ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብጐረባብቲ ሃገራት ከመይ ክርአ ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, DP WORLD
ሶማልያ፡ እታ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር እትሓስብን ሶማልያ ግን ኣካል ግዝኣተይ’ያ ትብላን ሶማሊላንድ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትህባ ምስምምዓ ኣቘጢዕዋ፤ ከም ግብረመልሲ’ውን እቲ ስምምዕ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብምግላጽ ብትሪ ተቓዊማቶ ኣላ።
ሶማልያ ነቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዘካየደቶ ሰነድ ስምምዕ ዘለዋ ተቓውሞ ብምግላጽ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣምባሳደራ ስሒባቶ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሶማልያ፡ ነቲ ተግባር ብትሪ ብምቅዋም ተግባራት ኢትዮጵያ ንግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ዝግህስ ከምዝዀነን ሶማሊላንድ ኣካል ሶማልያ ከምዝዀነትን ገሊጹ።
ቀዳማይ ምኒስተር ሶማልያ ሓምዛ ዓብዲ ባረ ብወገኑ፡ “ህዝቢ ሶማል ርግእ ክብል ይጽውዕ፡ ሃገርና ናይ ምክልኻል ምሉእ ዓቕሚ ከምዘለና ከኣ ከረጋግጽ እፈቱ፤ ዝዀነ ካብ መሬትና፡ ባሕርናን ኣየርናን ኣይክግሃስን’ዩ፤ ብዅሉ ሕጋዊ መዳያት ከኣ ክንከላኸል ኢና። ምስቲ ኣብ ደቡብ ይዅን ኣብ ሰሜን ዘሎ ህዝብና ብምዃን ንሃገርና ከምእንከላኸል ርግጸኛ’የ” ኢሉ።
ሶማሊላንድ ቅድሚ 30 ዓመት ካብ ሶማልያ ተፈልያ ንገዛእ ርእሳ ከም ልኡላዊት ሃገር’ያ ትጽውዕ። እንተዀነ ሕብረት ኣፍሪቃ ይዅን ሕቡራት ሃገራት ከም ሃገር ኣፍልጦ ኣይሃብዋን።
እታ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዶኮና ኢትዮጵያ ግን ከም ሃገር ኣፍልጦ ስለዝሃበታ፡ ንሶማሊላንድ ከም ዓቢ ዝላ ክርአ ይኽእል’ዩ።
ክሳብ ሕጂ ተፈሊጡ ከም ዘሎ፡ እቲ ኣብ መንጐ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ተፈሪሙ ዘሎ ሰነድ ስምምዕ ዛጊት ዝዀነ ሕጋውነት ኣይለበሰን፤ ብዓቢኡ ብወገን ሶማሊላንድ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ'ኳ እንተፈረመሉ፡ ባይቶ ሶማሊላንድ ነቲ ውዕል ከጽድቘ ኣለዎ።
ሰብመዚ ኢትዮጵያ’ውን ምሉእ ስምምዕ ኣብ ዝመጽእ ሓደ ወርሒ ክውዳእ ከምዝኽእል ንጋዜጠኛታት ሓቢሮም ኣለዉ።
እዚ ስምምዕ ብጐረባብቲ ሃገራት ከመይ ይርአ ምድህሳስ’ውን ኣገዳሲ’ዩ።
ኢትዮጵያ
ንኢትዮጵያ፡ 20 ኪሎሜተር ንውሓት ዘለዎ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ማለት ዓቢ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ።
95 ሚእታዊት ሰደድን ቀረብን እታ ሃገር ብጅቡቲ’ዩ ዝኣቱን ዝወጽእን።
ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ 31 ኪሎሜተር ንውሓት ዘለዎ ወደብ’ያ ትጥቀም ዘላ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ንሃገሩ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር 120 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ እሱር ጆግራፍ ከምዝዀነ ብምግላጽ'ዩ ንሓሳቡ ዘራጉድ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጥቅምቲ ነዚ ምስ በለ፡ ካብ ሃገራት ኤርትራ፡ ጅቡትን ሶማልያን ተሪር ግብረ መልሲ ኣስዒብሉ፤ ኣብቲ ዞባ’ውን ወጥሪ ኣኸቲሉ’ዩ።
