‘ፑቲን እንተዘይኰይኑ መን እሞ?’ – ዜጋታት ብዛዕባ መጻኢ መረጻ ሩስያ እንታይ ይብሉ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቭላድሚር ፑቲን ናብቲ ኣብ ክረምሊን ዝርከብ ኣዳራሽ ምርኢት ዝኣተወሉ ህሞት ኣዝዩ መሳጢ ነይሩ።
እቶም ተሃንጥዮም ዝጽበይዎ ዝነበሩ ብዙሓት ፍሉጣት ሩስያውያን ዝርከብዎም ዕዱማት ኣጋይሽ ካብ መንበሮም ተላዒሎም ብድሙቕ ጣቕዒት ተቐቢሎምዎ።
እቶም ኣጋይሽ፡ ፑቲን ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ሕጹይ ኰይኑ ምቕራቡ ብወግዒ ዝድግፉ እዮም።
እወ፡ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ንሓሙሻይ ግዜ ክወዳደር እዩ። ኣብ ገጽ እቶም ኣጋይሽ ድማ ብዘይካ ሓጎስ ካልእ ኣይንበብን።
"[ፑቲን] ፍሉይ መራሒ'ዩ፡ ዝያዳ ተባዕን ለባምን ሰብ" ይብል ኣፍራዪ ፊልም ኣንድሬይ ኮንቻሎቭስኪ።
"ህዝቢ ሩስያ ንፕረዚደንቱ ደገፍ ንምሃብ ክሳብ ክንድዚ ሓቢሩ ኣይፈልጥን። ነዚ ክከላኸል ዝፍትን ክዕወት ኣይኽእልን።" ትብል ድምጻዊት ናደዝዳ ባብኪና።
ብድሕሪ እቲ ፍጻመ ዘሎ ሓሳብ ሕጹይ ፑቲን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ደረጃ ከምዘሎ ንምግላጽ ዝዓለመ ይመስል።
እዚ ግን ቭላድሚር ፑቲን ባዕሉ ዝፈጠሮን ዝመርሓን ‘ፕሪምየር ሊግ’ እዩ። ፖለቲካዊ ስርዓት ሩስያ ማለት ፖለቲካዊ ስርዓት ፑቲን እዩ፤ ስርዓት ሕግታት ፖለቲካዊ ጸወታኡን መረጻኡን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ 2024 መን ይዕወት?
እቶም ኣዝዮም ድምጾም ዘስምዑ ነቐፍቲ ፑቲን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ካብዚ ‘ፕሪምየር ሊግ’ ክወርዱ ተገይሮም እዮም። ወይ ተኣሲሮም ወይ ድማ ክስደዱ ተገዲዶም።
ብሰንኪ’ዚ ውጽኢት ናይቲ መረጻ ንምግማት ከቢድ ኣይኰነን።
ኩሉ ግዜ ከምዚ ኣይነበረን።
ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ኣብ ዝተኻደ ባይቶኣዊ መረጻ መን ከምዝዕወት ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን።
ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን ሩስያውያን ብዛዕባ ዲሞክራሲ፣ ነጻነትን መጻኢ ሃገሮምን ዝግደሱ ከዋኽብቲ ስለዝነበርዎም ውጽኢት እቲ መረጻ ምግማት ከቢድ እዩ ነይሩ።
ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ መረጻ ግን መን ከምዝዕወት ንምግማት ፖለቲካዊ ተንታኒ ምዃን ኣየድልየኩምን። ፕረዚደንታዊ መረጻ 2024 ብቭላድሚር ፑቲን ዓብላልነት ከምዝዛም ምዝራብ ይከኣል’ዩ።
ክሳብ ክንድዚ ዘተኣማምኑ እንታይ ምኽንያታት ኣለዉ?
