ናብራ ዞባ ቓዛ እንታይ ይመስል?

ዕንወት ኣብ ቓዛ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ 2.2 ሚልዮን ህዝቢ ብጻዕቂ ዝነብረሉ ዞባ ቓዛ፡ 41 ኪ.ሜ ንውሓትን 10 ኪ.ሜ ዝፍሓትን ዘለዎ፡ ብማእከላይ ባሕሪ፡ እስራኤልን ግብጽን ዝዳወብ ምድረበዳ እዩ።

ፈለማ ብግብጺ ተታሒዙ ዝነበረ ቓዛ፡ ኣብ 1967 ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ብእስራኤል ተታሒዙ። እስራኤል ኣብ 2005 ሰራዊታን ኣስታት 7 ሽሕ ኣይሁዳውያን ሰፋሮን ኣውጺኣ።

ቓዛ፡ ኣብ 2007 ኣብ መንጐ ፍልስጤማውያን ግጭት ዝተሓወሶ ምፍንጫል ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን ዘመሓድራ ንዝነበረ ምምሕዳር ፍልስጤም እሙናት ዝዀኑ ሓይልታት ዘባረረ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ተቘጻጺርዋ ኣሎ።

ካብ ሽዑ ጀሚረን እስራኤልን ግብጽን ንጸጥታዊ ምኽንያት እገዳ የድሊ እዩ ብምባል ካብን ናብን ቓዛ ዝኣቱን ዝወጽእን ምንቅስቓስ ኣቝሑትን ሰባትን ገዲበን።

ሓማስ፡ ብኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ዓባይ ብሪጣንያን ከምኡ’ውን ካልኦት ሓያላን ሃገራት ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ ዝተጸውዐ ኰይኑ፡ ኣብ ቓዛ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ምስ እስራኤል ሓያሎ ውግኣት ኣካይዱ’ዩ።

ብተወሳኺ፡ ናብ እስራኤል ኣሽሓት ሮኬታት ተኲሱን መጥቃዕቲታት ወይ ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታት ክተኩሱ ኣፍቂዱን እዩ።

ቓዛ ዘርኢ ካርታ

ነዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ዝሸርጠጠ ኵነት እንታይ እዩ?

ቀዳም 7 ጥቅምቲ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ብውሕዱ 1200 ሰባት ቀቲሎም ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ጅሆ ሒዞም ናብ ቓዛ ወሲዶምዎም።

እስራኤል ከም ግብረመልሲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ኣየርን መዳፍዕን ብምክያዳ ልዕሊ 1000 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም፤ ሰራዊታ ድማ ክካየድ ንዝኽእል ናይ መሬት ስርሒትናብ ተጠንቀቕ ይርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኣብቲ ኲናት ንሓማስ ስዒሩ "ንማእከላይ ምብራቕ ክቕይር" ምዃኑ ፈኪሩ’ሎ።

'ምሉእ ከበባ'

ደብዳብ እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ከም ኣካል ናይቲ ንመጥቃዕቲ ሓማስ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብ9 ጥቅምቲ ንቓዛ "ምሉእ ብምሉእ ከበባ" ክግበር ኣዚዙ። "መብራህቲ፡ መግቢ፡ ነዳዲ ኣይክህሉን እዩ፡ ኵሉ ተዓጽዩ'ዩ" ኢሉ።

ድሒሩ ሚኒስተር ትሕተ ቅርጺ እስራኤል ንቐረብ ማይ ናይቲ ዞባ እውን ኣቋሪጽዎ።

እዚ ስጕምቲ፡ ነቲ ብዓንተቦኡ ኣህጉራዊ ሓገዝ ዘድልዮ፡ ኣብ ኣሰቃቒ ኵነታት ዝነበረ 80 ሚእታዊት ህዝቢ ቓዛ ኣብ ኵነታቱ ብኡንብኡ ኣጋዲድዎ።

ካርታ እስራኤል ፍልስጤም

እቲ እንኮ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ቓዛ ብ11 ጥቅምቲ ነዳዲ ምስ ወድአ ስራሕ ደው ኣቢሉ። ሆስፒታላት ብህሩማት ተጐቢአን፡ መተካእታ ጀነሬተራት ክጥቀማ ተገዲደን። ገለ ውሱን ትሕዝቶ ነዳዲ ዝጸንሐን ሆስፒታላት ድማ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ነዳዲ ክውድኣ ከም ዝኽእላ ይግመት።

