ኲናት ሱዳን፡ ኣብ ሞንጐ ጥምየትን ሞትን ተቐርቂሮም ዘለው ህጻናት

ምንጪ ስእሊ, Mohamed Zakaria/BBC
ሓዘንን ስቕታን እዛ ኣደ ኣብ ኣዒንታ’ዩ ዝንበብ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን ናብ ጐንጺ ካብ ዝኣትው ንድሓር ሱዳን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚዳ ትርከብ።
እዛ ኣደ፡ ሓንቲ ካብቶም ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ገዝኦም ሃዲሞም ኣብ መዓስከራት ዝነብሩ ዘለው ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓንቲ እያ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብታ ሃገር “ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ቅልውላው ጥምየት” ከም ዘሎ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ቂስማ ዓብዲራሕማን ዓሊ ኣቡበከር መግቢ ክትወስድ ኣብ መስርዕ ብዙሕ ትጽበ፤ ልባ ግን ኣብኡ የለን።
ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሰለስተ ደቃ ብሕማምን ሕጽረት መግቢን ከም ዝሞቱ ትዛረብ።
እቲ ዝዓበየ ወዲ ሰለስተ ዓመት ነይሩ፤ ካልእ ወዲ ክልተ ዓመት፡ እቲ ናይ መወዳእታ ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ህጻን ነይሮም።
እታ ኣደ፡ ኣብ ሰሜን ዳርፉር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ዛምዛም ተዓቚባ ኣላ።
እዚ መዓስከር፡ ኣብታ ሃገር እቲ ዝዓበየን ነባርን እኳ እንተዀነ፡ ሕጂ ኣዝዮም ከበድቲ ጸገማት ዘለውዎ’ዩ።
ገባሪ ሰናይ ሕክምና ዝዀነ ኤምኤስኤፍ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብቲ መዓስከር ብውሑድ ሓደ ህጻን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰዓታት ይመውት ከም ዝነበረ ይገልጽ።
ብሰንኪ ውሑድ መግቢ፡ ጽሩይ ማይ ወይ ናብዮት ጥዕና፡ ክሕከሙ ዝኽእሉ ሕማማት ሕጂ ብዙሓት ይቐትሉ ኣለው።
ኤምኤስኤፍ፡ ሓደ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ዳርፉር ኣብ ባይታ ዘለዉ ናይ መወዳእታ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ትካላት እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዛምዛም ተቓላዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ብምምርማር ዝረኸቦ ውጽኢቱ ንቢቢሲ ጥራይ ኣካፊሉ ኣሎ።
እቲ ትካል፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ 10 ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት፡ እቶም ሰለስተ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ከም ዘለዎምን፡ ከምኡ'ውን ሲሶ ካብተን ነፍሰጾራትን ዘጥብዋን ኣዴታት’ውን ብተመሳሳሊ ተጠቃዕቲ ሕጽረት መግቢ ከም ዝዀናን ይገልጽ።
እዚ ድማ ዝኸፍአ ሓደጋ ከየስዕብ ልዑል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
“ኣብ ዳርፉር ዝርከቡ ኵሎም ህጻናት ኣይበጻሕናዮምን፤ ኣብ ሰሜን ዳርፉር’ውን ከምኡ። ሕጂ ብዛዕባ እቶም ኣብ መዓስከር ጥራይ ዘለው ኢና ንዛረብ ዘለና” ዝብል ኣካያዲ ስርሒታት ሱዳን እቲ ኤጀንሲ ዓብደላ ሑሴን፡ እዚ ድማ ጫፍ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው ጥምየት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣረዲኡ።
ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤትን፡ ናብ ዳርፉር ክኸዱ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሰኣሊ ግን ንቒስማ ረኺቡዋ፤ ዛንታኣ እውን ኣካፊላቶ።
ደቃ ናብ ሕክምና ክትወስዶም ኰነ መድሃኒት ክትገዝኣሎም ዓቕሚ የብላን።
“ናይ መጀመርታ ወደይ ካብ ፋርማሲ እናተመለስና’ዩ ሞይቱኒ፤ እቲ ኻልኣይ ወደይ ክኣ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ሞይቱ” ትብል።
እቲ ዕሸል፡ ሓሚሙ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሞይቱ።
ስድራ ቒስማ፡ ልክዕ ከምቲ ካልእ ነባሪ ዳርፉር ብንእሽቶ ሕርሻ ትመሓደር ዝነበረት እያ።
ኣብኡ፡ እኹል መግቢ ንምፍራይ ኣዝዮም ይጽገሙ ነይሮም፤ እቲ ጐንጺ እናበርትዐ ምስ መጽአ ክኣ እቲ ሕርሻታት’ውን ተሰናኺሉ።
“ሰባት ጠምዮምን ሓሚሞምን እዮም። ተመዛበልቲ ስራሕ የብሎምን፤ ገንዘብ ዘለዎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ጥራይ’ዮም። ኣብዚ ዘሎ 90 ሚኢታዊት ህዝቢ ግን ሕሙም’ዩ” ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Mohamed Zakaria/BBC
መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዛምዛም እኹል ዓቕሚታት ኣይጸንሖን።
እዚ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ብሰንኪ ኣብ ዳርፉር ዝነበረ ዓሌታዊ ዓመጽ ንዝተመዛበሉ ሰባት ንምዕቋብ ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ጽግዕተኛ ዝዀነ ማእከል እዩ ምባል ይክኣል።
እቲ ቀረብ መግቢ ግን ምስቲ ኲናት ደው ኢሉ።
ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ (RSF) ሰፊሕ ክፋል ናይቲ ዞባ ኣብ ዝሓዘሉ እዋን፡ መብዛሕትአን ትካላት ረድኤት ካብቲ ቦታ ወጺአን።
ዕጡቓት እዚ ሓይልን መሻርኽቱን ዝዀኑ ምልሻታት ሆስፒታላትን ድኳናትን ብምዝማት ይኽሰሱ፤ እንተዀነ ነዚ ክሲ ኣይቕበሉዎን።
እቲ ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ሓደስቲ መስመራት ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ንምንዳይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ገይሩዎ ይርከብ።
ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ወተሃደራዊ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ቪዛን ናይ ውሽጢ መገሻ ፍቓድን ንምሃብ ከም ዝዝንግዑ ይገልጹ።
ከምኡ’ውን እቲ ሰራዊት፡ ናብ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ዝልኣኽ ኣጽዋር ደው ንምባል ብዝብል ካብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ዝመጽእ ናይ መሬት መስመራት ዓጽዩ ኣሎ።
እቲ መሰናኽል ቀረብ መግቢ ንምብጻሕ ፍኹስ ዝበለ ክኸውን እንከሎ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብዚ ቀረባ እዋን ክልተ ቃፍላይ መካይ ከእቱ ክኢሉ - ግን እኹል ኣይኰነን።
ኣብታ ሃገር ሕጽረት መግቢ ጥራይ ዘይኰነ ኣገልግሎታት ጥዕና’ውን ተሰናኺሎም’ዮም ዘለው።
ኣብ መላእ እታ ሃገር፡ ካብ 20- 30 ሚኢታዊት ትካላት ጥዕና ጥራይ’ዮም ኣገልግሎት ዝህቡ።
ሓደ ካብኦም፡ ኣብ ጥቓ መዓስከር ዛምዛም ዝርከብ ሆስፒታል ህጻናት ባቢከር ናሃር እዩ። እዚ ብዝኸፍአ ንዝሓመሙን ጽዑቕ ናብዮትን ሕክምናን ንዘድልዮም ህጻናት ዝጸንሕሉ ማእከል ሕክምናን ምግብን ኣለው።
ብዙሓት ቱቦ ዝተተኽለሎም ህጻናት፡ ኣብ ሕቑፊ ኣደታቶም ኰይኖም ይርኣዩ።
ኣሚን ኣሕመድ ዓሊ፡ ወዳ ብስሪንጅ ትምግቦ ኣላ፤ ንሰሙናት ብተቕማጥ ተጠቒዖም ዝጸንሑ ደቂ ሽዱሽተ ወርሒ መናቱ ደቃ ትንፋስ ይዘርኡ ኣለው።
ካልኦት ህጻናት ድማ ብካሎሪ ዝሃብተመ መግቢ ይወሃቦም ነይሩ።
ዶክተር ኢዘዲን ኢብራሂም፡ እቲ ሆስፒታል ቅድሚ እቲ ኲናት ንሕጽረት መግቢ ዝምልከት ጉዳያት ይከታተል ከም ዝነበረ፡ ሕጂ ግን “እቲ ቁጽሪ ብዕጽፊ ወሲኹ” ከም ዘሎ ሓቢሩ።
“እቲ ብዝሒ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒን ኣብ ዝቕጽል ወርሕን ይውስኽ፤ ዋላ'ኳ ንሕና ኣብ ሰሜናዊ ዳርፉር ምሉእ መደብ ኣመጋግባ እንተነበረና ብሰንኪ እቲ ኲናት ግን ተቛሪጹ” ኢሉ።
ኣብዚ፡ ንህጻናት ዝኸውን መግቢ ይኣቱ እኳ እንተሃለወ ኣብ ካልኦት ቦታታት ተቖሪጾምን ተስፋ ዘቑርጽ ኩነታት ፈጢሮምን ኣለው።
ሓደ ሰራሕተኛ ህጹጽ ረድኤት እቲ ዞባ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝልኣዀም ስእልታት ኣብ ደቡባዊ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ካልማ ናይ ዘላ ሰብነታ ዝማሰነ ጓል ሰለስተ ዓመት ኢህሳን ኣዳም ዓብደላ ይጥቀስ።
ንሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከም ዝሞተት ይንገር።
ካልእ ስእሊ ድማ ማዕረ ማዕሪኡ ዝማሰነ ንእሽቶ ቈልዓ ዘርኢ ኰይኑ፡ ኣብ ማእከላይ ዳርፉር ኣብ መዓስከር ጀኑብያ ዝነብር እዩ።
ኣዲኡ ፋጢማ መሓመድ ዑስማን፡ ን10 ደቃ ንምምጋብ ሓገዝ ክትልምን ትርአ፤ “ንእሽቶ ነገር - ኣብ መንጎ ጥምየትን ሞትን ይነብሩ ኣለዉ” እናበለት ክኣ ትስማዕ።
ኤምኤስኤፍ፡ ኣብ ዛምዛም 50 ዓራታት ዘለዎ ናይ ዳስ ሆስፒታል ክኸፍት ምዃኑን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ተመሊሶም ነቲ ከቢድ ሰብኣዊ ሸኸም ክካፈሉን ጻውዒት የቕርብ ኣሎ።
“ነቲ ህዝቢ ንምብጻሕ ሰፊሕ ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት የድልየና ኣሎ፤ ከምኡ'ውን ፍቓድን ቪዛን ክቐልልን ዶባት ክኽፈትን” ትጽቢት ንገብር ዝብል ሑሴን፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤትን ትሕተ ቕርጺ ስቪላትን ክኽበሩ ትጽቢት ከም ዝገብር ሓቢሩ።
እዞም መሰረታዊ ነገራት ክሳብ ዘይተማልኡ ምስራሕ ግን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝገብሮ ካልኦት ብዙሓት ህጻናት ክሞቱ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







