መራሒ ሓማስ፡ ሰለስተ ደቁን ደቂ ደቁን ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ

ሃኒየህ ሰለስተ ደቁ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሎም ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሃኒየህ ሰለስተ ደቁ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሎም ኢሉ

ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ ሰለስተ ደቁን ኣርባዕተ ደቂ ደቁን ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ከም ዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።

እታ ደቁ ዝጓዓዙላ ዝነበረት መኪና፡ ኣብ ቓዛ ከባቢ መዕቈቢ ስደተኛታት ኣልሻቲ ብእስራኤል መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸማ ምስ ሓማስ ዝምድና ዘለዎ ሚዲያ ጸብጺቡ።

ሰለስቲኦም ደቂ ሃኒያ -ሓዚም፡ ኣሚርን መሓመድን- ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ቓዛ ከም ዝነበሩ ንኣልጀዚራ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ደቂ ደቁ ዝዀኑ ሞና፡ ኣማል፡ ኻልድን ራዘንን በቲ “ኣጸያፍን ፈራሕን” ኢሉ ዝጸውዖ መጥቃዕቲ እስራኤል ከም ዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።

እቶም ቈልዑ በዓል ዒድ ምስ ቤተሰቦም ንምኽባር ይኸዱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ጸብጻባት ይገልጹ።

ቅትለት ደቁን ደቂ ደቁን ግን፡ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ኣብ ቓዛ ንክብጻሕ ዝደልዮ ስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦ ለውጢ ከም ዘየምጽእ እቲ ፖለቲካዊ መራሒ ተዛሪቡ።

ሰራዊት እስራኤል፡ እቶም ዝተቐትሉ ኣባላት ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ’ዮም ኢሉ።

ሃኒያ፡ በቲ መጥቃዕቲ ዝቘሰሉ ፍልስጤማውያን ንሕክምና ናብቲ እቲ ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ ናብ ዝነብራ ርእሰ ከተማ ቐጠር - ዶውሓ ኣብ ዝመጽእሉ እዋን ቅትለት ደቁን ደቂ ደቁን ከም ዝሰምዐ ተሓቢሩ።

“ጸላኢ ንደቀይ ዒላማ ምግባሩ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦን እቲ ጉጅለ ዘለዎ መልሲ ቅድሚ ምልኣኹ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ፡ ሓማስ መርገጺኡ ክቕይር ክገብሮ’ዩ ኢሉ እንተሓሲቡ ተጋግዩ ኣሎ” ክብል ንኣልጄዚራ ተዛሪቡ።

ኣብ ቴሌግራም ቻነል ሓማስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ’ውን፡ “ብመስዋእቲ ደቁን ደቂ ደቁን” ክብሪ ስለ ዝተጐናጸፍኩ ንኣላህ የመስግኖ ኢሉ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ማእከላይ ወሽመጥ ቓዛ “ሰለስተ ዕጡቓት ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ከም ዘወገደ” ብምግላጽ ደቂ እስማዒል ሃኒያ ከም ዝዀኑ ገሊጹ።

እቲ መግለጺ፡ ብዛዕባ ቅትለት ደቂ ደቁ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቓዛ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ንኽግበር ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ይውስኽ ኣሎ፤ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን’ውን ሓላፊ ሲኣይኤ ዊልያም በርንስ ናብቲ ኣብ ካይሮ ዝካየድ ዘሎ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ልኢኹ እዩ።

ኣብዚ ዝርርብ ቀሪቡ ካብ ዘሎ ጠለብ ድማ፡ 40 ኣብ እስራኤል ጅሆ ዝተትሓዙ ክፍትሑን 900 ፍልስጤማውያን ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ክወጽኡን ዝብል ይርከቦ።

ሃኒያ፡ ካብ 1980 ኣባል ምንቅስቓስ ሓማስ ኰይኑ ዝጸንሐን ከም መራሒ ሓማስ ዝውሰድን እዩ።

ብ2017፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓማስ ኰይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ ብ2018 ኣመሪካ ኣሸባሪ ኢላቶ።

ኣብቲ ኲናት ካልኦት ኣባላት ስድራኡ’ውን ተቐቲሎም’ዮም።

ካልእ ወዱ ኣብ ለካቲት ክቕተል እንከሎ፡ ሓዉን ወዲ ሓዉን ኣብ ጥቅምቲ ከም ዝተቐትሉ፡ ኣብ ሕዳር ድማ ወዲ ወዱ ከም ዝተቐትለ ተገሊጹ ነይሩ።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቡብ እስራኤል መጥቃዕቲ ክፍጽም እንከሎ፡ 1200 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ልዕሊ 250 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ተወሲዶም።

እስራኤል፡ ካብዚኦም እቶም 130 ሕጂ’ውን ኣብ ቓዛ ከም ዘለው ክትገልጽ እንከላ፡ 34 ሞይቶም ትብል።

ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ትወስዶ ብዘላ መጥቃዕቲ መብዛሕትኦም ሰላማውያን ሰባት ዝዀኑ ልዕሊ 33 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ከም ዘለው ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።