ኤርትራ፡ ቀንዲ ፍጻመታት ዓመተ 2023

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ዓመተ 2023 ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ፡ ስፖርት፡ ሕልፈት ዓበይቲ ሓለፍቲ መንግስትን ሰራዊትን ካልኦት ክስተታትን ዝተራእየላ ዓመት’ያ ነይራ።
ፕረዚደንት ኤርትራ ናብ ቻይና፡ ሩስያ፡ ግብጺ፡ ኬንያ ስዑድያን ካልኦት ሃገራትን ምብጻሕ ዘካየደለካ ዓመት’ውን እያ።
ኣብቲ ዝተዛዘመ ዓመት ካብ ዝተራእዩ ፍጻመታት እምበኣር፡ ኣገደስቲ ንዝበልናዮም ብኸምዚ ዝስዕብ ኣወሃሂድና ነቕርብ፤
ጥሪ
ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ወርሒ ጥሪ፡ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብቐንዱ ምስ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያን መስርሕ ኣፈጻጽማ ውዕል ሰላምን፡ ዘርእዮ ዘሎ ምዕባለታትን ካልእን ኣልዒሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ይወጽኡ ምህላዎም ብሓጐስ ከምዝቕበሎ ብምምልካት፡ እዚ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ወሳኒ ምዕባለ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኣብ ራብዓይ ሰሙን ጥሪ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ዝምራሕ ላዕዋይ ልኡኽ ሩስያ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ኣትዩ። ኣብ ኣስመራ ድማ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ተዘራሪቡ።
ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ዝምድና፡ ንሓያለ ዓመታት ዛሕቲሉ'ኳ እንተነበረ፡ ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ ግን ርክበን እናሓየለ መጺኡ'ሎ። ኤርትራ፡ ንሩስያ ዝዅንን ውሳነታት ሕቡራት ሃገራት ብምቅዋም ጸግዒ ሩስያ ዝሐዘት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር'ያ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ወርሒ፡ ኣብ ኤርትራ ዕደና ፖታሽ ንምምዕባል ዝተመስረተ ኩባንያ ዳናካሊ፡ ኣብቲ ኣብ ዓሚቝ ከባቢ ደንካልያ ዝርከብ ፕሮጀክት ፖታሽ ዝነበሮ 50 ሚእታዊት ብርኪ ብምሉኡ ንሓደ ሲችዋን ዝተባህለ ቻይናዊ ኩባንያ ዕደና ሸይጡዎ'ሎ። እቲ ፖታሽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንወጻኢ ክሰድድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ኩባንያ ዕደና ኮሉሊ፡ ብዳናኪልን መንግስቲ ኤርትራ ዝውነን'ዩ።
ለካቲት

ምንጪ ስእሊ, FERWACY
ፕረዚደንት ኢሳይስ ብ 8 ለካቲት ናብ ኬንያ በጺሑ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፤ ብ 28 ለካቲት ድማ ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ ምስ ወራስ-ዘውዲ ንግስነት ስዑድ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ዘትዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዊልያም ሩቶን ካብ ዝተሰማምዕሎም ነጥቢታት እቲ ሓደ ዜጋታት ክልቲኤን ሃገራት ካብን ናብን ብዘይ ቪዛ ክንቀሳቐሱ ዝብል ነጥቢ ድሮ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ።
13 ለካቲት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ "ጸረ-መጥቃዕቲ" ክብል ገሊጽዎ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያን ዓለማዊ ጉዳያትን ዘተኮረ፡ ምስ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ስምምዕ ሰላም ትግራይ ንህወሓት ንምድሓን ብድፍኢት ኣሜሪካ ዝተገበረ እዩ ኢሉ።
ብ9 ለካቲት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኤርትራ ካብ መፋርቕ 2022 ክሳብ ፈለማ 2023 ኣብ ዝቐጸለ ግፋን ናይ ኲናት ክተት መጸዋዕታትን ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ማእሰርቲ ዝርከቦ መቕጻዕትን ምስርጣያትን ከምዝወረደ ገሊጹ።
