ኣሸሓት እስራኤላውያን፡ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ንምፍታሕ ስምምዕ ክግበር ሓቲቶም

ኣወሃሃድቲ እቲ ኣብ ተልኣቪቭ ዝተኻየደ ተቓውሞ 100 ሽሕ ሰባት ከም ዝተሳተፈ ክገልጹ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ኣስታት 45 ሽሕ ሰባት ከም ዝተረኽቡ ይሕብሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣወሃሃድቲ እቲ ኣብ ተልኣቪቭ ዝተኻየደ ተቓውሞ 100 ሽሕ ሰባት ከም ዝተሳተፈ ክገልጹ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ኣስታት 45 ሽሕ ሰባት ከም ዝተረኽቡ ይሕብሩ

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ እስራኤላውያን፡ ክሳብ ሕጂ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባት ንምፍታሕ ስምምዕ ንክግበር ብምሕታት ኣንጻር ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ሰልፊ ተቓውሞ የካይዱ ኣለው።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣስክሬን ጅሆ ዝተታሕዘ ኤላድ ካትዚር ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ ተልኣቪቭን ካልኦት ከተማታትን ተቓውሞታት በርቲዖም።

ሰልፈኛታት “ሕጂ ምርጫ ይገበር”፡ ከምኡ'ውን “ኤላድ ይቕረ በለልና” ዝብሉ ጭርሖታት ከም ዘስምዑ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ጸብጺበን።

ጸኒሑ፡ ፖሊስ ነቶም ኣብ ተልኣቪቭ ዝተኣከቡ ሰባት ብሓይሊ በቲኑዎም።

ስድራቤታት እቶም ኣብ ቓዛ ዝተትሓዙ እስራኤላውን ነቶም ኣንጻር መንግስቲ ዝዀኑ ሰልፈኛታት ክጽንበሩዎም እንከለው፡ መንግስቲ ነቶም ብሓማስን መሻርኽቱን ተታሒዞም ኣብ ቓዛ ዝተረፉ ኣስታት 130 ጅሆ ነጻ ከውጽኦም ብዘይምኽኣሉ ቁጥዐኦም ገሊጾም።

ትማሊ ቐዳም ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ሬሳ ናይቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ተታሒዙ ናብ ቓዛ ዝተወስደ ኤላድ ካትዚር ረኺቡ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝተዘርግሐ ምስሊ ብህይወት ተራእዩ ነይሩ።

ሰልፈኛ ኖኣም ፔሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ኤላድ ካትዚር ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ምርኮ ጸኒሑ፤ ሕጂ ምሳና ክኸውን ነይርዎ። ሎሚ ምሳና ክኸውን ይኽእል ነይሩ” ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣወሃሃድቲ እቲ ኣብ ተልኣቪቭ ዝተኻየደ ተቓውሞ 100 ሽሕ ሰባት ከም ዝተሳተፈ ክገልጹ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ኣስታት 45 ሽሕ ሰባት ከም ዝተረኽቡ ይሕብሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኔታንያሁ ነቶም ዝተረፉ ጅሆታት ሓራ ከውጽኦም ብዘይምኽኣሉ ዘንቀሎ ቁጥዐ ስዒቡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልብ ተኸታታሊ ዓበይቲ ኣንጻር መንግስቲ ዘቕንዑ ተቓውሞታት ይካየዱ ኣለው።

ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ዝተጀመረ ኲናት ልክዐዕ ሽዱሽተ ወርሒ ገይሩ ኣሎ።

ሎሚ ሰንበት ተደራደርቲ ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ተኹሲ ደው ንምባል ክጽዕሩ መደብ ኣለዎም።

ብመሰረት ገለ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና፡ ዳይረክተር ሲኣይኤ ቢል በርንስን ቀዳማይ ሚኒስተር ቀጠር መሓመድ ቢን ዓብደልራሕማን ኣልታኒን ነቶም ካብ ግብጺ፣ እስራኤልን ሓማስን ዝመጽኡ ተደራደርቲ ክጽንበሩዎም እዮም።

ሓፍቲ መዋቲ ካትዚር ካርሚት ፓልቲ ካትዚር፡ ንሰብ መዚ እስራኤል ነቒፋ።

"እቶም መራሕቲ፡ ስምምዕ እንተዝገብሩ ነይሮም፡ ሓወይ ብህይወት ምተመልሰ ነይሩ" ኢላ።

“መሪሕነትና ፈራሕን ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝድረኽን ስለ ዝዀነ እዩ እዚ ስምምዕ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈጸመ። ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኲናትን ኣባላት እቲ ልፍንትን፡ ንነብስኹም ርኣዩ፤ ኣእዳውኩም ካብ ደም ነጻ እንተዀይነን ርኣዩ” ክትብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፋ።

እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣስታት 1200 ሰባት ዝቐተለ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ሲቪላት እዮም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ልዕሊ 33 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር - መብዛሕትኦም ክኣ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም።

እስራኤል ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ሓማስ 253 እስራኤላውያንን ወጻእተኛታትን ጅሆ ተታሒዞም ከም ዝተወስዱ ትገልጽ።

ኣስታት 129 ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ድሕሪ መጭወይቶም ኣበይ ከም ዘለው ኣይፍለጥን፤ ብውሕዱ 34 ካብኣቶም ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት። ሰራዊት እስራኤል 12 ሬሳታት ረኺቡ’ዩ።

እስራኤል ኣብ 2014ን 2015ን ጅሆ ዝተታሕዙ ኣርባዕተ ሰባት ዘጠቓለለ ስለ ዝዀነ፡ እቲ እትህቦ ኣሃዝ ሓፍ ዝበለ’ዩ።

ካብዚኦም እቶም ክልተ ከም ዝሞቱ ይእመን።