ዓለም በዞም ኣረጋውያን መራሕቲ ሃገራት ክትሻቐል ኣለዋ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ኣብዚ ዓመት’ዚ መወዳእታ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ቀንዲ ተወዳደርቲ ኮይኖም ክቐርቡ ትጽቢት ዝግበረሎም ክልቲኦም ሕጹያት ዕድመ ጥሮታ ዝሓለፉ እዮም።
ጓል 96 ዓመት ላዕለዋይቲ ፌደራላዊት ዳኛ ኣመሪካ ፓውሊን ኒውማን፡ ብዙሓት ሰባት ጥሮታ ወጺኣ ከተዕርፍ ምኽሪ እኳ እንተተዋህባ ንሳ ግን ክሳብ ዓቕማ ዝጽንቀቕ ክትሰርሕ ከምእትደሊ’ያ ትሕብር።
ብሰንኪ’ዚ ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ሓደ ሰብ ፕረዚደንት ንክኸውን ናይ ዕድመ ገደብ ክህሉ ኣለዎ ዝብል ክትዓት ይለዓል ኣሎ።
ኣብ 2024 ንፕረዚደንትነት ኣመሪካ ዝወዳደር ዘሎ ጆ ባይደን ወዲ 81 ዓመት’ዩ። ዕድመኡ ከኣ ምስ ማእከላይ ዕድመ ኣመሪካውያን ክነጻጸር እንከሎ ብዕጽፊ ይኣርግ።
መወዳድርቲ ጆ ባይደን ኰይኑ ዝቐርብ ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ እንተዀነ'ውን ወዲ 77 ዓመት’ዩ። ክልቲኦም ሕጹያት ፕረዘዲንት ብመሰረት ሕጊ ኣመሪካ ጥሮታ ክወጽኡ’ዩ ዝግበኦም።
ጆ ባይደን ብሰንኪ እርጋን ብዙሕ ነገራት ከምዝርስዕ’ዩ ዝሕመ። ዋይትሃውስ ግን ነቲ ናይ ረሲዕ ጸብጻባት ይነጽጎ።
ሳይንስ፡ ደቂ ሰባት ክኣርጉ እንከለው ብቕዓቶም ብብዙሕ ሸነካት ከምዝንኪ’ዩ ዘረድእ። እሞ ዓለምና ደኣ ከመይ በዞም ኣረግቶት መራሕቲ ሃገራት ክትሻቐል ዘይግበኣ።
ዕድመ፡ ንሓንጎልና ብኸመይ’ዩ ዝጸልዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቂ ሰባት ዕድመ እናወሰኽና ክንከይድ እንከለና ሓንጎልና ብዓቕምን ብዓቐንን ይንኪ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓሰርተ ዓመት ከኣ ብዓቕምን ብዓቐንን ብ5 ሚኢታዊት ይጐድል። እዚ ከኣ ግርጭታት ኣብ ምፍታሕ ኰነ ውጥን ኣብ ምውጻእ፡ ከምኡ እውን ኣብ ምትግባርን ምቁጽጻርን ይድርተና። መራሕቲ ሃገር ምስ እንኸውን ከኣ ዝያዳ ኣሻቓሊ ይኸውን።
ሓንጎልና፡ ድሕሪ 30 ዓመት ዕድመና’ዩ ብዓቕምን ዓቐንን ክጎድል ዝጅምር። ደቂ 70 ዓመት ምስ ኰንና ከኣ ብርኡይ ይጎድል። ኣብ መፋርቕ ዕስራታት ብኣካልን አእምሮን ስለእንዓቢ፡ ሓንጐልና ብቢልዮናት ዝቝጸር ኒዩክለራዊ መራኸቢ ስለዝሃንጽ እተሓላለኸ ኣእምሮኣዊ ዕዮ ክንሰርሕ ንኽእል።
