ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ከምትህብ ኣውስትራልያ ኣሚታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጐ እስራኤላውያንን ፍልስጤማያንን ዘሎ ኵነታትን ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ ንዝግበር ጻዕሪ ንምድንፋዕ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ፡ ንሃገርነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ክትህብ ከምእትኽእል ኣሚታ።
እንተዀነ ኣብቲ ዝምስረት መንግስቲ፡ ሓማስ ዝዀነ ተራ ኣይክህልዎን እዩ ክትብል ሚኒስተር ፔኒ ቮንግ ተዛሪባ።
ክልተ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር፡ ኣውስትራልያ ፈደረሽን ከምኡ’ውን ጽዮናውያን ኣውስትራልያ፡ እዚ ስጉምቲ ግዜኡ ዘይኣኸለ ውሳነ እዩ ክብሉ ኣነኣኢሶምዎ።
እታ ሃገር፡ ንፍልስጤማዊት ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ከም ኣካል ናይቲ ዝግበር ዘሎ ፍታሕ ክልተ ሃገራት - እራኤልን ፍልስጤምን ብማዕረ - ዝብል እማመ መሰረት ዝገበረ ኰይኑ፤ እቲ ዘላቒ ፍታሕ ዘምጽእ ህላወ ክልተ ሃገራት ጥራይ ምዃኑ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።
ሚስ ቮንግ ዝሃበቶ ርእይቶ ምስቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዴቪድ ካሜሮን፡ ብሪጣንያ እውን ብዘይ ደገፍ እስራኤል ንሃገርነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ክትህብ ከምእትኽእል ዝሃቦ መደረ ዘቃልሕ እዩ።
መንግስቲ ኣውስትራልያ፡ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዛ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ዝሰዓበ ቅልውላውን ስክፍታታቱ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ኣውስትራልያዊ ሰራሕተኛ ረድኤት ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ኣባላት ረድኤት ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ምቕታሉ ኣይርሳዕን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሚስ ቮንግ ብሰሉስ ምሸት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ጐድኒ ንጐድኒ ብማዕረ ዝነብሩሉ ክልተ ሃገራት ዝሓቘፈ ፍታሕ፡ "ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ቅልውላው ንምዕራፍ እቲ እንኮ ተስፋ'ዩ” ኢላ።
“ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ብዅሎም ወገናት ዝተራእየ ፍሽለት ናይዚ እማመ - ከምኡ'ውን መንግስቲ ነታንያሁ ንሕቶ ሃገርነት ፍልስጤማውያን ግቡእ ምላሽ ምሃብ ምሕንጋዱን እዚ ሰፊሕ ቍጥዐ ፈጢሩ" ኢላ።
"ስለዚ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብዚ እዋን፡ ንሕቶ ሃገረ ፍልስጤም ከም ሓደ መንገዲ ናብ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ንምህናጽ ይቘጽሮ ኣሎ።”
ኣፈኛ ተቓወምቲ ሰልፊ ሳይሞን በርሚንግሃም፡ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ከምዘይድግፍ ብምግላጽ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ነቲ "ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ፖሊሲ ወጻኢ ኣውስትራልያ ከፍርስ ምዃኑ የፈራርሕ” ከምዘሎን ገሊጹ።
"መንግስቲ ኣልባኖስ ንሃገረ ፍልስጤም ኣቐዲሙ ኣፍልጦ ንምሃብ ዘቕርቦ ዘሎ ስነ-መጐት፡ ንሕቶ ሃገረ ፍልስጤም ቅድሚ ጸጥታ ዝሰርዕ’ዩ፡ በቶም ነዚ ሕጂ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግጭት ዘበገሱ ኣሸበርቲ ድማ ዓወት እዩ፡” ክብል ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ፈደረሽን ጽዮናውያን ኣውስትራልያ ጀረሚ ላይብለር፡ ዝዀነ ይዅን ንሕቶ ሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ ዝብል ዘረባ “ምሉእ ብምሉእ ዘይግዚኡ” ክብል ምላሽ ሂቡሉ።
“ቅድሚ ዝዀነ፡ ሓማስ ክእለ ኣለዎ፡ ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት ፍልስጤም ክቕልቀል ኣለዎ፡ እዚ ድማ ብልሽውና ዘይብሉ፡ ሽበራ ዘወግድ፡ ንእስራኤል ድማ ከም ኣይሁዳዊት ሃገር ክትህሉ መሰል ከም ዘለዋን ኣፍልጦ ዝህብን'ዩ” ኢሉ።
እታ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግን፡ ንሃገር ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ "ንጸላኢ ምሽላም" እዩ ዝብል ኣበሃህላ "ጌጋ" ክትብል ነጺጋቶ። ጸጥታ እስራኤል ኣብ ክልተ ሃገራት ዝሓቘፈ ፍታሕ ዝምርኮስ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሃገርነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ ንሓማስ ንምድኻም እውን ክሕግዝ እዩ ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







