ሩስያ፡ ካብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን እንታይ ትደሊ?
![ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ [ጸጋም] ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ደመቀ መኮንን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/1ec6/live/43fd4140-0e40-11ed-93ba-314ede9cd985.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIA MFA TWITTER
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ክገብር ቀንዩ።
እቲ ሚኒስተር፡ ኣብ መወዳእታ ዑደቱ ኣብ ዝበጽሓ ኢትዮጵያ ኰይኑ፡ "ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ ዓለም ንዘጋጠመ ቅልውላው ዋጋ ነዳድን መግብን ተሓተትቲ እየን" ኢሉ።
ላቭሮቭ፡ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ደመቀ መኮንንን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተራኺቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዘተየ ኰይኑ፡ ክልቲኦም ሰበስልጣን ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ ውጽኢታዊ ዘተ ከም ዘካየዱ ገሊጾም።
"እቲ ዘተ ውጽኢታዊ ነይሩ፤ ሩስያ ከምቲ ሕሉፍ ንኢትዮጵያ ኣብ መትከልን ሓቅን ዝተሞርኰሰ ድጋፍ ምሃባ ዝንኣድ እዩ። እዚ ተጠናኺሩ ክቕጽል ከም ዘለዎ ተዘራሪብና ኣለና" ክብል ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻእን ደመቀ መኮንን ተዛሪቡ።
ሚኒስትር ላቭሮቭ ብወገኑ፡ "ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ቍጠባዊ ምትእስሳር ንኽመሓየሽ ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ “ኣብ ጽዓት፡ ቴሌኮምን ሕርሻን ዘለና ርክባት ተጠናኺሩ ክቕጽል’ዩ፤ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ወተሃደራውን ቴክኒካውን ዓውዲ ጽቡቕ ርክብ’ዩ ዘለወን። ኣብዚ መዳይ’ውን ምትሕብባርና ክጠናኸር እዩ” ክብል ገሊጹ።
ንምኽባር ዋጋ መግብን ነዳድን ኣብ ዝምልከት ዛዕባ፡ ሃገራት ምዕራብ ተሓተትቲ እየን ዝበለ ሰርገይ፡ እተን ሃገራት “ብዘይተጨበጠ ምኽንያት ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብትሪሊዮን ዶላር ዝግመት መግቢ” ብምዕዳገን ሕጂ ንዘጋጠመ ቅልውላው ምኽንያት ኰይኑ’ዩ ክብል ተዛሪቡ።
“እወ፤ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ጉዳይ ኣብቲ ዕዳጋ ተወሳኺ ጽልዋ ፈጢሩ’ዩ፤ ግን ከኣ እዚ ሩስያ ብዝወሰደቶ ስርሒት ዘይኰነ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ትሕዝቶ ኣብ ግምት ከየእተዋ እገዳታት ብምግባረን ዝስዓበ’ዩ” ክብል መብርሂ ሂቡ።
ዕላማ እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ከካይዶ ዝቐነየ ምብጻሕ፡ እታ ሃገር ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ንምድልዳል ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ።
ንምዃኑ፡ ሩስያ ገጻ ናብ ኣፍሪቃ ዘዘረትሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ካብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃንከ እንታይ ትረክብ?
ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ
ኢትዮጵያን ሩስያን 124 ዓመታት ዘቝጸረ ክልተኣዊ ርክብ ኣለወን። እዚ ኣብ መንጐ መስፍናዊ ስርዓት ሃጸይ ሚኒሊክን ንጉስ ሩስያ ኒኮላይ ኣሌክሳንድሮቪች ሮማኖቭን ዝጀመረ ምዃኑ ይዝረብ።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያን፡ ሕብረት ሶቭየት ትብሃል ናብ ዝነበረት ዓባይ ግዝኣት ብምኻድ ተማሂሮም ተመሊሶም’ዮም።
ሕጂ’ውን ብትምህርቲ፡ ስራሕን ካልኦት ምኽንያታትን ኣብ ሞስኮ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ወይ ናብራኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሰረቱ ሩስያውያን ምርካብ ልሙድ እዩ።
ካብ ግዜ እቲ ንጉስ ጀሚሩ፡ ንኢትዮጵያ ዘመሓደሩ ስርዓታት ምስ ሩስያ ዘለዎም ርክብ ሚዛኑ ሓልዩ ክኸይድ ክገብሩ ከም ዝጸንሑ ይንገር።
ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ተባሂሉ ዝፍለጥ ግዜ ዝነበረ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ፡ ምስ ሶቭየት ሕብረት ጥቡቕ ርክብ ነይርዎ።
ኣብቲ እዋን፡ ኢትዮጵያ ምስቲ ርእሰማላዊ ስርዓተ ቍጠባ ዝመርሖ ምዕራባዊ ደንበ ጥቡቕ ርክብ'ኳ እንተዘይነበራ፡ ምሉእ ብምሉእ ግን ማዕጾኣ ዕጽው ኣይነበረን።
ደርግ ምስ ተኣልየ እውን እንተዀነ፡ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐን ርክብ ሓርፋፍ ዝበሃል ኣይኰነን፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበረ፡ ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ምስ ኣሜሪካ፡ ቻይናን ሩስያን ዝነበሮ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ጽቡቕ ዝበሃል ከም ዝዀነ ተንተንቲ ይገልጹ።
ይዅን’ምበር፡ ኢትዮጵያን ሩስያን ዘለወን ዝምድና፡ ብልክዕ ከምቲ ምስ ቻይና ዘሎ ኣብ ህንጸት ትሕተ ቕርጺ ዝተሞርኰሰ ጥቡቕ ርክብ፡ ወይ’ውን ከምቲ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ ዘሎ ዓይነት ርክብ ኣይኰነን።

ምንጪ ስእሊ, RUSSIA MFA TWITTER
ኣብ ነናይ ባዕለን ኲናት ዝርከባ ኢትዮጵያን ሩስያን
ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ምስ ሃገራት ምዕራብ ዘለዋ ርክብ እናላሕለሐ ከም ዝመጽአ ይፍለጥ።
ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ጀሚሩ ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ክነቕፋኦ ተሰሚዐን እየን።
ኣሜሪካ፡ ብሰንኪ እዚ ኲናት፡ ኢትዮጵያ ንዕዳጋ ወጻኢ እተቕርቦም ምህርቲ ዕድል ካብ ዝፈጥር ኣጐዋ ከም ዝኣገደታ ይዝከር። ዓለምለኻዊ ትካላት’ውን፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሳነ ንኽሓልፍ ብተደጋጋሚ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተኣኪቡ ድምጺ ክህብ ገይሮም እዮም።
ይዅን’ምበር፡ ሩስያን ቻይናን ኣብቲ ውድብ ዘለወን ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ስልጣን - ቀውፊ - ተጠቒመን ኣብ ጐኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደው ኢለን እየን።
ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ካብ ኣሜሪካ ሓያል ጸቕጢ ክበጽሓ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ “ኢድ ኣእታውነት ኣሜሪካ ደው ይበል” ዝብሉ ሰልፍታት ተራእዮም።
ንዝኽሪ በዓል ዓድዋ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ድማ፡ ሩስያ ንዘርኣየቶ ድጋፍ ብምንኣድ፡ ባንዴራ ኢትዮጵያን ሩስያን ማዕረ ኣንበልቢለን።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይይን ኲናት ምስወልዐት ድማ፡ ትዅረት ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ኪቭ ዘይሩ።
