ኤርትራ፡ ንሩስያ ዘለዋ ‘መትከላዊ ደገፍ’ ደጊማ ኣነጺራ

ምንጪ ስእሊ, Shabait
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ የማነ ገብረኣብ ዝመርሕዎ ጕጅለ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሩስያ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣቶ ዑስማን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ንሩስያ ዘለዋ መትከላዊ ደገፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
እቶም ላዕለዎት ሰበሰልጣን ኤርትራ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰረገይ ላቭሮቭ ብምርኻብ ብዛዕባ ክልተኣዊ፡ ዞባዊን ዓለማዊን ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ሶቺ ዝተኻየደ ርክብ፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ምርድዳእ ዝተበጽሓሎም ጉዳያት ከምዘልዓሉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ዘውጽኦ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ላቭሮቭ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ "ዓቕሚ ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ምሕያል፡ ድሌታታ ከነማልእ ድሉዋት ኢና" ክብል እቲ ሩስያዊ በዓል ስልጣን ተዛሪቡ ነይሩ።
ብ 22 መጋቢት ኣብ ከተማ ሶቺ ክልቲኦም ሚኒስተራት ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቦ ኰይኖም፡ ሚኒስተር ዑስማን ኣብ መግለጺኡ፡ “ኣንጻር ሓደ ዓማጺ ጨቋኒን ዝመውት ዘሎን ሓደ-ቐጽራዊ ዓለም፡ ኣውራ ዓንዲ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝኹነ ንልኡላዊ ማዕርነት ኣህዛብ ዘኽብር፡ ፍትሓዊ ዓለማዊ ስርዓት ኣብ ናይ ሓባር ጻዕሪ ብሓባር ደው ኢልና ኣለና፡” ኢሉ።
ብተመሳሳሊ፡ ሚኒስተር ሰርገይ ላቭሮቭ ብ26 ጥሪ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተራኸበሉ እውን፡ እቲ ፕረዚደንት፡ "እቲ እንኮ ቀጽራዊ ዓለማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምፍጣር ዝነበረ ግጉይ ሕልሚ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፈሸለ" ብምግላጽ፡ ነቲ “ዓብላሊን መግዛእታውን ታሪኽ" ዝበሎ ንምግታእ ውሁድ ጻዕሪ ክግበር ከምዘድልን ገሊጹሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዘይካ’ዚ፡ ኣቶ ዑስማን፡ ኣንጻር’ቲ ሃገራትን መራሕተንን ብምስይጣንን ንፍትሕን ንሃገራት ኣፍሪቃን ፈጺሙ ዘይግደስ፡ ነተን “በቶም ጐይቶት ጸላእቲ ተባሂለን ዝተሰምያ ሃገራትን ዒላማ ዝገበረ ሽሙ ዝደወነ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ ብሓባር ደው ኢልና ኣለና፡” ከም ዝበለ እቲ ብመገዲ ኣገልግሎት ዜና ሻባይት ዝተዘርግሐ መግለጺኡ የመልክት።
ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ኲናት ዩክረይን ዝፈጸሞ ገበናት ዝበሎም ጠቒሱ፡ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ኣብዚ ወርሒ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ ይፍለጥ።
እቲ ብገበናት ኲናት ተኸሲሱ ዘሎ ፑቲን፡ ህጻናት ዩክረይን ካብ ሕጊ ወጻኢ ብምግዓዝ ከም ዝድለ'ውን እቲ ቤት ፍርዲ ኣመልኪቱ እዩ።
ሚኒስተር ዑስማን ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፡ “መትከላዊ መርገጽ ኤርትራ [ኣብ ጉዳይ ኲናት ዩክረይን] ደጊመ ከረጋግጽ” ኢሉ።
እቲ ሚኒስተር ነቲ ኵነታት፡ ምስቲ ‘ንቻይና ንምግታእ ጉዳይ ታይዋን ከም መመኽነይታ እዩ ዝቐርብ’ ኢሉ ብምዝማድ፡ እዚ ኸኣ ሩስያ ንምጥፋእ ዝዓለመ፡ ንዩክረይን መስዋእቲ ዝገበረ ምስምስ እዩ ከብል ገሊጽዎ።
ኣብዚ ናይ ሕጂ ርክቦም፡ ክልቲኦም ወገናት "ጸጥታዊ ቅርጺ ንምሕያል ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለዉ ኵነታት ግጭታት ንምፍታሕ" ብዝምልከት ከም ዝተዘራረቡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ይገልጽ።
"ሞስኮን ኣስመራን ንዘለወን ንግዳዊ፡ ቁጠባዊ፡ ወፍራዊ፡ ባህላዊን ሰብኣዊን ምትእስሳር ከሐይላ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዓውዲ ምስልጣን ኤርትራዊ ዓቕሚ ሰብ ኣብ ዩኒቨርሲታት ሩስያ ንምስፋሕ" ከም ዝተሰማምዓ እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