ሕጂ ኢትዮጵያ ካብ ቃላታ’ውን ከምእተነጽሮ ዘላ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንጉዳይ ንግዲ ጥራይ ኣይኮነትን ትደልዮ ዘላ።
ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብሓይሊ ጐቢጣ ሒዛ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ዝዓስከረ ሓይሊ ባሕሪ ነይርዋ’ዩ።
እንተዀነ ኤርትራ ን30 ዓመታት ብዘካየደቶ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ 1991 ነጻ ምስ ወጽአት ኢትዮጵያ ናብቲ ቀደም ዝነበረቶ ኣፍደገ ባሕሪን ሓይሊ ባሕሪን ዘይብላ ሃገር ኮይና።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ ንምንታይ’ያ ንሓይሊ ባሕራ ዳግማይ ክትምስርቶ ትደሊ ዘላ?
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ነበር ደቪድ ሺን፡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ውዕል ሰነድ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ሓይሊ ባሕሪ ንምትካል ከምዝዀነ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ኣምበሳደር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝካየዶ ቃለ መሕተት፡ “ሶማሊላንድ ንኢትዮጵያ 20 ኪሎሜተር ንውሓት ዘለዎ ገምገም ባሕሪ ከምእትህባን ኢትዮጵያ ከኣ ነዚ ኣብ መዓላ ከምእተውዕሎን ብወግዒ ሓቢራ ኣላ፤ ወይ’ውን ሶማሊላንድ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ወደብ በርበራ ንሰደድን ቀረብን ክትጥቀመሉ ንኢትዮጵያ ከተፍቅደላ ትኽእል’ያ። እንተዀነ ነዚ ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትሰርዖ ዕላማ ኣይመስለንን፡ ኢትዮጵያ ቀንዲ ዕላማኣ ሓይሊ ባሕሪ ንምትካል ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፡” ይብል።
ሚቸል ሹርኪን ዝተበሃለ ኣባል ባይቶ ኣትላንቲክ ከኣ፡ “ኢትዮጵያ ነቲ ሓደጋ ቀሚራ’ያ ኣትያቶ ዘላ፤ ኢትዮጵያ ክቱር ድሌት ኣፍደገ ባሕሪ ኣለዋ፡ ናብ ሶማሊላንድ ምባላ ከኣ ምስ ኤርትራ ኣብ ኲናት ካብ ምእታው ዝሓሸ ኣማራጺ’ዩ። ብተወሳኺ ንሶማሊላንድ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ብወግዒ ትፈልጣ ስለዘላ ረብሓ’ዩ። እንተዀነ እዚ ከኣ ምስታ ንሶማሊላንድ ኣካለይ’ያ ትብላ ሶማልያ ናብ ምስሕሓብ ከእትዋ እኽእል’ዩ። ንኢትዮጵያ ግን ብዅሉ ሸነኹ ርኢኻ ካብ ኤርትራ ካብ ዝመጻ ሓደጋ እቲ ካብ ሶማልያ ዝመጻ ሓደጋ ይቐልል” ይብል።
ሶማልያ
ብዙሓት ፖለቲከኛታት ሶማልያ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ቅልውላው ክሸምም ዝኽእል ሓደገኛ ስጕምቲ ከምዝዀነ ብምግላጽ ይዅንንዎ ኣለዉ።
