ቀይሕ ባሕሪ፡ ቢቢሲ ካብታ መጥቃዕቲ ሑቲ ንምግታእ ዝተዋፈረት መርከብ ብሪጣንያ

ምንጪ ስእሊ, BBC/MAARTEN LERNOUT
"ባርዕ" ዝብል መጠንቀቕታ ምስተቓልሐ፡ ኣባላት ናይታ 'ኤች-ኤም-ኤስ ዳያመንድ' ዝተባህለት መርከብ ኲናት ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቓይቕ ክውስኑ ኣለዎም። ኣብዘን ዘየላብዋ 120 ካልኢታት፡ እቲ ብሰለስተ ዕጽፊ ፍጥነት ድምጺ ዝውንጨፍ ሚሳይል፡ ንመርከቦም ወይ ነተን ኣብ ከባቢኦም ዘለዋ መራኽብ ንግዲ ቀጥታዊ ሓደጋ ከውርድ ዘሎ ተኽእሎ ክግምግሙ ኣለዎም።
ቢቢሲ፡ እቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝዋፈር ንደሓር፡ ንፈለማ እዋን ካብ ዝባን እታ 'ኣልማዝ' (ዳያመንድ) ተባሂላ እትጽዋዕ መርከብ ኰይኑ ነቲ ኵነታት ብቐረባ ክከታተል ዝኸኣለ ማዕከን ዜና ኰይኑ'ሎ። ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ነቲ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ናብቲ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ዝትኮስ ሚሳይላት ክዕዘቡ ክኢሎም ኣለዉ።
ካፕተን ናይታ ምዕብልቲ ወተሃደራዊት መርከብ፡ ሑቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝማዕበለን ኣዝዩ ኣዕናውን ኣጽዋር ይጥቀሙ ከምዘለዉ'ዩ ዝዛረብ።
ኮማንደር ፒት ኢቫንስ ከምዝብሎ፡ እታ ንሱ ዝመርሓ መርከብ 'ዳያመንድ' ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን፡ ሓንሳብ ንቕድሚት ዝትኮሱ ድሮናት ወይ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ቀንዲ ስግኣት'ዮም ነይሮም። ሕጂ ግን፡ ይብል እቲ ካፕተን፡ ዕጡቓት ሑቲ "ናብ ኣዝዩ ስሩዕን ባሊስቲክን ሚሳይላት ሰጊሮም ኣለዉ። እዚኦም ድማ ክትከላኸሎም ዝያዳ ኣጸጋሚን ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት ዘውርዱን እዮም።"
ኣባላት እታ መርከብ፡ ንመወዳእታ ግዜ ስርዓተ-ኣጽዋሮም ኣብ ዘዳልውሉ ዝነበሩ ግዜ ኢና ጕዕዞና ፈሊምና።
እታ ወተሃደራዊት መርከብ ካብ ዝዓጠቐቶ 'ሲ ቫይፐር' (ገበል ባሕሪ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣውራ ሚሳይላት ኣብ ቅድሚት ናይታ መርከብ ኣብ ዝረከብ ሻንብቆታት ኣብ ዓንቀር ተጻዊዶም ነይሮም። እቲ ሻንብቆታት ንዳድ ምልክት ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝወንጨፎ ሚሳይላት ይረኣዮ።
ነፍሲ ወከፍ ሚሳይል 1.3 ሚልዮን ዶላር ዋጋ ዘለዎ'ዩ። ቀንዲ መከላኸሊ ኣጽዋር ናይታ መርከብ ድማ'ዩ። እንተዀነ፡ ብዘይካኡ'ውን 'ፋላንክስ' ዝተባሀለ ካብ ንቀረባ-ርሕቀት ዘገልግል ብረታትን 30 ሚሜ መዳፍዕን ኣብ ክልቲኡ ወገን ናይታ መርከብ ኣሎ።