እስራኤል ቀረብ ማይ ከቋርጽ ብዝወሰደቶ ውሳነ፡ ልዕሊ 600 ሽሕ ሰባት ብዘይ ዝስተ ማይ ተሪፎም ኣለዉ። ናይ ከባቢ ፓምፓታት ማይን ስርዓተ ርስሓትን እውን ንኽሰርሑ ነዳዲ ከድልዮም እዩ።

ምዕጻው ናይቲ ካብ እስራኤል ኣቑሑት ዝሳገረሉ ከረም ሻሎም፡ ነቲ ዝጸንሐ ክዙን መግቢናብ ሓጺር ግዜ ከምዝውዳእ ይገብሮ’ሎ። ድኳናት ቓዛ ሕጽረት ትሕዝቶ ከምዘለወን ይሕብራ ኣለዋ። ሕቡራት ሃገራት መብዛሕትአን ድኳናት ንኣስታት ክልተ ሰሙን ጥራይ መግቢ ከምዘለወን ይገልጽ።

ዛጊት፡ ብውሕዱ 200 ሽሕ ሰባት ንህይወቶም ፈሪሖም ወይ ድማ ብደብዳብ ነፈርቲ ኣባይቶም ስለዝዓነዉ ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም ሃዲሞም ኣለዉ፤ መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሕቡራት ሃገራት ተዓቝቦም ኣለዉ።

ምሉእ ምብታኽ ኤሌክትሪክ

ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ጸልሚታ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቅድሚ እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት እውን እንተዀነ፡ ኣብ ቓዛ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ መዓልታዊ ዝረአ ዝነበረ ኰይኑ፡ ስድራቤታት ብብገምጋም ኣብ መዓልቲ ን13 ሰዓታት ጥራይ መብራህቲ ይረኽባ ከምዝነበራ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ወሽመጥ ቓዛ፡ ዳርጋ ክልተ ሲሶ ጸዓት ካብ እስራኤል ይዕድግ ነይሩ፤ እቲ ዝተረፈ ድማ ካብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ቓዛ ክረክብ ጸኒሑ። እቲ ቀረብ ግን ነቲ ጠለብ ዘይምልስ - ትሕቲ ፍርቂ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ንዝፍጠር ምቍራጽ መብራህቲ፡ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ውልቀ-ስድራቤታትን መተካእታ ጀነሬተራት ክጥቀማ ግድን እዩ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ነቶም ዝኣትዉ ኣቝሑ፡ ነዳዲ ይዅን መቀያየሪ፡ ንሲቪላውን ወተሃደራውን ድርብ ኣገልግሎት እዩ ዘለዎም ኢላ ስለ እትኣምን፡ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ዝዀነ ይዅን ንብረት ከቢድ ገደብ እዩ ዝግበረሉ።

ምዕጻው ዶባት

እቲ ፍቓድ፡ ንተራ ሰራሕተኛታት፡ ነጋዶ፡ ሕሙማትን ኣለይቶምን፡ ከምኡ’ውን ሰራሕተኛታት ረድኤት ጥራይ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቲ ፍቓድ፡ ንተራ ሰራሕተኛታት፡ ነጋዶ፡ ሕሙማትን ኣለይቶምን፡ ከምኡ’ውን ሰራሕተኛታት ረድኤት ጥራይ እዩ

ሲቪላት ካብቲ ግጭት ንምህዳም ካብ ቓዛ ንኽወጹ ዘለዎም ተስፋ ኣመና ውሑድ እዩ።

እስራኤል፡ ኣብ ሰሜን ወሽመጥ ቓዛ ንዝርከብ መሳገሪ ዕረዝ ንዘይተወሰነ እዋን ክትዓጽዎ እንከላ፡ ኣብ ደቡብ ዝርከብ ብግብጺ ዝሕሎ መሳገሪ ዶብ ራፋሕ ድማ ብ9ን 10ን ጥቅምቲ ብሰንኪ ዘካየደቶ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ብወገን ኣፍደገ ፍልስጤም ተዓጽዩ።

