ማዕቀብ ሩስያ፡ ዓለም ብዘይ ነዳዲን ጋዝን ሩስያ ክትነብር ትኽእል’ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዩክረይን፡ ሩስያ ናብ ጀርመን ትልእኮ ዝነበረት ቀረብ ጋዝ ነክያ ንኣውሮጳ ከተርዕድ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊጻ።
ሩስያ፡ ንዩክረይን ካብ እትወርር ኣትሒዙ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ነዳዲን ጋዝን ሩስያ ዘንበራኦ ማዕቀብ፡ ሞስኮ ግብረመልሲ ከምትወስድ ከተጠንቅቕ ኣገዲድዋ እዩ።
ኣውሮጳ ክንደይ ዝኣክል ጋዝ ሩስያ ትጥቀም?
ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 40 ሚእታዊት ካብ ጠለባት ጋዝ ኣውሮጳዊ ሕብረት ሸፊና ነይራ።
ኣብ 2020 ካብ ሩስያ ብበዝሒ ጋዝ ካብ ዝዓደጋ ሃገራት እታ ኣብ ኣውሮጳ ዝዓበየ ቍጠባ ዘለዋ ጀርመን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። ኢጣልያ ንጀርመን ስዒባ ካልአይቲ እያ።
ብሪጣንያ ካብቲ ዘድልያ መጠን፡ 4 ሚእታዊት ነዳዲ ጥራይ ካብ ሩስያን ዘእተወት ክትከውን እንከላ ኣሜሪካ ግን ዋላ ሓንቲ ጋዝ ኣይተቐበለትን።
ይዅን እምበር፡ ሩስያ ናብ ኣውሮጳ ዝልኣኽ ቀረብ ነዳዲ ምንካያ ዓለምለኻዊ ዋጋታት ነዳዲ ንኽውስኽ ጠንቂ ኰይኑ ስለዘሎ፡ ንኣሜሪካን ንብሪጣንያን ጸልይወን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋ ጋዝ ኣብ ብሪጣንያ ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ጋዝ ሩስያ ዝተገብሩ ማዕቀባት እንታይ እዮም?
ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ ሩስያ ዝኣቱ መጠን ጋዝ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብኽልተ ሲሶ ከምዝንኪ ይገልጽ።
ኮሚሽን ኣውሮጳ፡ ኵለን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ንዝመጽእ ሸውዓተ ኣዋርሕ ሃልኪ ጋዝ ብ15 ሚእታዊት ከጕድላ ሓሳብ ምቕራቡ ይዝከር።
እንተዀነ ካልእ ኣማራጺታት ቀረብ ጋዝ ንምርካብ ዘሎ ተኽእሎ ዘጠራጥር እዩ።
"ናብተን ስሩብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ (LNG) ብታንከራት ዝልእካ ከም ቀጠርን ኣሜሪካን ዝኣመሰላ ኣፍረይቲ ክውከስ ኣለዎ፡" ትብል ኣማኻሪት ጸዓት ዝዀነት ኬት ዱሪያን።
"ኣብ ኣውሮጳ እዅል ዝዀነ መዓርፎ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ የለን። እዚ ብፍላይ ንጀርመን ከጸግማ እዩ። ነዚ ንምርጋፍ'ውን ዘድሊ መሳርሒ የብላን" ብምባል ኬት ተረድእ።
ሩስያኸ እንታይ ምላሽ ትህብ?
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን እተን "ሓልዮት ዘይብለን" ሃገራት ኣውሮጳ ጋዝ ክረኽባ እንተዀይነን፡ ብሩብል (ባጤራ ሩስያ) ክፍሊት ክፍጽማ ከምዘለወን ገሊጹ እዩ። እዚ ኸኣ ንዋጋ ባጤራ ሩስያ ንምሕጋዝ ዝተገብረ እዩ።
ፖላንድ፡ ቡልጋርያን ፊንላንድን ብሩብል ክኸፍላ ስለዘይፈቐዳ ሩስያ ትልእከለን ዝነበረት ጋዝ ኣቋሪጻ እያ።
ኣውሮጳ ንሕጽረት ነዳዲ ትቃላዕ’ዶ ትኾን?
ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መወዳእታ ዘለናዮ ዓመት ብባሕሪ ዝኣቱ ነዳዲ ሩስያ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝእግድ ኣብ ስምምዕ በጺሑ ኣሎ።
ብመስመር ዝኣቱ ጋዝ ግን ንኽቕጽል ፈቒዱ እዩ። ከም ሃንጋሪን ስሎቫክያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብኡ ስለ ዝምርኰሳ መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት እዚ "ግዚያዊ ስጕምቲ" ከምዝኾነ ይገልጹ።
ኣሜሪካ፡ ነዳዲ ሩስያ ምሉእ ብምሉእ ከምዝኣገደት ኣዊጃ እያ። ብሪጣንያ ብወገና ደረጃ ብደረጃ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት እዚ ከምተቋርጽ ይፍለጥ።
ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ብሰንኪ እቲ እገዳ ቀረብ ነዳዲአን ክንክያ ይኽእላ።
ሊትወንያን ፊንላንድን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር 80 ሚእታዊት ነዳዲ ካብ ሩስያ ከም ዝረኸባ ኣብ ቐረባ ግዜ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይሕብር።
ይዅን እምበር ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ነዳዲ ካብ ካልኦት ኣፍረይቲ ክዕድጋ ይኽእላ እየን።
ኣይኢኤ (ጥምረት ነዳዲ ዘእትዋ ሃገራት) ካብቲ ዘለወን እኩብ ዘይተጻረየ ነዳዲ፡ 120 ሚልዮን በርሚል ዝኸውን ኣቕሪበን ኣለዋ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣሜሪካ ካብ ዝዓቘረቶ ነዳዲ ብርክት ዝበለ ክተቕርብ ዘኽእላ ትእዛዝ ከምዘሕለፈ ይዝከር።
"ከም ስዑዲ ዓረብ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት'ዚ ዝያዳ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ዓለም ከቕርባ ይኽእላ እየን፤ ካብ ኣሜሪካ እውን ተወሳኺ ቀረብ ክህሉ ይኽእል፡" ክትብል ኬት ዱሪያን ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ማዕቀባት ውጽኢት ይህልዎም’ዶ?
ሩስያ፡ በቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ዋጋ ጸዓት ተሓጊዛ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኣውሮጳ ካብ ዝለኣኸቶ ሰደድ ነዳዲን ጋዝን ብገምጋም 430 ቢልዮን ዶላር ከም ዝረኸበት ይፍለጥ።
ኣውሮጳዊ ሕብረት ብሰንኪ እቲ ማዕቀብ ካብ ሩስያ ዝዕድጎ መጠን ነዳዲ ብ90 ሚእታዊት ከምዝንክዮ እንተ ገለጸ'ኳ እዚ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዝትግበር ሓያሎ ኣዋርሕ ስለዝወስድ ሩስያ ነዳዲ ንኻልኦት ሃገራት እናሸጠት ክትጸንሕ እያ።
"ኣብ እስያ ዝርከባ ሃገራት ካብ ሩስያ ኣብ መዓልቲ ክሳዕ ሓደ ሚልዮን በርሚል ዘይቲ ክዕድጋ ይኽእላ እየን፡" ይብል ኣብ ትካል ሓበሬታ ጸዓት ኣርጉስ ሜድያ ቀንዲ ክኢላ ቝጠባ ዝዀነ ዴቪድ ፋይፍ።
"ብሰንኪ እቲ ክሳዕ ሕጂ ዝተኣወጀ ማዕቀብ፡ ሩስያ ካብቲ ጠቕላላ ኣታዊ ነዳዲ ኵሉ እንተዘይኰነ'ውን ካብ ሲሶ ክሳዕ ፍርቂ ዝኸውን ኣታዊ ክትስእን ትኽእል።"
እዚ ኵነታት ነዳዲ ኣብ ውልቀሰባት እንታይ ጽልዋ ይህልዎ?
ኣብ ልዕሊ ጸዓት ሩስያ ዝንበር ማዕቀብ እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ ተጠቀምቲ ጸዓትን ነዳድን ወጻኢታቶም እናወሰኸ እዩ ክኸይድ።
ኣብቲ ሩስያ ናብ ኣውሮጳ ትገብሮ ሰደድ ነዳዲ ቀይድታት እንተድኣ ተገይሮም፡ ዋጋታት ዝያዳ ክውስኽ እዩ።
ኣብ ብሪጣንያ ኣቕረብቲ ጸዓት ዝሓትዎ ክፍሊት ብታሪፍ ዝተደረተ ስለዝዀነ ወጻኢታት ጸዓት ስድራ ቤት ብዙሕ ወሰኽ ኣየርኣየን።
እንተዀነ፡ ኣብ ሚያዝያ እቲ ታሪፍ ክውስኽ ከሎ፡ እቲ ወጻኢታት'ውን ካብ 700 ፓውንድ ናብ 2,000 ፓውንድ ደይቡ እዩ። ቀውዒ ክኣቱ እንከሎ እቲ ታሪፍ እንደገና ከም ዝውስኽን ክሳዕ 3,000 ፓውንድ ከም ዝበጽሕን ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ብሪጣንያ ዋጋ ነዳድን ናፍታን እውን ወሲኹ እዩ። መንግስቲ ብወገኑ ግብሪታት ነዳዲ ከም ዝነከየ ኣፍሊጡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