ሓያላት ሃገራት ንወራር ሩስያ ክዅንና እንከለዋ፡ ኢትዮጵያ ካብ ነቐፌታ ተቘጢባ እቲ ኲናት ብሰላም ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መግለጺ ሰዲዳ ምንባራ ይዝከር።
ካብኡ ሓሊፉ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ውሳነ ንምሕላፍ ድምጺ ሃገራት ክሓትት እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣኼባ በዂራ።
ኣብ ጐድኒ ሩስያ ተሰሊፍና ክንዋጋእ ኢና ዝበሉ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ ድማ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ተሰሊፎም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
እቲ ኤምባሲ ግን፡ ቍጹራት ወተሃደራት ንምምዝጋብ ዘውጽኦ ሓበሬታ የለን ኢሉ ነይሩ።
እዚ ምዕባለታት፡ ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ እዞም ኲናታት ንዝወርደን ዘሎ ጸቕጢታት ንምጽዋር ንሓድሕደን ክደጋገፋ ዘርእዩ ምዃኖም ተዓዘብቲ ይገልጹ።
“ውሽጣዊ ሰላም እንተዘይሃልዩ፡ ዝዀነ ዓይነት ደጋዊ ጸቕጢ ንሓንቲ ሃገር ከንበርክኻ ይኽእል እዩ። ጸጥታ፡ ሰላምን ቍጠባዊ ዕብየትን ምህላው ካብ ምዕራባውያን ይዅን ካብ ቻይናን ሩስያን ክመጽእ ንዝኽእል ጸቕጢ ንምጽዋር ይጠቅም’ዩ” ክብል ተመራማሪ ምብራቕ ኣፍሪቃን መጽናዕቲ ኦሬንታልን ነኣምን ኣሸናፊ ይገልጽ።
ወሲኹ፡ ኢትዮጵያ ረብሓኣ ንምሕላው ግሉጽ ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ክህልዋ ኣለዎ ብምባል፡ ኣብ ሃገራት 'ቲ ዞባ'ውን ሰላም ንኽህሉ ከም ዝግባእ የስምረሉ።
“ብዛዕባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክንዛረብ እንከለና ኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኰነትን እትዋሳእ፤ ኤርትራ፡ ሶማልያን ካልኦትን'ውን ኣለዋ። ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዘሎ ሰላማዊ ርክብ ረብሓኻ ሓሊኻ ንምኻድ ዝግበር ጕዕዞ’ዩ ዘጠናኽር” ዝብል እምነት ኣለዎ።
ኢትዮጵያ፡ ምስ ሃገራት ምዕራብ ይዅን ቻይናን ሩስያን እትምስርቶ ክልተኣዊ ርክብ፡ ረብሓኣ ዘቐደመ እምበር “ፖለቲካውን ቍጠባውን ረብሓ ወይ’ውን ኣጽዋር ንምርካብ” ብዝብል ዝቀያየር ፖሊሲ ክህልዎ የብሉን ኢሉ።
ኢትዮጵያ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ እናሓርፈፈ ይመጽእ ከምዘሎ እንተተገልጸ፡ መንግስቲ ግን እዚ ልክዕ ከምዘይኰነ እዩ ዝገልጽ።
ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ነበር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ "ኣብ ታሪኽ፡ ኢትዮጵያ ካብ ርእሰማልነትን ማሕበርነትን ንሓደኡ ክትመርጽ ዝተገደደትሉ ግዜ ነይሩ'ዩ። ሕጂ ዘሎ ኵነታት ግን ከምኡ ኣይኰነን፤ ምስዛ ሃገር እዚኣ'ምበር ምስቲኣ ኣይደልን ዝበሃል ነገር የለን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሰርገይ ሕጂ ናብ ኢትዮጵያ ምምጽኡ ድማ ምናልባት ኣብቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ዘሎ ፍልልይ ብዘተ ንምፍታሕ ድርድር ንምጅማር ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ንምስታፍ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ኣቶ ነኣምን ኣሸናፊ ገሊጹ።
ብሓፈሻ እቲ ጕዕዞ፡ ምስቲ ኣሜሪካን ቻይናን ኣብቲ ዞባ ዘለወን ጽልዋ ንምውድዳር ወይ’ውን ካብኡ ዝሓሸ ንምግባር ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ኣቶ ነኣምን፡ ብቐንዱ ግን “ብመንጽር እቲ ሕጂ ሩስያ ዘላቶን [እቲ ሚኒስተር] ዝገሸለን ሃገራትን ክርአ እንከሎ፡ ኣካል እቲ ዘጋጠማ ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎ ንምስዓር እትገብሮ ቃልሲ ገይረ’የ ዝርእዮ” ይብል።
