ቅልውላው ትግራይ፡ ህወሓት ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝርርብ ከም ዝጀመረ ገሊጹ

ደ/ር ደብረፅዮን

ምንጪ ስእሊ, dawit Kebede

ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ መራሕቲ እቲ ክልልን መንግስቲ ፌደራልን ናብ ልዝብ ንክመጽኡ ዝግበሩ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ምዕባለ ከርእዩ ከም ዝጀመሩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብሰንኪ ኲናት ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ብምህላው ኲናት ጠጠው ንምባልን ናብ ድርድር ንምምጻእን ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝርርብ ከም ዝጀመሩ'ውን ሓቢሩ።

"ምስ መንግስቲ ፌደራል ክንዘራረብ ጀሚርና ኣለና፤ ብሞንጎኛታት ዝግበሩ ዝርርባትን ርክባትን ኣለው'ዮም። ኣብዚ ዝርኣዩ ምዕባለታት'ውን ኣለው፤ ግን እቲ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕረ ፍረ ንከምጽእ ንጽበ ኣለና" ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝርራብ ድልው ከም ዝኾነ ምዝራቡ ማዕኸን ዜና ኣሶሺየትድ ፕረዝ (ኤፒ) ጸብጺቡ ነይሩ።

ዛጊድ ግን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ዝበሃል ዘሎ ድርድር ብወግዒ ዝገለጽዎ ነገር የለን።

ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ምስ 'ቢቢሲ ኒውስ ኣወር' ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ኣብቲ ክልል "ሰብ ብጥምየት ይመውት ኣሎ፤ ህዝብና ዝነብሮ ዘሎ ገሃነም ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። መንግስቲ ፌደራል ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ ኣሎ" ክብል ከሲሱ። መንግስቲ ግን ነቲ ክሲ ብምንጻግ ሰባዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ከምዘፍቀደ ይምጉት።

ስለ ዝኾነ ድማ ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ውግእ ጠጠው ከብሉን ንሰላም ዕድል ክህቡን ከም ዘለዎም ጸዊዑ።

"ሰራዊት ፌደራል ኮነ ሓይልታትና ኲናት ጠጠው ኣቢሎም ንሰላም ዕድል ክህቡ ኣለዎም። ኣገደስቲ ቐረባት'ውን ናብ ህዝቢ ክበጽሑ ኣለዎም። ኩላትና ኣብ ልዝብ ናብ ዝተሞርኮዘ ምቁራጽ ተጻብኦ ነምርሕ። እንተኾነ ሕጂ'ውን ኣብ ትግራይ ዘለው ወተሃደራት ኤርትራን ሚሊሻ ኣምሓራን ኩሎም ካብ ትግራይ ክወጽኡ ኣለዎም። ካልእ ደጋዊ ኢድ ኣእታውነት'ውን ጠጠው ክብል ኣለዎ" ኢሉ።

እንተኾነ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ክልላት ትግራይን ዓፋርን ሓድሽ ግጭት ከም ዝተወልዐ ክግለጽ እንከሎ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ዓፋር ዘሊቖም ብምእታው ሰለስተ ወረዳታት ከም ዝተቖጻጸሩ መንግስቲ ክልል ዓፋር ገሊጹ ነይሩ።

ሓይልታት ህወሓት ብወገኖም ብሸነኽ ዓፋር ንዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ ክከላኸሉ ምጽንሖምን ብሰኑይ "ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ከም ዝተገደዱን" ገሊጾም'ዮም።

"ንሰሙናት ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ዓፋርን ሰራዊት ኤርትራን ናብ ትግራይ ተጸጊዖም ኣንጻር ሓይልታትና መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ነይሮም፤ ሰብኣዊ ረድኤት ተዓናቒፉ፣ ኣማኢት ተጋሩ ቐቲሎም ንብረቶም ዘሚቶም፣ ኣሽሓት ክኣ ተኣሲሮም'ዮም። ኣብ መወዳእታ ንጸጥታዊ ጉዳያት ክንብል መልሲ ክንህብ ነይሩና" ኢሉ።

ብወገን ኤርትራ ግን ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዝተዋህበ ወግዓዊ ግብረመልሲ የለን።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL TEWELDE