ቀዳማይ፡ ዋላ’ኳ ንመረጻ ዝቐርብ ፑቲን ጥራይ እንተዘይኰነ፡ ከምቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ መራሒ ተቓወምቲ ኣሌክሲ ናቫልኒ ዝኣመሰሉ ቀንዲ ተቐናቐንቱ ግን ኣብቲ መረጻ ኣይክሳተፉን እዮም።
ኣብ ‘ፕሪምየር ሊግ’ ፑቲን፡ ናቫልኒ ኣንጻር ፑቲን ዝኣመሰሉ ጸወታታት ክካየዱ ኣይፍቀድን።
ሓቂ እዩ፡ ቦሪስ ናደዝዲን ዝተበሃለ ካልእ ነቓፊ ክረምሊን ሕጹይ እቲ መረጻ ክኸውን ድፍኢት እናገበረ ይርከብ። ናደዝዲን ግን ከም ናቫልኒ ኣይኰነን። ንሱ ኣንጻር ፑቲን ዝህቦ ነቐፌታ ብጥንቃቐ ዝተመርጸ እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ፕረዚደንታዊ ምምሕዳር ፑቲን እውን ምትእስሳር ከምዘለዎ ይእመን።
ኣብ መወዳእታ ድማ እንተተወዳዲሩ፡ ምውድዳሩ ንፑቲን ገለ ረብሓ ከምዝህልዎ ስለዝተወሰነ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ድማ ፑቲን ምስ ሓደ ዝያዳ ወሳኒ ተወዳዳሪ ምግጣሙ ገለ ተኣማንነት ክፈጥረሉ ስለዝኽእል እዩ ምባል ይከኣል።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ካልኣይ፡ ኣብ ክረምሊን ዘሎ መንግስቲ ሩስያ ንተለቪዥን እታ ሃገር ይቆጻጸር እዩ። ፑቲን ብዙሕ ናእዳን ሳሕቲ ነቐፌታን ዝወሃበሉ ሰፊሕ ናይ ኣየር ግዜ ይረክብ እዩ። እዚ ድማ ንዳግማይ መረጻ ኣብ ትወዳደረሉ እዋን ኣብ ኢድካ ዝርከብ ወሳኒ መስርሕ ይኸውን።
ካልእ ሳልሳይ ምኽንያት እውን ኣሎ።
"ኩላትና ኣብቲ መረጻ ክትወዳደር ምውሳንካ ንደግፎ ኢና፤ ምኽንያቱ ክሳብ ዝዝክሮ ኣብ ስልጣን ጸኒሕካ ኢኻ" ይብል ኣሌክሳንደር ዝተበሃለ ፑቲን ኣብ መወዳእታ ዓመት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተረኸበ መንእሰይ ሪፖርተር ቲቪ ሩስያ።
ከም ኣሌክሳንደር ዝሓስቡ ብዙሓት ሩስያውያን ኣለዉ፤ ንሳቶም ኣብ ክረምሊን ካልእ ፕረዚደንት ምርኣይ ክሓስብዎ ዝኽእሉ ነገር ኣይኰነን።
ናይ’ዚ ምኽንያት ግን እቶም ሩስያውያን ንፑቲን ከም ጣኦት ስለ ዝርእይዎ ኣይኰነን - በቃ ኣማራጺ ስለዘይብሎም’ምበር።
ብዙሕ ግዜ ሰባት "እዋእ ፑቲን እንተዘይኰይኑ መን እማ?" ክብሉ ይስምዑ’ዮም።
እዚ ድማ ብክረምሊን ዝተወጠነ ውዲት እዩ። ክረምሊን፡ ነቲ ንኣስታት 25 ዓመታት ንሩስያ ከም ፕረዚደንት ወይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝገዝኣ ፑቲን ክብድህ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ሰብ ብምእላይ ነቲ ፖለቲካዊ መድረኽ ኣጽሪዩዎ እዩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እታ "መን እማ?" እትብል ንእሽቶ ሕቶ መልሲ ከይረኸበት ተሪፋ ኣላ።
ካብቶም ብዛዕባ እቲ መረጻ ዘለዎም ተስፋ ዝዛረቡ ሩስያውያን መብዛሕትኦም፡ እቲ መራሒ ከይተቐየረ ገለ ለውጢ ዝደልዩ ይመስሉ።
"ሕጂ ደውታ ስለዘሎ ነገራት ናብ ዝሓሸ ክቕየሩ ተስፋ እገብር" ይብል ኢልያ ዝተባህለ መንእሰይ።
"ሓድሽ ሰብ እንተመሪጽና ግን፡ እቲ ዝተመርጸ ሰብ ጾር መንግስቲ ክጻወሮ ኣይክእልን'ዩ። ከም ፑቲን ዝኣመሰለ ተመኩሮ ዘለዎ ሰብ፡ ኣብዚ ሕዚ ዘለናዮ ኣጸጋሚ ኵነታት'ውን እንተዀነ ነታ ሃገር ከማዕብላ ይኽእል'ዩ።
"ኣብቲ መረጻ ዓቢ ተስፋ ኣለኒ። እቲ ኲናት ክውዳእን ቁጠባ ክመሓየሽን ተስፋ እገብር። ንፑቲን ግን የኽብሮ እየ" ትብል ጡረተኛ ሊድያ።
ፑቲን ዝሰርሖ ክሰርሕ ዝኽእል ካልእ ሰብ መን ኣሎ?
