ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቻይናዊ መዘናኡ ሺን እንታይ ዘትዮም?

ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቻይና ዝተገብረሉ ኣቀባብላ

ምንጪ ስእሊ, Shabait

ኣብ ቻይና ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ሺ ዢንፒንግ ተራኺቡ።

ሺ ዢንፒንግ ነቲ ንፈለማ እዋን ብወግዒ ዝረኸቦ ኣፍሪቃዊ መራሒ ብወተሃደራዊ ሰላምታ ዝተሰነየ ወግዓዊ ኣቀባብላ ገይሩሉ።

ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ'ቲ ወግዓዊ ናይ ኣቀባብላ ስነስርዓት ዝተፈለለዩ ጉዳያት ኣልዒሎም ተመያይጦም።

ፕረዚደንት ዢንፒንግ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኵሉ ሳዕ ኣብ ንሓድሕደን ምትእምማንን ምትሕግጋዝን ከምዝነበረን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ቻይና ደይሊ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ክልቲአን ሃገራት ብሓባር፡ ንፖሊሲ "ዕብለላን ምትእትታውን ይነጽጋ" ክብሉ እቶም መራሕቲ ገሊጾም፣ ብምባል ማዕከን ዜና ሲጂቲኤን ሓቢሩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ኣብ በይጂንግ ዝርከብ ዓቢይ ኣዳራሽ ህዝቢ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፡ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን፡ ነቲ "ኤርትራ እትኽተሎ ናጻ ፖሊሲ ወጻኢ፡ ቻይና ከምእተድንቕ" ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ገሊጹሉ።

ቻይናውያን ካብ ሱዳን ኣብ ምውጻእ ኤርትራ "ንዝሃበቶ ደገፍ" መርኣያ ዘለወን "ዓሚቚ ምሕዝነት" ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ ምስጋናኡ ገሊጹ።

ቻይና ምስ ኤርትራ ዘለዋ ርክብ "ስትራተጂያውን ንነዊሕ ዝጠመተን" ምዃኑ'ውን እቲ ቻይናዊ መራሒ ተዛሪቡ፤ ነቲ ኣብ መንጐ ሃገሩን ኤርትራን ዘሎ ዝምድና ኸኣ ንመማቝን ናብ ሓድሽ ዝበረኸ ደረጃኡ ንምስግጋር ከም ዝሰርሕ ቃል ኣትዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤርትራ፡ ምስ ሃገራዊ ኵነታታ ዝሰማማዕ ኣንፈት ልምዓት ክትክተል፡ ከምኡ'ውን ልኡላውነታን ጸጥታኣን ከተውሕስ ቻይና ከምእትድግፍ ዢንፒን ገሊጹ።

ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ንዝግበር ምትእትታውን እገዳታትን ከምእትቃወም'ውን እቲ ቻይናዊ መራሒ ኣነጺሩ።

"ሓባራዊ ጥቕሚ ዘለዎ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕን ብመንገዲ፡ ከም ቻይናዊ ተበግስ ’በልት ኤንድ ሮድ’ [Belt and Road]፡ ቻይና-ኣፍሪቃ ናይ ምትሕግጋዝ ፎረም፡ ከምኡ'ውን ጠመተ ሰላምን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተባህሉ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ቻይና ምስ ኤርትራ ክትሰርሕ ድልውቲ እያ።"

ጕጅለታት ሕክምናን ላዕለዎት ክኢላታት ሕርሻን ናብ ኤርትራ ምስዳድ ከምእትቕጽል ዝገለጸ፡ እቲ ዴሳዊ መራሒ፡ ኣብ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺ፡ ቴለኮሙኒኬሽን፡ ሕርሻ፡ ዕደናን ሃብቲ ዓሳን ዘሎ ምትሕግጋዝ ንምሕያል ድልውቲ ከምዘላ'ውን ገሊጹ'ሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ንቻይና ዘለዎ ናእዳ ብምግላጽ፡ ዓለምለኻዊ ርትዒን ፍትሕን ብምምጻእ ኣብ ምዕባለን ገስጋስን ሰብ ዓቢ ኣበርክቶ ክምትገብርን ተዛሪቡ ክብል ቻይና ደይሊ ጸብጺቡ።

"ቻይና ዓባይ ሃገር እያ፡" ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ዓለም ገጢምዋ ንዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ ዘኽእል ቻይናዊ መፍትሒ እማመታት" ከተቕርብ ምጽንሓ ንኢዱ።

ብተወሳኺ እቲ ፕረዚደንት፡ "ሃገራት ኣፍሪቃ ገና፡ ንዕብለላ፡ ንዘይርትዓውን ዘይፍትሓውን ኣተሓሕዛ ቅሉዓት ኣለዋ፡" ኢሉ

"ብዛዕባ ምስ ቻይና ዘለዎ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘመን ዝቐጸለ ፍሉይ ምትእስሳር ዝተዛረበ" እቲ ኤርትራዊ መራሒ፡ ህዝቢ ቻይና ንቃልሲ ኤርትራ ዝሃቦ ደገፍ ዘይርሳዕ ምዃኑ ኣመስጊኑ።

