ሩስያውያን፡ ነቲ ድሕሪ ስታሊን ነዊሕ ዝፀንሐ መራሒ ከመይ ይርእይዎ?

ምንጪ ስእሊ, Sputnik/Sergei Bobylev/Kremlin via REUTERS
ምናልባት ዓይኑ ዓሚቱ ክስጕም'ውን ምኸኣለ።
ቭላድሚር ፑቲን ንሓምሻይ ግዜኡ እዩ፡ ናብቲ ዓቢ ቤተ-መንግስቲ ክረምሊን ዝወስድ፡ ኣዳራሽ ቅዱስ እንድርያስ ነዊሕ ዝስጕም ዘሎ።
ከም ብሓድሽ ንሽዱሽተ ዓመት ዕድመ ፕረዚደንትነት ሩስያ፡ ቃለ መሓላ ክፍጽም እዩ።
ድሕሪ ግንቦት 2000 ንፈለማ እዋን ስነ-ስርዓት ምረቓ ፑቲን ብዙሕ ተቐይሩ ኣሎ።
ሽዑ ፕረዚደንት ፑቲን፡ "ዲሞክራሲ ክዕቅብን ከማዕብልን" ከምኡ'ውን "ንሩስያ ክከናኸን" ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ድሕሪ 24 ዓመት፡ መራሒ ክረምሊን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኲናት ኣዊጁ ወራር የካይድ ኣሎ።
ንሩስያ ከም ሃገር ከቢድ ክሳራ ዘስዕበላ ዘሎ ወፍሪ እዩ።
ፕረዚደንት ፑቲን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር'ውን እንተዀነ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዝኣተዎ ቃል ዲሞክራሲ ዝሃንጽ፡ እቲ ቀዲሙ ዝነበረ ኣፋፍኖት ተስፋ’ውን ኣቕሂምዎ ይርከብ።
ነቐፍቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒኑ፡ ኵሉ ኣብ ዙርያኡ ዝነበረ ምቍጽጻርን ስልጣንን ተሓታትነትን ኣጥፊእዎ ይርከብ።
"ፑቲን ሕጂ ንነብሱ ከም 'ቭላድሚር ዓቢ'፡ ከም ጻር ሩስያ እዩ ዝሓስባ" ትብል ኣማኻሪት ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ነበር፡ ፊዮና ሂል።
‘ናብተን ቀዳሞት ክልተ ፕረዚደንታዊ ዕድመታቱ ምልስ ኢልና እንትርኢና’ ትብል ፊዮና፡ “ብዛዕባ ፑቲን ብመጠኑ ልክዕ ገምጋም ዝህልወና ይመስለኒ።”
“ንሱ ነታ ሃገር ብፖለቲካዊ መዳይ ኣረጋጊእዋ ነይሩ፡ መሊሱ ድማ ኣድቂቕዋ። ቍጠባን ስርዓትን ሩስያ ኣብ ታሪኽ’ታ ሃገር ዝሓሸ ኣፈጻጽማ ነይርዎ።”
"ቅድሚ 10 ዓመት ንክሪሚያ ካብ ምጉባጥ ጀሚርካ፡ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝተኻየደ ኲናት፡ ነቲ ኵነታት ብዓቢኡ ቀይርዎ'ዩ። ንነብሱ ኣብ ክንዲ ዘበናዊ መራሒ፡ ናብ ሃጸያዊ ቀይርዋ።"
ቭላድሚር ፑቲን ንመጀመርታ ግዜ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፡ ኣመሪካ ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ፕረዚደንታት፡ እንግሊዝ ድማ 7 ቀዳማይ ሚኒስተራት ምርኣየን ዝገርም እዩ።
ንኣስታት ርብዒ ዘመን ንሩስያ ድሕሪ ምምራሕ፡ ሚስተር ፑቲን ብርግጽ ስሙ ኣብ 'ወርቅ ቀለም' ኣስፊሩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሰባት ብዛዕባ ‘ብሬዥነቪዝም’፡ ‘ጎርባቸቪዝም’ ወይ ‘የልሲኒዝም’ ሳሕቲ እዮም ዝዛረቡ ነይሮም።
ፑቲኒዝም ግን: ከምቲ እንርእዮ እዩ።
