ውግእ ዩክረይን ፦ ሩስያ ንካልኣይ ሳዕ ትዕወት’ዶ ትኸውን?

ከተማ ኣቪዲቪካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰራዊት ዩክረይን፡ ብዛዕባ’ታ ቅድሚ ቁሩብ ግዜ እንደገና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዝኣተወት፡ ብ2014 ብሩስያ ተታሒዛ ዝነበረት ምብራቓዊት ከተማ ኣቭዲቪካ ንምግላጽ ጥንቁቕ ቃላት’ዩ መሪጹ።

ይኹን እምበር ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ ኣሎ። ሩስያ ድሕሪ እቲ ዓሚ ብዩክረይን ዝተሳዕረትሉ እዋን ሕጂ ነታ ከተማ ዳግማይ ብምምንዛዕ ዝዓበየ ዓወት ከተረጋግጽ ትኽእል እያ።

ዋላ’ኳ ሰራዊት ሩስያ ከቢድ ዕንወት እኳ እንተኣጋጠሞ፡ ኣብቲ ንኣርባዕተ ወርሒ ዝቐጸለ ዘየቋርጽ መጥቃዕትታት፡ ሰራዊት ዩክረይን ብዓቕሚ ሰብን ኣጽዋርን ተበሊጹ’ዩ። ተተኳሲኡ እውን ነክዩ እዩ ።

ድሮ ሰራዊት ዩክሬን ካብታ ብኣዋርሕ ብሓይልታት ሩስያ ዝተኸበበት ኣገዳሲት ምብራቓዊት ከተማ ኣቭዲቭካ ሰራዊቱ ከምዝሰሓበ ገሊጹ'ሎ።

ናይ ከተማ ኣቪዲቪካ ምትሓዝ ነቲ ዓቢ ግጭት እንታይ ትርጉም ኣለዎ ?

ኣብ ሓጺር ግዜ

ሰራዊት ዩክሬን ካብታ ብኣዋርሕ ብሓይልታት ሩስያ ዝተኸበበት ኣገዳሲት ምብራቓዊት ከተማ ኣቭዲቭካ ሰራዊቱ ከምዝሰሓበ ገሊጹ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, RL/SERHII NUZHNENKO/REUTERS

ኣብዚ እዋን ንዩክረይን ኣዝዩ ዘተሓሳስባ ዘሎ ሕቶ፡ ወተሃደራታ ካብ ኣቪዲቭካ ብህይወት ከተውጽኦም ምኽኣል እዩ።

እቲ ኣብታ ከተማ ተዋፊሩ ዝነበረ 3ይ ብርጌድ፡ ብኹሉ ኣንፈት ብኣጋር ሰራዊት መጥቃዕቲ ከምዝወረዶን፡ ሩስያውያን ነቲ ንሓይልታት ዩክረይን ዘራኽብ ቀንዲ ናይ ሎጂስቲክ መስመር ከም ዝቖረጹዎን እዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ።

ሩስያ ነቶም እትተኣማመነሎም ብልዑል ብቕዓት ዝሰልጠኑ ተዋጋእቲ ወተሃደራታ እያ ኣብቲ ቦታ ኣሰሊፋቶም ዘላ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ዕርድታት ዩክረይን፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 60 ቦምባታት ትድብድብ ከም ዘላ ይእመን። ከምቲ ኣብ ካልእ ናይ ዩክረይን ሰፈራታት እትግብሮ ከኣ ነታ ምሉእ ብምሉእ ዝዓነወት ከተማ “ሓራ ኸተውጽኣ "እያ ።

ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ንባክሙት ሒዛታ እያ።

እታ ዩክሬናዊት ከተማ ባክሙት ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብሩስያውያን ክትተሓዝ እንከላ፡ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዩክሬናዊ ጄኔራል ኦሌክሳንደር ሲርስኪ፡ ነታ ከተማ ክከላኽል ክብል ዘየድሊ ክሳራ ብምኽፋሉ ተኸሲሱ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ግን፡ ዩክረይን "ኣብ ምክልኻል" እያ ዘላ ድሕሪ ምባል፡ "ከቢድ መስዋእቲ ካብ ምኽፋል ምንስሓብ እያ ትመርጽ” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ማእከላይ ግዜ

ብኵናት ዝተሃሰያ ከተማታት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብዚ ዝተናውሐ ውግእ፡ እቲ ናይ ዩክረይንን ሩስያን ዘሎ ፍልልይ እናተጋህደ ይመጽእ ኣሎ። ልዕሊ 140 ሚልዮን ህዝቢ ሩስያ፡ ካብ ዩክረይን ኣዝዩ ይተዓጻጸፍ።

እዚ ናይ ሩስያ ወተሃደራዊ ገስጋስ ብሓደ ለይቲ ዝመጽአ ኣይኮነን። ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ጀሚራ ሞስኮ፡ ንኣቪዲቭካ ንምቁጽጻር ተኸታታሊ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ከተካይድ እያ ጸኒሓ።

እቶም ኣብታ ኢንዱስትርያዊት ከተማ ኣብ ዝርከብ ጽኑዕ ዕርዲ ኰይኖም ዝከላኸሉ ዘለው ዩክሬናውያን፡ ንመሬት ዞባ ዶንባስ ብሬሳታት ሰራዊት ሩስያን ብዘዕነውወን ዝተቓጸላ ተሽከርከርትን መሊኦም ኣለው።

