ብሰንኪ ንዓመታት ዝተሰወረት ነፋሪት ዝሳቐዩ ዘለው ስድራቤታት

ሊ፡ ካብ ስድራ ግዳያት ሓደ እዩ

ምንጪ ስእሊ, BBC/ LULU LUO

ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ሊ ኢርዩ፡ ‘ርክብ ተቚሪፁ’ ዝብላ ክልተ ቃላት ክሃድንኦ ጸኒሐን ኣለዋ።

እዚኣ፡ ካብ መገዲ ኣየር ማሌዥያ፡ ወዱ ተሳፊሩላ ዝነበረት ነፋሪት ቁጽሪ በረራ ኤምኤች370 ዝተነግረቶ ቃል እያ።

“ንዓመታት 'ርክብ ተቛሪፁ' እንታይ ማለት’ዩ?’ ኢለ ክሓትት ጸኒሐ፤ ኣነ ዝመስለኒ ምስ ሓደ ሰብ ርክብ እንተተቛሪጹካ ዳግማይ ክትራኸብ ክትክእል ኣለካ እዩ” ይብል ሊ።

ንሱን በዓልቲ ቤቱ ሊዩ ሹዋንፈን ግን ኣብ ደቡብ ቤጂንግ ሓረስቶት እዮም፤ ክሳብ ሕጂ ነቲ ኣብ ታሪኽ ኣቪየሽን ዘይተፈትሐ ሚስጢር ኰይኑ ዘሎ ምስዋር እዛ ነፋሪት ክርድኦም ኣይክኣለን።

ብ8 መጋቢት 2014፡ ካብ ኩላላምፑር ናብ ቤጂንግ ኣብ ዝነበረ ስሩዕ በረራ፡ ለይቲ ስለ ዝነበረ ኣብራሪ ንተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ማሌዥያ 'ዳሕና ሕደሩ' ኢሉ ተሰናቢቱዎም።

እታ 227 ተጉዓዝትን 12 ሰራሕተኛታትን ዝጸዓነት ቦይንግ 777፡ ናብ ክሊ ኣየር ቬትናም ትጽጋዕ ነይራ። ሃንደበት ኣንፈታ ቀይራ፤ ኩሉ ኤለክትሮኒካዊ ርክባት ድማ ተቖሪጹ።

መጀመርታ ኣብ ክሊ ኣየር ማሌዥያ ኰይና ንድሕሪት ተመሊሳ፤ ድሕሪኡ ነዳዲ ወዲኣ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝግመት፡ ናብ ርሑቕ ደቡባዊ ህንዳዊ ውቅያኖስ በሪራ።

ንኣርባዕተ ዓመታት፡ ኣዝዩ ዝዓበየን ዝኸበረን ስርሒት ምድላይ ተኻይዱ፤ ኣሰር ናይታ ዝጠፍአት ነፋሪት ግን ክረክብ ኣይከኣለን።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክኢላታት ውቅያኖሳት፡ መሃንዲሳት ኣየርን ካልኦት ክኢላታትን ነቲ ካብ በረራ እታ ነፋሪት ዝተረኽበ ዘይተመልአ ሓበሬታታት ብምርኣይ፡ ጉዕዞኣ ኣበይ ከም ዘብቅዐ ንምርዳእ ፈቲኖም።

ስድራቤት ናይቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ተሳፈርቲ ግን፡ ንዓሰርተ ዓመት ኣብ ዘይዛሪ ሓዘን ቈሪኑዎም ይርከብ።

ኣለሻ እታ ነፋሪት ንኽቕጽል፡ ብልክዕ ነፋሪት ኤምኤች 70 እንታይ ከም ዘጋጠማ ንምፍላጥ ቀጻሊ ቃልሲ ይግበር ኣሎ።

ሚስተር ሊ ነዚ ዝምልከቱ ጐስጓሳት ብምክያድ ኣብ መላእ ዓለም ተጉዒዙ’ዩ፤ ናብ ኤውሮጳን ኤስያን፡ ከምኡ’ውን ናብቲ ገለ ክፋል እታ ነፋሪት ተረኺብሉ ዝተባህለ ገምገም ባሕሪ ማዳጋስካር ብምኻድ ዝዓቖሮ ገንዘብ ከም ዝወድአ ይዛረብ።

ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ከይዱ፡ 'ወደይ ያንሊን ናብ ገዝኻ ክወስደኻ መጺአ ኣለኹ' እናበለ ብዙሕ ግዜ ጠሪዑ’ዩ።

“ወደይ ንምርካብ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ክጓዓዝ እየ” ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዞም ሕጂ ኣብ መወዳእታ 60ታት ዕድመ ዝርከቡ መጻምድቲ፡ ኣብ ገጠር ክፋል ግዝኣት ሄበይ ቻይና ይነብሩ።

ዝበዝሕ ኣታዊኦም ደቈም ንምምሃር ስለ ዝተጠቐምዎ ንመገሻታት ዝኸውን እኹል ገንዘብ ፈጺሙ ኣይነበሮምን።

ያንሊን፡ ካብታ ገጠር ንመጀመርታ ግዜ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣተወ ሰብ ኰይኑ፡ ኣብ ማሌዥያ ኣብ ሓደ ናይ ቴሌኮም ኩባንያ ዝሰርሕ ኣብ ወጻኢ ስራሕ ዝረኸበ ፈላማይ መንእሰይ’ውን ነይሩ።

ብቪዛ ቆጸራ ናብ ቻይና ክምለስ እንከሎ’ያ እታ ነፋሪት ጠፊኣ። “ቅድሚኡ፡ ናብታ ኣብ ጥቓና እትርከብ ከተማ ሃንዳን ከይተረፈ ከይድና ኣይንፈልጥን ኢና" ሚስተር ሊ።

ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ምስ ካልኦት ስድራ ግዳያት መበል 10ይ ዓመት ምጥፋእ እታ ነፋሪት ንምዝካር ናብ ማሌዥያ ተጓዒዞም።

ያንሊን ኣብታ በረራ ካብ ዝነበሩ 153 ቻይናውያን ተጓዓዝቲ ሓደ እዩ።

ወለዱ ካብቶም ካብ መንግስቲ ማሌዥያ ነቲ ጉዳይ ንምድቃስ ዝቐረበሎም ክፍሊት ኣይንቕበልን ኢሎም ዝኣበዩ ኣስታት 40 ቻይናውያን ስድራቤታት ኰይኖም፡ ኣብ ቻይና ኣንጻር እቲ መንገዲ ኣየር፡ ኣፍራዪ ነፈርቲን ካልኦት ወገናትን ሕጋዊ ክሲ ዘቕረቡ እዮም።

ግሬስ ናታን፡ ኤምኤች370 ክትስወር እንከላ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተመሃሪት ሕጊ ነይራ። ኣዲኣ ኣን ኣብታ ነፋሪት ነይራ።

ሕጂ ኣብ ማሌዥያ ጠበቓን ኣደ ክልተ ቈልዑን እኳ እንተዀነት፡ ነቲ ኣብ እዋን መርዕኣን ጥንሳን ኣዲኣ ክትርከበሉ ዘይክኣለት ህሞታት እናሓሰበት ሕጂ’ውን ትሓዝን እያ ዘላ።

ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ መርትዖ ኣዝዩ ውሑድ ቁርጽራጽ እታ ነፋሪት’ዩ። ኣብ ባሕሪ ንነዊሕ እዋን ብምጥሓሎም ዝተበላሸዉ ክፋላት ክንፊ ኣለው።

ባሌን ጊብሰን፡ ልዕሊ ዝዀነ ሰብ ብዝሒ ቁርጽራጽ እታ ነፋሪት ዝረኸበ ሰብ እዩ።

ንሱ፡ ኣብ ዓለም ዘለዋ ኩለን ሃገራት ናይ ምብጻሕ ዘለዎ ሕልሚ ንምስኻዕ ኣብ ካሊፎርኒያ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ወለዱ ክሳብ ምሻጥ ዝበጽሐ ኣፍቃሪ ጉዕዞ’ዩ ነይሩ።

“ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ እታ ነፋሪት ምስ ተሳተፍኩ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዝግበር ኣለሻ ዝተወደበ ስራሕ ከም ዘየለ ተገንዚበ። ሽዑ፡ ቁርጽራጽ እታ ነፋሪት ኣብ ትሕቲ ማያት ንምርካብ ሚልዮናት ዶላር የውጽኡ ነይሮም። ኣነ ድማ በቃ፡ ጽቡቕ፡ ምናልባት እታ ቀዳመይቲ ቁራጽ ናይዛ ነፋሪት ኣብ ገምገም ባሕሪ ብእግሩ ዝኸይድ ሰብ’ዩ ዝረኽባ ኢለ፤ ከምኡ ዝገብር ሰብ ስለ ዘይነበረ ድማ ኣነ ክገብሮ ኣለኒ ኢለ” ይብል።

ንሱ፡ ንሓደ ዓመት፡ ካብ ሚያንማር ክሳብ ማልዲቭስ ኣብ ዝርከቡ ገማጋም ባሕሪ ገለ ክፋል እታ ነፋሪት ክረክብ ይደሊ ነይሩ።

ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ ዝርከብ ሑጻ ገምገም ባሕሪ ድማ፡ ካብ ድሕሪት ስታቢላይዘር ናይታ ነፋሪት ከም ዝረኸበ ይዛረብ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ካልእ ብ’ፍላፐሮን’ ዝፍለጥ ዓቢ ቁራጽ ክንፊ ኣብ ደሴት ሪዩኒዮን ተረኺቡ ስለ ዝነበረ፡ ብሓቂ ኤምኤች370 ናብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ከም ዝወደቐት ስድራቤታት ኣረጋጊጾም።

እቶም ክፍሊ ኣካላት እታ ነፋሪት ኩሎም፡ ኤምኤች370 ካብ እትጠፍእ ድሕሪ 16 ኣዋርሕን ልዕሊኡ ኣብ ዝተፈላለየ ገማገም ባሕሪ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተረኽቡ እዮም።

ኣብ ደቡባዊ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ቁርጽራጽ ኣካላት ካብቲ እታ ነፋሪት ናብ ባሕሪ ከም ዝወደቐት ዝእመነሉ ቦታ ዝመጽኡ ክዀኑ ይኽእሉ ይብል።

መሪሕ ማሌዥያዊ መርማሪ ነበር ኣስላም ካን፡ ነዚኦም ብኸመይ ከም ዘለለይዎም ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ ገለ ክፋላት ዝነበረ ተኸታታሊ ቁጽሪ ምስቲ ኣፍራዪ ዝነበሮ መዛግብቲ ዝመሳሰል ምዃኑ’ዩ ኢሉ ነይሩ።

ካልእ ቦይንግ 777 ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ተሓምሺሻ ኣይትፈልጥን።

እቲ ‘ፍላፕሮን’ ክሳብ ዝረክብ፡ እታ ነፋሪት ንድሕሪት ከም ዝተመለሰት ዘረጋግጽ እንኰ መርትዖ፡ ካብ ወተሃደራዊ ራዳር ማሌዥያን ታይላንድን ዝተረኽበ መረዳእታ ኰይኑ፡ ነታ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ሓውሲ ደሴት ማሌዥያ ንምዕራብ ክትበርር የርኢ።

ድሕሪኡ፡ ‘ኢንማርሳት’ ዝተባህለ ብሪጣንያዊ ኩባንያ፡ ንደቡብ እናተጓዕዘት እንከላ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ኣብ ሞንጐ ሓንቲ ካብ ሳተላይታቱን ኤምኤች370ን ዝግበር ተኸታታሊ ሽዱሽተ “ምጭብባጥ ኢድ” ረኺቡ። ካልእ ኩሉ ርክባት እታ ነፋሪት ተዓጽዩ እዩ ነይሩ።

በዓል ቤት ግሬስ ንሓማቱ ዝጽሓፎ ደብዳበ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, በዓል ቤት ግሬስ ንሓማቱ ዝጽሓፎ ደብዳበ

እዚ ስሕት ዝበለ መረዳእታ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ኣብ ሞንጐ እታ ነፋሪትን ሳተላይትን ዘሎ ርሕቀት ብተኸታታሊ ክቢ ቅስማት ስሉስ ኩርናዕ ብምግባር፡ ግምታዊ ቦታ ምውዳቕ ንምሃብ ኣኽኢሉ።

