ከይዕጾ ዘስግእ ዘሎ መትረብ ፓናማ ስለምንታይ ንዓለም የሻቕል'ሎ?

ምንጪ ስእሊ, PANAMA CANAL AUTHORITY
እቲ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ብማእከል ፖናማ ዘቋርጽ መትረብ ፓናማ ዓቐን ማዩ ይንኪ ስለዘሎ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
መትረብ ፓናማ ዘይከም መትረብ ስወጽ ካብ ቀላይ ጋቱን’ዩ ጽሩይ ማይ ዝረክብ፡ ዓቐን ማይ ናይቲ ቀላይ ከኣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናነከየ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።
መትረብ ፓናማ ንሰለማዊ ውቅያኖስ ምስ ኣትላንቲክ ውቕያኖስ ዘራኽብ መስመር ኮይኑ ዓበይቲ መራኽብ ካብን ናብን ዝመሓላለፋሉ ሰብ ዝሰርሖ መትረብ’ዩ።
መትረብ ፓናማ ሓደ ካብቶም ወዲ ሰብ ዝሰርሖም ኣደነቅቲ ነገራት ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ።
ኔልሰን ጉወራ ክኢላ ‘ሃይድሮሎጂ’ ብዓል መዚ መትረብ ፓናማ’ዩ።
ንሱ “ከምዚ ትርእዮ ዘለኻ እዚ ዕምቖት ናይዚ ማይ 81.2 ፊት [24.7 ሜትሮ] እዩ ዝብል ዘሎ እዚ ከኣ ዓቐን ዕምቆት ናይዚ ማይ ብ1.5 ሜትሮ ከምዝጎደለ’ዩ ዘርኢ” ይብል።

መትረብ ስወጽ ንቀይሕ ባሕሪ ምስ ማእከላይ ባሕሪ ዘራኽብ መትረብ ኮይኑ እቲ ማይ ጨዋማ ኮይኑ ካብ ማእከላይ ባሕርን ካብ ቀይሕ ባሕርን’ዩ ማይ ዝኣትዎ፡ መትረብ ፓናማ ግን ጽሩይ ማይ ኮይኑ ካብ ቀላይ ጋቱን’ዩ ማይ ዝርክብ።
ኣብዚ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዋሕዲ ዝናብ ኣጋጢሙ ስለዘሎ እቲ ካብ ዝኳዓት 110 ዓመታት ዝገበረ መትረብ ፓናማ ዓቐን ማዩ ስለዝጎደለ ከምዚ ዘለዎ እንተቀጺሉ ዓበይቲ መራክብ ክሰጋገረሉ ናይ ዘይክእላሉ ደረጃ ክበጽሕ ከምዝኽእል ተሰጊኡ ኣሎ።
መትረብ ፓናማ ካብ ዝኳዓት ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እታ ዝነቀጸት ወርሒ ኮይና ተመዝጊባ ኣላ።
እቲ መትረብ ዓቐን ማዩ ብናህሪ ብ41 ሚኢታዊት ብምንካዩ እቲ ኣብ ዓመት 270 ቢልዮን ዶላር ዝትመን ንብረታት ካብን ናብን ኣትላንቲካዊን ሰለማውን ውቕያኖሳት ንብረት ዝመሓላለፋሉ መትረብ ዓለም ብሻቕሎት ክትዕዘቦ ጀሚራ ኣላ።
ሰብ መዚ እቲ መትረብ ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ማይ ኣብ መዓልቲ በቲ መትረብ ካብን ናብን ዝመሓላለፋ መራኽብ ከምዝጎድላ ገይሮም ኣለዉ። ቅድሚ ሕጂ በቲ መትረብ መዓልታዊ 36 መራኽብ’የን ዝሓልፋ ነይረን ሕጂ ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 24 ጎዲሉ ኣሎ።
ብዘይካ እዚ መራኽብ ብዙሕ ንብረት ምስ ዝጽዕና ዝበዝሐ ክፋለን ናብ ትሕቲ ማይ ስለዝኣቱ፡ ሰብ መዚ እቲ መትረብ ብዝሒ ጽዕነት በቲ መትረብ ዝሓልፋ መራኽብ ከምዝድረት ገይሮም ኣለዉ።
መትረብ ፓናማ ቅድሚ ምኽፋቱ ካብ ምዕራብ ኣሜሪካ ናብ ምብራቕ ኣሜሪካ ክኸዳ ምስ ዝደልያ ንምሉእ ደቡብ ኣሜሪካ ተዃሊለን ነዊሕ መዓልታት ዝወስድ ጉዕዞ’የን ዘካይዳ ነይረን።
ምጉዳል ዓቐን ማይ መትረብ ፖናማ ናብዚ ቅድሚ 110 ዓመታት ዝነበረ ነዊሕ ጉዕዞ ከይመልሳ’ያ ዓለም ትሻቐል ዘላ።
ድሮ እቲ ኣብ መትረብ ፓናማ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ማይ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ጸቅጢ ክፈጥር ጀሚሩ ኣሎ።
መትረብ ፓናማ መዓልታዊ 5 ሚኢታዊት ካብቲ ብባሕሪ ዝመሓላለፍ ንብረት ዝሓልፈሉ ኮይኑ፡ 40 መኢታዊት ካብቲ ካብን ናብን ኣመሪካ ዝንቀሳቐስ ኮንቲነራት ከኣ በዚ መትረብ’ዩ ዝመሓላለፍ።
ዓቐን ማይ መትረብ ፖናማ ምጉዳሉ ኣብ ንግዲ ዓለም ጥራይ ኣይኮነን ጸቅጢ ዝፈጥር ዘሎ፡ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ፓናማ ጽሩይ ማይ ካብቲ ንመትረብ ፓናማ ማይ ዝምግብ ቀላይ ጋቱን’ዩ ዝረክብ ብፍላይ ርእሰ ከተማ ፓናማ ዝኾነት ፓናማ ሲቲ ምሉእ ጠለብ ጽሩይ ማይ ካብዚ መትረብ’ያ ትጥቀም።
ፓናም ዝበዝሐ ምንጪ እቶታታ ካብዚ መትረብ ስለዝኾነ ሰብ መዚ እዚ መትረብ ነዚ ከውሕሱ’ውን ግዴታ ኣለዎም።
ላዕለወይቲ ኦፉሰር እዚ መትረብ ኢልያ ኢስፒኖ ዲ ሞራታ እዚ መትረብ ፈጺሙ ደው ንኸይብል ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ከምዘለዉ’ያ ትገልጽ።

