ፈረንሳ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ካራ ስግኣት ጸጥታ ኣስዒቡ

ፈረንሳ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፡ ከተማ ኣራስ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ መጥቃዕቲ ካራ ስዒቡ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፈረንሳ፡ ሃገራ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ጥንቃቐ ጸረ ግብረሽበራ ክትገብር ኣዚዛ።

ኣብቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ጋምቤታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓደ መምህር ክቕተል እንከሎ ክልተ ሰባት ድማ ብኸቢድ ከም ዝቖሰሉ’ዩ ተገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ተታሒዙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ።

መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቲ ጥርጡር ብካራ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን "ኣላሁ ኣክባር" ይብል ከም ዝነበረ ይዛረቡ።

ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተፈጥረ ግጭት ስዒቡ፡ ኣብ መንጎ ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ኣስላምን ኣይሁድን ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ እቲ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ ዘሎ።

እቲ ዝተቐትለ መምህር ቋንቋ ፈረንሳ፡ ኣብ ጎሮሮን ኣፍልቡን’ዩ ብኻራ ተወጊኡ። ካልእ መምህርን ሓላዊ ጸጥታን ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ።

እቲ ዋርድያ ብዙሕ ግዜ ስለዝተወግአ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዝርከብ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ሓንቲ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ቀሊል ጉድኣት ክበጽሓ ከሎ ዝተጎድኡ ቆልዑ ግን የለዉን።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፡ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ "ባርባራዊነት እስላማዊ ግብረሽበራ" እዩ ክብል ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒኑ።

ህዝቢ ፈረንሳ "ንራዕዲ ኢዱ ከይህብን” ብምባል፡ ብሓድነት ክጸንዕ ጸዊዑ።

ወሲኹ፡ እቲ ዝተቐተለ መምህር "ንኻልኦት ክከላኸል ንቕድሚት ከም ዝመጸን፡ ብዘይጥርጥር ህይወት ብዙሓት ከም ዘድሓነን" ገሊጹ።

ፈረንሳ፡ ቅድሚ ሕዚ ምስ ጸረ-ሽበራ ብዝተኣሳሰር "ህጹጽ እዋን መጥቃዕቲ" ኣዊጃ ነይራ’ያ።

እዚ ናይ ሕዚ መጠንቀቕታ ድማ ተወሳኺ ወፍሪ ጸጥታን ህዝባዊ መጠንቀቕታን ከበግስ ይኽእል’ዩ።

ፖሊስ እቲ ኵነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዘሎ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ እቲ ኵነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዘሎ ገሊጹ

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀራልድ ዳርማኒን፡ ኣብ መንጎ እቲ መጥቃዕቲን ግጭት እስራኤልን ሓማስን ምትእስሳር ከምዘሎ "ዘየጠራጥር" ምዃኑ ገሊጹ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ወዲ 20 ዓመት መሓመድ ሞጎችኮቭ መበቆሉ ቸቸንያ ዝዀኑ ሩስያዊ ዜጋ እዩ፤ ምስ እስላማዊ ጽንፈኝነት ምትእስሳር ከም ዘለዎ ኣገልግሎት ጸጥታ ፈረንሳ ከም ዝፍለጥ ፖሊስ ሓቢሩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቤት ትምህርቲ ተማሃራይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣኽራሪ ቋንቋ ብምጥቃም መምህራን ከም ዘሰንበደ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ፖሊስ ንሓያሎ ኣባላት ስድራቤቱ እውን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ’ዩ’፤ ወዲ 17 ዓመት ሓው፣ ኣዲኡ፣ ሓንቲ ሓፍቱን ሓደ ኣኮኡን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከቡ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኤልሳቤጥ ቦርን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ብዛዕባ ጸጥታ ድሕሪ ምዝርራባ’ያ ነቲ ህጹጽ ስጉምቲ ወሲዳ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝመስከረ መምህር ማርቲን ዱሶ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ግዜ ዕረፍቲ፡ እቶም ህጻናት ቤት ትምህርቲ ምስቲ ዕጡቕ ሰብኣይ ገጽ ንገጽ ምስ ተራኸቡ፡ ስንባደ ዝፈጠረ ህሞት ኣጋጢሙ" ኢሉ።

"ንሰራሕተኛታት ቤት መግቢ [ናይቲ ቤት ትምህርቲ] ኣጥቂዑ። ወሪደ ጣልቃ ክኣቱ ደልየ ነይረ። ናባይ ገጹ ኣቕኒዑ፣ ኣጓይዩኒ፣ መምህር ታሪኽን ጂኦግራፍን እንተዀይነ ሓቲቱኒ" ይብል እቲ መምህር።

ብድሕሪኡ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ሓደ ክፍሊ ከም ዝዓጸዉን ድሕሪኡ ፖሊስ መጺኦም ነቲ ውልቀሰብ ከም ዝሓዝዎን ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ብፖሊስ ይሕለው ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ እቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ብፖሊስ ይሕለው ኣሎ

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ሳሙኤል ፓቲ ዝተባህለ ካልእ መምህር ካብ ፓሪስ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቱ ርእሱ ተቖሪጹ ከም ዝተቐተለ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ወዲ 18 ዓመት ዓብደላክ ኣንዞሮቭ፡ ሩስያዊ ኣስላማይ ስደተኛ ብዙሕ ከይጸንሐ ካብ ፖሊስ ብዝተተኰሰ ጥይት ተቐቲሉ።

ፈረንሳ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብተኸታታሊ እስላማዊ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዋ’ዩ።

እቲ ዝኸፍአ ኣብ ሕዳር 2015 ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከቡ መዘናግዒ ቦታታትን ካፌታትን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 130 ሰባት ዝሞቱሉ ፍጻመ እዩ።

ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ)፡ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከም ዝወሰደ’ውን ይዝከር።