ፋላንክስ ኣብ ሓደ ደቒቕ ክሳብ 3000 ጠያይት ክትኩስ ዝኽእል'ዩ። እቲ 30 ሚሜ መድፍዕ'ውን ኣባላት እታ መርከብ ንፈለማ እዋን ድሮናት ሃሪሞም ኣብ ምውዳቕ ዝተጠቐምሉ ኣጽዋር ኰይኑ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, BBC/MAARTEN LERNOUT
ቀንዲ ዕማም መርከብ ዳያመንድ፡ ነተን በቲ ኣገደስቲ ንግዳዊ መትኒ ዓለም ዝሓልፋ መራኽብ ሓለዋ ክትገብር'ዩ። ከም ኣካል ናይዚ ተልእኾ'ዚ ድማ፡ ምስ ሓንቲ ኣሜሪካዊት 'ዲስትሮየር' ብምዃን ናብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝሓልፋ መራኽብ ሓይሊ ዕማም ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ከተሰኒ ነይሩዋ።
ኣብ መቈጻጸሪ ናይታ መርከብ፡ ሓባሪ ጕዕዞ ሌተናንት ጆሽ ታይሪ፡ እንጓዓዘሉ ኣንፈትን መስመርን የርእየና- ነቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሑቲ ዘሎ ገማግም የመን ንድሕሪት ገዲፍካ ብመጻብቦ ባብ-ኣልመንደብ ሓሊፍካ ናብቲ ገፊሕ ወሽመጥ ዓደን ንምእታው'ዩ እቲ ዕላማ።
እዚ ዞባ'ዚ እቲ 'ልዑል ናይ ስግኣት ከባቢ' ዝብልዎ'ዩ። ንንግዳዊ መራኽብን መራኽብ ወተሃደራዊ ልፍንትን ዒላማ ዝገብሩ ዕጡቓት ሑቲ መጥቃዕትታቶም ናብዚ ከባቢ'ዚ ዘነጻጸረ'ዩ።
"ስሩዕ ሂምታ ድሮናትን ሚሳይላትን'ዩ ዘሎ፡ ስለዚ [ሎሚ] ከጋጥም ልዑል ተኽእሎ ኣሎ" ክብል ሌተናንት ታይሪ የጠንቅቕ።
ኣብዚ እዋን ኣባላት እታ መርከብ ብምሉኦም ካብ ሰማያዊ ዩኒፎርሞም ናብ ሓዊ ዝጻወር ጻዕዳ ኦቨርሎስ ቀይሮም ነበሩ። ኵላትና እታ መርከብ ንኸይትህረም ክንክደኖ ዝግበኣና ጸረ-ፍላሽ ሽፋንን ጓንቲን ተዋሂቡና ነይሩ። ስእልታት ናይተን ነታ መርከብ ዒላማታት ዝገብራ ስርሓት ኢራን ዝዀና ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ዝባን እታ መርከብ ተዘርጊሖም ይረኣዩ።
ኣብቲ ሕምብርቲ እታ መርከብ ዝዀነ ክፍሊ ስርሒታት ኣቲና ተጸቢና። ኣዒንቲ ናይቶም ኣዘዝትን ኣባላትን ኣብቲ ተሰቒሉ ዘሎ ስክሪናት ምስተተኽላ'የን። ሳላ ምስታ መርከብ ዘሎ ሓያል ራዳር፡ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ኣማኢት ኪሎሜተራት ብዙሓት በረርቲ ክከታተሉ ይኽእሉ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Royal Navy/X
ሰዓት 20፡35 ምስኰነ፡ "ባርዕ" ዝብል ድምጺ ኣብታ መርከብ ኣቃለሐ- መጸውዒ ናይ ሓደ ዝተተኮሰ ሚሳይል'ዩ። ደወል እታ መርከብ ንዝተረፉ ኣባላታ ንምጥንቃቕ ተደወለ፡ "ቀይሕ መጠንቀቕታ ኣየር- ሚሳይል ይመጽእ ኣሎ" ዝብል ቃላት ዝተሓወሶ ነበረ።
