ብዛዕባ እስራኤል-ቃዛ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ጽልእን ዝዝርግሑ ዘለዉ በዓል መን እዮም?

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ እስራኤል-ቃዛ ዝምልከቱ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት፡ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባትን ጽልኢ ዝመልኦ ትሕዝቶታት ይዝርግሑ ኣለዉ።
እዞም ሓበሬታታት ዝዝርግሑ ዘለዉ ኣካውንታትከ ቅኑዓት ድዮም ወይስ ነዚ ዕላማ ዝተኸፈቱ ናይ ሓሶት ኣካውንታት እዮም ዝብል ሕቶ’ውን ይለዓል ኣሎ።
እቲ ኲናት እናተጋህደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ጽልእን ዝዝርግሕ ዘሎ መን’ዩ ኢለ ክዕዘብ ጸኒሐ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ቲክቶክ ፎር ዩ ዝብል ኣካውንተይ ክኸፍት ከለኹ፡ ሓንቲ መንእሰይ እስራኤላዊት ብተጋደልቲ ሓማስ ብዕለት 7 ጥቅምቲ ጅሆ ክትትሓዝ ዘርኢ ቪድዮ ረኺበ። እቲ ቪድዮ ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ።
ኣብ ርእየቶ ዝረኸብክዎ ግብረ መልሲ ግን ከምቲ ዝሓሰብክዎ ኣይነበረን።
ገሊኦም በቲ ቪድዮ ክጭነቑ እንከለዉ፡ ካልኦት ተጠቀምቲ ግን እቲ ቪድዮ ናይ ሓሶት ከም ዝዀነ ገሊጾም።
ኣብቲ ቪድዮ ትረአ መንእሰይ "ሲቪል ኣይኰነትን"፡ ወተሃደር እያ፡ ወይ ድማ እቲ ቪድያ ሓማስ ገበነኛ ንምምሳል ዝተሰነዐ’ዩ ዝብሉ ርእይቶታት ሂቦም።
ካልኦት ድማ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ዓመጽ ከም ዝፈጸመ ዝሕብር መርትዖ የለን ኢሎም።
ቢቢሲ ከም ዘረጋገጾ፡ እቲ ቪድዮ ብደም ዝተሸፈነት መንእሰይ ብዕጡቓት ናብ መኪና ክትድፋእ ከላ ዘርኢ'ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ወሰን ከተማ ቃዛ ኣብ ሸጅያ ዝተቐርጸ እዩ።
ኣብ ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን ብዛዕባ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ሓያሎ ቪድዮታትን ትሕዝቶታትን ርእየ፤ ዝተወሃቡ ርእይቶታት ተመሳሳሊ እዮም።
ህዝቢ እስራኤል ሃገራዊ ኣገልግሎት ክህቡ ግዴታ ኣለዎም - እንተዀነ ግን ብዙሓት ካብቶም ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙን ከምቶም ኣብቶም ቪድዮታት ዝረኣዩን ሰባት ሲቪላት ምዃኖም መርትዖታት ይሕብሩ። እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት፡ ፈስቲቫል ዝኸዱን ህጻናትን ይርከብዎም።
እቶም ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ኣብ ልዕሊ ጅሆታት ዝተፈጸመ ዓመጽ ንምቅላል ኣብ ዝጽዕሩ ኣካውንታት ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኰነን።
ንስጉምቲ መንግስቲ እስራኤል ዝድግፉ ፕሮፋይላት እውን መደናገሪን ጽልእን ዘለዎም ትሕዝቶታት ዘርጊሖም እዮም።
ሓደ ኣካውንት፡ ፍልስጤማውያን ሰባት ኣብ ጋዛ ከም ዝተጎድኡ የምስሉ ከም ዘለዉ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝህብ ቪድዮ ኣካፊሉ። እቲ ቪድዮ ብሓቂ ካብቲ ኣብ 2017 ሓደ ሜክኣፕ ኣርቲስት ምስ ትካላት ግብረ ሰናይ ኰይኑ ብዛዕባ ፊልምታት ፍልስጤም ክሰርሕ ከሎ ዘርእይ እዩ።
እዚ ኩሉ ንዓይ ዘሰንብደኒ ጥራይ ኣይነበረን - ነቲ ሰፊሕ ርድኢት ናይቲ ግጭት’ውን ዝጸልው’ዩ።
ኣብ ኢንተርነት ዝዝርጋሓ ሓበሬታ ንምጥምዛዝን ንምድንጋርን ዝግበር ዕዉት ፈተነታት ክህሉ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዝግንፍል ዘሎ ሓቂ ንምርዳእ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክገብሮ ይኽእል።
እዚ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምጽራይ ክስታት ገበናት ኲናት፡ ሓገዝ ኣብ ምሃብን ኣበይ እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎ ንምፍላጥ ኣዝዩ ክኸብዶ ይኽእል’ዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ፡ ምንጪ ናይዞም መደናገሪ ትሕዝቶታት ንምፍላጥ ቀሊል እዩ።
ንኣብነት ከም በዓል ጃስቲን ቤይበር ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባት ንውሰድ፤ ንሱ ብዘይፍላጥ ኣብ ኢንስታግራም ሰባት "ንእስራኤል ክጽልዩ" ዝሓትት ጽሑፍ ኣካፊሉ - ግን ከኣ ብሓይልታት እስራኤል ዕንወት ዘጋጠማ ቃዛ ዘርእዩ ምስልታት’ዩ ተጠቒሙ።
ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ብዛዕባ ቅልውላው ዝምልከት ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ናይ ምድፋእ ታሪኽ ዘለዎም ሓያሎ ኣካውንታት፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዝፍጸም ዘሎ ወይ ንምንእኣስ ወይ ንምግናን ዝዓለሙ ዝመስሉ ዘጋግዩ ትሕዝቶታት ዝገደደ ወሲኾሙሉ ኣለዉ።
እዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ግጭታት ዝተቐረጹ ዝጸንሑ ቪድዮታትን ካብ ጸወታታት ቪድዮ ዝተወሰዱ ተንቀሳቓሲ ስእልታትን ምዝርጋሕ የጠቓልል። ይኹን’ምበር እቶም ኣካውንታት ካብ ህሉው ኵነታት እስራኤልን ጋዛን ከም ዝተረኸቡ’ዮም ዝገልጹ።
ገለ ካብቶም ንእስራኤል ዝድግፍን ጸረ ኣስላም ጽሑፋትን ዝዘርግሑ ኣካውንታት ትሕዝቶን ኣብ ህንዲ ዝመደበሮም ይመስሉ፤ ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ናሬንድራ ሞዲ ዘለዎም ደገፍ ይገልጹ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ወነንቲ እቶም ኣካውንታት መን እዮም?