እቲ ፈላሚ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ኣብ ቻይና ከምዝረኸበ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቅድሚ 15 ዓመታት ንመወዳእታ ግዜ ናብ ቻይና ከምዝበጽሐ ይንገረሉ።

ብመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተመርሐ ኣኼባ ቻይናን ኤርትራን ኣብ ቤዢንግ

ምንጪ ስእሊ, China Daily

መግለጺ ስእሊ, ብፕረዚደንት ሺን ኤርትራዊ መዘናኡ ኢሳይያስን ዝተመርሐ ኣኼባ ቻይናን ኤርትራን ኣብ በይጂን

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ችያን ዝገበሮ ርክብ

ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተራኸበ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ችያን ቻይናን ኤርትራን “ንኽልቲአን ሃገራት ዘርብሕ ምትሕብባር ከዕምቛን ስትራተጂያዊ ሽርክነተን ከሀብትማን” ከምዝግባእ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ “ቻይና ኣብ መንጐ ህዝብታትን ሃገራትን ዝያዳ ፍትሓዊ ዝምድና ክህሉ ንስርዓት ዓለም ኣብ ምቕያር ዝገበረቶ ኣበርክቶ ብርግጽ ግሎባዊ ብድሆታት ከስዕብን ነቲ ህልዊ ስርዓት ክልውጦ ምዃኑን” ምዝራቡ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ንሱ ወሲኹ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ ካልእ ዓለም “ተጐስያ” ከምዘላ ብምጥቃስ፡ “ኣበርቲዓ ክትቃለስን ካብ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ዝሓየለ ኣበርክቶ” ከምእትጽበን ሓቢሩ።

እቲ ብሰንኪ ባዕላውን ደጋውን ተነጽሎ ካብ መድረኻት ዓለም ተኸዊሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት፡ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ንፈለማ እዋን'ዩ ካብቲ ዞባ ኣርሒቑ ወግዓዊ መገሻ ዘካይድ ዘሎ።

ነቶም ብቻይና ተወዲቦም ዝካየዱ ዋዕላታት መራሕቲ ኣፍሪቃ ከይተረፈ’ውን ተሓሲምዎም'ዩ ጸኒሑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ ሰኑይ ቅድሚ ቐትሪ ኣብ በይጂን፡ ኣደባባይ ቲናንመን ኣብ ዝርከብ 'ሓወልቲ ጀጋኑ ህዝቢ' ዕምባባ ኣንቢሩ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ችያን 15 ግንቦት 2023

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ችያን ተራኺቡ
Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንኣርባዕተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም ብቐዳም ድሕሪ ቀትሪ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ከምኡ’ውን ንግድን ኢንዱስትርን ዝርከብዎ ልኡኽ ሒዙ ካብ ኣስመራ ከምዝተበገሰ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሐቢሩ።

ወሲኹ’ውን ምስ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን ከምዝራኸብን እቶም መራሕቲ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፋይናንሳዊን ልምዓታውን፡ ንግዳውን ከምኡ’ውን ዞባውን ዓለምለኻውን ሓባራዊ ጉዳያት ክዘራረቡ ምዃኖምን ገሊጹ።

ኣብ ጥሪ 2022 ኣብ ኤርትራ በጺሑ ዝነበረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን" ናብ ሃገሩ ምብጻሕ ከካይድ ካብ ፕረዚደንት ዢንፒን ዝተላእከ ዕድመ ኣቕሪቡ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ክልተ-ዓሰርተ ዓመታት ኤርትራ ብተዛማዲ ምስ ቻይና ዝሓሸ ዝምድና'ዩ ጸኒሑዋ።

ቻይና ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቁጠባዊን ጸጥታዊን ምትእስሳራት እናዓበየ ክመጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኤርትራ ኣብቲ ንስዌጽ ካናልን ንህንዳዊ ውቅያኖስን ኣብ ዘራኽብ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ቀይሕ ባሕሪ ነዊሕ ገማግም እትውንን ብምዃናን ቻይና ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልዋኣ ንምዕዛዝ ኣብ ዘለዋ ድልየትን፡ ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነታ ልዑል እዩ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ቻይና ኣብ 2017 ዝደኮነቶ ፈላሚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበራ’ውን ኣብ ጐረቤት ሃገር ጅቡቲ እዩ ዝርከብ።

ፕረዚደንት ሺ ንኤርትራዊ መዘናኡ እናተቐበሎ

ምንጪ ስእሊ, China Daily

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ሺ ዢንፒንግ ኣብ ቤዢንግተራኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/twitter

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ሺ ዢንፒንግ ኣብ ቤዢንግተራኺቡ

ምንጪ ስእሊ, China Daily