ሰብመዚ ክልል ዓፋር ብወገኖም: ሓይልታት ትግራይ ኣብቶም ዝተቖጻጸርዎም ቦታታት ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዶም ክብሉ ይኸሱ።

ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ መዋስንቲ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ውግኣት ከም ዘለው ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ፣ ኣብ መዋስንቲ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን፣ ክልል ዓፋር፣ ሰሜን ጎንደር ዋግ ኽምራን ዞባታት ሰሜን ወሎም ውግኣት ከም ዘለው ሓበሬታ በጺሑኒ ኢሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ደቡብ ምዕራብ ከተማ ሸራሮ፣ ወልቃይት ጸገዴን ዞባ ምዕራብ ከተማ ሑመራን ውግኣት ከም ዝቐጸሉ ኣፍሊጡ።

ኣብታ ክልል ኩሉ መስመራት ርክብ ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ቢቢሲ ነቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን።

እዚኦም ናብቶም ብኲናት ዝተሃሰዩ ሰባት ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዝግበሩ ምንቅስቃሳት ከተዓናቕፉ ምኽንያት ከም ዝኾኑ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ይገልጹ።

ሰብኣዊ ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ

ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ቴሌኮምዩኒኬሽንን፣ መጓዓዝያ ምድርን ነፋሪትን ከምኡ'ውን ኤሌክትሪክን ባንክን ተዓጺዮም፡ እታ ክልል ንዝበዝሐ እዋን ተኸርዲና ብምጽንሓ፡ ቀረባት ሕክምናን መግቢን ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ቁጽሪ ናይቶም ከቢድ ጥምየት ዘጋጠሞም ሰባት ይውስኽ ከም ዘሎ ገሊጹ።

እቲ ትካል ከም ዝብሎ፡ 2.2 ሚልዮን ሰባት "ብሰንኪ ሕሉፍ ጥምየት" ይሳቐዩ ኣለዉ።

ዶክተር ደብረጽዮን፡ ኣብቲ ክልል ኣንጸላሊው ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕን ኲናት ጠጠው ንምባልን ድልውነት ከም ዘለዎም ገሊጹ ኣሎ።

"ንሕና ድሉዋት ኢና፤ ንሰላም ዕድል ክንህብ ኣለና፤ ካብ ሰላም ወጻእ ፖለቲካዊ ፍታሕ ይትረፍ ህዝብና ዘድልዮ ቐረብ ክነቕርብ ኣይንኽእልን፤ ህዝቢ ብሰንኪ እዚ ዕጽዋ ክሃልቕ'ዩ። ስለዚ ንሰላም ዕድል ክንህብ ኣለና። ነዚ ክንብል ኢና'ውን ሰራዊትና ስሒብና። ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኬንያን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ድማ ንተሓባበር ኢና ዘለና" ክብል ተዛሪቡ።

በቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ዝቕጽል ዘሎን ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ትሸዓተ ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ።

እቲ ንኣስታት 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።

ረዲኤት ዝወስዳ ኣንስቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብሰንኪ እዚ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት'ውን ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ።

ነቶም ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ናብ ድርድር ንምምጻእ ዝዓለመ ዓለምለኻዊ ጻዕሪታት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብፍላይ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን እቶም ሓይልታት ፍልልያቶም ብዘተ ፈቲሖም ነቶም ብኲናት ዝተሃሰዩ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበጽሖም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።

እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወከለ ፍሉይ ልኡኽ ኦሌሴጉን ኦባሳንጆ'ውን ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፤ ንሰበስልጣን ትግራይ ድማ ኣብ መቐለ እናረኸበ ብተደጋጋሚ ኣዘራሪብዎም'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ እቲ ንጄፍሪ ፌልትማን ዝተከአ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ዴቪድ ሳተርፊልድ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከም ዝተዘራረበ ይፍለጥ።

እዚ ኩሉ ጻዕሪታት፡ እቶም ኣብ ጎንጺ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ፍልልያቶም ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ክፈትሑ ንምግባር'ኳ እንተኾነ ዛጊድ ግን ጭቡጥ ዝኾነ ውጽኢት ኣይተረኣየን።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቲ ኲናት ደው ንኽብልን ሰላም ንምምጻእን ዘኽእል ተስፋ ዝህብ ጻዕሪታት ምህላዉ ከም ዘሐጎሶ ሓቢሩ ነይሩ።