ዋላ'ኳ እቲ ኣብ 1994 ብወግዒ ዝፈለመ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣግልግሎት ካብ 18 ክሳብ 40 ዝዕድመኦም ዜጋታት ን18 ኣዋርሕ ከገልግሉ ዝእዝዝ እንተዀነ፡ ንኣስታት 25 ዓመታት ገደብ ኣልቦን፡ ንናኣሽቱን ዓበይትን ዘጠቓለለን ኰይኑ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብ ራብዓይ ሰሙን ለካቲት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ኣስገዲዱ ዝእክቦ ግብሪን ናይ ዕደና ገንዘብን ተጠቒሙ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ይፈጥር ከምዘሎ ከሲሱ ነይሩ።
መንግስቲ ኤርትራውን ነቲ ክሲ ቅሉዕ ሓሶት ኢሉ ብምኹናን ብመንገዲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ዝርከብ ኤምባሲኡ፡ ኤርትራ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታታ እተኽፍሎ ኣዘራራቢ 2% ግብሪ ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ሕጋዊ ውሳነ ከምዝዀነ መግለጺ ኣውጺኡ።
ይዅን’ምበር እቲ እንኮ ተሪፉ ዝነበረ ፈጻሚ ኣካል እታ ሃገር ዝዀነ ካቢነ ሚኒስተራት'ውን ድሮ ብዘይተገልጸ ምኽንያታት ኣብዚ እዋን ደስኪሉ ይርከብ።
ወርሒ ለካቲት ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ሄኖክ ምሉብርሃን ኣብ ጋና ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ነታ ኣብ 2022 ዝደፍኣ ዘውዲ ኣብ 2023’ውን ብምድጋም ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝዀነላን፡ ኣብቲ ካብ 19 ክሳብ 26 ለካቲት ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ’ውን ኣብ ክልተ መድረኻት ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ክኸውን ክኢሉ።
ሄኖክ፡ ኣብ ሓምለ’ውን ኣብ ቻይና ኣብ ዝእንገድ ዙር ኵንሃይ ሌክ ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያን ብምዃን ከም መርኣይኡ ኣብ ታሕሳስ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ዝብል ሽልማት ክብርከተሉ ክኢሉ።
መጋቢት

ምንጪ ስእሊ, SHABAIT
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ሩስያ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ንሩስያ ዘለዋ መትከላዊ ደገፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። እቲ ሚኒስተር ነቲ ኲናት ንሩስያ ንምጥፋእ ዝዓለመ፡ ንዩክረይን መስዋእቲ ዝገበረ ምስምስ እዩ ከብል ገሊጽዎ።
ብ 13 መጋቢት ፕረዚደንት ሶማልያ ሸኽ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ - ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ንሳልሳይ ግዜኡ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክዘራረብ እንከሎ፡ ኣብታ ዕለት፡ ኣብ ፖለቲካ ሱዳን ዓቢይ ጽልዋ ዘለዎ ምክትል ልኡላዊ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል መሓመድ ዳጋሎ - ሕሜቲ፡ ናብ ኤርትራ በጺሑ ምስ ፕረዚደንት ተዘራሪቡ።
ብ23 መጋቢት ከኣ ኤርትራን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃን ንቅልውላው ጸዓት ኤርትራ ንምቅላል ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ምወላ ክገብሩ ተሰማሚዖም። እቲ ገንዘብ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ ንዝትከል ናይ 30 ሜጋ ዋት ጸሓያዊ (ሶላር) መመንጨዊ ጸዓት ንምምዕባል ዝውዕል'ዩ። እታ ሃገር፡ "በቲ ዘይእኹል፡ ዘይስሩዕ፡ ክቡርን በካልን ቀረብ ጸዓት" ክትሳቐ ምጽንሓ'ውን እቲ ባንኪ ይገልጽ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ’ታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ነዳዲ ጽዒና ከተንሳፍፍ ዝነበረት መርከብ ነዳዲ ክኽሰት ዝኽእል ከቢድ ከባቢያዊ ዕንወት ንምክልኻል እተኽእል፡ ሓንቲ ዓባይ መርከብ ብምዕዳግ ነቲ ነዳዲ ናብ ካልእ መርከብ ብምግዓዝ ነቲ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ናብ ባሕሪ እንተልሒኹ ክፈጥሮ ዝኽእል ዝነበረ ከቢድ ብከላ ከወግዶ ክኢሉ።
