'ዓጀውጀው ዝመልኦ' ዝተባህለ ቃለ-መሕትት ቭላድሚር ፑቲን እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, SPUTNIK VIA REUTERS
ኣመሪካዊ ኣዳላዊ መደብ ዕላል ታከር ካርልሰን ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ፑቲን ታሪኽ ሩስያን ዩክረይንን ኣመልኪቱ ንፍርቂ ሰዓት ብዝገበሮ ዓጀውጀው እዩ ጀሚሩ።
እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ ኣብ ታሽዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ መበቆል መንግስታዊነት ሩስያ፡ ዩክረይን ናይ ሓሶት ሃገር ምዃናን ፖላንድ ምስ ሂትለር ምትሕብባራን ኣብ ዝገልጸሉ እዋን መብዛሕትኡ ግዜ ካርልሰን ዝተደናገረ ይመስል ነይሩ።
እዚ ሓሳብ ፑቲን ሓድሽ ኣይኰነን፤ ንሱ ኣብ 2021 "ብዛዕባ ታሪኻዊ ሓድነት ሩስያውያንን ዩክረይናውያንን" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ 5000 ቃላት ዝሓዘ ድርሰቱ ክረምሊን ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ንዩክረይን ንኽትወርር ዘቕረቦ ምሁራዊ ምኽንያት ዘመልክት እዩ።
ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ፑቲን ዘቕረቦም ምኽኒታዊ ቃላት ዕሽነት እዮም ይብሉ፣ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምምኽናይ መሪጽካ ታሪኽ ካብ ምጥቃም ሓሊፉ ካልእ ዝውክሎ ነገር የለን።
ታሪኻዊ ክውንነት ብዘየገድስ፡ ዋላ ሓደ ካብቶም ፑቲን ዝገለጾም ነቲ ወራሩ ሕጋዊነት ዝህብ ምኽኒት የለን።
መንግስቲ ዘማእከለ ትረኻ
ፑቲን፡ 862 "መንግስቲ ሩስያ ዝተመስረተሉ" ዓመት ምዃኑ ብምግላጽ እዩ ነቲ ቃለ-መሕትት ዝጅምር። እዚ ዓመት እዚ ሩሪክ ዝተባህለ መስፍን ስካንዲናቭያ ነታ ርእሰ ከተማ ሩስ ዝዀነት ከተማ ኖቭጎሮድ ክገዝእ ዝተዓደመሉ ዓመት እዩ ነይሩ - ሩስ ማለት ኣብዚ እዋን ሩስያውያን ናብ ዝበሃሉ ሰባት ዝማዕበሉ እዮም።
ፑቲን፡ ነቲ ካብ 9ይ ክፍለ ዘመን ዝጅምር ዘይተበተኸ ልምዲ መንግስታዊነት ሩስያ እዩ ዝብሎ ምስታ ዘመናዊ "ምህዞ" ዝብላ ዩክረይን ኣነጻጺሩዎ፤ ንሱ፡ ዩክረይን ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን "ዝተፈጥረት" ሃገር እያ ይብል።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ሰርጌይ ራድቸንኮ ግን፡ እቲ ፕረዚደንት ዝብሎ ዘሎ "ምሉእ ሓሶት" ከምዝዀነ ይገልጽ፤ ሰርጌይ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምዕቡል ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ጸሓፊ ታሪኽ እዩ።
"ቭላድሚር ፑቲን ሩስያ ከም ሃገር ምዕባለ ዝጀመረት ኣብ 9ይ ክፍለ ዘመን እዩ ብምባል ንድሕሪት ተመሊሱ ትረኻ ክሃንጽ ይፍትን ኣሎ። ተመሳሳሊ መርትዖታትን ሰነዳትን ተጠቒምካ ዩክረይን እውን ከም ሃገር ምዕባለኣ ዝጀመረት ኣብ 9ይ ክፍለ ዘመን እያ ምባል ይከኣል እዩ።"
"ኣንጻር ካልእ ምትእኽኻብ ዘመልክቱ ነገራት ዝዀነ ገለ ታሪኻዊ ሓቅታት ተጠቒሙ፡ ንሩስያ ዝምችእ መንግስቲ ዘማእከለ ንምህናጽ እዩ ዝፍትን ዘሎ" ክብል ይውስኽ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ዝሰርሕ ፕሮፌሰር ሮናልድ ሱኒ ብወገኑ፡ ሩስ "ናይ ገዛእ ርእሶም ርእሰ ከተማ ብተደጋጋሚ ብዘቃጸሉ ዕስለ ሸፋቱ” ዝቘመት እያ ይብል።