እዚ ግን ገና ኣዝዩ ጽንኩርን ኣዝዩ ዓሚቝን ባሕሪ ዝነበሮ ዓቢ ከባቢ እዩ ነይሩ።

እቲ ካብ 26 ሃገራት ዝተወጻጽኣ 60 መራኽብን 50 ነፈርትን ዘሳተፈ ኣለሻ ክካየድ እንከሎ፡ እዚ ካብ መጋቢት 2014 ክሳብ ጥሪ 2017 ቀጺሉ።

ኣብ መጀመርታ 2018 ኣብ ኣሜሪካ ዝመደብሩ ናይ ብሕቲ ትካል ‘ኦሽን ኢንፊኒቲ’ ኣብ ትሕቲ ማይ ዝሰርሓ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምጥቃም እቲ ኣለሻ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዳግማይ ኣበጊሱዎ ነይሩ።

ርጡብ ሓበሬታ ዘይምህላው፡ ኤምኤች370 ተጨውያ ናብ ሩስያ ካብ ምብራር፡ ክሳብ ኣብ ደሴት ዲጎ ጋሪሳ ናብ ዝርከብ መደበር ጥይት ተሃሪማ ወዲቓ ክትኸውን ትኽእል እያ ዝብሉ ግምታት ክወሃቡ ጸኒሖም እዮም።

ኣብዚ ጉዳይ ነዊሕ መርመራዊ ጸብጻባት ዝሰርሐት ፈረንሳዊት ጋዜጠኛ ፍሎረንስ ዲ ቻንጊ ግን፡ እቶም ኤምኤች370 ተመሊሳ ናብ ደቡብ ከይዳ ብምባል ዝወሃቡ ግምታት ስኑዓት’ዮም ብምባል ትምጉት።

እቲ ተረኺቡ ዝብሃል ቁርጽራጽ ነፋሪት’ውን እንተዀነ፡ ናይታ ነፋሪት ከም ዘይኰነ ትኣምን።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ነፋሪት ዝነበረ ጽዕነት ሕቶታት ተልዕል፤ ንሳ ብዛዕባ ነፋሪት ኤምኤች370 ኣብ ዘሕተመቶ መጽሓፋ፡ እታ ነፋሪት ብሰንኪ ሒዛቶ ዝነበረት ጽዕነት ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ብነፈርቲ ኣመሪካ ተሃሪማ ክትኸውን ከም እትኽእል ገሊጻ።

እንተዀነ እቲ ብማሌዥያን ኢንማርሳትን ዝቐረበ መረዳእታ ራዳርን ሳተላይትን ተቐባልነት እንተረኺቡ - መብዛሕትኦም ክኢላታት ድማ ይቕበልዎ - ከምኡ'ውን እታ ነፋሪት ናብ ደቡብ ገጻ ትበርር እንተነይራ ሓደ ዘእምን ነገር ጥራይ እዩ ክህሉ ዝኽእል። እዚ ድማ፡ ሓደ ሰብ ኰነ ኢሉ ናብኡ ገጽ ከም ዘብረራ።

“ነፈርቲ ስለ ምንታይ ይጠፍኣ” ኣብ ዝብል ሓደ ሰነዳዊ ምድላው ቢቢሲ ክልተ ፈረንሳውያን ክኢላታት መጓዓዝያ ኣየር፣ ሓደ ምኩር ኣብራሪ፡ ድሕሪ እቲ እታ ነፋሪት ምስ ምቁጽጻር ትራፊክ ኣየር ማሌዥያ ዝገበረቶ ናይ መወዳእታ ርክብ ዘጋጠመ ኩነታት ንምፍላጥ፡ ቦይንግ 777 ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ደቡብ ቻይና እትገብሮ ምምላስ ዳግማይ ንምፍጣር፡ ናይ በረራ ስሚዩለተር ተጠቒሞም’ዮም።

