ኰተቴ ናብ ኲናት ክጽንበሩ ዘተባብዕ ሓድሽ መምሃሪ መጽሓፍ ዘሕተመት ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/BBC
ሩስያ ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ እታ ሃገርን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተጐበጣ ግዝኣታት ዩክረይንን፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ተተኣታቱ ኣላ።
እዚ፡ “መሰረታት ድሕነትን ምክልኻልን ኣደ ሃገር” ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ዓይነት ትምህርቲ፡ ካብ 1 መስከረም 2024 ጀሚሩ ብኣስገዳድ ዕድሚኦም ካብ 15 ክሳብ 18 ዓመት ንዘለው ተመሃሮ ካልኣይ ብርኪ ዝወሃብ ክኸውን እዩ።
ቢቢሲ ቅዳሕ 368 ገጻት ዘለዎ ሓድሽ መምሃሪ መጽሓፍ ናይዚ ዓይነት ትምህርቲ ዝበጽሖ ኰይኑ፡ መርሚሩ’ዩ።
እዚኦም፡ ክረምሊን ብዛዕባ ኲናት ኣንጻር ዩክሬይን ዘለዋ ናይ ሓሶት ተረኻት ዝሓዙ ኰይኖም ተመሃሮ ናብ ሰራዊት ክጽንበሩ ይጸውዑ።
ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ክወሃብ’ዩ፤ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሩስያን ብሩስያ ኣብ ዝተጎብጡ ሓሙሽተ ዞባታት ዩክረይንን ክወሃብ ዝጸንሐ ብ”መሰረታት ውሑስ ናብራ” ዝፍለጥ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ትምህርቲ ክትክእ ምዃኑ ተገሊጹ።
ወተሃደራት ነበር ክኣ ነዚ ሓድሽ ዲስፕሊን ክምህሩ ትጽቢት ኣሎ። ካብ ኲናት ዩክሬይን ዝተመልሱ ብመምህርነት ዲግሪ ዘለዎም ሩስያውያን ድሮ መምህራን ንኽዀኑ ናጻ ስልጠና ይወሃቦም ኣሎ።
ሚኒስትር ምንቕቓሕ ሩስያ ሰርጌይ ክራቭትሶቭ፡ “እቲ ናይ መጀመርታ ወተሃደራዊ ስልጠና ሞጁል ዝያዳ መሳጥን ዘመናውን ንኽኸውን ክንገብር ኢና” ኢሉ።
“ሰራዊት ሩስያ ኣብ ምክልኻል ዓዲ ኣቦ” ፈላማይ መምሃሪ መጽሓፍ ናይዚ ሓድሽ ትምህርቲ ኰይኑ “ኢንላይትመንት” ዝተባህለ ፍሉጥ ኣሕታሚ ትምህርቲ ሩስያ ኣሕቲሙዎ።
ቢቢሲ፡ እቲ ኩባንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ንመምህራን ዝሃቦ ናይ ኦንላይን ስልጠና ክዕዘብ ክኢሉ እዩ።
“ክቡራት መሳርሕቲ፡ ኩላትና ብመንጽር ግዝኣትና [ሩስያ] ሓበሬታ ንተመሃሮና ምቕራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ንርዳእ ኢና። ነቶም ተመሃሮ ኣማራጺ ኣረኣእያታት ከነመሓላልፍ ግን ኣይንኽእልን። ስለዚ እዚ መጽሓፍ ሕቶታት ህጻናት ኣብ ምምላስን ብዛዕባ ገለ ፍጻመታት ቅኑዕ ሽፋን ኣብ ምሃብን ክሕግዘኩም እዩ” ክትብል ወኪል እቲ ኣሕታሚ ዝዀነት ኦልጋ ፕሌቾቫ ተዛሪባ።
እቲ ኣሕታሚ ንገለ ፍጻመታት “ብትኽክል ንምሽፋን” ካብ ሓበራዊ ኣዳለውቲ እዚ መጽሓፍ ዝዀኑ ወኪል ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ሌተናል ጀነራል ራፋኤል ቲሞሸቭን ምክትል ኣሰናዳኢ “ጋዜጣ ሩስያ” ክረምሊን ዝዀነ ኢጎር ቸርንያክን ሓገዝ ተወኪሱ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
‘መጥቃዕቲ ሮኬት ናዚ’ --ከም መመኽነይታ ናይቲ ወራር
ቢቢሲ ቅዳሕ “ሰራዊት ሩስያ ኣብ ምክልኻል ዓዲ ኣቦ” ረኺቡ እዩ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጻት እዚ መጽሓፍ ካብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ክሳብ ሕጂ ዝግለጽ “ጀግንነታዊ ዓወታት ወተሃደራት ሩስያ” ዝገልጽ ዛንታታት መሊኡ ኣሎ።