ሓያሎ ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ሲቪላት ዘይኰኑስ ወተሃደራት እዮም ዝብሉ ኣካውንታት ናይ ሓቀኛታትን መንእሰያትን ይመስሉ።
ንኣብነት ገሊኦም መስሓቕ ሚም ወይ ክሊፕ ኩዕሶ እግሪ ዝኣመሰሉ ትሕዝቶታት ኣብ ገጾም ኣካፊሎም እዮም።
"ናጻ ፍልስጤም" ዝብሉ ጭርሖታት ዘለዎም ስእልታት ዝዘርግሑ’ውን ኣለዉ። መልእኽቲ ምስ ለኣኩሎም ኣብ ፓኪስታንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ከም ዝርከቡ ነጊሮሙኒ።
ገለ ኣካውንታት፡ ናይ ብሓቂ ሰባት ድዮም ኣይኰኑን ብዙሕ ንጹር ኣይኰነን።
ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ብዛዕባ ውህሉል ምትሕውዋስ ፖለቲካዊ ኣርእስታት ኣካፊሎም እዮም፤ ንፕረዚደንት ሩስያ ፑቲንን ኲናት ዩክረይንን ዝድግፉ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝገልጹ ትሕዝቶታት ይርከብዎም። መብዛሕትኦም እዞም ኣካውንታት ሓደስቲ ወይ ኣብ ቀረባ እዋን ንጡፋት ዝዀኑ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ መንግስቲ እስራኤልን ዕጡቓት ሓማስን፡ ብተደጋጋሚ ሓቀኛታት ዘይኰኑ ኣካውንትታት ብምጥቃም ከፋፋሊ ወይ መደናገሪ ሓሳባት ንምድፋእ ከም ዝፈተኑ ዝገልጹ ክስታት ተሰሚዖም ነይሮም።
ኣብ እስራኤል ዝመደበሩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝትንትን ኩባንያ ሲያብራ ከም ዝበሎ፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብቲ ግጭት ዝምልከት ዝርርብ ካብ ዝሳተፉ 20 ሚእታዊት ኣካውንታት ናይ ሓሶት እዮም።
"ናይ ሓሶት" ክበሃል ከሎ ብኣውቶማቲክ ዝሰርሑ ወይ ብሰብ ዘይንቀሳቐሱ ማለት ክኸውን ይኽእል - ካልኦት ግን ናይ ሓሶት መንነት ዘለዎም ብሓቀኛ ሰባት ክመሓደሩ ይኽእሉ እዮም።
እቲ ኩባንያ፡ ኣብ ኤክስን ቲክቶክን ሓዊሱ ኣስታት 40 ሽሕ ናይ ሓሶት ኣካውንት ከም ዝረኸበ’ዩ ዝገልጽ።
ገለ ካብዞም ፕሮፋይላት ንሓማስ ዝድግፉ መደናገሪ ሓበሬታታት ዘርጊሖም’ዮም - ንኣብነት: መርትዖታት ካልእ ኣብ ዝሕብሩሉ ኵነታት ዕጡቓት ንጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ርህሩሃት ምንባሮም ይእምቱ።
እዚ ግን ዘይሓቀኛ ደገፍቲ እስራኤል ዝዀኑ ኣካውንታት የለዉን ማለት ኣይኰነን።
ሓደ ኣካውንት ሓቀኛ ከም ዘይኰነ ንምልላይ ክንጥቀመሉ እንኽእል ፍንጪ ኣሎ።
ንኣብነት ሓደ ፕሮፋይል ሓድሽ ዝተኸፈተን ሃንደበት ብዙሕ ከፋፋሊ፣ ዘደናግርን ሓድሓደ ግዜ ድማ ዘይሳነዩ ትሕዝቶታት ዘካፍል እንተዀይኑ ናይ ሓሶት ክዀን ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ ግን፡ ሓደ ፕሮፋይል ብሓቂ ናይ ሓሶት ምዃኑን ብልክዕ ብድሕሪኡ መን ከም ዘሎን ምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ካብተን ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ኩባንያታት ሓበሬታ ምርካብ የድሊ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







