ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ሎሚ ናብ ኤርትራ ኣትዩ

ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Shabait

መግለጺ ስእሊ, ሰርገይ ላቭሮብ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕዋይ ልኡኽ ሩስያ ሎሚ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ኣትዩ።

እቲ ኣብ ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ባጽዕ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብርኣብን ካልኦት ሰብመዚን ተቐቢሎሞ።

ክልቲኦም ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጋዜጣዊ መግለጺ ክህቡ ምዃኖም'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብ ትዊትር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮብ፡ ኣብ መወዳእታ እግሪ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቱ ኣስመራ ኣትዩ" ኢሉ።

ምክትል ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሚካኤል ቦግዳኖቭ'ውን ምስ ላቭሮቭ ተጓዒዙ ምህላዉ ጸብጻብ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ይጠቅስ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ዝምድና፡ ንሓያለ ዓመታት ዛሕቲሉ'ኳ እንተነበረ፡ ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ ግን ርክበን እናሓየለ መጺኡ'ሎ።

ሰርገይ ላቭሮቭ (ጸጋም) ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ 26 ጥሪ 2023

ምንጪ ስእሊ, MFA Russia/Twitter

ኤርትራ፡ ንሩስያ ዝዅንን ውሳነታት ሕቡራት ሃገራት ብምቅዋም ጸግዒ ሩስያ ዝሐዘት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር'ያ።

ኤርትራ ምስ ሩስያ ወተሃደራውን ቁጠባውን ምትእስሳር ክህልዋ ከም እትደሊ ክትገልጽ ጸኒሓያ'ያ።

ላቭሮቭ ንፈለማ እዋን'ዩ ከም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።

ዝምድና ኤርትራን ሩስያን

እታ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ተነጽሎን ጸቕጢን ከጋጥማ ዝጸንሐት ኤርትራ ምስ ሩስያ ዘለዋ ዝምድና እናሐየለ ይኸይድ ምህላዉ ይግለጽ።

ከም መርኣያ ናይዚ፡ ምስ ኲናት ዩክረይን ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሩስያ ዝዅንን ውሳነታት ሕቡራት ሃገራት ብምቅዋም ጸግዒ ሩስያ ካብ ዝሓዛ ሰለስተ ሃገራት ዓለምን እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገርን'ያ።

ሩስያ ብወገና፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝውሰን እገዳታትን ጸብጻባት ምግሃስ መሰላትን ክትቃወሞ ጸኒሓ’ያ። 

እንተኾነ ግን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ እገዳ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ምትሕግጋዝ "ተሃስዩ" ምንባሩ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሞስኮ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሕቡራት ሃገራት ካብ 2009 ጀሚሩ ብምትብባዕ ገለ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ'ታ ንጕጅለ ኣልሸባብ ትድግፍ'ያ ተባሂላ ዝተኸሰሰት ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ ነይሩ።

ሰብመዚ ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ሓቅነት የብሉን ብምባል'ዮም ዝነጽግዎ።

ሰርገይ ሕቋፍ ዕንባባ እናተቐበለ፡ ኤርትራ 26 ጥሪ 2023

ምንጪ ስእሊ, MFA Russia/Twitter

ኣብ ሓምለ 2018 ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ዝነበረ ኲነተ-ኲናት ዘወገደ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ድሕሪ ምፍራመን ግን፡ እቲ እገዳ ተላዒሉ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሩስያ ሃገሩ ምስ ሩስያ ዘለዋ “ወተሃደራውን ቴክኒካውን ምትሕግጋዝ ክትቅጽሎ” ምዃና ንማዕከናት ዜና ሩስያ ተዛሪቡ ነይሩ። 

ሩስያ ኣብ ዳህሳስ ነዳዲ ይኹን ካልኦት ማዕድናት ዓቢይ ተራ ክትጻወት ከምእትኽእል'ውን እቲ ኣምባሳደር ኣተንቢሁ ነይሩ።ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ብዘለወን ምትሕግጋዝ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሩስያ ይመሃሩ ኣለዉ።

ዓመታዊ 20 ኤርትራውያን ይልኣኹ ከምዘለዉ እቲ ዲፕሎማሰኛ ጠቒሱ። እቶም ተመሃሮ ገሊኦም ብማህደረ ትምህርቲ ዝኸዱ ክዀኑ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ወጻኢታቶም ባዕሎም ዝሽፍኑ’ዮም።