ሩስያን ዩክሬይንን ዝጥቀማለን ዘለዋ ድሮናት ውግእ

መብዛሕትአን ኣብ ኲናት ዩክሬይን ዝወዓላ ድሮናት ፍርያት ቻይና ዝዀና ዲጂኣይ ማቪክ ዝበላ ናይ ንግዲ ሞዴላት እየን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኲናት ዩክሬይን ኣሽሓት ድሮናት ተሳቲፈን እየን።

እዚአን ዝተፈላለየ ዕላማ ዝሓዛ ኰይነን፡ ቦታ ጸላኢ ክጥቁማ፣ ሚሳይል ክትኩሳን ብቐጥታ ከቢድ ብረት ክትኩሳን ተራእየን።

ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ነዚአን ተጠቒሞምለን’ዮም።

ክልቲኤን ሃገራት እንታይ ዓይነት ወተሃደራዊ ድሮናት ኣለወን?

ዩክሬይን ፍርያት ተርኪዬ ዝዀና ባያራክታር ቲቢ2 ዝብሃላ ወተሃደራዊ ድሮን ኣለዋ።

ዓቐን እዛ ድሮን ክንዲ ንኡሽቶ ነፋሪት ኰይኑ፡ ካሜራ ኣለዋ፤ ቦንባ’ውን ትስከም።

ዩክሬን እዚ ኲናት ክጅመር እንከሎ፡ “ትሕቲ 50” እዘን ድሮናት ከም ዝነበርኣ ኣማኻሪ ኢንስቲትዩት ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ [ሩሲ] ዶክተር ጃክ ዋልቲንግ ይገልጽ።

ሩስያ፡ ከኣ ኦርላን-10 ዝብሃላ ድሮን ሒዛ እያ እቲ ኲናት ጀሚራቶ።

“ሩስያ፡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዓይነት እዘን ድሮናት ሒዛ’ያ ናብቲ ኲናት ኣትያ። ዝተረፋ ኣማኢት’ውን ይህልውኣ” ይብል።

እዘን ድሮናት’ውን፡ ካሜራ ዘለወን ኰይኑ ሚሳይል ከወንጭፋ ይኽእላ።

ባይራክታር ቲቢ2

  • 7600 ሜትሮ ብራኸ ይኸዳ
  • ዝለዓለ ናህሪ - ኣብ ሰዓት 220 ኪሎ ሜትሮ ይውንጨፋ
  • 300 ኪሎ ሜትሮ ይሽፍና
  • 4 ኤምኤኤም -ኤል ቦንባ ይስከማ
  • ንውሓት ክንፊ፡ 12 ሜትሮ ይዕቀን
ስረሓት ቱርኪ ባይራክታር ቲቢ2

ምንጪ ስእሊ, Baykardefence

ወተሃደራዊ ድሮናት ክሳብ ክንደይ ውጽኢታውያን’የን?

ክልቲአን ሃገራት ዝተጠቐማሎም ድሮናት፡ ጸላኢ ዝዓረደሉ ቦታ ኣነጺረን ኣብ ልዕሊኦም ከቢድ ብረት ክትኰስ ኣብ ምግባር ዕዉታት ነይረን።

“ኦርላን-10፡ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣብ ዘሎ ግዜ ነቲ ዒላማ ከነጽራ እንከለዋ፡ ሓይልታት ሩስያ ብረቶም ኣንጻር እቲ ዝዋግኡዎ ሓይሊ ከዐምሩ ኣኽኢለን እየን” ይብል ዶክተር ዋልቲንግ።

ብጀክአን፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ 20 ክሳብ 30 ደቓይቕ ክወስድ ከም ዝኽእል ይገልጽ።

ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን፡ ተመራማሪት መጽናዕታት ምክልኻል ዶክተር ማርቲና ሚሮን፡ ድሮናት ውሱን ሓይሊ ዩክሬይን ክደፍእ ኣኽኢለን እየን ትብል።

“ኣብ ሕሉፍ፡ ጸላኢ ዘለሉ ቦታ ንምፍላጥ ክትደሊ እንከለኻ፡ ንዕኡ ክዓምም ዝኽእል ፍሉይ ሓይሊ ኢኻ ትሰድድ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ገሊኦም ወተሃደራትካ ክሞቱ ይኽእሉ’ዮም። ሕጂ ግን ድሮን ኢኻ ትሰድድ”።

