ፖለቲካ፡ ቻይና ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ምምዛዛ ሓቢራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይና ናብቲ ብግጭትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ተወጢሩ ዝርከብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ምምዛዛ ገሊጻ።
ምኩር ዲፕሎማት ዡ ቢንግ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ከምዝተመዘዘ ማእከን ዜና ሮይተርስ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ዡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ፓፓዋ ኒው ጊኒ ኮይኑ ከግልግል ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ኣሜሪካን ኦሽያንያን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሃገሩ ምግልጋሉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ሓቢሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዩ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ናብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ሃገሩ ናብቲ ዞባ ፍሉይ ልኡኽ ክትምድብ ምዃና ኣፍሊጡ ነይሩ።
ቤጂን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ወተሃደራዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ድልየታት ክህልዋ እንከሎ፤ ኣብ ጅቡቲ ዓቢይ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣለዋ።
ብዘይካ'ዚ ቻይና ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ ሃገራት ልዑል መጠን ዘለዎ ልቓሕ ኣለቂሓን ኣብተን ሃገራት ገዘፍቲ ፕሮጀክትታት ተካይድን ኣላ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፣ ናይ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ዘይምርግጋእ ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንጸጥታ እቲ ዞባ ፈተንቲ ኮይኖም ዘለው ጉዳያት እዮም።
ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ዘይምርግጋእ ዘሻቐለን ሓያላን ሃገራት ናብቲ ዞባ ፍሉይ ልኡኽ ይልእኻ ኣለዋ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኮይኑ ከግልግል ዝጸንሐ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን ኣብ ቀረባ እዋን ብኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ተተኪኡ እዩ።
ኣፍሪቃዊ ሕብረት'ውን ንፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሴጎ ኦባሳንጆ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጌሩ ብምሻም ነቲ ዞባ ብቅርበት ይከታተል ኣሎ።
ኣውሮጳዊ ሕብረትን ሩስያን'ውን ናብቲ ዞባ ፍሉይ ልኡኽ መዚዞም እዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







