ጆ ባይደን፡ ነታንያሁ ‘ጌጋ ይፍፅም ኣሎ’ ክብል ነቒፉ

ምንጪ ስእሊ, Ruters
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ኣብ ኣተኣላልያ ኲናት ቓዛ "ጌጋ ይፍጽም ኣሎ” ኢሉ ከምዝኣምን ገሊጹ።
"እቲ ዝገብሮ ዘሎ ጌጋ እመስለኒ። ምስ ኣከያይዳኡ ኣይሰማማዕን እየ" ክብል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ።
ንሱ፡ቓዛ ንዝቕጽሉ ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ሰሙናት "ኵሉ መግብን መድሃኒትን" ክትረክብ ከምዘለዋ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቀጻሊ ደገፍ ኣመሪካ፡ እስራኤል ዝያዳ መግብን መድሃኒትን ከተእቱ ኣብ ምፍቃዳ ዝምርኮስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እስራኤል ናብ ውሽጢ ቓዛ ሓገዝ ምእታው ወይ ምክፍፋል ከምዘይትዕንቅፍ ብምግላጽ፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ድማ ነቲ ዝፍቀደሉ ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ሰባት ከብጽሑ ኣይከኣሉን ብዝብል ከሲሳ።
ንሰሙናት ዝቐጸለ ዝርርብ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ፍረ ከፍሪ ኣይከኣለን፤ ኣህጉራዊ ጸቕጢ ግን እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።
እቲ ንሓደ ሰዓት ዝቐጸለ ቃለ መሕትት - እስራኤል ንሸውዓተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ምቕታላ ድሕሪ መዓልታት - ዝተቐድሐ ኰይኑ፡ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቋንቋ ስጳኛ ኣመሪካ ዩኒቪዥን ተቓሊሑ።
ሚስተር ባይደን፡ መካይን እቲ ትካል ረድኤት "ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተሃሪመን ካብ ጽርግያ ምውጽአን ዘሕዝን እዩ” ኢሉ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ዒላማ ምዃኖም፡ "ከቢድ ጌጋታት" ከምዝዀነ ገሊጹ።
እዚ ፍጻመ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ሰራዊት ካብ ስራሕ ክእለዩ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።
ሚስተር ባይደን፡ "እቲ ዝጽውዖ ዘለኹ ንጹር እዩ፤ እስራኤላውያን ተዅሲ ደው ከብሉ፡ ንዝቕጽሉ ሽዱሽተ፡ ሸሞንተ ሰሙናት፡ ንዅሉ ናብቲ ዓዲ ዝኣቱ መግብን መድሃኒትን ክፈቕዱን 'ዩ" ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ ሓማስ ተዅሲ ደው ክብልን ዝተረፉ ጅሆታት ክፈትሕን ጸዊዑ ነይሩ።
እስራኤል ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝወስድ መሳገሪን ወደብ ማይን ክትከፍት ቃል ኣትያ ኣላ፤ እዚ ድማ ዝያዳ ረድኤት ናብቲ ከባቢ ክውሕዝ ከምዝሕግዝ ይግመት።
ሚስተር ባይደን ኣብ ጉዳይ እስራኤል፡ ውሽጣዊ ጸቕጢታት የጋጥሞ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ብዛዕባ ኣካይዳ እስራኤል፡ እንተላይ ኣብ ልዕሊ ሚስተር ነታንያሁ፡ኣብቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ኣመልኪቱ ወቐሳ የስምዕ ኣሎ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ቦምባ፡ ሚሳይላትን ተተኮስትን ዝኣመሰሉ ወተሃደራዊ ቀረብ ካብ ኣመሪካ ናብ እስራኤል ብዘይ ምቍራጽ ይውሕዝ ኣሎ።
ብሓማስ ዝምርሑ ዕጡቓት፡ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ብምፍጻም 1200 ሰባት ቀቲሎም፡ ልዕሊ 250 ድማ ጅሆ ሒዞም።
እስራኤል፡ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ 130 ጅሆ ዝተታሕዙ፡ ብውሕዱ 34 ከም ዝሞቱ ትገልጽ።
ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ልዕሊ 33 ሽሕ ቓዛውያን፡ መብዛሕትኦም ሲቪላት ከምዝተቐትሉ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







