ናብ ሶማሊላንድ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ሶማልያ ተኸልኪላ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN AIRLINES
ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ናብ ርእሰ ከተማ ሶማሊላንድ ዝኾነት ሃርጌሳ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ክሊ ኣየር ሶማልያ ቅድሚ ምእታዋ ንድሕሪት ከምዝተመልሰት ተገሊጹ።
እታ ቁጽሪ በረራኣ ET8372 ዝዀነት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ሶማልያ ፍቓድ የብላን ብዝብል ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሳ ክትዓልብ ከምዝተገደደት ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “በረራ ምስ ጀመረት፡ ብወገን ሶማልያ ፍቓድ ኣይሃብናን ዝብል ሕቶ ስለዝተለዓለ" ክትምለስ ምኽንያት ከምዝዀነ ኣብሪሁ።
መከታተሊ በረራታት ዝዀነ ፍላይትራዳር24፡ ሎሚ 8 ጥሪ 2016 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሶማልያ ክልተ በረራታት ከምዝተገበሩ የመልክት።
ቁጽሪ በረራ ET372 ሰዓት 5 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ሃርጌሳ ከምዝዓለበት መርበብ ሓበሬታ ፍላይትራዳር24 ይሕብር።
እንተዀነ እታ ቁጽሪ በረራ ET8372 ዘለዋ ዲ ሃቪላንድ-400 ነፋሪት ንግሆ 2፡30 ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ናብ ሃርጌሳ ክትበርር ድሕሪ ምጽንሓ፡ 4፡30 ካብ ከባቢ ጂግጂጋ ናብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ እያ ተመሊሳ።
ሲቪል ኣቬሽን ሶማልያ ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሃርጌሳ ክትዓልብ ፍቓድ ስለዘይነበራ ከምዝተኸልከለት ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ቁጽሪ በረራ ET8372 ካብ ሶማልያ ክትረኽቦ ዝግብኣ ፍቓድ ስለዘይነበራ፡ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ በረራ ናብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ክትኣቱ ኣይተፈቕደላን።

ምንጪ ስእሊ, FLIGHTRADAR24
ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን፡ ኣየነይቲ መንገዲ ኣየር ነፋሪት ከምዝተመልሰትን ዘሳፈረቶም ተጓዓዝትን ብዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።
ይኹን'ምበር ሚኒስተር ዜና ሶማልያ ኣቶ ዳውድ ኣወይሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሳፈረት ነፋሪት ፍቓድ ስለዘይነበራ ናብ ሃርጌሳ ከይትኣቱ ከምዝተኸልከለት ሓቢሩ።
ኣይተ መስፍን፡ ብዛዕባ እታ ነፋሪት ዝርርብ ምስተገበረ፡ ዳግማይ ናብ መዕለቢኣ ክትበርር ከምዝተፈቐደላ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ሶማልያ እውን ብዘይካ እታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተላእከት ነፋሪት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበሩ ስሩዕ በረራታት ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፁ እዩ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ኢትዮጵያን ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድን፡ ኢትዮጵያ ወደብ ንኽትረክብ ዘኽእል ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታመን ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ሞቓድሾን ወጥሪ ተላዒሉ ኣሎ።
እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ገማግም ባሕሪ ክትረክብ እያ፤ ኣምሳያኡ ድማ ነታ ንገዛእ ርእሳ ነጻ ሃገር ኢላ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ከምትህብ ይንገር።
እዚ ስምምዕ ግን ንሶማልያ ኣዝዩ ኣቖጢዕዋ እዩ፤ ኣብ ልኡላውነታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምዃኑ ብምግላጽ ኣትሪራ ከምዝተቓወመት ይፍለጥ።
እቲ ኵነታት ኣብቲ ዞባ ዲፕሎማስያዊን ፖለቲካውን ወጥሪ ፈጢሩ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