ፍሉይ ልኡኽ ሶማልያ ኣብ ሶማሊላንድ ዓብደልከሪም ሓሰን ጉለድ፡ እቲ ውዕል ሰነድ “ዓለምለኻዊ ሕጊታት” ዝጠሓሰ ከምዝዀነ’ዩ ዝገልጽ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጂ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ “እቲ ኢትዮጵያ ብስስዐ ካብ ሪፓብሊክ ሶማልያ መሬትን ባሕርን ንምርካብ ዝገበረቶ ስምምዕ፡ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ዘየመዛዘነን ንናጽነትን ሓድነትን ሃገርን ዝግህስን’ዩ” ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ነበር መሓመድ ሑሴን ሮብለ ብወገኑ፡ ነቲ ስምምዕ ብምቅዋም ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ “እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጕምቲ ዘገርምን ዘጣዕስን’ዩ፡ [እቲ ስምምዕ] ንመሬታዊ ሓድነት ዝግህስን ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህውከት ዘስዕብን’ዩ” ኢሉ።
መሓመድ ሙባረክ ዝተበሃለ ኣቦ ወንበር ኢንስቲቱት ሂራል ብወገኑ እቲ ስምምዕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክምጽኦ ዝኽእል ክፍተት ናይ ጽጥታ ከምዘሎ ይገልጽ።
ኣሽሓት ወተሃደራወት ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሶማልያ ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ርክብ ኢትዮጵያን ሶማልያን እንተሓሽኪሩ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ሶማልያ ክትስሕብ ከምእትኽእልን፡ በዚ ከኣ ጸጥታ ሶማልያን ብሓፈሻ ኸኣ ቀርኒ ኣፍሪቃን ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክዓርግ ከምዝኽእል የረድእ።
መሓመድ ሙባረክ፡ “ኣብይ ኣሕመድ ንኣዋርሕ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ከምዝዀነት ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ፤ እቲ ስምምዕ ከአ ነዚ ንኽገብር ዝሕግዞ’ዩ። ኣብ ሰላምን ጸጥታን እዚ ዞባ ከኸትሎ ዝኽእል ዝዀነ ይዅን ብዘየገድስ፡ ንሱ ኵሉ ነገር ክገብር ከምዝኽል’ዩ ዝርድኣኒ” ይብል።

ኬንያ
ኬንያ ሓንቲ ካብተን ኢትዮጵያ ወደብ ንኽትረክብ ክትዛተያ ዝጸንሓት ሃገር’ያ።
ኣብ ነሓሰ 2023 ሰብመዚ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ብምብጻሕ ኣብ ወደባዊት ከተማ ላሙ ዑደት ኣካይዶም ነይሮም።
ላሙ መበገሲ ናይቲ ንሃገራት ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ከራኽብ ዝተወጠነ 'ላፕሴት' ዝተበሃል ፕሮጀክት እያ።
ኢትዮጵያ ብጅቡቲ ካብ እተእትዎ ነቲ 15 ሚእታዊት ናይ ቀረብን ሰደድን ብመንገዲ ላሙ ከተእቱን ከተውጽእን ሓሳብ ከምዘለዋ ጸብጻብ ባንኪ ዓለም ይገልጽ።
ስለዚ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝኣተወቶ ውዕል ኣብ ተግባር እንተተሰጋጊሩ ኬንያ ካብ ኢትዮጵያ ክትረኽቦ ትኽእል ዝነበረት መኽሰብ ክትስእኖ’ያ።
ከም ውጽኢቱ ንወደብ ላሙ ንምስፋሕ ዝነበራ ውጥን ንግዚኡ ክብርዕን ይኽእል’ዩ።
ኬንያ ኣብ 2020 ንፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሂ ምስ ተቐበለቶ ሶማልያ ምስ ኬንያ ዘለዋ ርክብ ኣቋሪጻቶ።