ጸሓፍቲ ናይዚ ሕታም፡ ንውልቀ መላኺ ሶቭየት ጆሴፍ ስታሊን የሞግሱ፣ ህዝቢ ሶቭየት ኣብ እዋን “ዓቢ ሃገራዊ ኲናት” [ሩስያ ንካልኣይ ኲናት ዓለም ንምግላጽ እትጥቀመሉ ቃል] ዝረኸቦ ዓወታት ይጽንብሉ፣ ኣብ “ዳግመ ምጥርናፍ ክሬሚያ ምስ ሩስያ” [ክረምሊን ንጐበጣ ሓውሲ ደሴት ዩክሬይን ዝጥቀመሉ ቃል] ዝነበረ ተራ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ የሞግሱ።
ካልእ ክፋል እቲ መጽሓፍ ክኣ፡ ነቲ “ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ዩክሬይን” [ክረምሊን ምሉእ ወራር ዩክሬይን እትጽውዐሉ ኣገባብ] ዝሽፍን እዩ።
“ኣብ 2014 ኣብ ኪቭ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ እቲ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሩስያዊ ጨፍጫፍ ኣበጊሱ። መጻሕፍቲ ሩስያ ተቓጺሎም፡ ሓወልቲታት ዓንዮም፡ ደርፍታትን ቋንቋን ሩስያ ተኣጊዶም” ክብሉ እቶም ጸሓፍቲ ናይ ሓሶት መግለጺታት ኣስፊሮም ኣለው።
" 'ደም ሩስያ' ዝበሃል ኮክቴይል ኣብ ሬስቶራንታት (ዩክሬይን) ይቐርብ ነይሩ” ይብሉ።
ካልእ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት’ውን ኣለው።
“ኣብ ዞባታት ሉሃንስክን ዶኔትስክን ዝርከባ ከተማታት፡ ኣንጻር ከምዚ ዓይነት ፖሊሲታት እየን ነይረን፤ ግን ብነፈርትን ሮኬታትን ናዚ ተደብዲበን”።
ጸሓፍቲ እዚ መምሃሪ መጽሓፍ፡ “ዩክረይንን ኔቶን ነቲ ኲናት ክጅምሩ ውጥን ገይሮም" ይብሉ።
እቲ ገጻት ቀጺሉ፡ “ብዙሓት ወተሃደራት ዩክረይንን ድሩዓት መካይንን ኣብ ዶባት ተኣኻኺቦም ነይሮም” እዮም ይብል።
ዩክሬናዊ ተንታኒ ፖለቲካ ቮሎዲሚር ፈሰንኮ፡ ነዚ ትሕዝቶ እዚ “ግጉይን ናይ ሓሶትን ሓበሬታ” ብምባል እዩ ዝገልጾ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ኣብ ሙኒኽ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ንስምምዕ ቡዳፐስት ከም ዝጠቐሰ ይዝክር።
እዚ ኣብ 1994 ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ዩክረይን ካብ ሩስያን ካልኦት ሃገራትን ውሕስነት ጸጥታ ንምርካብ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ኣሕሊፋ ክትህብ ዝዓለመ እዩ።
እቶም ውሕስናታት ግን ሩስያ ኣብ 2014 ንክሬሚያ ኣብ ዝሓዘትሉ እዋን ተጣሒሶም።
ብመሰረት ተንታኒ ፈሰንኮ፡ ከምቲ መምሃሪ መጽሓፍ ዝብሎ ዘሎ ዘይኰነ፡ ካብ መወዳእታ 2021 ጀሚሩ ብዛዕባ ኣብ ጥቓ ዶባት ዩክይረን ዝግበር ዝነበረ ወተሃደራዊ ምውፋር ሩስያ ስክፍታታት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንምጥሓስ እቲ ስምምዕ ኣስሚርሉ ነይሩ’ዩ።
ፌደሬሽን ሩስያ ድሕሪ ዋዕላ ሙኒክ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ምሉእ መጥቃዕቲ ከፊታ።
ኣብ ዝቕጽል ክፋላት እቲ መጽሓፍ፡ እታ ብሩስያውያን ዝተደብደበት ከተማ ዩክረይን ዝዀነት ማሪዩፖል ምስ “ናዚ”ን “ዕሱባት ወጻእን" ኣብ ዝተኻየደ ውግኣት ከም ዝዓነወት ዝገልጽ ናይ ሓሶት ተረኽ ሰፊሩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/BBC
ቢቢሲ ቃለ መሐትት ዝገበረሎም ክኢላታት፡ እቲ መጽሓፍ ሩስያ ብኸመይ ንድሕነት ሲቪላውያን ዩክሬይን ቀዳምነት ከም እትህብን ዕንወት ከም እትንክን የጉልሕ ይብሉ።
