እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ 'ብኣየር፣ ብባሕርን ብመሬትን' መጥቃዕቲ ንምፍፃም ከምዝተዳለወት ኣፍሊጣ

ካብ ዝፈራረሱ ህንፃታት ህይወት ከድሕኑ ዝፍትኑ ዘለዉ ነበርቲ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብኣየር፣ ባሕርን መሬትን ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ንምክያድ ወተሃደራዊ ምድላዋት ከምዝዛመ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሓፂር እዋን፡ ኣገር ሰራዊት ናብ ጋዛ ክወፍር ትጽቢት ይግበር።

እስራኤል ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ዝነብሩ 1.1 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ናብ ደቡባዊ ጋዛ ክወፅኡ ምስ ኣጠንቀቐት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ብመካይንን ብእግርን ይግዕዙ ኣለዉ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ዝርከባ ሆስፒታላት እውን ካብቲ ከባቢ ክወጻ ተነጊርወን ኣሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ግን፡ እስራኤል ሆስፒታል ብሓይሊ ክወፅኡ ምእዛዛ "ናይ ሞት ፍርዲ" ክብል ነቲ ትእዛዝ ኮኒኑዎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁን መራሒ ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ምዝራራቦም ተገሊፁ።

እቲ ግጭት፡ ሻሙናይ መዓልቱ ኣብ ዝሓዘሉ ዘሎ እዋን፡ ብኽልቲኡ ወገን ብሓፈሻ ልዕሊ 3,600 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብሓማስ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ 1 ሽሕን 300ን ሰባት ተቐቲሎም፤ 150 ሰባት ጅሆ ተታሒዞም።

ሰበስልጣን ፍልስጤም፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ብዝተፈፀመ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል፡ ልዕሊ 2200 ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጾም።

ኩነታት ቓዛ ናብ ‘ገሃነም’ የምርሕ ከምዘሎ ዘጠንቀቐ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍልስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ኣብ ከምዚ ዘለውዎ ኩነታት ኮይኖም ነቲ “ዘሰንብድ” ዝበሎ ትእዛዝ እስራኤል ክፍጽሙ ዘይክኣል’ዩ ኢሉ።

ቅድሚ ሕጂ ተገይሩ ዘይፈልጥ ትእዛዝ ምዃኑ’ዮም ፍሉጣት መራሕቲ ሰብኣዊ ትካላት ይገልጹ ዘለዉ።