ንግዳዊ ሚዛን ሩስያን ኣፍሪቃን
ኢትዮጵያ 40 ሚእታዊት ጠለብ እኽሊ ካብ ዩክረይንን ሩስያን ብዝመጽእ ምህርቲ ከም እትሽፍኖ መረዳእታታት የመልክቱ።
ዓለምለኻዊ ንግዲ ዝከታተል ኦብዘርቫቶሪ ኦፍ ኢኮኖሚክስ [ኦኢሲ] ብ2020፡ ሩስያን ስርናይ ሓዊሱ 44.2 ሚሊዮን ዶላር ዘውጽእ ምህርቲ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝልኣኸት ይገልጽ።
ኢትዮጵያ ብወገና፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ብብዝሒ ምህርቲ ቡን ዝርከቦም ፍርያት ናብ ሩስያ ከም ዝለኣኸትን፡ እዚኦም 17 ሚሊዮን ዶላር ዝግመቱ ምዃኖም እቲ ትካል የመልክት።
ሩስያ፡ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ንግዳዊ ምልውዋጥ ካብ 2015 ጀሚሩ ብኽልተ ዕጽፊ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ሩስያን እቲ ኣህጕርን ዘሎ ንግዲ ብገንዘብ ክትመን እንከሎ 20 ቢልዮን ዶላር ዝጽጋዕ ምዃኑ ይዝረብ።
ካብ 2015 ጀሚሩ ሩስያ 14 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ምህርቲ ናብ ኣፍሪቃ ክትልእኽ እንከላ፡ ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ምህርቲ ድማ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣታዊ ገይራ።
ሩስያ፡ ዝያዳ ምስ ኤውሮጳን ሃገራት ኤስያን ሰፊሕ ንግዳዊ ምትእስሳር ኣለዋ። ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ክኣ፡ ኣክንዲ ምስ ሩስያ ምስ ህንዲ፡ ቻይናን ኣሜሪካን ጥቡቕ ንግዳዊ ርክብ ኣለወን።
ኣሜሪካ፡ ቻይናን ሕብረት ኤውሮጳን ንሃገራት ኣፍሪቃ ድጋፍ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ብምሃብ ይፍለጣ።
ተሳትፎ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሮ ዑደት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ናብ ኣፍሪቃ ገይሹ።
ይዅን'ምበር፡ ብዙሓት ሃገራት ዓረብን ሃገራት ኣፍሪቃን ምስ'ዘን ሓያላት ዝበሃላ ሃገራት ዘለወን ርክብ ጽንፊ ሒዘን ከበላሽውኦ ዝደለያ ኣይመስላን።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምስ ፈጸመት፡ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ሓደ ሸነኽ ዘዘንበለ ሓሳብ ካብ ምሃብ ተቘጢበን እየን።
እንተዀነ፡ ዜጋታት ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ባንዴራ ሩስያ ሓፍ ኣቢሎም ኣንበልቢሎም፤ ጸንቢሎም'ዮም። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተኻየደ ዝተሰለፉ ዜጋታት፡ ባንዴራ ሩስያ ሒዞም ተራእዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብዚ ሓሊፉ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ወራር ሩስያ ንምዅናን ናይ ውሳነ ሓሳብ ከሕልፍ ኣብ ዝተኣከበሉ ግዜ፡ ካብ 54 ሃገራት እተን 28 ጥራይ እየን ደጊፈናኦ።
ኣብዚ ጕባኤ ዘይተረኽበት ኢትዮጵያ ግን ድምጻ ኣይሃበትን።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ብ2020 ሩስያ ኣብ እትኽተሎ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ንኣፍሪቃ ቀዳምነት ከም እትህብ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ሃገሩ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ርክብ ክጠናኸር ከም እትገብርን ኣብ ምክልኻል፡ ድሕነትን ቍጠባን ሓገዝ ከም እትገብርን'ውን ተዛሪቡ።
ኣፍሪቃ፡ ዓባይ ዕዳጋ መሸጣ ኣጽዋር ሩስያ'ኳ እንተዘይኰነት፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ግን ኣጽዋር ይዕድግላ እየን።
