ቀይሕ ባሕሪ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትረክብ ንኤርትራ ከተገድዳ ትኽእል ድያ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ፡ ምሁራትን ፖሎቲከኛታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ 'ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ዋንነት ይግብኣ'ዩ' ክብሉ ይዛረቡ እዮም። ሎሚ ቅነ'ውን እቲ ጉዳይ ባሕሪ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ብዙሕ ኣዛራራቢ ከይኑ ቀኒዩ።
ብፍላይ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ዝተፈላለያ ሰልፍታት 'ንዓና እንተመሪጽኩምና ንዓሰብ ከነምልሳ ኢና፤ ተጠቅምትን ወነንትን ባሕሪ ክንገብረኩም ኢና' እናበላ ክጉስጉሳ ይስምዓ እየን።
እተን ፖሎቲካውያን ሰልፍታት ዘልዕለኦ ሕቶ ባሕርን ወደብን ከምኡ'ውን ሓደ ሓደ ላዕለዎት ሓለፍትን ምሁራትን ዝምነዩዎ ነገርን ኣብ ባይታ ክትግብር ይከኣልዶ? ዓለም ለኻዊ ሕጊኸ ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት እንታይ እዩ ዝብል? ንዝብል ሕቶ እዚ ዓንቀጽ ክምልሶ ክፍትን እዩ።

ኣብ ዓለም 44 ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ የብለንን። ካብኣተን እታ ምስ ሃገራት ሩስያ፡ ቻይና፡ ኤዝበኪስታንን ቱርከሚኒስታንን እትዳወብ ካዛኪስታን እታ ዝዓበየት ብመሬት ዝተኸበት ሃገር እያ።
ካዛኪስታን ብምዕራባዊ ክፋላ ምስ ባሕሪ ካሲፕያን ትዳወብ ሃገር እኳ እንተኾነት ባሕሪ ካሲፕያን ምስ ካልእ ባሕሪ ኮነ ውቅያኖስ ስለዘይራኸብ ከም ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር እያ ትግለጽ።
ኣብ ኣፍሪቃ ከኣ 16 ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ የብለንን። እታ 1.284 ሚልዮን ትርብዒት ኪሎ ሜተር ስፍሓት መሬትን ልዕሊ 15 ሚልዮን ብዝሒ ህዝብን ዘለዋ ሃገረ ጫድ ካብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝዓበየት ሃገር እያ።
ካብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እታ ልዕሊ 110 ሚልዮን ብዝሒ ህዝብን 1.104 ሚልዮን ትርብዒት ኪሎ ሜተርን ስፍሓት መሬትን ዘለዋ ሃገር ከኣ ኢትዮጵያ እያ።
ኣብ ኣፍሪቃ እተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ቦትስዋና፡ ቡርኪናፋሶ፡ ብሩንዲ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ጫድ፡ ሌሴቶ፡ ማላዊ፡ ማሊ፡ ኒጀር፡ ርዋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢስዋቲኒ፡ ኡጋንዳን ዙምባብወ፡ ለሰቶን እየን።

እቲ ሓደ ሓደ ሰበስልጣንን ምሁራትን ኢትዮጵያ ዘልዕልዎ ዘለው ሕቶ ባሕርን ወደብን ብዓለምለኻዊ ሕጊ ከመይ እዩ ዝረአ?
ካብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ 'ብማሪን ባዮሎጂ' ተመሪቑ ኣብ ጃፓን ብ'ዲቨሎፕመንት ኢኮኖሚክስ' ማስተርስን ፒኤችዲን ገይሩ፡ ሕጂ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ተመራማሪ ቁጠባ ናይ ኣከባቢ ዝሰርሕ ዘሎ ዶክተር ዒሳም ያሲን መሓመድ፡ እቲ ዓለም ለኻዊ ናይ ባሕሪ ሕጊ፡ (ሎው ኦፍ ዘ ሲ) እተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ናይ ግድን መስመር (ኣክሰስ) ክህልወን ከምዘፍቅድ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Doctor Essam
እዚ ሓላፊ ናይ 'ብሉ ኢኮኖሚ'ን ከምኡ'ውን ኣብ ማለዥያ ከም ዓለምለኻዊ ሓላፊ ፕሮግራም ዓለማዊ ክሊማዊ ለውጢ ኮይኑ ዝዓዩ ን42 ሃገራት ብዛዕባ ሕጊ ባሕሪ ዘማኽር ዶክተር ዒሳም ኣብ ጉዳይ ሕጊ ባሕሪ ብዝምልከት ነቲ ኣብ 1982 ብዙሓት ሃገራት ዓለም ክታመን ዘንበራሉ 'ሎው ኦፈ ዘ ሲ' ዝብል ውዕል ምውካስ ከምዘድሊ ይሕብር።
"[እቲ መሰል] ኣብ 10 ምዕራፍ ዓንቐጽ 124፡ ኣብቲ መሰላትን ግቡኣትን ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወንን ዘይብለንን ሃገራት ዝብል ሕጊ [ሰፊሩ] ኣሎ" ከኣ ይብል።