ሚያዝያ
ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ሓያለ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ዝሓቘፈ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዱ።
ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ። እቲ ሚኒስተር ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ብምርኻብ ኤርትራ ናብ ኢጋድ ዳግማይ ክትጽንበር ምውሳና ሞጊሱ።
ግንቦት
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብምኽንያት ጽንብል ባዓል ናጽነት’ታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ ዋሽንግተን ኣብዚ ቀረባ ዘውጽኣቶ ናይ ፖሊሲ ሰነድ' "ንመንግስቲ ኤርትራ ንምንጻል" ቅሉዕ ኲናትዩ ክብል ገሊጽዎ።
26 ግንቦት ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ ኤርትራ፡ ንሰሜን ኮርያ ስዒባ፡ ዘመናዊ ጊላነት ብሰፊሕ ዝረኣየላ ሃገር ምዃና ኣብ ዘመናዊ ጊላነት ኣተኲሩ ብዝሰርሕ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት 'ዎክ ፍሪ' ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣረዲኡ።
ብግዱድ ዕዮን ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብተደጋጋሚ ዝኽሰስ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ጸብጻብ ዝሃቦ ግብረመልሲ'ኳ እንተዘየለ፡ ምስሊ እታ ሃገር ንምድዋንን ንምንጻላን ዝግበር ሽርሒ ብምባል፡ ቅድሚ ሕጂ ንዝወጽአ ተመሳሳሊ ጸብጻባት ጊልያነት ክነጽጐ ጸኒሑ'ዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቻይና ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፡14 ልምዓታዊ ቀዳምነታት ኤርትራ ብዝርዝር ድሕሪ ምቕራብ፡ ፕረዚደንት ሺ ትግባረኦም ክከታተል ተላብዩ። ኣቦ ወንበር ኩባንያ ዕደና ዮንግ ብወገኑ፡ “ብሓገዝ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ እቲ ዝዓበየ ወፍሪ ኮሉሊ ክነበግስ ኢና” ኢሉ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ 30 ግንቦት’ውን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንፈለማ ግዜ ናብ ሩስያ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ተዘራሪቡ።
ሰነ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ “ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ኣስታት 200 ዝግመቱ ኤርትራውያን ብግዴታ ናብ ኤርትራ ምምላሶም” ከምዘሻቐሎ ገሊጹ። (ኢሰመኮ) ብተመሳሳሊ ጉዳይ ብ 2 ሰነ ኣብ ዘውጾ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ክግበር ዝጸንሐ ማእሰርቲ ደው ክብል ጸዊዑ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ካልኣይ ሰሙን ሰነ፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ መስፍን ጣሰው ምስ ሪፖርተር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ካብ 2.5 ሚልዮን ዶላር ብ ኤርትራ ተታሒዝዎም ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ ካልእ ክስትት ወርሒ ሰነ፡ ኤርትራ ድሕሪ 16 ዓመት ናብ ኣኼባ ኢጋድ ምምላሳ’ዩ። ኣብ 1993 ናብቲ ዞባዊ ውድብ ዝተጸንበረት ኤርትራ፡ ኣብ 2007 ንህላወ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ብምቅዋም እያ ኣባልነታ ኣደስኪላ። ኣብ 2011 ኣባልነታ ዳግማይ'ኳ እንተኣሐደሰት፡ ወኪል ኤርትራ፡ ኣብቲ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ሚኒስተራት ኢጋድ ክሳተፍ ከምዘይክእል ተነጊርዎ፡ ካብቲ ኣኼባ ከምዝወጽእ ተገይሩ። ካብ ሽዑ ንደሓር ወኪል ኤርትራ ኣብ ኣኼባ ኢጋድ ክሳተፍ እዚ ናይ ሰነ ንፈለማ እዩ።
ሓምለ
ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ፍሉይ ቃለመሕትት፡ 'ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምትዕራቕ'ውን ድሉውነት ኣሎና' ኢሉ። ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ካብ ከቢድ ውግእ ናብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ከምዘሰጋገረ ብምግላጽ፡ ዘይምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ነገራት ሓላሊኹ ከምዘሎ ዘመልከተ ኣቦመንበር ህወሓት፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ባድመ’ውን ክወጽእ ኣለዎ፡ ብምባል ዘለዎም መርገጽ ብዝርዝር ኣረዲኡ።
ኣብ ተመሳሳሊ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ብዛዕባ ሱዳን ንምዝታይ ኣብ ዝገብራኦ ኣኼባ ንምስታፍ፡ ናብ ግብጺ ገይሹ። ብ 8 ሓምለ እውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምክትል ፕረዚደንት መሰጋገሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ማሊክ ዓጋር ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ኣስመራ ረኺቡ፡ ንተስፋን ተኽእሎታትን ደው ምባል እቲ ግጭትን፡ ከምኡ’ውን ተራ ኤርትራ ኣብ ምፍታሕ እቲ ግጭት ኣመልኪቱ ከም ዝተዘራረበ ይፍለጥ።
ኣብቲ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ፡ ሩስያ ንኤርትራ ብናጻ ስርናይ ክትህባ ምዃና ፕረዚደንት ፑቲን ቃል ኣትዩ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብቲ ካብ 27-28 ሓምለ ኣብ ከተማ ፒተርስበርግ ዝተኻደ ዋዕላ ሩስያን-ኣፍሪቃን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኤርትራ ንትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝስዕብ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ነቲ እኽሊ ክርከባኦ ምዃነን' ገሊጹ ነይሩ። እንተዀነ ብዛዕባ እቲ ልግሲ ሩስያ ኣመልኪቱ ብወገን ኤርትራ ዝወጸ ወግዓዊ ግብረመልሲ የለን።
ሓምለ ኣብ ጊሰን ጀርመን ንመንግስቲ ኤርትራ ብዝድግፉ ኤርትራውያን ዝተወደበ ዓመታዊ ፈስቲቫል ንምብታን ብዝተኣኻኸቡ ኣስታት ክልተ ሚእቲ ዝዀኑ መንእሰያት፡ 26 ኣባላት ፖሊስ ከምዝሃረሙን፡ ልዕሊ 125 መዝገብ ክሲ ከምዝተኸፍተን ፖሊስ ጀርመን ሓቢሩ ነይሩ።
ገለ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ከኣ፡ “ጊሰን ዓውደ ግጭት ሳልሰይቲ ሃገር ክትከውን ከነፍቅድ ኣይግባእን’ዩ” ብምባል ነቲ ፍጻመ ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም።
ነሓሰ
ኣብ ሽወደን ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ንዝተዳለወ ዓመታዊ ፈስቲቫል ንምብታን፡ ተቓወምቲ ድሕሪ ዝፈጠርዎ ናዕቢ፡ ልዕሊ 50 ሰባት ተሃስዮም፡ ልዕሊ 100 ተኣሲሮም። እቲ ጽምብል ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ፍቓድ ዝተወሃቦም፡ ልዕሊ 1000 ዝዀኑ፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳ ከምዝተኣኻኸቡ ዝንገረሎም ተቓወምቲ፡ ንሓለዋ ፖሊስ ጥሒሶም ብምእታው ዳሳት እቲ ፈስቲቫል ብምፍራስ መካይን ኣቃጺሎም።
ፖሊስ ሽወደን፡ ሰባት፡ ደጊፎም ይዅን ተቓዊሞም ብዘይ ባእሲ ምትህርራምን ድምጾም ከስምዑን ሓሳባቶም ክገልጹን ሕገመንግስታዊ መሰል ኣለዎም ብምባል፡ ገበን ክሳዕ ዘይፈጸሙ ርእይቶኦም ነኽብረሎም፡ ብምባል ካብዚ ወጻኢ ንዝግበር ምትእኽካብ ይዅን ምንቅስቓስ ንምብታን ግን ፖሊስ ሓይሊ ክጥቀም ምዃኑ ኣጠንቂቝ ነይሩ።
እዚ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጀርመን’ውን ዝተረኣየ ዕግርግር ኰይኑ፡ እቶም ዝተኣሰሩ ክሶም ተመዝጊቡ መብዛሕትኦም ከምዝተፈትሑ ኣብ ግዚኡ ተሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ 15-16 ሓምለ ኣብ ለንደን ማእክል ምዝንጋዕ ሃሮው ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ተመሳሳሊ ፌስቲቫል ፡ ቤት ምኽሪ ሃሮው ብዝወሰዶ ውሳነ ተቛሪጹ።
