ቅልውልው ኢትዮጵያ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

መግለጺ ስእሊ, ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ

ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተወ ተገሊጹ።

እቲ ኣምባሳደር ትማሊ 14 ለካቲት 2022 ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተወ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽልተ መዓልታት ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ምስ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን ከም ዝዘራረብ ሓቢሩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓለፍቲ ህወሓትን ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ወጥሪ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ይዘራረቡ ኣለዉ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን'ዩ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።

ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ድሕሪ ምክያዳ ሮቡዕ 9 ለካቲት 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ናይ ሰላም ተስፋታት ከም ዘሎ ምግላጻ ዝዝከር እዩ።

ንሳ "ሕጂ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ኢና ዘላ፡ ተወሳኺ ዝርርባት'ውን ይግበር ኣሎ" ኢላ ነይራ።

ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ'ውን እቶም ኣብ ኩናት ተጸሚዶም ዘለዉ ኩሎም ወገናት፡ እቲ ኩናት ብሰላማዊ መንገዲ ንኽውዳእ ዘርኣይዎ ቅሩቡነት ብሓጎስ ከም ዝርዮ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ቅድሚ ቅሩብ ኣዋርሕ ንኣምባሳደር ፌልትማን ብምትካእ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኮይኑ ዝተሾመ ዴቪድ ሳተርፊልድ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ጥሪ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር።

ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየደ ዘሎ ኵናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ዝነበረ ርክባት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናሓርፈፈ ክምጽእ ጸኒሑ'ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣሜሪካ ንህወሓት ዝድግፍ መግለጺ ትህብን ንህወሓት ዝድግፍ ስጉምትታትን ትወስድ ኣላ ብምባል እዩ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ዝኸስስ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ዘንበሮ ናይ ቪዛ እገዳን፡ ንኢትዮያ ካብቲ ብዘይቀረጽ ናብ ኣሜሪካ ንብረት ከተእቱ ዘኽእል ዕድል [ኣጋዋ] ምእጋዳ ገለ ካብቲ ንርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዘሐርፈፈ ነጥብታት እዩ።

ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ ጆ ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ዝተኻየደ ናይ ተሌፎን ዝርርብ፡ ሓደ ካብቲ ንርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ንቡር ክምልስ ዝጀመረ ስጉምቲ ምንባሩ ይጥቀስ'ዩ።

ኣሜሪካ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብሰላማዊ መንገዲ ንኽፍታሕ ፍሉይ ልኡኽ ብምምዛዝ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ እትዮጵያ ርክባት ክትገብር ጸኒሓ'ያ።

እዚ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ዴቩድ ሳተርፊልድ፡ ንዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ቱርኪ ኣምባሳደር ኮይኑ ስለ ዝሰረሐ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዘተታት እኹል ዓቕሚ ከም ዝደለበ እዩ ዝንገረሉ።

ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ኣብ ቱርኪ፣ ሶርያ፣ ቱኒዝያ፣ ስዑድ ዓረብን ሊባኖስን ንሃገሩ ብምውካል ዲፕሎማሰኛ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።

ብዘይካ እዚ ኣብ እዋን ትራምፕ'ውን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጸሓፊ ጉዳይት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፕዮ ኮይኑ ሰሪሑ'ዩ።