ሩስያ፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሑድ 133 ሰባት ቀቲሎም

መጥቃዕቲ ዝፈጸመሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዕጡቓት ኣብ ጫፍ ከተማ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ምርኢት ሙዚቃ ዝካየደሉ ኣዳራሽ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 133 ሰባት ከምዝተቐተሉን ልዕሊ 140 ሰባት ከምዝቖሰሉን ኣገልግሎት ድሕነት ሩስያ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ መጥቃዕቲ ብውሑዱ ኣርባዕተ ተመሳሲሎም ዝኣተዉ ዕጡቓት ከምዝተሳተፉ ቢቢሲ ዘረጋገጾ ቪድዮ የመልክት፡፡

ዛጊት ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣተዉ 11 ጥርጡራት፡ እቶም ኣርባዕተ ብቀጥታ ኣብቲ ቅትለት ዝተሳተፉ ከምዝኾኑ ሰብመዚ ሓቢሮም፡፡

ኣደራሽ ክሮከስ ምርኢት ሙዚቃ ሮክ ንምቕራብ ምድላው ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ኣፋፌትን ማእከል ኣዳራሽን ተኹሲ ከፊቶም፡፡

በዚ ምኽንያት ዝበዝሕ ክፋል እቲ ህንጻ ብሓዊ ነዲዱን ክፋል እቲ ናሕሲ ፈሪሱን፡፡

ካብቶም ግዳያት ህጻናት ከምዝርከቡዎም ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ድማ ነቲ ተግባር ‘‘ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ’’ ክብል ኮኒኑዎ፡፡

ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርገሐ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ከምዝብሎ፡ ዕጡቕ ጉጅለ እስላሚክ ስቴት እዩ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺምዎ፡፡

ሓደ በዓል መዚ ኣመሪካ መሓዛ ቢቢሲ ንዝኾነ ሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣመሪካ እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ ኣብ ሩስያ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ድልየት ከምዝነበሮ ሓበሬታ ከምዝነበራ ገሊጹ፡፡ ህዝቢ ኣብ ዝእከበሉ ከባቢ ሞስኮ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ኣመሪካ ቅድሚ ወርሒ ንሩስያ ከምዘጠንቀቐታ እውን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣፍሊጡ፡፡

ሃገራዊ ሓለዋ ሩስያ ነቶም ዕጡቓት ንምህዳን ኣብቲ ከባቢ ፍሉያት ኣሃዱታት ከምዘዋፈረ ገሊጹ ኣሎ፡፡

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ‘‘ግብረ ሽበራውያን ህዝቢ ኣብ ዝእከበሉ ከባቢ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ውጥን ከምዘለዎም’’ ብምጥቃስ ዜጋታቱ ሰብ ኣብ ዝእከበሉ ከባቢታት ከይርከቡ ኣጠንቂቑ ነይሩ፡፡ ብዓርቢ ኣጋግዘ ብተመሳሳሊ ኣመሪካውያን ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ከይርከቡ ደጊሙ ኣጠንቂቑ፡፡

ልዕሊ 6 ሽሕ ሩስያውያን ናብቲ ምርኢት ሙዚቃ ዝተዳለወሉ ኣዳራሽ ክሮከስ ከይዶም ነይሮም፡፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣባላት እቲ ናይቲ ሙዚቃ ጉጅለ ናብ መድረኽ ክወጹ ምስበሉ ከምዝተጀመረ ሓደ ምስክር ዓይኒ ገሊጹ፡፡ ኣብቶም ሙዚቀኛታት ግን ዝበጸሐ ጉድኣት የለን፡፡

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዛጊት ንህዝቢ ዕላዊ መግለጺ ዘይሃበ ኮይኑ፡ ካብ ምኽትላቱ ሓደ ግን ነቶም ጉድኣት ዝበጸሖም ቀልጢፎም ክድሕኑ ከምዝተመነየ ተዛሪቡ፡፡

