ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘቝጸረ ኲናት ቓዛ ብኣዛት እንክግለጽ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ኣብ ቓዛ “ቅልጡፍ ተዅሲ ደው ክብልን ኵሎም ጅሆታት ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኵነት ክፍትሑን” ዝጠልብ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት'ኳ እንተቐረበ፡ እቲ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኣብ ልዕሊ እቲ ግዝኣት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ቦምባታት ግን ናይ ምቁራጽ ምልክት ኣየርኣየን።
ብዝሒ ዝሞቱን ዝቘስሉን ሰባት’ውን ከምኡ።
ብሰንኪ’ቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ትሕተ ቅርጺ ወሽመጥ ቓዛ ብኸቢድ ዓንዩ፣ ህንጻታት ናብ ፍርስራስ ተቐይሮም፣ ነበርቲ ድማ ናብ ደቡብ ከተማ ራፋሕ ክግዕዙ ተገዲዶም’ዮም።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ ስግኣት ክመጽእ ዝኽእል ጥምየት ዘይዱ ኣሎ።
እቲ ኲናት ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝስዓበ ኰይኑ፡ ብመሰረት ኣሃዛት እስራኤል ኣስታት 1200 ሰባት ክቐትል እንከሎ መብዛሕትኦም ሲቪላውያን እዮም።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ንሓማስ ግብረሽበራዊ ውድብ እየን ዝብላኦ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን 253 ሰባት ጅሆ ተታሒዞም ተወሲዶም። ካብኣቶም ኣስታት 130 ሰባት ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ዝእመን ኰይኑ፡ ካብዚኦም ብውሕዱ 34 ሞይቶም ተባሂሉ ከም ዝግመት ሰበስልጣን እስራኤል ይገልጹ።
ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣስታት 600 ወተሃደራት እስራኤል ከም ዝሞቱ ሰራዊት እስራኤል ይሕብር፤ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ኣብ ቓዛ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኣጋር ካብ ዝጅመር ንደሓር ብውሕዱ 256 ተቐቲሎም።
እቲ ኲናት 175 መዓልቲታት ከቝጽር እንከሎ፡ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 32,623 ሰባት ሞይቶም፡ ልዕሊ 75,092 ድማ ከም ዝቘሰሉ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ይሕብር።
ከምኡ’ውን ክሳብ መበል 178 መዓልቲ ናይቲ ግጭት፡ ብውሕዱ 32,916 ሰባት - መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን - ከም ዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።
ብመሰረት ብ01 መጋቢት 2024 ዝወጽአ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብገምጋም 9 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ብሓይልታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ተቐቲለን።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ካብቶም ዝሞቱ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ከም ዘለዉ ስለ ዝግመት እቲ ኣሃዝ ንእሽቶ ግምት ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኤጀንሲ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ)፡ ኣብ ቓዛ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ልዕሊ 13 ሽሕ ህጻናት’ውን ከም ዝተቐትሉ ይንገር።
ከም ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝበሉ ገለ ፖለቲከኛታት፡ ቅድም ክብል ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ዘቕረቦ ኣሃዛት ትኽክለኛ ምዃኑ ኣብ ሕቶ’ኳ እንተኣእተውዎ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን እቲ ኣሃዛት ዝእመን ምዃኑ ይገልጽ።
'ኣዕናዊ' ኵነታት መግቢ
ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ 85 ሚእታዊት ካብ ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ናይቲ ኣብ ክባ ዝኣተወ ከባቢ፡ ብሰንኪ ህሉው ኵነታት ወሽመጥ ቓዛ፡ ዕንወት ትሕተ ቕርጽን ሕጽረት መግቢ፡ ማይ፡ ነዳዲ ከምኡ’ውን ኤሌክትሪክ ካብ ገዛኡ ክወጽእ ተገዲዱ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ብውሁድ ምደባ ምዕራፍ ውሕስነት መግቢ (IPC) -መንግስታት፡ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ረድኤትን ኵነታት ጥምየት ንኽዕቅኑ ፖለቲካዊ ዘይኰነ መረዳእታ ዝህብ ኣህጉራዊ ትካል - ኣብ ቓዛ ጥምየት ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ውሕስነት መግብን ግምታት ጥምየትን እንተርኢና፡ “ፍርቂ ህዝቢ ወሽመጥ ቓዛ (1.11 ሚልዮን ህዝቢ) ኣዕናዊ ኵነታት ክገጥሞ’ዩ ተባሂሉ ይግመት” ኢሉ።