 ኣብ መጀመርታ ሒደት ሳምንታት እቲ ኲናት፡ ዩክሬይን ዝተጠቐመተን ድሮናት ባይራክታር ብዙሕ ናእዳ ረኺበን ነይረን።

“ኣብ ልዕሊ መአከቢ ኣጽዋር ዝዀኑ ቦታታት መጥቃዕቲ ክፍጽማ ተራእየን እየን፤ መርከብ ውግእ ሞስኮቫ ክትጥሕል’ውን ተራ ነይሩወን” ትብል ዶክተር ሚሮን።

ይኹን’ምበር፡ መብዛሕትአን ባይራክታራት ብስርዓት ምክልኸል ሓይሊ ኣየር ሩስያ ዓንየን እየን።

“ዓበይትን፡ ብተዛማዲ ብፍጥነት ዘይንቀሳቐሳን ከምኡ’ውን ኣብ ማእከላይ ብራኸ ጥራይ ዝበራ ስለ ዝዀና ብቐሊሉ ክህረማ ይኽእላ እየን” ኢሉ ዶክተር ዋልተንግ።

ሩስያ እትውንነን ድሮናት ኦርላን-10 ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ጸላኢ ዘለወሉ ቦታ ከነጽራ ይኽእላ

ምንጪ ስእሊ, EPA

እተን ወተሃደራዊ ድሮናት ዘይኰና ኸ?

ወተሃደራዊ ድሮናት፡ ሓንሳብ ምስ ከሰርካየን ንክትትክአን ኣዝየን ክቡራት እየን።

ሓንቲ ባይራክታር ቲቢ2፡ ዋጋኣ ክልተ ሚሊዮን ዶላር እዩ።

ስለዚ ክልቲአን ሃገራት ብፍላይ ዩክሬይን፡ ናብ ከም ዲጄይኣይ ማቪክ 3 ዝበላ ክልተ ሽሕ ዶላር [£1,700] ዝግመታ ኣዝየን ንኣሽቱ ዝዀና ናይ ንግዲ ሞዴላት ኣዘንቢላ።

ከም ግምት ሓደ ኣፍራዪ ድሮን ዩክሬይን፡ ሰራዊት እታ ሃገር 6000 ድሮናት ኣለዎ። እዚ ግን ብናጻ ኣካል ከተረጋግጾ ኣጸጋሚ’ዩ።

እዘን ናይ ንግዲ ድሮናት ንኣሽቱ ቦንባታት ክስከማ ይኽእላ። ይኹን’ምበር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጸላኢ ዘለወሉ ቦታ ንምፍላጥን መጥቃዕቲ ንምፍጻም መምርሒ ንምሃብን እየን ዝውዕላ።

“ዩክሬይን ልክዕ ከም ሩስያ ብዙሕ ኣጽዋር የብላን። ዒላማ ዝንጽርን መዓዝ ትትኩስ ዝነግርን ‘ዓይኒ ኣብ ሰማይ’ ምህላው፡ ዘለካ ነገር ብዝሓሸ መገዲ ክትጥቀም’ዩ ዝሕግዝ” ትብል ዶክተር ሚሮን።

እንተዀነ፡ እዘን ናይ ንግዲ ድሮናት ካብተን ወተሃደራዊ ድሮናት ዝተሓተ ሓይሊ’ዩ ዘለወን።

ዲጄይኣይ ማቪክ፡ 30 ኪሎ ሜትሮን 46 ደቓይቕን ጥራይ እያ ክትጉዓዝ እትኽእል።

ሕሱራትን ንኣሽቱን ድሮናት ዝሓጸረ ሰዓትን ርሕቐትን እየን ክኸዳ ዝኽእላ።

ዲጄይኣይ ማቪክ 3 ድሮን

  • ዝለዓለ ብራኸ 6000 ሜትሮ ትኸይድ
  • እትኸዶ ዝለዓለ ርሕቀት 30 ኪሎ ሜትሮ'ዩ
  • ዝለዓለ ናህሪ - ኣብ ሰዓት 68.4 ኪሎ ሜትሮ
  • ንውሓት ክንፊ፡ 28.3 ሴንቲ ሜትሮ
ዲጄይኣይ ማቪክ 3 ድሮን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክልቲአን ንርእሰን ካብ መጥቃዕቲ ድሮን ብኸመይ ይከላኸላ ኣለዋ?