ወሲኹ ድማ፡ ፑቲን "ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዝተወሰኑ እዋናት መበቆሎም ምስ ሩሪክ ዝተኣሳሰር ከምዝዀነ ብዝገልጹ ዛራት ሙስኮቭ ዝተዳለወ ጽውጽዋይ ይደግሞ ኣሎ" ይብል።
"እዚ ጽውጽዋይ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ሃጸያዊ ምቍጽጻር ከምዘለዎም ንምምኽናይ ኣብ ሞስኮ ዝተጸሞቐ እዩ።"

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
'ፍሉይ ብሄር'
ፑቲን ንቱከር ካርልሰን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን፡ ፖላንድ ንገለ ክፋል ናይ ሕጂ ዩክረይን ክትገዝእ ምስ መጸት፡ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ "ብልክዕ ሩስያውያን ኣይነበሩን። ኣብ ወሰን ጫፍ ስለዝነብሩ፡ ዩክረይናውያን እዮም" ዝብል ሓሳብ ከምዘተኣታተወት” ገሊጹ።
"ኣብ መጀመርታ ዩክሬናዊ ዝብል ቃል፡ እቲ ሰብ ኣብ ወሰን እታ ግዝኣት ዝነብር ማለት'ዩ ነይሩ።"
ፕሮፌሰር ኣኒታ ፕራዝሞቭስካ ግን፡ ዋላ’ኳ ኣብ መንጐ ዩክረይናውያን ሃገራዊ ንቕሓት ካብ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ኣውሮጳ ድሒሩ እንተተቐልቀለ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ግን ዩክሬናውያን ከምዝነበሩ ትዛረብ።
"[ቭላድሚር ፑቲን] ኣብ ሓለዋ ዝተነጸረት ሃገር ዝተመርኰሰ ናይ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣምር መንግስቲ እዩ ዝጥቀም ዘሎ፡ ግን ንድሕሪት ዝምለስ ነገር ኣይኰነን።"
ፕሮፌሰር ሮናልድ ሱኒ፡ ሩስያውያን፡ ዩክሬናውያንን ቤላሩሳውያንን "ካብ ሓደ መበቆል ዝመጹ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም" ዝብል ሓቂ ክኸውን ተኽእሎ እኳ እንተሃለወ ... "ምስ ግዜ ናብ ዝተፈላለዩ ህዝብታት ከምዝማዕበሉ" ይዛረብ።
'ሓዳስ ሩስያ'
ፑቲን፡ ኣብ ደቡባውን ምብራቕን ዩክረይን ዝርከቡ ከባቢታት "ምስ ዩክረይን ብዝዀነ ይዅን ታሪኻዊ ርክብ ከምዘይነበረን" ይገልጽ። ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ብንግስቲ ሩስያ ካትሪን ዓባይ ካብ ግዝኣት ኦቶማን ዝተጎበጠ ስለዝዀነ ብሓቂ ግቡእ መሬት ሩስያውያን እየን ማለት እዩ ይብል። ፑቲን ድሒሩ ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን "ኖቮሮስያ" - ሓዳስ ሩስያ ዝብል ቃል ተጠቒሙ ይገልጸን።
ፕሮፌሰር ሱኒ፡ ነበርቲ እዘን መሬታት ብሩስያ ኣብ ዝተጐበጣሉ እዋን፡ ሩስያውያን ወይ ዩክረይናውያን ዘይኰኑስ፡ ኦቶማን፡ ታታር ወይ ኮዛክ - ናብ ዶባት ዝሃደሙ ሓረስቶት ስላቭ ምንባሮም ይሕብር።
ኣብ ክውንነት እዞም ግዝኣታት ብግቡእ ሩስያውያን እዮም ምባል ግን ንረብሓ ፑቲን ዘገልግል እዩ፤ ምኽንያቱ ሩስያ ኣብቲ ምስ ጎረቤታ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ግጭት ካብ ዩክረይን ክትወስዶም እትፍትን ዘላ ከባቢታት እዮም።