እቲ ሕጊ ባሕሪ፡ እተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት 'ኣክሰስ' ናይ ባሕሪ ምጥቃም መሰል ክህልወን ከም ዝግባእ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
እንተኾነ እቲ መሰል ብስምምዕ እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገርን ንሃገራዊ ረብሓን ልኡላውነታን እታ ኣፍደገ ባሕሪ እትህብ ሃገር ብዘይትንክፍ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ ምዕራፍ 10 ዓንቀጽ 125 ከምኡ'ውን ኣብ ዓንቀጽ 126 ብንጹር ሰፊሩ ከምዘሎ ይጠቅስ።
እተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ነተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ኣገዲደን ኣፍደገ ባሕሪ ንክረኽባ ይኽእላዶ? ንዝብል ሕቶ ዶክተር ዒሳም ያሲን፡ "ንኣብነት ደቡብ ኣመሪካዊት ሃገረ ቦሊቭያ ኣፍደገ ባሕሪ ስለዘይብላ፡ ንቺለ ኣፍደገ ባሕሪ ክትህበኒ ኣለዋ ኢላ ከሲሳታ። ድሕሪ 5 ዓመታት ዝወሰደ ናይ ቤት ፍርዲ ክርክር ከኣ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ቺለ ንቦሊቭያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትህባ ከምዘይትግደድ ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ውሳነ ተዋሂቡዋ" ክብል ብኣብነት ኣሰንዩ ይምልሶ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ ኢትዮጵያ ካብ ባሕሪ ኤርትራ፡ መሰለይ እዩ ኢላ ክትረኽቦ እትኽእል ነገር ሕጋዊ ባይታ ከምዘየሎ እዩ ዘረድእ።
ቺለን ቦልቭያን ድሕሪ እቲ ኣብ 1884 ዘካየደኦ ውግእን ብድሕሪ እቲ ውግእ ዝኸተመኦ ውዕልን እየን ቦሊቭያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ተሪፋ።

ምንጪ ስእሊ, PAULO ANTONIO
ቦሊቭያ፡ ንነዊሕ ዓመታት፡ "ቺለ ኣፍደገ ባሕሪ ክትህበኒ ኣለዋ" ኢላ ክትማጎት ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2013 ጉዳያ ናብ ቤት ፍርዲ ኣምሪሓቶ። በቲ ኣብ 2018 ዝተውሃበ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ከኣ ብቤት ፍርዲ ተረቲዓ።
እቲ ብውግእ ፓሲፊክ ዝብል ዝፍለጥ ካብ 1879 ክሳብ 1884 ኣብ ሞንጎ ቦሊቭያን ቺለን ዝተኻየደ ውግእ ኣብ 1904 ውዕል ሰላም ምስ ፈረማ'ዩ ነዚ ሕጂ ሒዘንኦ ዘለዋ ዶባተን ኣነጺረን።
ብመሰረት እቲ ውዕል ከኣ፡ ሃገረ ቦሊቭያ ንዝነበራ ልዕሊ 400 ኪሎ ሜተር ገማግም ባሕሪ ንቺለ ኣረኪባታ። ድሕሪ እቲ ውዕል ምኽታሙ ድሕሪ 109 ዓመታት ንዘልዓለቶ ምጉት'ውን ክትዕወተሉ ኣይከኣለትን።
ቺለን ቦሊቭያን ካብ 1978 ጀሚረን ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ርከባት ዘይብለን ሃገራት ላቲን ኣመሪካ እየን።
ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ከም ሓላፊ ዴስክ ኤውሮጳ፡ ኤርትራ ምስ የመን ብደሴታት ዙቑር ሓንሽ ምስተሰሓሓበት ከኣ ከም ኣባል ሽማግለ ዘተ ክልቲኤን ሃገራት ኮይኑ ዘገልገለ፡ ካብ ኤርትራ ንስደት ምስተመልሰ፡ ኣብ ኬንያን ኣፍጋኒስታንን ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሐ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝምቕማጡ ኣቶ ጠዓመ ተወልደብርሃን " እቲ ሕጊ ኣብ ቦትኡ እናሃለወ፡ ኩሉ ሳዕ ደቂ ሰባት ኣብ ርእሲ እቲ ዘየገማጥል ሕጊ፡ ንጉዳያቶም ብዘተን ልዝብን ምክብባርን ምስዝሕዙዎ ጥራሕ እዮም ንቕድሚት ክስጉሙ ዝኽእሉ" ብምባል፡ ንጸጋታትና ምስ ጎረቤትና ኢትዮጵያውያን ተረዳዲእናን ተመላሊእናን ክንነብር ዘይንኽእለሉ ምኽንያት የለን ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።
ኣቶ ጠዓመ ተወልደብርሃን፡ " መሰል ምትሕልላፍ ካብን ናብን ባሕሪ ንኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣብ 1990 ድሮ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝጸሓፎ መጽናዕታዊ ወረቐት፡ ንዓለማዊ ሕግታት ባሕሪ ብደቂቕ ብምዝርዛር "ምስ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ምቹእ ናይ ስራሕ ዝምድና ንምምዕባል ኪኖ እቲ ዓለማዊ ሕጊ ኣብ ሓድሕድና ብዝፍጠር ሕውነታዊ ምርድዳእ ኢትዮጵያ ንወደባት ዓሰብን ባጽዕን ንክትጥቀመሉ ምቹእ ባይታ ክፍጠር" ከምዝግባእ ይጠቅስ።