ካብ 2014 ክሳብ 2019 [ኣ.ኤ] ንግብጺ ከይሓወሰ ሩስያ 16 ሚእታዊት ኣጽዋር ናብ ኣፍሪቃ ልኢኻ ምንባራ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ይጠቅስ።
ሩስያ ብ 25 ቢሊዮን ዶላር [ብለቓሕ] ኣብ ግብጺ ዝሃነጸቶ ፈላማይ ፋብሪካ ኑክሌር’ውን ካልእ መርኣያ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ተሳትፎ እዩ።
ካብ 2015 ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ልዕሊ 20 ሃገራት ምስ ሩስያ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንምግባር ስምምዕ ገይረን እየን።
ኣብ 2017 ጥራይ ሩስያ ምስ ኣንጎላ፡ ናይጄሪያ፡ ሱዳን፡ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ኢኳቶሪያል ጊኒን ስምምዕ ኣጽዋር ፈሪማ።
ነፈርቲ ውግእ፡ ሄሌኮፕተራት መጓዓዝያ፡ ጸረ ሚሳይል ታንክታትን ሞተራት ነፈርቲ ውግእን ድማ ሩስያ ናብ ኣፍሪቃ ካብ ዝልኣኸቶም ኣጽዋራት እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩስያ ብወገና፡ ከም ማግኒዥየም፡ ቦክሳይት፡ ክሮሚንየም ዝበሃሉ ኣገደስቲ እታወታት ኢንዳስትሪ ዝዀኑ ማዕድናት ሕጽረት ስለ ዘለዋ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግሁድ ቍጠባዊ ድልየት ኣለዋ።
ኩባንያታት መንግስቲ ሩስያ፡ ኣብ ጊኒ ኣብ ዕደና ቦክሳይት ክዋፈራ እንከለዋ፡ ኣብ ኣንጎላ ድማ ኣልማዝ ንምቝራጽ ስምምዕ ኣለወን።
ሩስያ፡ ኣብዚ እዋን ገጻ ናብ ኣፍሪቃ ዘዘረትሉ ምኽንያት፡ እቲ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ተጓኒፍዋ ዘሎ ተነጽሎ ንምምካት ምዃኑ ተመራማሪ ምብራቕ ኣፍሪቃን መጽናዕቲ ኦሬንታልን ነኣምን ኣሸናፊ ይዛረብ።
ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ልዑል ዲፕሎማሲያውን ቍጠባውን ጸቕጢ የውርዳ ምህላወን ብምጥቃስ፡ ነዚ ንምጽዋር ዘኽእል ዝምድናታት ንምእላሽ ሰርገይ ላቭሮቭ ናብ ኣፍሪቃ ምምጽኡ የረድእ።
“ሩስያ፡ ድሕሪ ኲናት ዩክረይን ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዋ ርክብ ብፍላይ ድማ ንግዲ ነዳዲ ተኣጓጒሉ’ዩ። ሞስኮ ኣብ ዓለም ዘለዋ ደረጃ ሓፍ ንምባል ወይ’ውን ኣብ ዘለወሉ ንምዕቃብ ድማ ናብ ኣፍሪቃ መጺኣ ኣላ፡” ይብል።
ሩስያ፡ ምስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ “ጽኑዕ” ዝበሃል እዩ ዝብል ነኣምን፡ ኣብቲ ዞባ “ሰራዊት ንኽህልዋ ልዑል ስራሕ ትሰርሕ ኣላ፤ ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝኣተወቶ ስምምዕ ምጥቃስ ይክኣል’ዩ” ኢሉ።
እዚ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ብዝብል ድማ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ጉባኤ ሩስያ-ኣፍሪቃ ኣበጊሳ እያ።
ፈላማይ ጉባኤ፡ ኣብ ሩስያዊት ከተማ ሶሺ ክካየድ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ እትርከበን መራሕቲ 43 ሃገራት ኣፍሪቃ ተሳቲፎም።
ኣብቲ እዋን፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ዕላማና ንኣፍሪቃ ንምክፍፋል ዘይኰነ ምስ ኣፍሪቃ ብሓባር ንምስራሕ እዩ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ዘረባ ኣስሚዑ ነይሩ።
ኣብቲ ጕባኤ፡ መንግስቲ ሩስያን መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣብ ፖለቲካ፡ ድሕነት፡ ንግድን ቍጠባን፡ ሳይንስን ትምህርትን፡ ክሊማዊ ለውጥን ካልኦት ግንባራትን ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕ ከም ዝገበሩ ገሊጾም ነይሮም።
ካልኣይ ጕባኤ ሩስያ-ኣፍሪቃ ድማ ኣብ ዝቕጽል ዓመት [2023] ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