"ኣብዚ ሕዚ እዋን የለን" ትብል ሊድያ። "ምናልባት ፑቲን ድሒሩ ሰብ ክረክብ ይኽእል'ዩ። ግን ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።"
ኣብ ዩክረይን ዝተፈጸመ ኲናትን ርኡይ ወተሃደራዊ ክሳራታት ሩስያን ከይተረፈ፡ ኣብ ፕረዚደንትን ዋና ኣዛዚን እታ ሃገር ሰፊሕ ተስፋ ምቑራጽ ዘስዓበ ኣይመስልን።
እቲ ምሉእ ወራር ንኽጅመር ዝወሰነ ፑቲን እዩ። ገለ ሩስያውያን ግን ድራኸኡን ሳዕቤኑን ኣብ ሕቶ ከየእተዉ፡ ኣብ እዋን ኲናት ንመራሒኦም ምድጋፍ ግቡኦም ምዃኑ ይኣምኑ።
ካልኦት ድማ እቲ ኲናት ብሩስያ ዘይኰነስ ብምዕራባውያን እዩ ተጀሚሩ ዝብል ወግዓዊ ትረኻ/ኣማራጺ ክውንነት ይቕበሉ።
ፖለቲካዊ ተሳትፎ ተቓወምቲኸ?
ጋዜጠኛ ቲቪን ኣባል ባይቶ ዞባን ነበር የካተሪና ዱንትሶቫ፡ ኣብ ክረምሊን ለውጢ ክትሪኢ ድሌት ኣለዋ። ንሳ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንባዕላ ንፕረዚደንትነት ክትወዳደር ፈቲና ነይራ። ኣብ ዩክረይን ሰላም ንክሰፍን፡ እሱራት ፖለቲካ ንክፍትሑን "ሰብኣዊት" ሩስያ ንኽትመጽእን ጸዊዓ ነይራ።
ማእከላይ ኮሚሽን መረጻ ሩስያ ኣብ ወረቓቕቲ ስሕተት ብምጥቃስ ካብ ምውድዳር ክትግለፍ ገይሩ።

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
እቲ "ፖለቲካዊ ስርዓት ከም ገለ ዓይነት ባዕዳዊ ኣካል” ከምዝቖጸራ ትገልጽ።
ሕዚ ግን ሓድሽ ሰልፊ ተጣይሽ ኣላ።
እቲ ስርዓት ገለ ፍርሒ ኣይፈጠረላን ድዩ?
"ንገብሮ ዘለና ነገር ዘይሕጋዊ ኣይኰነን። ብመሰረት ሕጊ ኢና ንሰርሕ ዘለና። እንተ ፍርሒ ግን . . .ፍርሒ ክስዕር የብሉን። ኣነ ኣብቲ ዝገብሮ ዘለኹ እኣምን’የ። እዚ ተወፋይነት ድማ እቲ ፍርሒ ካልኣይ ደረጃ ክኸውን ይገብሮ።"
ብዘይቁጽጽርን ሚዛንን ንርብዒ ዘመንን ልዕሊኡን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሓደገኛ ኣይኰነን ድዩ?
ኣብቲ ንጎስጓስ ፑቲን ዝተዳለወ መደብ ዝተረኸበት ዋና ኣሰናዳኢት ኣርቲ ማርጋሪታ ሲሞንያን፡ እዚ ሕቶ ንዓመታት ዝተገብረ ምድግጋም ፕሮፖጋንዳ ምዃኑ ትገልጽ።
"ሓደ ሰብ ኣብ ስልጣን ንነዊሕ እዋን እንተጸኒሑ፡ ካብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት መራሒ ምቕያር ዝኸፍእ ክኸውን'ዩ ማለት ኣይኰነን" ኣብ ካምቦድያ፡ ፖል ፖት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ሲሶ ህዝቢ ከምዘጥፍአ ተዘኻኻር።
እዚ ዘጸናንዕ ሓሳብ ድዩ?




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