እዚ ግጭት ቅድሚ ምዕራጕ፡ ፍልስጤማውያን ብእስራኤል ዝተዋህበ ናይ ምውጻእ ፍቓድ እንተዘይረኺቦም ብእስራኤል ኣቢሎም ካብ ቓዛ ከይወጹ ተኣጊዶም ነይሮም።

እቲ ፍቓድ፡ ንተራ ሰራሕተኛታት፡ ነጋዶ፡ ሕሙማትን ኣለይቶምን፡ ከምኡ’ውን ሰራሕተኛታት ረድኤት ጥራይ ዝተሓጽረ እዩ ነይሩ።

ኣብ ነሓሰ 58 ሽሕን 600 ሰባት ብዕረዝ ኣቢሎም ክወጹ ከምዝተፈቕደሎምን እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ብዝሒ ብ65 ሚእታዊት ዝዓቢ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ብወገን ራፋሕ ኣቢሎም ክወጹ ዝደልዩ ፍልስጤማውያን እውን፡ ኣቐዲሞም ቅድሚ ሓያሎ ሰሙናት ብሰበስልጣን ፍልስጤም ክምዝገቡን ናብታ ኣብ ብዝሒን ጸጥታዊ ቁጽጽርን ገደብ እትገብረሎም ግብጺ ከመልክቱ ይግባኦም።

ግብጺ፡ ኣብ ነሓሰ 19,600 ሰባት ብራፋሕ ኣቢሎም ካብ ቓዛ ክወጹ ኣፍቂዳ፤ እዚ ድማ ድሕሪ ሓምለ 2012 ዝለዓለ ቍጽሪ ኰይኑ ተሰኒዱ’ሎ።

ጻዕቂ ህዝቢ ኣብ ዝዓነወ ኣባይቲ

ብዙሓት ደቂ ቓዛ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነብሩ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ደቂ ቓዛ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነብሩ እዮም

ቓዛ፡ ኣብ ዓለም ካብቲ ህዝቢ ብጻዕቂ ዝነብረሉ ቦታታት ሓደ እዩ።

ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሓደ ትርብዒት ኪ.ሜ ልዕሊ 5,700 ሰባት ኣለዉ - ምስቲ ኣብ ለንደን ዘሎ ጽቕጥቕጥ ህዝቢ ኣዝዩ ዝመሳሰል - እቲ ኣሃዝ ግን ኣብ ከተማ ጋዛ ናብ ልዕሊ 9,000 ይዓቢ።

ልዕሊ 75 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ቓዛ - ኣስታት 1.7 ሚልዮን - ምዝጉባት ስደተኛታት ምዃኖም ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። ልዕሊ 500,000 ካብኣቶም ኣብ ሸሞንተ መዓስከራት ብጻዕቂ ይነብሩ።

ኣብ ቓዛ፡ ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያን ዕጡቓትን እስራኤልን ዘጋጠመ ግጭታት፡ ከምኡ’ውን ኣዝዩ ዘገምታዊ ዳግመ ህንጸት፡ ብዙሓት ሰባት ብዘይ ኣባይቲ ከምዝተርፉ ገይርዎም ኣሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጥሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ካብ ዝዓነዉ 13 ሽሕ ኣባይቲ፡ ኣስታት 2,200 ገና ዳግም ንኽህነጹ ምወላ ከምዘድልዮም ይገልጽ። ካልኦት 72 ሽሕ ብኸፊል ዝዓነዉ ኣባይቲ ድማ ዝዀነ ናይ ጽገና ሓገዝ ኣይረኸቡን።

ዳግመ ህንጸት ብሰንኪ ድሩት ምእታው ንብረት ህንጻን ፍሉያት መሳርሒታትን ተዓንቂፉ ኣሎ። ምኽንያቱ እስራኤል ከም ኣብ ኵሉ “ድሩብ-ኣጠቓቕማ” ማለት ንሲቪላውን ወተሃደራውን መዓላ ክውዕል እዩ ኢላ ብእትገልጾ ስግኣት እገዳታት ጽኑዕ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ብሰንኪ እስራኤል ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ኣየር 1000 ኣባይቲ ከምዘዕነወን፡ 500 ድማ ኣዝዩ ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዶን ንኽትነብሮ ከምዘየኽእል ሰበስልጣን ፍልስጤም ይገልጹ።

ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ከቢድ ጸቕጢ

ሆስፒታላት ቓዛ፡ ኣገልግሎት ንምሃብ ይቃለሳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሆስፒታላት ቓዛ፡ ኣገልግሎት ንምሃብ ይቃለሳ

ትካላት ህዝባዊ ጥዕና ቓዛ ካብ መጠን ንላዕሊ ዓቕለን ጸቢቡወን፡ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ሕጽረት ቀረብን መሳርሕታት ሕክምናን ይጽለዋ ኣለዋ፤ ብዙሕ ኣገልግሎታትን ፍሉይ ሕክምናታትን ሓካይም እውን ኣይርከቡን።

እስራኤልን ግብጽን ዝገበራኦ እገዳ፡ ካብቲ ኣብ ግዝኣታት ፍልስጤም ሓላፍነት ክንክን ጥዕና ዘለዎ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝመደበሩ ምምሕዳር ፍልስጤም ዝግበር ወጻኢታት ምንካዩ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ፍስጤማውያን ዘሎ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቁሩቍስን ሓማስን ኵሎም ብማዕረ ተሓተትቲ ምዃኖም ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብ ሆስፒታላት ምዕራባዊ ገማግም ወይ ምብራቕ የሩሳሌም ምዕቡል ክንክን ሕክምና ዘድልዮም ካብ ቓዛ ዝመጹ ሕሙማት፡ መጀመርታ ብምምሕዳር ፍልስጤም ዝጸደቐ ፍቓድ ክረኽቡ ኣለዎም፤ ድሕሪኡ ድማ ብሰበስልጣን እስራኤል ዝጸደቐ ናይ ይሕለፍ ወረቐት ክረኽቡ ይግደዱ።

ካብ 2008 ክሳብ 2022 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ 70 ሽሕ ማለት ሓደ ሲሶ ናይቶም ፍቓድ ንምርካብ ዝሓተቱ ሕሙማት ሕቶኦም ተደናጕዩ ወይ ተነጺጉ፤ ገለ ሕሙማት ምላሽ እናተጸበዩ ሞይቶም።

ውሱን ሕርሻን ምግፋፍ ዓሳን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ቓዛ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ሰባት ውሕስነት መግቢ ከምዘይብሎምን፣ ሓገዝ ከምዘድልዮምን ዝገልጽ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ህዝቢ ድሌታቱ ንምምላእ ኣብ ዝለኣኽ መግቢ ከም ዝምርኮስ ይገልጽ።

እስራኤልን ግብጽን፡ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ 2023 ብመሳገሪታት ከረም ሻሎምን ራፋሕን ኣቢለን ክኣትዋ ካብ ዝፈቐዳለን 12 ሽሕ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ኣስታት 22 ሚእታዊት ካብ ዝጸዓናኦ ኣቝሑ ቀረብ መግቢ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ብሰንኪ እስራኤል እትገብሮ ኣገዳታት መሬት ሕርሻን ምግፋፍ ዓሳን ደቂ ቓዛ ባዕሎም ከፍርይዎ ዝኽእሉ መግቢ ኣመና ጐዲሉ እዩ።

ካብቲ 60 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ዙርያ ሓጹር እስራኤል ክሳብ 100 ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ከባቢታት ከም "ዘይክየድ" ቦታታት ይቝጸር።

ሓረስቶት ዋላ እቲ መሬት ይውንኑዎ፡ ኣብኡ ቀሪቦም ክዘርዑን ከልምዑ ኣይክእሉን እዮም። ካብ ሓረስቶት ወጻኢ’ውን ዝዀነ ሰብ ኣብ ውሽጢ 300 ሜትሮ ክቐርብ ኣይፍቀድን እዩ።

እስራኤል ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን እውን ገደብ ምንቅስቓስ መርከብ ኣንቢራ እያ። እዚ ማለት ነበርቲ ቓዛ ካብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝተወሰነ ርሕቀት ጥራይ እዮም ዓሳ ክገፍፉ ዝኽእሉ። እዚ ድማ ን መነባብሮ ኣስታት 5000 ገፈፍቲ ዓሳን ዝዛመድ ስራሕ ዘለዎ ፍልስጤማውያን ዘሪግዎ እዩ።

