እስራኤል ስለምንታይ ሰራዊታ ኣብ ደቡብ ቓዛ ነክያ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራዊት እስራኤል፡ ብዝሒ ኣብ ደቡብ ቓዛ ዝነበሩ ወተሃደራት ይንኪ ከም ዘሎን ኣብቲ ከባቢ ሓደ ብርጌድ ጥራይ ከም ዘስፍርን ኣፍሊጡ።
ኣብ ቓዛ ግን፡ “ኣድላዪ ሓይሊ” ክጸንሕ’ዩ ክብል ኣስሚርሉ።
እቲ ምንስሓብ፡ እቲ ኲናት የብቅዕ ምህላው ዘመላኽት ዘይኰነ ስልታዊ እዩ ዝብል ትርጓመ ይወሃቦ ኣሎ።
ትማሊ ሰንበት፡ እስራኤልን ሓማስን፡ ሓድሽ ዝርርባት ምቍራጽ ተጻብኦ ንምክያድ ኣብ ካይሮ ናብ ዝተጋብአ መድረኽ ልኡኻቶም ከም ዝሰደዱ ገሊጾም ነይሮም።
እቲ ኲናት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከቝጽር እንከሎ፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቡብ እስራኤል ኣብ ዝነብሩ ሰባት ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ካልኦት ልዕሊ 250 ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ከም ዝተወስዱን እስራኤል ትገልጽ።
እስራኤል፡ ሕጂ’ውን 130 ጅሆታት ኣብ ቓዛ ከም ዘለው ክትገልጽ እንከላ፡ ኣስታት 34 ሞይቶም እዮም ትብል።
እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸም ንደሓር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ትወስዶ ብዘላ መጥቃዕቲታት ልዕሊ 33 ሽሕ ቓዛውያን ከም ዝሞቱን መብዛሕትኦም ሰላማውያን ሰባት ከም ዝዀኑን ሚኒስትሪ ጥዕና እቲ ከባቢ ይገልጽ።
ኣብ ቓዛ ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልዩ ከም ዘሎ ትካላት ረድኤት ክገልጹ እንከለው፡ ኦክስፋም ዝተባህለ ትካል፡ ኣብ ሰሜን ቓዛ ካብ ጥሪ ጀሚሩ 300 ሽሕ ሰባት ኣብ መዓልቲ ብማእከላይ 245 ካሎሪ ጥራይ እዮም ዝረኽቡ ዘለው ይብል።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ሌተናል ኮሎኔል ፒተር ለርነር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ካሃን ዮኒስ ዝነበሮ ተልእኾ ስለ ዝዛዘመ ወተሃደራት ክዘዋወሩ ክጅምሩ’ዮም ኢሉ።
ንዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ኣብታ ከተማ ደብዳባት ክፍጸም ዝጸንሐ ኰይኑ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ዝርከቡ ከባቢታት ብሰፊሑ ዓንዮም’ዮም።
“እቲ ኲናት ኣይተወድአን። እቶም ጅሆ ዝተወስዱ ናብ ገዛኦም ክምለሱ እንከለውን ሓማስ ምስ ጠፍአን’ዩ ኲናት ዘብቅዕ። ብዝሒ ወተሃደራት ጥራይ’ዩ ዝንኪ ዘሎ፤ ግን ከኣ ክውገኑ ዝግባኦም ስርሒታት ኣለው። ራፋሕ፡ ዕርዲ ምዃና ንጹር’ዩ፤ ዓቕሚ ሓማስ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ከነፍርሶ ኣለና” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ፡ እዚ “ዕረፍትን ዳግመ ምትዕርራይን፡ ዝመስልን “ግድን ነዞም ወተሃደራት ገለ ሓድሽ ስርሒት ከም ዝመጽእ ዘመልክት ኣይኰነን” ይብል።
ድሒሩ ግን ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ እቶም ወተሃደራት “ንመቐጸልታ ተልእኾታቶም ንምድላው” ይብገሱ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
ኣብ ካሃን ዩኒስ ዝረኸብዎ ዓወታት "ኣዝዩ ዝድነቕ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሓማስ ኣብ መላእ ቓዛ ከም ወተሃደራዊ ትካል ምንቅስቓስ ደው ኣቢሉ’ዩ ክብል ተዛሪቡ።
እስራኤል ኣብታ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ተዓቚቦምላ ዘለዉ ደቡባዊት ከተማ ራፋ ናይ ኣጋር መጥቃዕቲ ክካየድ ምዃኑ ከተጠንቅቕ ጸኒሓ ኣላ።
ገለ ካብቶም ተመዛበልቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ መንበሪ ገዛኦም ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ተስፋኦም ገሊጾም።
ካብ ከተማ ቓዛ ዝተመዛበለ ወዲ 32 ዓመት መሓመድ ኣል ሙግራቢ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ስድርኡ ኣብ ራፋ ይነብር ኣሎ።
“ኣብ ካን ዩኒስ ኣብ ቴንዳ ዝነበሩ ጐረቤተይ ናብ ዓዱ ብምምላሱ” ኣነ’ውን ክምለስ’ዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።
“ገዛይ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወ እኳ እንተፈለጥኩ፡ መዓልታዊ ናብ ዓደይ ክምለስ እሓልም። ኣብ ቀጽሪ ሆስፒታል ኣብ ክንዲ ምንባር ልዕሊ ፍርስራስ ገዛይ ዳስ ተኺለ ብኽብሪ ክነብር እየ ዝመርጽ” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብቲ ከባቢ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግብር ዝጠልብ ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ይብርትዕ’ዩ ዘሎ። እታ ዝቐረበት መሓዛ እስራኤል ዝዀነት ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ፡ ንኲናት ቓዛ እትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ደገፍ፡ ሓገዝ ንምዕባይን ሞት ሲቪላት ንምክልኻልን ኣብ ዝውሰዱ “ፍሉያት፡ ጭቡጣት ስጉምትታት" ዝተመርኰሰ ምዃኑ ኣጠንቂቓ ነይራ።
ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይቲ ኲናት ምኽንያት ብምግባር ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ እስራኤል “ካብ ዓወት ሓደ ስጕሚ ርሒቓ ኣላ” ክብል’ኳ እንተተዛረበ፡ እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ እንተዘይተፈቲሖም ግን ተዅሲ ደው ምባል ኣይክህሉን ኢሉ።
“ዓወታት ናይቲ ኲናት ልዑል'ዩ፤ ካብ 24 በጦሎኒታት ሓማስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓዊሱ 19 ኣወጊድና ኣለና” ይብል።
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ እስራኤላውያን፡ ክሳብ ሕጂ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባት ንምፍታሕ ስምምዕ ንክግበር ብምሕታት ኣንጻር ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ሰልፊ ተቓውሞ የካይዱ ኣለው።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣስክሬን ጅሆ ዝተታሕዘ ኤላድ ካትዚር ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ ተልኣቪቭን ካልኦት ከተማታትን ተቓውሞታት በርቲዖም።
ኣወሃሃድቲ እቲ ኣብ ተልኣቪቭ ዝተኻየደ ተቓውሞ 100 ሽሕ ሰባት ከም ዝተሳተፈ ክገልጹ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ኣስታት 45 ሽሕ ሰባት ከም ዝተረኽቡ ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