እስራኤል ገምጋም ሕቡራት ሃገራት ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ ብምባል ትካላት ሕቡራት ሃገራት ድማ ነቲ መዓልታዊ ዝመጽእ ሓገዝ ክዕድላ ኣይክኣላን ክትብል ትነቅፍ።
“ኣብ ዝዀነ ህሞት፡ ምሉእ ብምሉእ ብመስርሕ ሰበስልጣን እስራኤል ዝሓለፋ ብኣማኢት ዝቝጸራ ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ ቓዛ ብሸነኽ መሳገሪ ከረም ሻሎም ተታሒዘን ኣለዋ" ይብል ኣሃዱ ኣወሃሃዲ ሲቪላዊ ጉዳያት ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እዚ ኣሃዱ ኣብቲ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግምን ቓዛን ንሲቪላዊ ፖሊሲ እስራኤል ዘመሓድር ኣካል እዩ።
ብተወሳኺ “እስራኤል ነቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ቓዛ ዘስዕቦ ዘሕዝን ሳዕቤን ትግንዘብ እያ” ብምባል እስራኤል ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ሲቪል ብጥምየት ትቐጽዖም ኣላ ንዝብል ክስታት ይነጽጐ።
ናብ ቓዛ ዝወስዱ መሳገሪታት ንምኽፋትን ዋሕዚ ሓገዝ ንምቅልጣፍን ዝግበር ጻውዒታት እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ፤ ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅድሚ ኲናት ብውሑዱ 500 መካይን ጽዕነት መዓልታዊ ይኣትዋ ነይረን።
ንወርሒ መጋቢት ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ 161 ናይ ጽዕነት መካይን ናብቲ ግዝኣት ይኣትዋ ከም ዝነበራ ኣብ ቓዛ ዝዓበየ ስርሒት ረድኤት ዘካይድ ትካል ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት ይሕብር።
እስራኤል ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክኣቱ ዝኽእል ብዝሒ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዀነ ገደብ ከም ዘየለ ትገልጽ።
ሞት ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን
ኣብቲ ኲናት፡ 99 ፍልስጤማውያን ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ ሚድያን፡ ኣርባዕተ እስራኤላውያንን ሰለስተ ሊባኖሳውያንን ተቐቲሎም ከም ዘለው ጸብጻብ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ጋዜጠኛታት (IFJ) የመልክት።
ብዘይካ’ዚ፡ ኮሚተ መሰል ጋዜጠኛታት (CPJ)፡ ንኲናት ቓዛ ዝሽፍኑሉ ዝነበሩ 16 ጋዜጠኛታት ከም ዝቘሰሉ፡ ኣርባዕተ ከም ዝጠፍኡ፡ 25 ድማ ከም ዝተኣስሩ ይገልጽ።
ካብ ቓዛ ጸብጻብ ከሕልፉ ዝፍትኑ ጋዜጠኛታት ምስ ሰራዊት እስራኤል ምስ ዝሰርሑን ብወተሃደራዊ ሰራዊት ዝተገብረ ቅድመ ኵነት ምስ ዝሰማምዑን ጥራይ እዮም ክኣትዉ ዝኽእሉ። እዚ ድማ ምስ ወተሃደራት እስራኤል ምጽናሕን፤ እቲ ዛንታ ቅድሚ ምዝርግሑ ናብቲ ሰራዊት ክቐርብ ከም ዘለዎን ዘጠቓልል ደረታት ኣለዎ።
ኣብ ቓዛ ካብ ጥቅምቲ ጀሚሩ ልዕሊ 196 ሰራሕተኛታት ረድኤት ከም ዝተቐትሉ፣ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ረድኤት ዝፍጸም ዓበይቲ ፍጻመታት ዓመጽ ዝስንድ ብኣሜሪካ ዝምወል ዳታበይዝ ድሕነት ሰራሕተኛታት ረድኤት ይሕብር።
መብዛሕትኦም ካብቶም ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ዝጀመረ ኲናት ዝሞቱ ሰባት፡ ኣብቲ ኣብ ቓዛ ዝዓበየ ስርሒት ረድኤት ዘካይድ ትካል ሕቡራት ሃገራት ንስደተኛታት ፍልስጤም ዝሰርሑ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስግኣት ስርሒት ኣጋር
እስራኤል ንሰሙናት ኣብታ ኣብዚ እዋን’ዚ ተዓጽያ ዘላ ካብ ወሽመጥ ቓዛ ንደቡብ እትርከብ ምስ ግብጺ እትዳወብ ከተማ ራፋሕ፡ ናይ መሬት ስርሒት ክትጅምር ምዃና ከተፈራርሕ ጸኒሓ’ያ።
እቲ ከባቢ ንልዕሊ 1.5 ሚልዮን ፍልስጤማውያን መዕቆቢ ኰይኑ ኣሎ፤ መብዛሕትኦም ካብ ካልኦት ከባቢታት ናይቲ ግዝኣት ዝተመዛበሉ እዮም።
ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ራፋሕ ብሰፊሑ ወራር እንተፈጺሙ፡ “ካብ ግምት ንላዕሊ” ዝዀነ ሰብኣዊ ዕንወት ከየጋጥም ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም።
እስራኤል፡ እቶም ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ዝጸንሑ ዓሰርተታት ሰባት ሓራ ንምውጻእ ቀዳማይ ሚኒስትር በንያሚን ነታንያሁ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክግበር ክቕበልን ምርጫ ክካየድን ኣብ ልዕሊኡ እትገብሮ ጸቕጢ እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ።
ኣብ ጥቅምቲ ኲናት ካብ ዝጅምር እቲ ዝዓበየ ኣንጻር መንግስቲ ዘቕንዐ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ እስራኤላውያን እተሳተፍሉ ሰልፊ ኣብ እየሩሳሌም ተኻይዱ ነይሩ።
ሰልፈኛታት ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ኲናት ዘለዎም ዘይዕግበት ገሊጾም፤ መንግስቲ ንዅሎም ጅሆታት ከድሕኖም ወይ ክፈትሖም ዘይምኽኣሉ ድማ ነቒፎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