እዛ ወርሒ፡ ኣብ ኤርትራ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕባሕሪ፡ ንኡስ ዞባ ፎሮ ዝማእከሉ፡ 5.6፡ ከምኡ’ውን 4.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ተደጋጋሚ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ዝተኸሰተላ እያ ነይራ።
መስከረም
ኣብ ቀዳማይ ሰሙን መስከረም፡ ኣምነስቲ ‘ሎሚ ይዅን ጽባሕ፡ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ክቐርቡ ኣለዎም' ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝፈጸምዎም ጥሕሰታት፡ ገበናት ኲናት ከምኡ’ውን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን ከምዝኽእል ብምምልካት፡ ግህሰታት ንምጽራይ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቘመ ጕጅለ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዕድመ ስልጣኑ ክናዋሕ ሓቲቱ።
ብ16 መስከረም፡ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት - ጀርመን - ክጅምር ተሓሲቡ ኣብ ዝነበረ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ዕግርግር፡ 228 ዝዀኑ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ምስ ፖሊስ ብምግጫው ተኣሲሮም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ እስራኤልውን ድሕሪ’ቲ ኣብ ተልኣቪቭ ዝተፈጥረ ናዕቢ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ ኣብቲ ዕግርግር ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ንምስጓግ መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ’ውን ናይ ሰለስተ መዓልታት ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ደገፍትን ተቓወምትን ድሕሪ ዝፈጠርዎ ግጭት ተሰሪዙ።
ጥቅምቲ
ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ ኣብ ኤርትራ ን5 ዓመታት ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ሶማልያ ናብ ሞቓድሾ ከምዝኣተው ፕረዚደንት እታ ሃገር ሓቢሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ካብ ቀረባ ግዜ ኣትሒዙ ብወገን ኢትዮጵያ ከለዓል ዝጸንሐ ንጉዳይ ቀይሕ ባሕርን ወደባትን ዝምልከት ዘረባታትን መግለጺታትን ኣመልኪቱ ምላሽ ሂቡ።
ኣብቲ ብመገዲ ሚኒስትሪ ዜና ዝተዋህበ መግለጺ፡ “ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ብዛዕባ ማያትን መሳዂቲ ባሕሪን ዝመሳሰሉ ኣርእስትታትን ዝተባህለን፡ 'ተባሂሉ' ዝተባህለን፡ እልቢ የብሉን፡ ዘየስደመሞ ተዓዛቢ ኸኣ የለን”ብምባል "ከም ወትሩ - ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ጐደናታትን መኣዲታትን ከምዘይዕደም ደጋጊሙ እናረጋገጸ፡ ንዅሎም ግዱሳት ከይትንኰዩ ይምሕጸን" ዝብል ሓጺር መግለጺ ኣውጺኡ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ሕዳር
እቲ ን 20 ዓመታት ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ቅርሕንቲ ክፍታሕ ንዝወሰዶ ተበግሶ፡ ኣብ 2019 ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝተዓወተ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣጽዋር ካብ ምግዛእን ሰራዊቱ ካብ ምንቅስቓስን፡ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ሕቶ እዩ ኢሉ ክዛረብ ተሰሚዑ።
እንተዀነ መዓልቲ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዝኽበረሉ ዝነበረ መዓልቲ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ንኤርትራ ናይ ምውራር ድልየት ከምዘይብሉ ተዛሪቡ እዩ።