ድሕሪ ምብራዕ እዚ ናይ ሕጂ ግጭት ድማ እስራኤል፡ ንከረም ሻሎም ዓጽያ ዝዀነ ንጥፈታት ምግፋፍ ዓሳ ከይካየድ ብትሪ ኣጊዳ’ላ።

ሓማስ ነቲ እገዳ ንምብዳህ፡ ካብ ግብጺ ናብ መሽመጥ ቓዛ ኣቑሑት ንምእታው ከምኡ’ውን ከም ትሕተ-ባይታዊ ማእከል እዚ ኰይኑ ዘገልግል ገለርያታት ሰሪሑ እዩ።

እስራኤል፡ እቶም ገለርያታት ዕጡቓት ኣጽዋር ንምስግጋርን ዝጥቀሙሎምን ብስቱር ንምንቅስቓስን እውን ከም ዝጥቀሙሉ ትገልጽ፤ ብደብዳብ ነፈርቲ ድማ ብተደጋጋሚ ዒላማ ትገብሮም።

ሕጽረት ማይ ልሙድ እዩ

ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ ማይ ክዕቅቡ ይላበዉ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ ማይ ክዕቅቡ ይላበዉ ኣለዉ

ብሕጽር ዝበለ 95 ሚእታዊት ህዝቢ ቓዛ ጽሩይ ማይ ኣይርከብን።

ልዕሊ ዓቐን ካብ ገማግም ባሕሪ ማይ ብምምጣጥን፡ ርስሓት ገማግምን፡ ረሳሕ ፈሳሲታትን ጨዋምነትን መስመር ማይ ዝተበከለን ንዝስተ ዘይበቅዕን እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንሓደ ሰብ መዓልታዊ ንዝስተ፡ ምሕጻብ፡ ንመግቢን ዝኣመሰለን ዘድሊ መጠን ማይ 100 ሊትሮ - እዩ ብምባል እዩ ዘቐምጥ። ኣብ ቓዛ፡ ማእከላይ ሃልኪ ኣስታት 84 ሊትሮ ኰይኑ፡ ካብዚ 27 ሊትሮ ጥራይ እዩ ንሰብ ዝምችእ ተባሂሉ ይግምገም።

እስራኤል ቀረብ ማይ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ነዳዲን ክትቆርጽ ምውሳና ከቢድ ጸገም ከምዘስዕብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቝ ኣሎ።

ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ ማይ ክዕቅቡ ይላበዉ ኣለዉ።

ኣብያተ ትምህርቲ ከም መዕቈቢ

ብዙሓት ህጻናት ቓዛ፡ ብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝመሓደራ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃሩ ኰይኖም፡ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ኣብዚ እዋን፡ ካብ ግጭት ንዝሃደሙ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ከም መዕቆቢ የገልግላ ኣለዋ።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ፍልስጤም፡ ካብተን ኣብ ቓዛ ዝርከባ 278 ኣብያተ ትምህርቲ፡ መብዛሕትአን ክልተ እብረ - ንግሆን ምሸትን - የገልግላ።

ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ሕቡራት ሃገራት ቓዛ መዕቈቢ እየን ተቐይረን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ሕቡራት ሃገራት ቓዛ መዕቈቢ እየን ተቐይረን

ልዑል ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት

ቓዛ፡ ብደረጃ ዓለም ሓንቲ ካብተን ብዝሒ መንእሰያት ዝነብሩለን ግዝኣታት ኰይና፡ ዳርጋ 65 ሚእታዊት ትሕቲ 25 ዓመት ከምዝዀኑ ጸብጻብ ሲኣይኤ ይሕብር።

ልዕሊ 80 ሚእታዊት ህዝቢ ቓዛ ኣብ ድኽነት ዝነብር ኰይኑ፡ ደረጃ ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ዓለም ኣዝዩ ልዑል እዩ፤ ኣብ 2022፡ ኣስታት 45 ሚእታዊት በጺሑ ነይሩ።

ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ መንእሰያት ኣዝዩ ዝለዓለ ኰይኑ፡ 73.9 ሜታዊት ካብቶም ካብ 19 ክሳብ 29 ዓመት ዝዕድመኦም ዲፕሎማ ካልኣይ ደረጃ ወይ ዲግሪ ዩኒቨርሲቲ ዝሓዙ መንእሰያት ዝዀነ ስራሕ የብሎምን።