ካብዚ ብምብጋስ፡ እዚ ብኢድ ውሕሉልን ምኩርን ፓይለት ጥራይ ክግበር ከም ዝኽእል ደምዲሞም።

እዚ ልክዕ ኤምኤች370 ካብ ማሌዥያ ናብ ክሊ ኣየር ቬትናም እናተጓዕዘት እንከላ ዝተገብረ ብምዃኑ፡ እቲ ኣብራሪ ነቲ ምልውዋጥ ክሓብኦ ይፍትን ከም ዝነበረ ይሕብር። ከምኡ’ውን ቅድሚ ተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ቬትናም ካብታ ነፋሪት ሓበሬታ ቅድሚ ምርካቦም ክኸውን ከም ዝገበረ ይግለጽ።

ካልኦት ግምታት ድማ፡ ኩሎም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት ዘይተፈልጠ ጸቕጢ፣ ሃንደበታዊ ኣዕናዊ ባርዕ፣ ነቲ ርክባት ዘቋርጽ ነትጒ ድሕሪ ምግጣሙ 'ሃይፖክስያ’ ወይ ሕጽረት ኦክስጅን ከም ዘጋጠሞምን እዚ ድማ ኣብረርቲ ንድሕሪት ክምለሱ ከም ዘገደዶም ይገልጹ።

ግን ድማ፡ እቲ ድሕሪኡ ንሸውዓተ ሰዓታት ናብ ደቡብ ዝቐጸለ ርጉእ በረራ ነዞም ግምታት ቅቡልነት ከይህልዎም ገይሩ’ዩ። እቲ፡ ካብቶም ኣብረርቲ እቲ ሓደ ነታ ነፋሪትን ንኹሎም ተሳፈርታን ኰነ ኢሉ ናብ ሞት ወሲዱዎም’ዩ ዝብል ሓሳብ’ውን ክትቅበሎ ኣጸጋሚ እዩ። ክልቲኦም ኣብረርቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ከረድእ ዝኽእል ድሕረ-ባይታ ኣይጸንሖምን።

እዚ ኵሉ ግምታት ግን ኣብ ልዕሊ ስድራ ግዳያት ከቢድ ሳዕቤናት’ዩ ኣስዒቡ ዘሎ።

በዓልቲ ቤት ተቖጻጻሪ ውሽጣዊ በረራ ኤምኤች370 ፓትሪክ ጎመስ ዝዀነት ጃኪታ ጎንዛለዝ፡ “እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝኸፍአ ጸላኢየይ ክበጽሕ’ውን ኣይምነን። መጀመርታ ክደልዩዋ ምስ ጀመሩ ገለ ነገር ከም ዝረኸቡ ክንሰምዕ እንከለና ተስፋና ሓፍ ኢሉ ይጸንሕ፤ ጸኒሑ ድማ ኣይፋል ናታ ኣይኰነን ንሰምዕ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ትንፋስና ዳርጋ ብኻልእ ሰብ ዝተወስደ ኰይኑ’ዩ” ዝስምዓና ትብል።

እታ ነፋሪት ካብ እትጠፍእ ኣትሒዙ፡ መንግስቲ ማሌዥያ ካብ ስድራ ግዳያት ሓያሎ ነቐፌታ ክበጽሖ ጸኒሑ ኣሎ። ሚኒስትሪ መጓዓዝያ እታ ሃገር፡ ኣብ ጽምብል 10ይ ዓመት ምጥፋእ እታ ነፋሪት ተረኺቡ፡ ምናልባት ኣብዚ ዓመት ኣለሻ እታ ነፋሪት ክጅመር ከም ዝኽእል ኣአንፊቱ።

ከም ሊ ዝበሉ ስድራቤታት ድማ፡ እንተውሓደ ነብሲ መቕርባቶምን ደቆምን ሓመድ ድበ ከልብሱ ሰማይ ደጊፎም ይጽበዩ ኣለው።

“ወደይ፤ ዓሰርተ ዓመት ኰይኑ። ኣዴኻን ኣነ ኣቦኻን ናብ ገዛኻ ክንወስደካ ኣብዚ ኢና ዘለና። ሰለስተ መጋቢት 2024” ሊ፡ ብርክኽ ኢሉ ንወዱ ካብ ዝጽሓፎ ደብዳበ’ዩ።