ካብ 30-60 ዓመት ዕድመና ግን ዓቐን ኒውሮንን ሓንጎልና ስለዝንኪ ናይ ምዝካር ክእለትና ይጎድል፡ ይኹን እምበር ብምዕሩይ ኣነባብራን ስሩዕ ምውስዋስ ኣካላትን ግን ክንዕቅቦ ንኽእል ኢና።
እቲ ዓቕምን ዓቐንን ምጕዳል ሓንጎል ከኣ ‘ዋይት ማተር ዲዚዝ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሲሶ እቶም 65 ዓመት ዕድመን ልዕሊኡን ዝበጽሑ ሰባት ከኣ ይርአ። እቶም በዚ ዓይነት ሕማም ዝተጠቅዑ ሰባት ስምዒቶም ኣይቆጻጸሩን፡ ዘረባ የብዝሑን ይደጋግሙን ብዓቢኡ ከኣ ኣቐዲሞም ደጊፎምዎ ንዝጸንሑ ሓሳባት ጽንሕ ኢሎም ይቃወምዎ።
ኣብ ዩኒቨርቲ ካሊፎርንያ ክኢላ ስነ ኣእምሮ ማርክ ፊሸር፡ 65 ዓመት፡ ኣብ ብዙሓት ኣረጋውያን ናይ ባህሪ ምቅይያር፣ ዓጀውጀው ምባልን ኣብ ሓሳባትካ ዘይምርዓምን ከምኡ እውን ምርሳዕን ዝጅምረላ ዕድመ ምዃና ይገልጽ።
ደቂ ሰባት ዝነብርሉ ማእከላይ ዕድመ ምስ ጣዕሚ መነባብሮ፡ ኩነታት ኣየር፡ ቀረብ ሕክምናን ካልእን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈለላ እዩ። ኣብ ኣመሪካ ንኣብነት 76 ዓመት እዩ። ናይ ጥሮታ ዕድመ ከኣ 67 እዩ፤ ኣብ ካሜሩን ከኣ ማእከላይ ዕድመ ምንባር 60 ዓመት’ዩ። ይኹን እምበር እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ብወዲ 90 ዓመት ፓውል ቢያ እያ ትምራሕ ዘላ። ኣብዚ እዋን እዚ ፓውል ቢያ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ መራሒ ሃገር’ዩ።
ኣብ ኤርትራ እውን ንመሰላትን ሕግታትን ሰራሕተኛታት ዝገልጽ ኣዋጅ ቁ.146/2005፡ ክሊ ዕድመ ጥሮታ 65 ዓመት ምዃኑ ይገልጽ። ይኹን እምበር ዓንቀጽ 18 ናይቲ ኣዋጅ፡ እቲ ገደብ ኣብ ስልጣን ንዘለው ፖለቲከኛታትን ፈራዶን ከምዘይምልከት ይሕብር። ስለዝዀነ ከኣ እዩ ንዝሓለፈ 33 ዓመታት ነታ ሃገር ወዲ 78 ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝመርሓ ዘሎ። ንነገሩ ኣብ ኤርትራ፡ ዋላ’ኳ እቲ ኣዋጅ፡ ናይ ጥሮታ ዕድመ እንተደንገገ ብግብሪ ግን ስሩዕ ጥሮታን መልዕሎን የሎን።
ማእከላይ ዕድመ ኡጋንዳውያን እውን 62 ዓመት’ዩ። ንዝሓለፈ 38 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ ግን ወዲ 79 ዓመት ዩወሪ ካጉታ ሙሰቨኒ እዩ።
አእምሮ ኣረጋውያን’ከ እንታይ ኣዎንታ ኣለዎ?
