ኣመሪካዊ ጀነራል ናብ ሶማልያ ብምብጻሕ ብዛዕባ 'ዞባዊ ጸጥታዊ ጉዳያት' ተዘራሪቡ

ጀነራል ላንግለይ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ

ምንጪ ስእሊ, @TheVillaSomalia

ሓላፊ ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዋፈር ሓይልታት ኣመሪካ ዝኾነ ጀነራል ኣብ ሶማልያ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ኣዛዚ እዚ ኣፍሪቃ (ኣፍሪኮም) ዝተባህለ ክፋል ሰራዊት ኣመሪካ ዝኾነ ጀነራል ማይክል ኢ. ላንግለይ ብረቡዕ ናብ ርእሰከተማ ሞቓድሾ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ሳልሕ ተራኺቡ።

ኣብ መንጎክ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ "ጸጥታዊ ሽርክነት" ከምዝተዘራረቡ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማልያ ጠቒሱ።

"ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ሽበራ ንምቅላስ ዝግበር ዘሎ ሓባራዊ ጻዕርታት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኣመሪካን ዘሎ ውጽኢታዊ ጸጥታዊ ሽርክነት ምሕያልን ካልኦት ንክልቲኡ ወገናት ዘገድሱ ዞባዊ ጸጥታዊ ጉዳያትን ተመያይጦም" ይብል እቲ ኣብ ኤክስ ዝወጸ ሓበሬታ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ብወተሃደራዊ ደገፍ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ቀጻሊ ስርሒታት ከካይድ ምጽንሑ'ውን ይፍለጥ።

እዚ ኣፍሪቃ ሰራዊት ኣመሪካ ብሰሉስ 23 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ብምዃን ኣብ ልዕሊ "ኣሸበርቲ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ናይ ርእሰ-ምክልኻል መጥቃዕቲ ኣየር" ከምዘካየደ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ከባቢ ኪስማዮ ከምዝተኻየደ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሰለስተ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ከምዝተቐትሉ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

ኣመሪካ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ወጥርን ምትፍናንን ከምዘሰከፋ ክትገልጽ ምጽንሓ ይዝከር።

ብፍላይ፡ እቲ ንሶማልያ ዘቖጥዐ ኣብ መንጎ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ምርድዳእ ኣፍደገ ባሕርን ወተሃደራዊ መዓስከርን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።

ጀነራል ማይክል ኢ. ላንግለይ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኬንያ፡ ናይሮቢ

ምንጪ ስእሊ, Kenya Defence Forces

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብቲ ዞባ ዘምረሐ ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ እቲ ሓድሽ ወጥሪ ነቲ ዞባ ናብ ዝኸፍአ ዘይምርግጋእ ከየእተዎ ዘለዎ ስግኣት ብምግላጽ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት ክኽበር ተማሕጺኑ ነይሩ።

እቲ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ኣዛዚ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልታት'ውን ናብ ናይሮቢ ብምብጻሕ ምስ ሰበስልጣን ኬንያ ተዘራሪቡ ምንባሩ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኬንያ ዘካየዶ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ጸጥታዊ ምትሕግጋዝን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘሎ መሬታውን ባሕራውን ጸጥታዊ ብድሆታት ከምዝተላዘቡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኬንያ ዘውጽኦ መግለጺ የነጽር።

ኣፍሪኮም ኣብ ጀርመን፡ ከተማ ሽቱትጋርት፡ ዝመደበሩ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣመሪካ ዝከታተልን ዝፍጽምን ሓይሊ እዩ።