ኣመሪካ ንኣምባሳደራ እትትክእ ፈጻሚት ጉዳያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሸይማ

ፈጻሚት ጉዳያት ትሬሲ አን ጃኮንሰን

ምንጪ ስእሊ, Tracey Jacobson/fb

መግለጺ ስእሊ, ፈጻሚት ጉዳያት ትሬሲ አን ጃኮንሰን

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ዲስ ኣበባ ዘሎ ኤምባሲኣ እትመርሕ ግዝያዊት ፈጻሚት ጉዳያት ከምዝሾመት ቤት ጸሕፈት ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

ንኣምባሳደር ጊታ ፓሲ ብምትካእ ኣብ ኢትዮጵያ ግዝያዊት ፈጻሚት ጉዳያት ኮይና ተመዚዛ ዘላ ዲፕሎማት ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን እያ፡፡

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ አመሪካ ነቲ ሽመት ኣመልኪቱ አብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይና ክተገልግል ዝጸነሐት ጊታ ፓሲ ጥሮታ ወጺኣ ኣብ ካልእ ስራሕ ክትዋፈር ብምድላያ እታ ሓዳሽ ፈጻሚት ስራሕ ከምዝተሸመት ሓቢሩ፡፡

ቅድሚ ሕዚ ኮሶቮ፣ ታጃኪስታንን ቱርክመኒስታንን ሓዊሱ ኣብ ዝፈላለያ ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ኮይና ዘገልገለት ጃኮብሰን፡ ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ንዝህልዋ ርክብ ክትመርሕ እያ ክብል እቲ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ፡፡

ብጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝተመረጸት ኣምባሳደር ጃኮብሰን: ኣብ ጻንሒታ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ንምፍታሕ ብቕልጡፍ ተኹሲ ክቋረጽ፣ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ገደብ ክቐርብን ነቲ ጎንጺ ደው ዘብል ዘተን ክግበርን ኣምባሳደር ጊታ ፓሲ ክትፍጽሞ ዝጸንሐት ተግባራት ክትቅጽሎ ምዃና ተገሊጹ፡፡

በታ ሓዳሽ ፈጻሚት ጉዳይ እትትካእ ዘላ ሓደ ዓመት ንዘይመልእ ግዘ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይና ዘገልገለት ጊታ ፓሲ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምክትል ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ኮይና ሰሪሓ ዝነበረት እያ፡፡

ብተወሳኺ ቅድሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምጻኣ ኣብ ሃገራት ጅቡቲን ቻድን ኣምባሳደር ኮይና ኣገልጊላ፡፡

ንነዊሕ ዓመታት ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይና ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ጎንጺ ንከባቢ ሓደ ዓመት ርክበን ሓርፊፉ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን ርክበን ንምምሕያሽ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ፡፡

ኣመሪካ ካብታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረት ኣምባሳደራ ብተወሳኺ፡ ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ኲናት ሓድሕድ ንምፍታሕ ንኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገይሩ ሸይሙዎ ጸኒሑ፡፡

ሰላማዊ ምፍታሕ ንምድላይ ናብቲ ዞባ ክመላለስ ዝጸንሐ ኣምባሳደር ፌልትማን ቅድሚ ሰሙናት ብኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ምትክኡ ዝዝከር እዩ፡፡