ሩስያ፡ ካብ ዩክሬይን ክፍነወላ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ ድሮናት ራዳር ተጠቒማ ትከላኸሎ።

 ነተን ናይ ንግዲ ድሮናት ድማ ብኤሌክትሮኒካዊ ኣቑሑ ትከላኸሎ ኣላ።

 “ሓይልታት ሩስያ ኤሌክትሮማግኔቲክ ክትኩስ ዝኽእል ጠመንጃ [Stupor rifle] ኣለዎም” ትብል ዶክተር ሚሮን።

 እዚ ድማ፡ እተን ናይ ንግዲ ድሮናት ጂፒኤስ ተጠቒመን ዝዀነ ዒላማ ንከይፈልጣ ጠጠው የብለን።

ብተወሳኺ ሓይልታት ሩስያ፡ ከም ኤሮስኮፕ ዝበሉ ናይ ኦንላይን ስርዓታት ተጠቒሞም ኣብ ሞንጐ እተን ድሮናትን ተቘጻጸርተንን ዘሎ ርክብ ክፈልጡ ክኢሎምን ክብተኽ ገይሮምን እዮም።

በዚ ኣገባብ፡ እተን ድሮናት ከዕንውወን ወይ ናብ ቦትአን ክመልሱወን ከምኡ’ውን ሓበሬታ ንከይህባ ጠጠው ከብሉወን ይኽእሉ።

ከም ጸብጻብ ኢንስቲትዩት ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ፡ ‘ሩሲ’ እንተዀይኑ፡ ሓንቲ ድሮን ዩክሬይን ብውሑድ ንሰሙን እያ ትጸንሕ።

መንከ'ዩ ድሮን ዘቕርበለን ዘሎ?

ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ከም ዝብሎ ሩስያ ካብ ኢራን ወተሃደራዊ ድሮናት ትዕድግ ኣላ።

ኣብ የመን ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ኣብ ዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ነዘን ድሮናት ተጠቒሞም’ዮም።

ኣመሪካ ድማ፡ "ካማካዚ" ዝበሃላ 700 ወተሃደራዊ ድሮናት ንዩክሬይን ተቕርበላ ኣላ።

እዚአን ብቦንባ ዝተመልኣ ኰይነን፡ ክሳብ ዒላምአን ዝረኽባ ኣብ ኣየር ክጸንሓ ዝኽእላን እየን።

ኩባኒያ ኢሎን መስክ ዝዀነ ስፔስኤስ ድማ፡ ‘ስታርሊንክ’ ዝተባህለ ናይ ሳተላይት ስርዓት ኮምዩኒኬሽን ንዩክሬይን ኣቕሪቡ ኣሎ።

እዚ ኽኣ፡ ኣብ ሞንጐ እተን ናይ ንግዲ ድሮናትን ተቘጻጸርተንን ዘሎ ርክብ ውሕስና ክህልዎ ባይታ ይፈጥር።

ሕጂ ዲጄይኣይ፡ ንሩስያ ኰነ ዩክሬይን ድሮናት ምቕራብ ጠጠው ኣቢሉ’ዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዩክሬይን፡ 200 ወተሃደራዊ ድሮናት ክትዕድግ ዘኽእላ ናይ ሓገዝ ምትእኽኻብ ጻውዒት ገይራ ኣላ።

“ከም ባይራክታር ቲቢ2 ዝበላ ዓበይቲ ድሮናት ከምኡ’ውን ንኣሽቱን ዘይተዓጻጸፍ ክንፍን ዘለወን ድሮናት ክትረክብ ትደሊ” ይብል ዶክተር ዋልቲንግ።

ተዓዋቲ ውድድር ሙዚቃ ዩሮቪዥን ካሉሽ ኦርኬስትራ እቲ ሽልማት ብ900 ሽሕ ዶላር ብምሻጥ ዝርከብ ገንዘብ መግዝኢ ድሮን ክኸውን ገይሩ’ዩ።

እዚ ገንዘብ ክኣ፡ ሰለስተ ፒዲ-2 ድሮናት ንምግዛእ ከም ዘኽእል ተገሊጹ።