ማርክ ፊሸር፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ድኣ ይፈላለ ኰይኑ እምበር ከምቲ ባተሪ ናይ ሞባይል ብዙሕ ግዜ ምስተጠቕምናሉ ዓቕሙ ዝጐድል ሓንጎል ደቂ ሰባት’ውን ከምኡ ምዃኑ ይገልጽ።
“እቲ ትሰርሓሉ ቦታን ጽፍሒ መሪሕነትን ናይ ሓንጎል ሃልኪ ዝጠልብ እንተኾይኑ ዓቕሙን ዓቐኑን ቀልጢፉ እዩ ዝጎድል” ይብል።
ብዘይካ እዚ ከም ሕማም ልቢ፡ ኮለስትሮልን ልዑል ጸቕጢ ደምን’ውን ንሓንጎል ብቀጥታ ስለዝጸሉ ኣብ ሓደ ሓደ ሰባት እቲ ምጉዳል ዓቕምን ዓቐንን ቅድሚ 65 ዓመት ከምዝኽሰት የረድእ።
ማርክ ፊሸር ብምቕጻል፡ “ምስ ምእራግ ሓንጎል ዝጥቀስ ቀንዲ ሮቋሒ ጸቕጢ ደም ኰይኑ፡ ዓቐንን ዓቕምን ሓንጐል ብቅልጡፍ ንኽንኪ ይድርኽ” ይብል። ጸቕጢ ደም ሰብ ብኣግኡ እንተዘይተፈዊስዎ ከኣ ዕድሚኡ እናወሰኸ እንተኸይዱ ኣብ ሓንጎል ዓቢ ጽልዋ ከምዝፈጥር ይጠቅስ። ዕድመ ዝደፍኡ መራሕቲ ሃገራት ከኣ ኣገደስቲ ነገራት ኣብ ምውሳን ከምዝሽገሩ የረድእ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርንያ ዝሰርሕ ክኢላ ሓንጎል ማርክ ማፕስቶን፡ እቲ ፕላስቲካዊ ጠባይ ዘለዎ ሓንጎልና፡ ምስ ዕቤት ኣብ ሓደ ክፋሉ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ ሕማም ረሲዕ ከምዘማዕብል ይሕብር።
ማርክ፡ ኩሎም ዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ሓንጎሎም ከኣ ብቕልጡፍ ይኣርግ ማለት ከምዘይኮነ፡ እንተዀነ ኣብ 70ታት ዝርከቡ ሰባት ሓንጐሎም ስለዝደክም ሓድሽ ሓበሬታ ናይ ምቕባል ዓቕሞም ከምዝንኪ ይገልጽ።
ሓደ ኣብ 70ታት ዝርከብ ሰብ ምስ ኣብ 30ታት ዝርከብ መንእሰይ ክነጻጸር እንከሎ ሓዲሽ ሓበሬታ ናይ ምቕባል ተኽእልኡ ድኹም’ኳ እንተኾነ፡ ነቲ ሓበሬታ ምስ ተቐበሎ ግን ኣብ ምስልሳሉን ምትግባሩን ልዑል ምዃኑ ማርክ ይሕብር።
ብተወሳኺ ኣብ 60ታት ዝርከቡ ኣረጋውያን ልዕሊ ኣብ 20ታት ዝርከቡ መንእሰያት ሓደሽቲ ቃላት ኣብ ምሓዝን ምርዓምን ልዑል ክእለት ከምዘለዎም እውን የረድእ።
ኣብ ቡራውን ዩኒቨርስቲ ክኢላ ፖሎቲካዊ ስነ ኣእምሮ [political psychology] ሮዝ ማክዶርመንት ኣረጋውያን፡ ‘ክሪስታላይዝድ ኢንተለጀንስ’ ስለዘለዎም “ነቲ ዝተዋህቦም ሓዲሽ ሓበሬታ ምስቲ ኣብ ውሽጦም ዝጸንሐ ሕዱር ሓበሬታ ኣዳቒሎምን ኣኮማሲዖምን ከምዝውስኑ ተረድእ። መንእሰይ ግን ክንድቲ እቲ ዕድመ ዝጸገበ ሰብ ንነገራት ከገናዝብ ዘኽእል ተሞክሮ የብሉን” ከኣ ትብል።
ፖሎቲከኛ ንኽትከውን ፍሉይ ተገንዝቦ [cognitive] ይጠልብ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገለ ሰባት ወይ መራሕቲ ምስቲ ንኡስ ወለዶ ብምንጽጻር ንነብሶም ፍሉይ ናይ ምግንዛብ ክእለት ከምዘለዎም ክዛረቡ ይስምዑ’ዮም።
ብርግጽ ኣብ 80ታት ዕድመ ዝበጽሑ ልዕሊ እቶም ኣብ 20ታት ዝርከቡ መንእሰያት ናይ ምግንዛብ፣ ናይ ምሕሳብ፣ ናይ ምዝካር ክእለት የብሎምን ክበሃል ኣይከኣልን እዩ።