ምስ ነጋዶ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ግን፡ “ብሰላማዊ መንገዲ ወደብ ክንረክብ ንደሊ ኢና፤ እዚ እንተዘይኰይኑ ግን ሓይሊ ክንጥቀም ኢና” ከምዝበለ ተሰሚዑ ነይሩ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ቀዳማይ ዓመት ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ‘ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ምትንዃይ ክቝጠባን ልኡላውነት ናጽነትን ጐረባብቲ ከኽብራ ጸዊዑ።
ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብጉዳይ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላሚያ ተታሒዞም ዝነበሩ ኣካየድቲ እታ ቤት ትምህርትን፡ ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ ወንጌላውያን ክርስትያንን፡ ብዋሕስ ዝወጽኡላ ወርሒ’ያ ነይራ።
እዞም ዜጋታት፡ ብዝሖም ብጠቕላላ ልዕሊ 20 ከም ዝዀኑ፡ ካብ 6 ክሳብ 20 ዓመታት ከኣ ኣብቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ተዳጕኖም ከም ዝነበሩ፡ ቢቢሲ ካብ ኣስመራን ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ኣዝማዶምን ኣረጋጊጹ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወረቐት ስራሕ 19 ኣምባሳደራት ብወግዒ ተቐቢሉ። ጅያንሉካ ግሪፓ ናይ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ፓራካሽ ቻንድ ናይ ህንዲ፡ ጀሮም ካውቻርድ ናይ ፈረንሳን ዑመር ኢድሪስ ናይ ሶማልያን ወረቐት ስርሖም ኣረኪቦም።
ብዘይካ’ዚ ተንቀሳቐስቲ ኣምባሳደራት ፊንላንድ፡ ስጳኛ፡ ማሊ፡ ዮርዳኖስ፡ ዩጋንዳ፡ ኒጀር፡ ቸክ ሪፓብሊክ፡ ግሪኽ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ጃማይካ፡ ስዊስ፡ ኣንጎላ፡ ኦስትርያን ሽወደንን ወረቐቶም ምርካቦም መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ገሊጸን ነይረን።
ታሕሳስ

ምንጪ ስእሊ, DMTSI HAFASH/YOUTUBE
ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኤርትራ ዝዀነ ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ብሕማም ከም ዝዓረፈ ይፍለጥ።
ኣብ 1974 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ፡ ኣብ ገድሊ ንናጽነት ዝተሳተፈ ጀነራል ሃይለ "ቻይና" ብዝተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ዘገልገለ'ዩ ነይሩ።
ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኣብ መወዳእታ 1970ታት ኣብ ክፍሊ ህዝቢ (ጀማሂር)፤ ካብ 1984 ክሳብ 1987 ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ብምዃን ተዋጋኢ ሰራዊት መሪሑ እዩ።
ብድሕሪኡ ክሳብ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ኣዛዚ ግንባርን ኮርን ብምዃን ኣገልጊሉ።
ኣብ 1990 ጀነራል ሃይለ፡ ነቲ ንወደባዊት ከተማ ባጽዕ ንምቍጽጻር ዝተኻየደ ስርሒት ፈንቅል ላዕለዋይ ኣዛዚ ግንባር ብምዃን ምምርሑ ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ኣበርክትኡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ይፍለጥ።
ብ15 ታሕሳስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሹአ ቢንግ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ተዘራሪቡ። ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ክልተኣዊ፡ ዞባውን ዓለምለኻውን "ምዕባለታት" ዘትዮም።
እቲ ምኩር ዲፕሎማት ኣብ ለካቲት 2022 ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበረ ዘይርጕእ ኵነታት፡ ብፍላይ ድማ ኲናት ትግራይ ንምህዳእ'ዩ ነቲ ዞባ ክከታተል ተመዚዙ።
ኣብ መወዳእታ ብርእሰን ተጣቢቐን ዝተወለዳ ኤርትራውያን መናቱ ንሕክምናዊ መርመራ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣምሪሐን። ወለዲ እተን ኣስማን ሱመያን፡ ዝተሰምያ ናጽላታት ኣብ ኣምላኽን ኣብታ ጕጅለ ሕክምና ስዑድን ምትእምማን ከምዘለዎም ብምግላጽ፡ መንግስትን ህዝብን ስዑዲ ዓረብ ስለዝገበሩሎም ምውቕ ኣቀባብላን እንግድቶን ኣመስጊኖም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







