ጀነራል ዝተቐትላ ኢራን ንእስራኤል ብኸመይ ክትጐድኣ ትኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል፡ ብሰኑይ ኣብ ደማስቆ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ፈጺማ፤ ኢራናዊ ብርጋዴር ጀነራል መሓመድ ረዛ ዛሂዲ ዝርከቦም 13 ሰባት ክኣ ተቐቲሎም።
እቲ ብርጋዴር ጀነራል፡ ኣብ ውሽጢ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣዝዩ ኣገዳሲ ሰብ እዩ ነይሩ።
እስራኤል ዋላ’ውን ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ምህላዋ እንተዘይገለጸት፡ ኢራን ግን ሕነ ክፈዲ እየ ብምባል ተሓንያ ኣላ።
ቀዳማይ ሚኒስትር በንያሚን ነታንያሁ “ጠቕሊሉ ሚዛን ሓንጐሉ ስኢኑ ኣሎ” ክብል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሑሴኒ ኣሚር-ዓብዱላሂን ተዛሪቡ።
እቲ ምዕባለታት፡ ኢራን “ነብሪ ምዃና ንዓለም ንምርኣይ ዝዓለመ’ዩ "ክብል ኣብ ቤት ትምህርቲ ቍጠባ ለንደን ፕሮፌሰር ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዝዀነ ፋዋዝ ግሬግስ ገሊጹ።
ብተወሳኺ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ “ኣብ ሊባኖስን ሶርያን ዘሎ ሕዝቦላህ ኣጽዋርን ቴክኖሎጅን ዘመሓላልፍ” ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝበጽሐ ዓብይ ክሳራ እዩ ኢሉ።
ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ዝዀነ ብርጌድ ቐሳም፡ ብርጋዴር ጀነራል ዛሂዲ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓማስ “ልዑል እጃም” ከም ዝነበሮ ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ድማ ነቲ ሕጂ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከይሰፍሕ ስግኣት ኣሕዲሩ ይርከብ።
ኢራን ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ከም ዘይብላ’ኳ እንተገለጸት፡ ንሓማስ ግን ብገንዘብ፡ ኣጽዋርን ስልጠናን ትድግፍ።
ይዅን’ምበር፡ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ኢራን ኣዝዩ ድሩት ክኸውን ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።
“ኢራን ወተሃደራዊ ዓቕማን ቍጠባውን ፖለቲካውን ኵነታታን ኣብ ግምት ብምእታው ምስ እስራኤል ዓብይ ረጽሚ ክትገብር ዓቕሚ የብላን። ግን ድማ ንውሽጣዊ ሃልኪን ምስተን ዞባዊ መሻርኽታ ዘለዋ ዝናኣ ክትሕሉን ግብረ መልሲ ክትህብ ትኽእል እያ” ይብል ጸሓፍን ተንታኒን ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕን ዓሊ ሳድርዛደ።
ንሱ ወሲኹ፡ “ዋላ'ኳ እስራኤል ብሓቂ ንኢራን እንተኣዋረደታን ኣፍንጫ ኢራን እንተድመየትን”፡ ኢራን ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕነ ክትፈዲ ተኽእሎ ከም ዘየለ ገሊጹ።
ኣብ ክንድኡ ኢራን “ስትራተጂያዊ ትዕግስቲ” ክትገብር ተኽእሎ ኣለዋ፤ ምኽንያቱ ንዝያዳ ኣገዳሲ ዕላማ ቀዳምነት ስለ እትህብ። ንሱ ድማ ምምዕባል ኒዩክለራዊ ቦምብ እዩ።
“[ኢራን] ሓይሊ’ያ ትእክብ ዘላ፤ ብዩራንየም ትህብትም፡ ትምዕብል ኣላ። ዓብይ ሽልማት ንኢራን ድማ 50 ባለስቲክ ሚሳይላት ሰዲዳ 100 እስራኤላውያን ምቕታል ዘይኰነ፡ ኣንጻር እስራኤላውያን ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣንጻር ኣመሪካ እንከይተረፈ ስትራተጂያዊ ምክልኻል ክትገብር ምኽኣል እዩ” ይብል።
ሕዝቦላህ ከ?
እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ብኢራን ዝድገፉ ኣብ ሶርያ፡ ዒራቕ፡ ሊባኖስን የመንን ዝርከቡ ዕጡቓት ኣንጻር እስራኤል መጥቃዕቲታት ሚሳይልን ድሮንን ክፍጽሙ ጸኒሖም ኣለው።
እንተዀነ፡ እስራኤል ናብ ምሉእ ኲናት ንምእታው ካብ ምትዅታኽ ዝተገደቡ ይመስሉ።
“ብውክልና ሓይልታት ኢራን ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ እስራኤል ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምግማቱ ኣጸጋሚ ይመስል" ዝብል ሳድርዛደ፡ እንተዀነ በዚ እዋን'ዚ ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻታት ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጽምዎ ዘለው መጥቃዕቲ ክቕጽል ከም ዝኽእል ይግምት።
እዚ ድማ ብፍላይ ኣንጻር ብገለ መንገዲ ምስ እስራኤል ወይ ኣመሪካ ምትእስሳር ዘለወን መራኽብ ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ ኢሉ።
ሕዝቦላህ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብብዝሒ ዕጡቓት፡ መንግስታዊ ዘይኰኑ ወተሃደራዊ ሓይልታት ዝውንን ዕጡቕ ሓይሊ እዩ።
እቲ ጕጅለ፡ ካብ 20,000 ክሳብ 50,000 ዝዀኑ ተዋጋእቲ ኣለዉዎ፤ ብዙሓት ድማ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ብዝገበርዎ ተሳትፎ ኣብ ውግእ ዝተስሓሉ እዮም።
እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሊባኖሳዊ ጕጅለ፡ ኣስታት 130 ሽሕ ዝግመቱ ሮኬታትን ሚሳይላትን ከም ዘለዎ፡ ማእከል ስትራተጂያውን ዓለምለኻውን መጽናዕትታት ይሕብር።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ግን፡ ኣንጻር እስራኤል ምትፍናን ከስዕብ ዝኽእል መጥቃዕቲ ክኸፍት’ዩ ዝብል ግምት የብሎምን።
“ሕዝቦላህ፡ በንያሚን ነታንያሁን ናይ ኲናት ካቢነኡን እቲ ኲናት ንኽሰፍሕ ዘለዎም ጥሙሕ ኣጸቢቑ ስለ ዝግንዘብ፡ ኣብ መጻወድያ እስራኤል ክወድቕ ኣይደልን። ፖለቲካዊ መጻኢ ነታንያሁ ኣብ ምቕጻል ኲናት ቓዛን ናብ ግንባራት ሰሜን ምስ ሕዝቦላህን ኢራንን ዝህሉ ምስፋሕን ዝምርኰስ’ዩ” ይብል ግሬግስ።
ሳደርዛደህ፡ ኢራን ኣብ ክንዲ ምስ ኢራን ቀጥታዊ ኲናት “ስማዊ” ግብረ መልሲ እያ ትህብ ብምባል፡ “ኢራን ከምቲ ንቕትለት ኣዝዩ ኣገዳሲ ወተሃደራዊ ኮማንደራ ዝነበረ ቓሲም ሱሌማኒ ዝሃበቶ መልሲ ኣብ ምሃብ ምኵርቲ’ያ” ኢሉ።
ቓሲም ሱሌማኒ፡ ኣብ ባቕዳድ ብኣመሪካ ድሕሪ ምቕታሉ ኢራን፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዝዓስከርሉ ወተሃደራዊ ማእከል መጥቃዕቲ ባለስቲክ ሚሳይል ከም ዝፈጸመት ይዝከር።
ኢራን “ኣዝዩ ከቢድ ሕነ” ምፍዳይ ከም እትፍጽም’ኳ እንተተሓነየት፡ ኣብቲ መዓስከር ዝነበረ ዝዀነ ወተሃደር ኣመሪካ ኣይተቐትለን፤ ሰራዊት ኣመሪካ’ውን ኣቐዲሙ ጸብጻባት ሚሳይላት በጺሑዎ ነይሩ።
ምሁር ዓለምለኻዊ ርክባትን ቴክኖሎጅን ቨርጂኒያ ዮሱፍ ዓዚዚ፡ ኣብ ኢራን ኣብ መንጐ ተጻብኦ እስራኤል ንምክልኻል ኒዩክሌራዊ ሓይሊ ክትሃንጽ ኣለዋ ዝብሉን ብዛዕባ እስራኤልን ወተሃደራዊ መሳለጥያታታን ቀጥታዊ ዝርርብ ይሃሉ ዝብሉን ሓያል ፍሕፍሕ ክህሉ እዩ ይብል።
ብሃገራዊ ተሌቪዥንን ማሕበራዊ ሚድያታትን ኢራን ዝቐርቡ ዘለው ጸብጻባትን ርእይቶታትን ብምዕዛብ ግን፡ “ስትራተጂያዊ ትዕግስቲ” ዝብል ሚዛን ከም ዝወስድ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Security media cell via EPA
ስለዚ ኢራናውያን ካልእ እንታይ ኣማራጺ ኣለዎም?
"ምናልባት ኢራን ሳይበርስፐይስ ከም ካልእ ኣማራጺ ተጠቒማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕነ ክትፈዲ፡ ወይ ኣብ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ እስራኤል ሳይበራዊ-መጥቃዕቲ ክትፍጽም፡ ከምኡ'ውን ከተሰናኽል፡ ክትሰርቕ፡ ሓበሬታ ከተልሑኽ ክትፍትን ከም እትኽእል ክንዝንግዖ ኣይንኽእልን” ክብል ክኢላ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ፖሊሲ ሳይበር እስራኤል ታል ፓቨል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመትን መንፈቕን ኣብ መንጐ ኢራንን እስራኤልን ብሕቡእ ዝካየድ ኲናት ሳይበር ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ሕጂ እዚ ካልእ መድረኽ ክኸውን ይኽእል'ዩ” ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ቴህራን እንታይ ዓይነት ስጕምቲ ከም እትወስድ ዝውስን ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ዅመይኒ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