ኬንያ ንሙሰ ቢሂ ከም ኣብ ትሕቲ ሶማልያ ትርከብ ክልላዊ ፕረዚደንት ከምእትሓስቦ’ኳ ኣንተገለጸት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊላንድ ዝዀነት ሃርጌሳ ግን ልክዕ ከም ኢትዮጵያ ቆንስል ኣለዋ።
ግብጺ
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቀንዲ ቀላሲ ሓይሊ ዘለዋ ሃገር ግብጺ እያ።
እዛ ሃገር፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ 8 ንንግዳዊ መዓላ ዝውዕል፡ ሓሙሽተ ከኣ ንነዳዲ ንዕደናን ንኣገልግሎት ቱሪዝምን ዘገልግል ወደባት ኣለዋ።
ኣብይ ኣሕመድ ብተደጋጋሚ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዘድልዮ ክዛረብ ምስ ጀመረ ኣቓልቦ ግብጺ ክስሕብ ክኢሉ’ዩ።
ንሱ ጉዳይ ህላወ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ሞትን ሕየትን ከምዝዀነ’ዩ ዝገልጽ።
ተንተንቲ፡ ግብጺ ነቲ ጥሙሕ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ምህናጽ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ፈልያ ከምዘይትርእዮ’ዮም ዝገልጹ።
ኣብ 1929 ዝተበጽሐ ስምምዕ ጉዳይ ፈለግ ኒል ዝልዓለ ብጽሒቱ ንግብጽን ንሱዳንን’ዩ ዝህብ።
እንተዀነ ኢትዮጵያ ንዓቢ ግድብ ህዳሰ ድሕሪ ምህናጻ፡ ኣብ ጉዳይ ምምላእን ምፍሳስን እቲ ዓቢ ዲጋ ኣብ ውዱእ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይክኣላን ዘለዋ።
ኢትዮጵያ ብመንገዲ ሶማሊላንድ ኣፍደገ ባሕሪ እንተረኺባ ዋላ ብማዕዶ ይኹን ንማያዊ ኣካል ጅቡቱ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሓሊፋ ምስ ግብጺ ዘራኽብ መስመር ክህልዋ’ዩ።
ጅቡቲ
እዛ ብመሬት ምስ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን እትዳወብ ንእሽተይ ሃገር፡ ቀንዲ መስመር መተሓላላፊ ካብን ናብን መስመር ስወጽን ባብኤል መንደብን እያ።
ወደባታ ቀንዲ ምንጪ ቍጠባኣ ኰይኑ ንህዝባ’ውን ብዙሕ ዕድላት ስራሕ ይፈጥረሉ’ዩ።
እዛ 95 ሚእታዊት ሰደድን ቀረብን ኢትዮጵያ ዝመሓለለፈላ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ ብሶማሊላንድ ወደብ ክትጥቀም እንተጀሚራ ኣብ ቍጠባኣ ዓቢ ሃስያ ከውርደላ ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይና
ቻይና ብጂኦግራፍያዊ ኣቃማምጣ ካብ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ኣዝያ ዝርሓቐት ትዅን እምበር በዚ ውዕል ዘይትጽሎ ኣይኰነትን።
ሶማሊላንድ ካብታ ቻይና ከም ኣካል ግዝኣታ እትሓስባ ታይዋን ሓገዝ ይግበረላ’ዩ።
ቻይና ከኣ ከም ግብረመልሲ ነታ ንሶማሊላንድ ከም ኣካል ግዝኣታ እትሓስባ ሶማልያ ሓገዛታ ተበርከት’ያ።
ታይዋንን ሶማሊላንድን ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ ጸገማት’ዩ ዘለወን፣ [ታይዋን ብቻይና፡ ሶማሊላንድ ብሶማልያ]፡ ክልቲኤን ብዓለም ከም ሃገር ኣፍልጦ ኣይተወሃበንን፤ ንሓደሕደን ብምድግጋፍ ከአ ክልቲኤን - ታይዋን ኣብ ሶማሊላንድ፡ ሶማሊላንድ ኣብ ታይዋን ኣምባሳደራት ኣለወን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