እቲ መጽሓፍ፡ “ዩክሬይን ብተደጋጋሚ ንሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ዒላማ ትገብር” ክብል እንከሎ “ሩስያ ብቕንዕና እያ ትቃለስ” ክብል ይምጉት።
ተንታኒ ፈሰንኮ፡ “ኣብ ዞባ ኪቭ ቡቻ ዘጋጠመ ትራጀዲ ኩላትና ንዝክሮ ኢና፤ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዩክሬናውያን ሲቪላት ብሩስያውያን ተቐቲሎም፤ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ከም ዝተዓመጻ ተገሊጹ’ዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ብዓሰርታት ዝቑጸሩ ጉዳያት ኣለው።
"ህንጻ ናይቲ ቅድሚ 20 ዓመት ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ሃርኪቭ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ብዘካየደቶ ፈላማይ መጥቃዕቲ ዓንዩ’ዩ። ደቀይ ዝመሃራሉ ቤት ትምህርቲ'ውን ተደብዲቡ። እዚኦም ሩስያ ብጭካነ ዘዕነወቶም ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ’ዮም” ይብል።
ካብ መምሃሪ ክፍሊ ክሳብ ዓውደ ውግእ
እቲ ትሕዝቶ እናቐጸለ ክኸይድ እንከሎ፡ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ናብ ሰራዊት ክጽንበሩ ይጉስጉስ።
እቲ መጽሓፍ ነቲ መስርሕ ዘብርህ ኰይኑ፡ ዘድልዩ ሰነዳት፣ ዓቐን ስእሊ፣ ናብቲ መመልከቲ ቅጥዒ ዝወስድ መላግቦን ንምምዝጋብ ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ኣድራሻታትን ዘጠቓልል ሓበሬታታት ኣለዎ።
ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን መድሕን ጥዕናን፣ ኣፍካ ማይ ዝመልእ ደሞዝን ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ዝቐርብ መግብን ዝኣመሰሉ ድማ፡ ኣገደስቲ ረብሓታት ኢሉ ዘርዚሩዎም ኣሎ።
ብተወሳኺ ወተሃደራዊ ስራሕ ተዋሂቡዎ ንምዝገባ ኣብ ልዕሊ ዘይቀረበ ውልቀሰብ ዝውሰዱ ስጉምታት’ውን ጠቒሱ ኣሎ፤ እዚኦም ልቓሕ፣ ፍቓድ መግንሒ መኪና ዘይምርካብን ንብረት ዘይምምዝጋብን ይርከቡዎም።
ኣብተን ሕጂ ብሩስያ ተጐቢጠን ዝርከባ --ከም ክሪሚያን ዶንባስን ዝኣመሰላ-- ከባቢታት ዝርከቡ መናእሰይ በዞም ጥቕማ ጥቕሚ ክስለቡ ይኽእሉ’ዮም ክትብል ሓላፊት ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ክሬሚያ ኦልሃ ስክሪፕኒክ ተጠንቅቕ።
“ኣብ ርእሲ እቲ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዝተጎበጠ ግዝኣታት ዩክሬይን ናብ ህጻናት ዝቐንዐ ዝተዋደደ ፕሮፖጋንዳ፡ ኣብኡ ገንዘብ ክትረኽበሎም እትኽእሉ ዕድላት የለውን። (ካብቲ መንግስቲ ሩስያ ኣቕሪቡዎ ዘሎ) ወጻእ ከምዚ ዝበለ ገንዘብ ካበይ ይርከብ” ትብል።
እዚ ሓድሽ መጽሓፍ፡ ኣብ ሩስያን ኣብተን ብሩስያ ዝተታሕዛ ግዝኣታትን ዕቑር ሰራዊት ኣብ ምምምልማል ኣበርክቶ ከም ዝገብር ትዛረብ።
“እሞ” እዞም ቈልዑ ናብ ውግእ ከይዶም ይሞቱ”።
ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ዪክሬይን፡ ሩስያ ብውሑዱ 1240 ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም ወተሃደራት ስኢና እያ።
እዚ ኣሃዝ፡ ቢቢሲ ሩስያ ብዝረኸቦም ምንጪታት መሰረት ዝተረጋገፀ ጥራይ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