"ኣብ ታሪኽና ሓደ ተወሳኺ -ኢዝም ኣሎና፡ ስታሊኒዝም" ይብል ኣንድሬ ኮለስኒኮቭ፡ ላዕለዋይ ብጻይ ኣብ ማእከል ካርነጊ ዩራስያ ሩስያ።
"ፑቲኒዝም ሓደ ተወሳኺ ስጋ ዝለበሰ ስታሊኒዝም'ዩ ምበልኩ። ከም [መላኺ ሶቭየት ነበር] ስታሊን ይመሳሰል። ስልጣኑ ከምቲ ኣብ ግዜ ስታሊን ዝነበረ ብሕታዊ እዩ። ብዙሕ ፖለቲካዊ ዓፈናታት ክጥቀም ይመርጽ። ከም ስታሊን ድማ ክሕሉ ድሉው እዩ፤ ዕድመኡ ልክዕ ኣብ ስልጣን ይርከብ።"
እቲ ብድሆ፡ ንምዕራባውያን፡ ነቲ ከም ዕብየት ሩስያ ዝረኣዮ፡ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዝተዓጥቀ ምልካዊ መራሒ ሩስያ ብኸመይ ከምዝገጥምዎ እዩ።
"ኣብ ጉዳይ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር፡ ክንገብሮ እንኽእል ብዙሕ ኣሎ" ትብል ፊዮና ሂል።
ንሳ ከምእትብሎ፡ ኣብ ኲናት ዩክረይን፡ ሩስያ ነዚ ኣጽዋራት ውግእ ምውጥዋጣ፡ ንብዙሓት ሃገራት ስግኣት ፈጢሩ ነይሩ፤ ቻይና፡ ህንዲን ጃፓንን ሓዊስካ ኣዝየን ተበሳጭየን ነይረን።
ብወግዒ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ልዕሊ 87 ሚእታዊ ድምጺ ተዓዊቱ።
ይዅን እምበር፡ ኣብቲ ብሰፊሑ ዘይነጻን ዘይፍትሓዊን ውድድር፡ ዝዀነ ዕቱብ ተነሓናሓይ ኣይገጠሞን ነይሩ።

ሩስያውያን ንፑቲን ብኸመይ ይርእይዎ?
እዚ ንኽፈልጥ፡ ብመኪና ናብታ ካብ ሞስኮ 70 ማይልስ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ካሺራ እኸይድ።
ኣብዚ ሓደ ግዙፍ ስእሊ ፑቲን ኣብ ጽርግያ ተዘርጊሑ ኣሎ። ሓደ ምሉእ ሸነኽ ናይ ሓደ ኣፓርታማ ብሎክ መሊእዎ ኣሎ።
"ኣነ ደስ እዩ ዝብለኒ" ትብል ኣብ ወሰን ጽርግያ ዕምባባታት እትሸይጥ ዘላ ጥሮተኛ ቫለንቲና።
"ፑቲን ጽቡቕ ሓሳባት ኣለዎ፤ ንሰባት ድማ ብዙሕ ይገብር። ሓቂ እዩ፡ ጥሮታና ዓቢ ኣይኮነን። ግን ንዅሉ ብሓንሳእ ከዐሪ ኣይክእልን'ዩ።"
ቫለንቲና፡ "[ፑቲን እንተኸይዱ] ግን መን ከምዝመጽእ ኣይንፈልጥን ኢና" ትብል።
ነቲ ኣብ ጽርግያ ዝተለጠፈ ስእሊ ፑቲን ሓሊፋ ትኸይድ ዘላ ቪክቶርያ ድማ፡ "ኣብ ሩስያ ኵላትና ሓደ ዓይነት ሓሳብ ክንሓስብ ትጽቢት ይግበር" ትብል።
"ኣንጻር ፑቲን ዝዀነ ነገር እንተበልኩ በዓል ቤተይ፡ 'ንፑቲን ዳግማይ ትነቕፍዮ ኣነ ድማ ክፈትሓኪ እየ!'፤ ‘ፑቲን እንተዘይህሉ ነይሩ ኣብዚ ከም 1990ታት ዝነበረ ህይወት ተሪር ምዀነ’ ይብል።”
ንኻልእ ሓላፊ መገዲ ኣሌክሳንደር ብዛዕባ እቲ ፕረዚደንት እንታይ ከም ዝሓስብ ምስ ሓተትክዎ፡ "ሕጂ ርእይቶ ምግላጽ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ኣይዛረብን" ኢሉ።
መብዛሕትኦም እቶም ዘዕልሎም ሰባት ሕጂ'ኳ ከየስተብሃሉ ስእሊ ፑቲን ሓሊፎም ከም ዝሓልፉ ይዛረቡ። ለሚዶምዎ እዮም።
ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ንሩስያ ምምራሕ ዝለመዱዎ፤ ኣብ ክረምሊን ለውጢ ክመጽእ እዩ ዝብል ተስፋ የብሎምን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