" እቲ ዓለማዊ ሕጊ ንጹርን ግሉጽን እዩ። ማንም ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ንኻልእ ሃገር ኣገዲዳ ኣፍ ደገ ባሕሪ ክትረክብ ኣየፍቅድን እዩ። ኪኖ ሕጊ ደቂ ሰባት ተረዳዲኦም ዝፈጥሩዎ ክልተኣዊ ዝምድናን ሽርክነትን ስለዝበልጽ፡ ሸየጥትን ዓደግትን ኣገልግሎታት ብምርድዳእ ዝገብሩዎ ልዝብ'ዩ ዝያዳ ዕውት" ይብል።
ካብ መስረትቲ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ቺፍ ኢንጂነር ፓውሎ ኣንቶንዮ፡ ፖሎቲከኛታት ኢትዮጵያ [ቅድምን ድሕርን ናጽነት] ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረድዎ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ካሕሳ ክሕተቶ ዝግብኦ ክንሱ ብዘይ ርዱእ ምኽንያት ጉዳይ ባሕርን ወደብን ከም ናይ ፖሎቲካ መሳርሒ ከምዝጥቀምሉ ይሕብር።
" ንሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ክሳብ ክንድዚ ዶብ ዝሰገረ ምትኹታኽ ኵናት ካብ ምእዋጅ ዘይንእስ'ዩ" ብምባል ነቲ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያን ምሁራትን ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዝብልዎ ነገር ልዑላዊ ክብሪ ሃገር ዝደፍር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት ክመጽእ እንከሎ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ግብረ መልሲ ዘይምሃቡ ዝያዳ ከምዘሕርቖ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Biniam Tadesse
ኣብዚ ሕጂ ኣብ ሃገረ ሽወደን ኣብ ሓንቲ 'ታግቦትን' ሰባሪት በረድን መርከብ ከም ባሕረኛ ዝሰርሕ ዘሎ ኣባል መስመር ንግዳዊ መራኽብ ኤርትራ ነበር ኦፊሰር ቢንያም ታደሰ ብወገኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሬትን ባሕርን ናይታ ዝተጎበጠት ሃገሩ ብመስዋእቲ ነጻ ከምዘውጸኦ ብምጥቃስ፡ እዚ ሕጂ ብዛዕባ ባሕሪ ኤርትራ በዝን በዝን ዝለዓል ዘለሎ ዘረባ ናብ ካልእ ዕግርግር ከየምርሕ ስክፍትኡ ይገልጽ።
ኦፊሰር ቢንያም፡ ንሃገረ ስዊዘርላንድ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ወደብ ኣልቦ ክንሳ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምስናይን ኣብ ውሽጣዊ ዓቕማ ብምምርኳስን ሓንቲ ካብ ጸለውቲ ሃገራት ከምዝኾነት ይዛረብ።
ኣብቲ ኢትዮጵያ ብዓብላልነት ህወሓት ኣብ እትምርሓሉ ዝነበረት እዋን ንልዑላውነት ምድርን ባሕርን ብዝምልከት ዝኾነ ሕቶ ከምዘይነበረ፡ እቶም ናይ ጎበጣ ጥሙሕ ዝነበሮም ሓይልታት ከኣ ብስርዓት ኢሂወደግ ተቐባልነት ከምዘይነበሮም ብምግላጽ፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ምትንኻፍ ካልእ ሽግር ምፍጣር ምዃኑ ይዛረብ።
ኣቶ ጠዓመ ተወልደብርሃን፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሓባቢሮም ክሰርሑ ዝኽእሉ ሕጋውያን ደሞክራሲያውያን ስርዓታት እንተተኺሎም፡ ጉዳይ ባሕርን ወደባትን ካብ ኣገልግሎት ዕዳጋ ወጻኢ ካልእ ክኸውን ከምዘይክእል ይሕብር።
ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ናይ ወደባት ኣገልግሎት ኣማራጺታት ዘለዋ ዓባይ ሃገር እያ። ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ወደባት በርበራ ጂቡቲን ፖርት ሱዳንን እናተጠቕመት ብቐጻሊ ብቑጠባ ክትዓቢ ከምዝጸንሐት ብምጥቃስ ሕጂ እውን ወደባትን ባሕርን ኤርትራ ከም ናይ ኣገልግሎት ዕዳጋ ክረአ እምበር ናብ ዘየድሊ ገልጠምጠም ዘእቱ ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ ዘይድግፎን ዘይቅበሎን ጉዳያት ብምልዓል ናብ ጓል መገዲ ምእታው ከምዘየድሊ ይዛረብ።
ስለዝኾነ እቶም ልቦናን ሕልናን ዘለዎም ምሁራት ዜጋታት እታ ሃገር ቁሩብ ርግእ ኢሎም ክሓስቡን ከመዛዝኑን የዘኻኽር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