ሓደ ኣባል ሓለዋ ድማ ኣብ ኣፍደገ እቲ ኣዳራሽ ኣብ ዝነበሩሉ ከበድቲ ኣጽዋር ዝዓጠቑ ሰባት ኣብቲ መረባ ተኹሲ ከምዝጀመሩ ገሊጹ፡፡

‘‘ካልኦት ሰለስተ ኣባላት ጸጥታ ነይሮም፤ ብድሕሪት ናይ መወዓውዒ ሰሌዳ ተሓቢኦም ነይሮም’’ ክብል ንሩስያዊ ናይ ቴሌግራም ቻነል ባዛ ተዛሪቡ፡፡

‘‘እቶም ዕጡቓት ድማ ካባና 10 ሜትሮ ርሒቖም ሓሊፎም፡ ኣብቲ ምድሪቤት ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰባት ብዓይኒ ዕሙተይ ምትኳስ ጀሚሮም፡፡’’

ኣብቲ ኣዳራሽ ዝነበረት ተሳታፊት ድማ ተኹሲ ምስተሰምዐ ናብ ከባቢ እቲ መድረኽ ከምዝሃደሙ ተዛሪባ፡፡

እቲ መጥቃዕቲ ምስተጀመረ ግድግዳ ናይቲ ኣዳራሽ ክቃጸል ጀሚሩ፡፡

እቶም ዕጡቓት ባርዕ ዝፈጥር መሳርሒ ምስደርበዩ፡ እቲ ምቅጻል ከምዝጀመረ እዩ ዝግመት፡፡

ኣብቲ ኣዳራሽ ዘጋጠመ ባርዕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብቲ ኣዳረሽ ዝነበረ ቪታሊ ዝተባህለ ምስክር ዓይኒ ‘‘ ናይ ነዳዲ ቡምባ ደርብዮም፤ ኩሉ ነገር ክቃጸል ጀሚሩ፡፡ ናብቲ ኣፍደገ ገጽ ክንከይድ ተጌርና’’ ኢሉ፡፡

ካልእ ምስክር ዓይኒ ድማ ህጻናትን ወርጠበታትን ኣብቲ ህንጻ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ውድድር ሳዕስዒት ይሳተፉ ምንባሮም ሓቢሩ፡፡

ከንቲባ ከተማ ሞስኮ ሰርገይ ሶብያኒን ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ክካየዱ መደብ ዝተትሓዘሎም ምድላዋት ከምተሰረዙ ገሊጹ፡፡

ድሕሪ ሰዓታት ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ሩስያ ሴንት ፒተርስበርግ ሓዊሱ ካልኦት ግዝኣታት እውን ምድላዋት ከምዝሰረዛ ኣፍሊጠን፡፡

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ ነቲ ‘‘ጭካነ ዝተመልኦ ገበን’’ ክትብል ዝገለጸቶ መጥቃዕቲ ማሕበረሰብ ዓለም ክኹንኖ ጸዊዓ፡፡

ምስ ሩስያ ኣብ ኲናት ዘላ ዩክረይን ድማ ኢዳ ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዘየለ ንምግላጽ ግዘ ኣይወሰደትን፡፡

‘‘ኩሉ ብዘየገድስ፡ ንዩክረይን ኩሉ ነገር ኣብ ዓውደ ኲናት እዩ ዝውሰን’’ ክብል ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩክረይን ዝኾነ ሚካኤሎ ፖዶልያክ፡፡

እቲ ብዓርቢ ምሸት ዘጋጠመ፡ ኣብ ሞስኮ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝተርኣየ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ 2002፡ ኣስታት 40 ዕጡቓት ቸንቸን ኣብ ናይ ሙዚቃ ድግስ ልዕሊ 900 ሰባት ጅሆ ዝሓዙሉ ኣጋጣሚ ዘዘኻኽር ኮይኑ ኣሎ፡፡

ሓይልታት ጸጥታ ሩስያ ናብቲ ኣዳራሽ ዘደቅስ ጋዝ ድሕሪ ምስዳድ ክቆጻጸሩዎ ክኢሎም ነይሮም፡፡ ኣብቲ እዋን ኣስታት 130 ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ተቐቲሎም፡፡

ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ ነቶም ግዳያት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ፡፡