ኣብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዘራሪቡ

ኣምባሳደር ሹአ ቢንግ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራ፡ 15 ታሕሳስ 2023

ምንጪ ስእሊ, @hawelti

ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሹአ ቢንግ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ ተዘራሪቡ።

ኣብቲ ሎሚ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ክልተኣዊ፡ ዞባውን ዓለምለኻውን "ምዕባለታት" ከምዝዘተዩ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን።

እቲ ኣብቲ ዞባ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ቻይናዊ ልኡኽ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት'ውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ደመቀ መኮንን ተራኺቡ ነይሩ።

እቲ ምኩር ዲፕሎማት ኣብ ለካቲት 2022 ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበረ ዘይርጉእ ኩነታት፡ ብፍላይ ድማ ኲናት ትግራይ ንምህዳእ'ዩ ነቲ ዞባ ክከታተል ተመዚዙ።

ኣብ መጋቢት ናይቲ ዓመት ድማ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ተዘራሪቡ ነይሩ።

ልኡኽ ቻይና ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ 11 ታሕሳስ

ምንጪ ስእሊ, @mfaethiopia

ኣብ ሰነ 2023 ኣብ ዝተኻየደን ብቐንዱ ብዛዕባ ቅልውላው ሱዳን ዝዘተየን ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ብምስታፍ'ውን፡ ሰላምን መርግጋእን ኣብቲ ዞባ ንምስፋን ደገፍ ቻይና ቀጻሊ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሃገሩ ኣፍደገ ባሕሪን ወደብን ክትረክብ መሰል ከምዘለዋ ምግላጹ ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዝርከባ ሃገራት እቲ ዞባ ባህ ኣየበለን።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ድሕሪ'ቲ መግለጺታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መግለጺ ኣቢይ ንጎረባብቲ ሃገራትን ኣመሪካን ስግኣት ዝፈጥር ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

“እዚ ዞባ ፍጹም ዘይደልዮ ነገር እንተሃለወ ካልእ ኲናት እዩ። . . . ኣብቲ ዞባ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ጎንጽን ዘይምርድዳአን ብሰለማዊ መንገዲ እዩ ክፍታሕ ዘለዎ” ክብል እቲ ኣመሪካዊ ልኡኽ ንኣባላት ኮንግረስ ሃገሩ ገሊጹ።

ሉኡኽ ቻይና ኣብ ኣኼባ መራሕትቲ ሃገራት ኢጋድ፡ ጂቡቲ፡ ሰነ 2023

ምንጪ ስእሊ, Igad

መግለጺ ስእሊ, ሉኡኽ ቻይና ኣብ ኣኼባ መራሕትቲ ሃገራት ኢጋድ፡ ጂቡቲ፡ ሰነ 2023

ቅድሚ ሒደት መዓልታት'ውን ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት ክኽበር ተማሕጺኖም ነይሮም።

ብሰሉስ 12 ታሕሳስ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብኣጋጣሚ መበል 23 ዓመት ስምምዕ ኣልጀርስ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ስምምዕ ዘለዎ ደገፍ “ደጊሙ ብምርግጋጽ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ክሰርሓ ከምዘተባብዕ” ኣፍሊጡ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት’ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ብምውጻእ፡ ኵሎም ወገናት ብመሰረት እቲ ስምምዕ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከኽብሩ ልዕሊ ዝዀነ እዋን ሕጂ ኣገዳሲ እዩ ኢሉ።