ኲናት ትግራይ፡ መራሕቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዘራረቡ ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ይቕጽል ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ምክትል ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ፡ ብረቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ'ያ ነቲ ሓበሬታ ሂባ።
እታ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ብምብጻሕ ነቲ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ዝተዓዘበት ላዕለወይቲ ብዓልቲ ስልጣን ናይቲ ውድብ፡ ናይ ሰላም ተስፋ ከምዘሎ ጠቒሳ።
ብዛዕባ'ቲ ክሳብ ሕጂ ዘይሃድአ ዘሎ ግጭት ክትዛረብ እንከላ፡ "ብርግጽ ካብቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝነበረ ግጭታት ዝወሓደ'ዩ" ዘሎ ብምባል ገሊጻቶ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ብርግጽ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ኢና ዘለና" ክትብል'ውን ብዛዕባ'ቲ ዝግበር ዘሎ ድርድር ተስፋ ከምዘለዋ ኣሚታ።
እታ ምስ ሰበስልጣን መንግስትን፡ ሰብመዚ ሰለስቲኡ ክልላትን ብምርኻብ ዝተዘራረበት ኣሚና መሓመድ፡ እቲ ኲናት ደው ክብል ጸዊዓ'ላ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ፡ ኲሎም ወገናት ናይቲ ኲናት ሰላም ንምምጻእ ዝወስድዎም ዘለዉ ዝበሎም ስጉምትታት ከምዝንእድ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ገሊጹ ነይሩ።
ሰላም ንምስፋን ድማ እቲ ወሳኒ ስጉምቲ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ነቲ ኲናት ደው ምባልን ምዃኑ'ውን ጉተረዝ ከይተዛረበ ኣይሓለፈን።
ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፈት ምክትል ናይቲ ዋና-ጸሓፊ፡ ናብ ክልል ትግራይ ብምኻድ ኣብ ገለ በቲ ኲናት ዝተሃስያ ከተማታትን ከባቢታትን በጺሓ ነይራ። ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን'ውን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ኣካይዳ ነይራ።
ኣብቲ ዘካየደቶ ዑደት፡ ምስ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ከምዝተራኸበትን፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝበጽሕ በደል ተጻዋርነት ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ ኣብ ጎኒ እተን ግዳያት ከምዝኾነት ተዛሪባ።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዝወረደን ሃስያ ንምቅላል ፍታሕ ኣብ ምርካብ ጻዕርታቱ ከሐይል ምዃኑ'ውን ቃል ኣትያ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ዝተመዘዘ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሌሰጉን ኦባሳንጆ፡ ብሰኑይ ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ከምዝበጽሐ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ቅድሚኡ ኣብ ክልል ትግራይ በጺሑ ዝነበረ ኦባሳንጆ፡ ኣብ ክልል ዓፋር'ውን ተመሳሳሊ ዑደት ከካይድ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ንልዕሊ 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።
ኣብ ትግራይ ጥራይ፡ 40 እሚታዊት ናይቲ ህዝቢ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዘውጽኦ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ነቲ ግጭት ንምህዳእን ሰላም ንምርግጋጽን፡ ኣመሪካን ኬንያን ዝርከብዎም ወገናት ሓያል ጻዕርታት ከካይዱ ጸኒሖም'ዮም።
መራሒ ክልል ትግራይ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ምስ መንግስቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ልዝብ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ምስ ህወሓት ከዘራረብ ድልዉ ምህላዉ ከምዝገለጸ ጸብጻባት ዜና ሓቢሮም ነይሮም።
ዋላ'ኳ፡ ሓይልታት ህወሓት ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከምዝወጹ እንተፍለጡን፡ ሰራዊት መንግስቲ'ውን ናብ ትግራይ ከይኣቱ እንተ ወሰነን፡ ኣብ ዶባት እተን ክልላት ሓሓሊፉ ውግኣት ክካየድ ጸኒሑ'ዩ።
ብፍላይ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዓፋርን ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ሓያል ረጽሚ ከምዘካየዱ ገሊጾም ነይሮም።
ብዛዕባ ምጅማር ናይቲ ሓድሽ ጎንጺ ንሓድሕዶም ዝካሱሱ'ኳ እንተኾኑ፡ ሓይልታት ህወሓት ንገለ ከባቢታት ዓፋር ተቖጻጺሮም ነይሮም'ዮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