ነቲ ዝተተኮሰ ሚሳይል እናተኸታተሉ ድማ እዋናዊ ሓበሬታ ይህቡ። ጽንሕ ኢሉ ኸኣ እቲ መጠንቀቕታ ስግኣት ካብ ቀይሕ ናብ ብጫ ወሪዱ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ጻዕዳ። እቲ ወጥሪ ሃዲኡ፡ እቶም ባሕረኛታት ነቲ ዝተኸደንዎ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ሓዊ ቆቢዕን ጓንትን ኣውጺኦሞ።
ኣብታ ለይቲ ብሑቲ ካብ ዝተተኮሱ ኣርባዕተ ጸረ-መርከብ ባሊስቲክ ሚሳይላት እታ ቀዳመይቲ እያ ነይራ። ሓላፊ ዳያመንድ ምክትል ኮማንደር ማርቲን ሃሪስ፡ ንዝውንጨፉ ሚሳይላት ምላሽ ንምሃብ ክልተ ደቓይቕ ጥራይ ከምዝነበሮምን፡ እቲ ሚሳይል ልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ፍጥነት ድምጺ ከምዝጓዓዝን ገሊጹ።
"ዝዀነ ሰብ ናባኻ ገለ ነገር ክትኩስ እንከሎ፡ ክብድ ክብለካ ይኽእል'ዩ" ድማ ይብል።
ዳያመንድ ቅድሚ ሕጂ ዒላማ ሑቲ ኰይና ትፈልጥ'ያ- እዚ ናይ ሎሚ ግን ቀጥታዊ ሓደጋ ዝፈጠረ ኣይነበረን።
ድሕሪ ክልተ መዓልቲ "ባርዕ" ዝብል ካልእ መጠንቀቕታ ሰዓት 03፡20 ተዋሂቡ። ሽዑ'ውን መጠንቀቕታ ምስተደወለ፡ እቶም ኣባላት ቦታኦም ንምኻድ ይጎዩ። ሕጂ'ውን ብተመሳሳሊ እቲ ዝተተኮሰ ሚሳይል ዒላማ ስሒቱ ምስ ባሕሪ ተራጺሙ።

ምንጪ ስእሊ, BBC/MAARTEN LERNOUT
ኤች-ኤም-ኤስ ዳያመንድ ዛጊት ባዕላ ዘውደቐቶ ሚሳይላት ሑቲ የለን። ትሸዓተ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ሑቲ ግን ኣውዲቓ- ሸውዓተ ካብኦም ኣብ ሓደ ለይቲ ወርሒ ጥሪ። ንመዘከርታ ትሸዓተ ሕብራዊ ምስሊ ድሮናት ኣብ መንደቕ መቈጻጸሪ እታ መርከብ ተወቂጡ'ሎ።
ዳያመንድ፡ ድሕሪ 1991 ንፈለማ እዋን በራሪ ሰግኣት ካብ ኣየር ዘውደቐት መርከብ ንግስነታዊ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ኰይና'ላ።
ኣብዚ ናይ ሓለዋ ተልእኾ፡ ካብ መሬት ናብ ብርክት ዝበላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሑቲ ዘነጻጸረ ምልክት ምስ ረኸቡ፡ ካልእ ወጥሪ ዝመልኦ ህሞት ኣጋጢሙ ነይሩ።
እተን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ካብቲ ሓይሊ ዕማም ተዋፊርሉ ዘሎ ንሰሜን ሓሊፈን ይበራ። ሓደገኛ ጸወታ ኣተሓባባእ'ዩ። እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ግን ዝረኣያኦም ኣይመስላን፣ ድሒሩ ሓንቲ ካብአን ሰሜን ካብኡ ርሕቕ ኢላ ብመርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ተሃሪማ ወዲቓ።
ቀንዲ ክኢላ ኤሪን ግራሃም እቲ ኵነታት ከመይ ምዃኑ ኣጸቢቓ ትፈልጦ'ዩ። ብ9 ጥሪ፡ ኣብታ መርከብ ተረኛ ዝነበረት ዳይረክተር ኤለክትሮኒካዊ ኲናት'ያ። "ቀልጢፉ ዝዓረገ ዓቢ ዕስለ መጥቃዕቲ'ዩ ነይሩ" ብምባል'ያ ትገልጾ።