እታ ኖቮሮስያ ትበሃል ነታ ኣብ 2014 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ዩክረይን ዝተጎበጠት ክሪሚያ ዘጠቓልል እዩ። ሓዳስ ሩስያ፡ ፑቲን ኣብ 2022 ኣካል ሩስያ ኢሉ ዝኣወጆም ኣብ ከባቢ ኬርሰን፡ ማሪዩፖልን ባክሙትን ዝርከቡ ከባቢታት እውን ይሓውስ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
'ስንዕቲ ሃገር'
ፑቲን ኣስዒቡ "ዩክረይን ብድሌት [ጆሴፍ] ስታሊን ዝተቐረጸት ስንዕቲ ሃገረ-መንግስቲ እያ" ክብል ብምግላጽ፡ ኣብ 1920ታት ብመሪሕነት ሶቭየት ዝተፈጥረትን ታሪኻዊ ዋንነት ዘይብላ መሬታት ከምዝረኸበትን ይምጉት።
እዚ ብዝተወሰነ መልክዑ ቅኑዕ ከምዝዀነ ፕሮፌሰር ራድቸንኮ ይዛረብ። መሪሕነት ሶቭየት "ዳርጋ ከምቲ ምዕራባውያን መግዛእታዊ ሓይልታት ኣብ ኣፍሪቃ ዶባት ዝፈጠርዎ - ዶባት ሪፓብሊካት ሶቭየት ብገለ መልክዑ ብሃውሪ” ከምዘካለሉ የብርህ።
"እዚ ማለት ግን ዩክረይናውያን ህላወ ኣይነበሮምን ማለት ኣይኰነን።"
ብተወሳኺ፡ ብሰፊሑ ነቲ ፑቲን ዩክረይን ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ብዘመናዊ መልክዓ ዝተመስረተት እምበር ናይ ብሓቂ ሃገር ኣይኰነትን ኢሉ ዝገልጾ ሓሳብ ይቃወም። "ሃገራት ብሰንኪ ታሪኻዊ መስርሕ ዝፍጠራ ስለዝዀና፡ ዝዀነት ሃገር ዝተሰንዐት ሃገር እያ ምባል" ከምዝከኣል ይገልጽ።
"ሩስያ ከም ውጽኢት ዛራት ሩስያ ዝወሰድዎ ውሳነታት እያ ተፈጢራ፡ ንኣብነት ከም መግዛእቲ ሳይበርያ፡ እዚ ድማ ድሌት ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእተወ እዩ።"
"ዩክረይን ስንዕቲ ሃገር እንተዀይና፡ ሩስያ እውን ከምኡ እያ" ክብል ይድምድም።
'ምስ ሂትለር ምትሕብባር'
ምናልባት እቲ ዝያዳ ዘቘጥዕ ሓሳብ ፑቲን፡ ንፖላንድ ዝምልከት እዩ።
ፑቲን፡ ኣብ 1939 ብናዚ ጀርመንን ሕብረት ሶቭየትን ዝተወረረት ፖላንድ፡ "ምስ ሂትለር ተሓባቢራ" ነይራ ይብል።
ኣብቲ ቃለ-መሕትት እቲ ፕረዚደንት፡ ፖላንድ ዳንዚግ ኮሪደር ዝበሃል ከባቢ ንሂትለር ምርካብ ብምእባይ "ሂትለር ካልኣይ ውግእ ዓለም ንኽጅምር ደፊኣቶ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ፑቲን ታሪኽ ዝተርጐመሉ መንገዲ፡ ቅኑዕ ዘይኰነ ኣተረጓጉማ መዝገብ ታሪኽ ከምዝዀነ ፕሮፌሰር ፕራዝቭስካ ትዛረብ።
ሓቂ እዩ ኣብ መንጐ ፖላንድን ናዚን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ነይሩ፤ ሂትለር ናብ ስልጣን ምስ መጸ ኣብ 1934 ምስ ፖላንድ ዝፈረሞ ናይ መጀመርታ ውዕል እተን ሃገራት ነንሕድሕደን ተጻባእቲ ከምዘይዀና እዩ ዝጠቅስ። ይዅን’ምበር፡ ፑቲን ግን እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምትሕብባር ክብል ይሓዋውስ ከምዘሎ ትገልጽ።
"ፖላንዳውያን ይተሓባበሩ ነይሮም ዝብል ክሲ ዕሽነት'ዩ።"
"እዚ ምስ ናዚ ጀርመን ዝተገብረ ምትሕብባር ተገይሩ ክትርጐም የብሉን፡ ምኽንያቱ ብኣጋጣሚ ሕብረት ሶቭየት እውን ምስ ጀርመን [ኣብ ተመሳሳሊ እዋን] ውዕላት ፈሪማ እያ" ትብል።
ኣብ መስከረም 1939 ናዚ ጀርመንን ሕብረት ሶቭየትን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝተኸተመ ውዕል ሞሎቶቭ-ሪበንትሮፕ መሰረት ብምግባር ንፖላንድ ከምዝወረራ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







