ኲናት ትግራይ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ትግራይ ቀረባት ሕክምና ከብጽሕ ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, WHO
ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ትግራይ መድሃኒትን መሳርሒታት ሕክምናን ብነፈርቲ ከብጽሕ ከምዝጀመረ ገሊጹ።
ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝገበሮ ክልተ በረራታት፡ 10 ሜትሪክ ቶን ዝግመት ኣፋውስ ዝርከቦ ቀረባት ሕክምና ናብ ከተማ መቐለ ከምዘብጸሐ ሓቢሩ።
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ኣብ ዘካይዶ በረራታት'ውን ተወሳኺ ልዕሊ 23 ሜትሪክ ቶን ሕክምናዊ ቀረባት ከብጽሕ ምዃኑ ጠቒሱ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እቲ ውድብ ናብ ትግራይ ቀረባት ከየእቱ ከምዝተኸልከለ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ትካል ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ሕክምናዊ ቀረባት ናብ ትግራይ ንምብጻሕ ብተደጋጋሚ'ኳ እንተሓተተ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከምዘይተዋህቦ፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ውድብ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሕክምናዊ ቀረባት ከብጽሕ ከምዝኸኣለ ኣብቲ እዋን ገሊጹ ነይሩ።
ናብ ክልል ዓፋር 14 ሜትሪክ ቶን ናብ ክልል ኣምሓራ ድማ 70 ሜትሪክ ቶን ሕክምናዊ ቀረባትን መሳርሒታትን ከምዘከፋፈለ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል'ውን ቅድሚ ሒደት ሳምንታት፡ ናብ መቐለ ብዘካየዶ ሓያሎ በረራታት ቀረባት ሕክምና ኣብጺሑ ነይሩ'ዩ።
እቲ ናብ ትግራይ ዝበጽሐ ኣፋውስን መሳርሒ ሕክምናን፡ ኢንሱሊን፣ ሄሞዳያሊስስ፣ ኦክሲቶሲን፣ ቴታነስ፣ ቶክሶይድ፣ ጓንትን መሳርሒታት መጥባሕቲን ይርከቦ።
ብሰንኪ እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሆስፒታላት ከቢድ ሕጽረት ኣጋጢምዎም ምጽንሑ ይግለጽ።
ኣብቲ መቐለ ዝርከብ ኣብቲ ክልል ዝዓበየ ሆስፒታል ዓይደር፡ ብሰንኪ ሕጽረት መሳርሒ ሓካይም መጀነኒ ከይተረፈ ካብ ህዝቢ ክረኽቡ ከምዝተገደዱ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