ንሳ “ንሕና ብሰንኪ ዋሕዲ ማይ ዋላ ሓንቲ መርከብ በዚ ምሕላፍ ክትስእን ኣይንደልይን ኢና” ትብል።
ሰብ መዚ እቲ መትረብ 8.5 ቢልዮን ዶላር ብምስላዕ ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ቀጻልነት ናይቲ መትረብ ንኸውሕሱ ውጥን ኣምጺኦም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።
ኢልያ ኢስፒኖ ዲ ሞራታ እቲ ኣብ መትረብ ፓናማ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ማይ ውጽኢት ክሊማዊ ለውጢ ከምዝኾነ ብምግላጽ “ፓናማ ማይ ዘይጋደፋ ሃገር’ያ ነይራ ሕጂ ግን መጠን ማያ ብርኡይ ከንቆልቁል ንርኢ ኣለና፤ ስለዚ ንመጻኢ ዓቢ ምድላው ከድልየና’ዩ” ትብል።
ሓደ ካብቲ ኢልያ ኢስፒኖ ዲ ሞራታን መሳርሕታን ዝሰርሕሉ ዘለዉ ምዕቃብ ማይ’ዩ።
መትረብ ፓናማ ብጅኦግራፍኣዊ ኣቐማምጥኡ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ እናተሓተ ስለዝኸይድ መራኽብ ብዝኽፈትን ዝዕጾን ዓበይቲ ደንደላታት ማይ ብምዕጋት ጸንበለል እናበላ ናብ ታሕቲ ከምዝወርዳን ናብ ላዕሊ ከምዝድይባን’ዩ ዝግበር፡ ነዚ ንምግባር ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ማይ’ዩ ዘድሊ።
ሓንቲ መርከብ ብመትረብ ፖናማ ንኽትሰግር ኣስታት 50 ሚልዮን ጋሎን ማይ’ዩ ዘድልያ። ካብ ሰለማዊ ውቅያኖን ናብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ንኽትድይብ ከኣ ልዕሊ ዓሰርተ መዓጹ ትሰግር።
ሰብ መዚ እቲ መትረብ ኣብ 2016 ዝሰርሕዎ ፓናማክስ ዝተብሃለ መኸዘኒ ማይ ውጽኢቱ ስለዘዕገቦም ምስኡ ዝመሳሰል መኸዘኒ ማይ ንምስራሕ’ዮም ኣብ ጻዕሪ ዝርከቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