ጥዑይ ሓንጎል ክትውንን ጥዑይ ኣነባብራ፡ ጽቡቕ ማሕበራዊ ርክባትን ከምኡ እውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር ኣገዳሲ ሮቋሒ’ዩ።
ብዕድመ ዝደፍኡ መራሕቲ ሃገራት ሳላ ጽፍሒ ሓላፍነቶም ቁጠባዊ ውሕስነት፡ ጽቡቕ ቀረብ ሕክምና ክረኽቡ ይኽእሉ’ዮም። መብዛሕትኡ እዋናት ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ኣብ ማሕበራዊ ርክባቶም ግን ዝሕቱላት’ዮም።
ብሓፈሻ ግን ዕድመ ንግንዛበኻ ዘዕቢ’ኳ እንተኾነ፡ ዕድመ ዝደፍኡ መራሕቲ ግን ካብ ብዝሒ ጸቕጢ ሰራሕ ዕድመ ዝፈጠሮ ናይ ምግንዛብ ክእለቶም ኣዝዩ ከምዝጎድል መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኬምብሪጅ ክኢላ ሓንጎል ባርባራ ሳሃክያን “ተገንዝቦ ክንብል እንከለና ንነገራት ብዝቐለለ ናይ ምርዳእን ንዘጋጥሙ ጸገማት ናይ ምፍታሕን ክእለት ኢልና ክንገልጾ ንኽእል ኢና። ኣብ ፖሎቲካውያን መራሕቲ ምስ እንመጽእ ግን ኣብ ወጣርን ተኣፋፍን እዋን ዘየጣዕስን ርትዓውን ውሳነ ክውስኑ ዘኽእሎም’ዩ። ምኽንያቱ መራሒ ኰይንካ ትውስኖ ውሳነ ንብዙሓት ክጸሉ ስለዝኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ” ትብል።
ሓደ ንመሪሕነት ዝወዳደር ሰብ ናይ ተገንዝቦ ፈተና ክግበረሉ’ዶ ይግባእ?
ምስ ምውሳኽ ዕድመ ሓንጐልና ብዓቕንን ብዓቕምን እናነከየ ከምዝኸይድ ኣብ ግምት ብምእታው ማርክ ፊሸርን መሳርሕቱን ዕድሚኦም ብዘየገድስ ንፖሎቲካዊ መሪሕነት ዝወዳደሩ ሰባት ቅድሚ ናብ ውድድር ምእታዎም ናይ ተገንዝቦ [cognitive] ፈተና ክግበረሎም ከምዘለዎ ይጉስጉሱ ኣለዉ።
ማርክ ፊሸር፡ “መራሕቲ ሃገራት ከምቲ መጠን ዘለዎም መጠን ሃብቲ ከርእዩ ዝግደድዎ፡ ናይ ምግንዛብ ዓቕሞም ከኣ ብፈተና ክምርመር ይግብኦ በሃልቲ ኢና” ይብል።
ፊሸር፡ ነቲ መስርሕ ክገልጽ እንከሎ ከኣ እቲ መስርሕ ፈተና ብክኢላታት ስነ ኣእምሮ ዝካየድ ኮይኑ ብክኢላታት እዚ ዓውዲ ዝተዳለወ መሕትት ክህሉ ከምዝኾነ ይሕብር።
ነዚ ሓሳብ’ዚ ብዙሓት’ኳ እንተደገፉዎ ግን ገና ኣካታዒ ክኸውን ከምዝኽእል ግን ኣየተሓትትን እዩ።
ማዕከን ዜና ኣመሪካ- ሲቢኤስ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ነቲ መሕተት ዝመልኡ ሰባት ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 75 ዝዕድሚኦም ሰባት ንፕረዚደንትነት ክወዳደሩ ከምዘይድግፉ ይሕብሩ። እዚ ከኣ ንጆ ባይደንን ንዶናልድ ትራምፕን ካብ ጸወታ ዘውጽእ’ዩ።
ሰብ ዝበለ እንተበለ ግን፡ እቲ ፈተና ተገንዝቦ ከም ቅቡል መለክዒ እንተተኣታትዩ፡ ንኹሉ እቲ ምስ ዕድመ ኣረግቶት መራሕቲ ሃገራት ተተሓሒዙ ዝለዓል ዘሎ ክትዓትን ሻቕሎትን ከህድኦ ከምዝኽእል ይእመን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