ብድምር 18 ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ'የን ነይረን። ሽዱሽተ ካብአን በቲ እታ መርከብ ዓጢቓቶ ዘላ 'ገበል ባሕሪ' ሚሳይላት ተሃሪመን ወዲቐን፡ እታ ሓንቲ ድማ በቲ 30 ሚሜ መድፍዕ ብርሑቕ ተሃሪማ።
ጓል 22 ዓመት ኤሪን፡ "ክትሃድእ፡ ክትረግእን ከይተሸበርካ፡ ነቲ ክትገብሮ ዘለካ ክትገብር ጥራይ'ዩ ዘለካ" ትብል።
ካፕተን ዳያመንድ ኮማንደር ፒት ኢቫንስ ብወገኑ፡ ኣብ ውዑይን ዝተሐላለኸን ኵነታት ዝግበር ግዜ ዘይህብ ስርሒታት'ዩ ብምባል'ዩ ዝገልጾ።
"ጻዕቂ ትኩርነት ዘድክም'ዩ" ብምባል ድማ "ንነዊሕ እዋን ዋላሓንቲ ዘይረኣየሉ ኰይኑ፡ ንሓጺር እዋን ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ዝኣትወሉ" ኵነታት ከምዝፍጠር የረድእ።
እቶም ኣብታ መርከብ ዘለዉ 224 ወተሃደራዊ ኣባላት መብዛሕትኦም ካብ ሸሞንተ ክሳብ 12 ሰዓታት ዝሰርሑ ኮይኖም፡ ንኽዛነዩ ውሑድ ግዜ'ዩ ዘለዎም። ኣብ ዘይድቅስሉ እዋን ኣብ ዝበዝሕ ግዜ ጂምናዝየም ወይ ቲቪ ምዕዛብ የሕልፍዎ።
ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ መኮንናት ድማ ናይ ቀደም ክፋላት ናይታ ኣብ ዘመነ ናፖልዮን ዝተሰርሐት 'ሆርንብሎወር' ዝተባህለት ተኸታታሊት ድራማ ይርእዩ ነይሮም።
ውሱን ኣገልግሎት 'ዋይ-ፋይ' (ኢንተርነት) እኳ እንተሎ፡ ስግኣት ክዓርግ እንከሎ ይቋረጽ'ዩ።
ድሕሪ'ዚ ኵሉ፡ ዋላ ኣብቲ ብተዛማዲ ህድኣት ዘለዎ ወሽመጥ ዓደን ምስበጽሑ'ውን ዕረፍቲ የለን።

ምንጪ ስእሊ, BBC/MAARTEN LERNOUT
ዳያመንድ ሓንቲ ዝተጠርጠረት ኢራናዊት ገፋፊት ዓሳ ዝዀነት ጃልባ ንምርካብ መዓልታት ኮለል ኢላ። እታ ጃልባ፡ ሃገራዊ ዋንነት ከምዘይብላ ስለዝተኣወጀት፡ ክትፍተሽ ሕጋዊ ምኽንያት'ዩ። ግን፡ ናይ ኢራን ባንዴራ ተንበልብል ዝነበረት'ያ።
ምስተረኽበት፡ ሮያል ማሪን ወተሃደራት ዝሓዘ ንኡስ ጕጅለ ነታ መርከብ ምስተቘጻጸራ፡ ካልእ ጕጅለ ድማ ኣብ ምፍታሻ ኣትዩ። ኣጽዋርን ዕጸ-ፋርስን ንምርካብ'ዮም ዝፍትሹ ነይሮም፡ ግና ዝረኸብዎ ዘይሕጋዊ ነገር ኣይነበረን።
ኣሜሪካ፡ ኢራን ንሑቲ ኣጽዋር ትቕርብ ኣላ ብምባል'ያ ብቐጥታ ትኸሳ። ካፕተን ዳያመንድ ግን ከምኡ ካብ ምባል ዝተዓቀበ'ዩ።
ኮማንደር ኢቫንስ ኣጽዋር ብኮንትሮባንድ ክኣቱ ከምዝኽእል እኳ እንተኣመነ፡ ካበይ ምዃኑ ግን ብግምት ክዛረብ ከምዘይደሊ የረድእ።
ብኣማኢት ዝቝጸራ ተመሳሰልቲ ንኣሽቱ ጀላቡ በቲ ሰፊሕ ወሽመጥ ዓደን ብብዝሒ ይጓዓዛ'የን። ቀረብ ኣጽዋር ምዕጋት ካብቲ ንመጥቃዕቲ ሑቲ ደው ምባል ዝያዳ በዳሂ ክኸውን ይኽእል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







