ገምገም ባሕሪ ሂባ ካብ ኢትዮጵያ ካልእ ተወሳኺ ትረኽቦ ረብሓ ከምዘለዋ ኣመላኺቱ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘረባኡ ኢትዮጵያ “ንሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ብምሃብ ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን’ያ ኢሉ።
ቅድሚ 23 ዓመታት ንገዛእ ርእሳ ካብ ሶማሊያ ነጺላ ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ ክሳዕ ሕጂ ካብ ዝዀነ ትዅን ሃገር ይዅን ዓለምለኻዊ ትካል ኣፍልጦ ኣይረኸበትን ጸኒሓ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ዓለምለኻዊ ምትሕብባራት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ውን እንተዀነ ብዛዕባ ኣፍልጦ ሃገርነት ኣጋዊሑ።
እቲ ሚኒስተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሶማሊላንድ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትርከብ ውዕሊ ዝፈረመት ከም ዓጸፌታኡ “ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ” ክትረክብ ዕላማ ዝገበረ ከምዝዀነ ኣፍሊጡ።
“እዚ ታሪኻዊ ውዕል ንሪፓብሊክ ኦፍ ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ብምሃብ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ዘረጋግጽ’ዩ” ክብል ጭብጢ ናይቲ ስምምዕ ጠቒሱ።
ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ ኣብ ናይ ውልቁ ኤክስ ኣብ ዘካፈሎ ሓበሬታ፡ “ኣብቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ እንከላ፡ ሶማሊላንድ ድማ ንኢትዮጵያ 50 ዓመታት ዝጸንሕ ንህንጸት ሓይሊ ባሕርን ንግድን ዝውዕል ኣፍደገ ባሕሪ ብሊዝ ክትህባ’ያ” ክብል ጽሒፉ።
ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ከምእትህባ ተሰማሚዓ ዝብል ሓበሬታ ካብ ሃርጌሳ ብሰፊሑ’ኳ ይውረ እንተነበረ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ግን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወሃበ መግለጺ ኮነ መብርሂ ኣይነበረን።
ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ትማሊ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ እቲ ብሶማሊላንድ ኣቢሉ ዝተቓልሐ ሓሳብ ኢትዮጵያ’ውን ከምእትካፈሎ ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ሶማሊላንድ ዝሃቦ መግለጺ ደጊሙ ኣብ ኤክስ ዘካፈለ ኣምባሳደር ምስጋኑ “ሶማሊላንድ ዝሃበቶ መግለጺ ንቕበሎ ኢና” ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ መግለጺ ዝተጠቐሱ ርእሰ ጉዳያት ከምዝሰማምዓሎም ኣመላኺቱ።
እንተዀነ እቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈራረማኦ ውዕል ኣብታ ንሶማሊላንድ ከም ሓንቲ ግዝኣታ ገይራ እትቘጽር ሶማሊያ ቍጥዐ ኣለዓዒሉ’ዩ።
ካቢኔ መንግስቲ ሶማሊያ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዘካየዳኦ ውዕል ሕጋውነት ዘይብሉን ዘይፍጸምን ከምዝዀነ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣምባሳደራ እንከይተረፈ ንህጹጽ ኣኼባ ናብ ሞቓድሾ ክትጽውዕ ተገዲዳ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