ሩስያ ኣብቲ ግጥም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት እኳ እንተኸሰረት ነቲ ጉደለት ቀልጢፋ ብምትካእ ተጥቅዕ ኣላ። ሓይልታት ዩክረይን እውን ማዕረ እቲ ናይ ሩስያ እኳ እንተዘይኮነ ጉድኣት ወሪዱዎም እዩ።

ሕጂ፡ ሰራዊት ሩስያ፡ ነቲ ሃገሮም ቅድሚ 10 ዓመት መጥቃዕቲ ክትጅምር እንከላ ናብ ዝነበሮም ቁመና ዝተመልሱ ይመስሉ።

ዩክረይን ነቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝርከብ ብኣዋርሕ እተሃንጸ ዕርድታት ሩስያ ንኽትሰብሮ ብዘይምኽኣላ ተበሳጭያ ኣላ።

ኣብ ኣቪዲቭካ ኣብ ዝዋጋእ ዘሎ ኣዛዚ 3ይ ብርጌድ ዩክረይን ሜጀር ሮዲዮን ኩድሪያሾቭ፡ "ሩስያ ስልታዊ እምበር ስትራተጂያዊ ሸቶታት ከተዐውት ኣይትኽእልን እያ" ይብል ። ሰራዊቱ ብብዝሒ ተዓብሊሎም፡ ሓደ ንሸውዓተ ይዋግኡ ከምዘለውን፡ እዚ ከኣ፡ ምስ ክልተ ሰራዊት ከም ምውጋእ ምዃኑን ጸሓፊ ዝዓንቀጽ ጄምስ ዋተርሃውስ ብተሌፎን ሓከምዝተሓበረ ገሊጹ።

እቲ ጄነራል ዋላ’ኳ ውሕስነት ንተዘይሃበ፡ ሩስያውያን ናብ ከተማታት ፖክሮቭስክን ኮስቲያንቲቪካን ክደፍኡ ከምዘይክእሉ ሓቢሩ’ሎ። “እታ ክገብሩዋ ዝኽእሉ፡ ነታ ካብ 2014 ኣትሒዛ ሩስያ ተቘጻጺራታ ዘላ ብምብራቕ እትርከብ 15 ኪ.ሜ. ርሕቀት ዘለዋ ከተማ ዶነትስክ ዝያዳ ጸቕጢ ምግባር እያ” ከኣ ኢሉ።

ኣብ ዝተናውሐ ግዜ

ዩክረይን ቅድሚ ሕጂ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሓጋይ 2022፡ ንድሕሪት ተመሊሳ እያ።

ብግቡእ እተዓጥቀ ዓርሞሸሽ ሰራዊት ሩስያ፡ ንከም ሊሲቻንስክን ሴቬሮዶኔትስክን ዝኣመሰላ ከተማታት ከቢቡወን ኣሎ። ዩክሬናውያን ነቲ መጥቃዕቲ ደው ከብልዎ ኣይከኣሉን ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብታ ዓመት ካብ ምዕራባውያ ዝወሓዘ ኣጽዋር ነቲ ወተሃደራዊ መንፈስ ስለዘበራበሮ፡ ዩክረናውያን ንከም ከርሰንን ካርኪቭን ዝኣመሰላ ቦታታት እንደገና ተቖጻጺሮመን።

እዚ ናይ ሕጂ ግና ካልእ ውግእ እዩ ።

ዓለማዊ ፖለቲካ ኣብ ዓውደ ውግእ ዝያዳ ጽልዋ ኣለዎ ።

ዝተቖራረጸ ናይ ምዕራባውያን ወተሃደራዊ ሓገዝ፡ ካብ ከተማ ኣቪዲቭካ ናይ ምንስሓብ ቀጥታዊ ኣበርክቶ ገይሩ’ዩ ።

ኣመሪካ ንዩክረይን ኣጽዋር እተዕጥቐሉ ናይ 95 ቢልዮን ዶላር ባጀት ክሳብ ሕጂ ብዋሺንግተን ስለዘይጸደቐ ካልኦት መሻርኽቲ ነቲ ጋግ ኽመልእዎ ይቃለሱ ኣለው ።

እዚ ማለት ድማ ዩክሬናውያን ተተኳሲ ከመቓርሑ ስለዝግደዱ ሞራሎም ክትንከፍ ይኽእል እዩ። ኣቪዲቪካ ጥራሕ ዘይኮነስ ክየቭ እውን ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ ትኽእል እያ።

ቭላድሚር ፑቲን ንብምልእታ ዩክረይን እዩ ዝደሊ። ሕጂ ንብምልእታ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከእትዋ ይኽእል እዩ።

እዚ ክውንነት’ዚ፡ ነቲ ምዕራባዊ ዓለም ንሩስያ ንምክልኻል ዘርእዮ ዘሎ ሓድነት ናብ ዝነበሮ ዝመልስ ወይ ከኣ ነቲ ዩክረይን ዋላ’ኳ ኣብ ኣቭዲቪካ ኰነ ኣብ ካልእ ቦታታት ዘርኣየቶ ፍሉይ ናይ ምክልኻል ተጋድሎ ብዘየገድስ፡ ኣብቲ ውግእ ክትዕወት ከም ዘይትኽእል ዘመልክት ግጉይ ኣተሓሳስባን ጥርጣረን ከጋድዶ ይኽእል እዩ ።